Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቡነ ሲኖዳ፡ ብሰንኪ ዝዘርእዎ እከይ ተግባራት ዉርደት ከምዝሓፍሱ ኮይኖም

ኣቡነ ሲኖዳ፡ ብሰንኪ ዝዘርእዎ እከይ ተግባራት ዉርደት ከምዝሓፍሱ ኮይኖም እቲ ቀንዲ ምኽንያት ነዛ ጽሕፍቲ ክንጽሕፍ ዝገደደና አቲ ብዕለት ሰነ (June) 28,2016 ኣብ ኣሰና ዶት ኮም “ ጳጳስ ኣሜሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተከርስቲያን ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስቲ

ኣቡነ ሲኖዳ፡ ብሰንኪ ዝዘርእዎ እከይ ተግባራት ዉርደት ከምዝሓፍሱ ኮይኖም

እቲ ቀንዲ ምኽንያት ነዛ ጽሕፍቲ ክንጽሕፍ ዝገደደና አቲ ብዕለት ሰነ (June) 28,2016 ኣብ ኣሰና ዶት ኮም “ ጳጳስ ኣሜሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተከርስቲያን ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጸሓፈ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ሓበሬታ ተሓዊስዎ ስለዘሎ መልሲ ንምሃብን ከምእውን አቲ ሓቂ  ንኣምበብቲ ንምሕባር እዩ። እዛ ዝሕፍቲ አቲ ናይ ኤርትራ ቅዱስ ሲኖዶስ ልኡኻት ዝተጸወዔ ናይ ሃገረ ሰብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ኣብ ፊላደልፍያ (Philadelphia)  ብዕለት ሰነ (June) 26-27, 2016 ዝተኻየደ ጉባኤ ጽባሕ በምዃኑ ከም’ውን ናብቲ ኣኼባ ዝኸዱ ወኪላት ቤተ ክርስቲያንት ገና ነናብ ቦቶኦም ከይ ተመልሱ ከለዉ በውጻኣ ብጣዕሚ አዩ ገሪሙና። በታ ጽሕፍቲ መሰረት አቶም ንዓሰረት ዓመት ንፈልጦም ኣቡነ ሲኖዳ ከምቲ ኣብቲ ዝሑፍ ብፍላይ ብዛዕባ ሃገዝ ንደቂ ስወኣት ተበሃሉ ዝተዋጸኤ ገንዘብ ጠጠው ከምዘበለዎ ዝብል ጽሑፍ ምስ ኣንበብና ከንኣምን ኣይከኣልናን ። ድሕሪ አቶም ካህናትን ምእመንን ካብቲ ጉባኤ ምስ ተመልሱ ብዝሃቡና ሓበሬታ መስረት ኣቡነ ሲኖዳ ብዛዕባ ናይ ደቂ ስወኣት ገንዘብ ዝምልከት ሓንቲ ቃል ካብ ኣፎም ኣየወጽኡን ዝብል  አዩ። ምእንተን እቲ ሓቅን ሓሶትን ኣብዛ ዝሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ኣንበብቲ ከፈልጡ፣ ከልተ ነጥብታት ካብታ ጽሕፍቲ ኣልዒልና ብዘለና ርጡብ ሓበሬታ መሰረት ከነብርሕ ከንፍተን ኢና። ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ ገዜ ቃለ-ጉባኤ ናይቲ ኣኼባ ንኹለን ቤተ ክርስቲያናት ስለ ዝዝርጋሕ ከምእውን ኣብቲ ኣኼባ ብውልቀ ሰባት ዝተቐድሔ ቪድዮ ክሊፕስ ስለዘሎ ከም ተወሳኺ መርትዖ ከም ኣድላይነቱ ኣብ መጻኢ ገዜ ክንዝርግሖ ንኽእል ኢና።

ኣብቲ ጽሑፎም ደገፍቲ ኣቡነ ሲኖዳ ከምዝሓበርዎ “ ኣባ ሲኖዳ ካብቲ ቀንዲ ዝቐረበሎም ክሲ ብፍላይ ድማ ንኣባላትን ደገፍቲ ህግደፍ ዝቖጠዔ፣ካብ ቤተክርስቲያናት ንደቂ ስውኣት ዝተዋጸ ገንዘብ ስለመንታይ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ዘይገብርኩሞ ተባሂሎም ምስተ ሓተቱ ዝሃብዎ መልሲ ኣነ ብዙሓት ቤተ ክርስቲያናት ኢሳያስ ናብ ወተሓደራዊ መዓላ ከውዕሎ ስለዝኾነ ግዜ ክሳብ ዝወግሕ፣አቲ ገንዘብ ኣብ ዘለዎ ይጽናሕ ኢሎም ስለ ዝተቛወሙ፣ ናብ ኤርትራ ክሰዶ ኣይከኣልኩን” ዝብል ጽሒፎም ኣለዉ። እዚ ዝበሃል ዘሎ ኣብቲ ናይ ፊለደልፍያ(Philadelphia) ኣብ ሰነ (June) 26/27, 2015 ዝተገብረ ልዕሊ ሳላሳን ሓሙሽተን(35) ዝኾና ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያናት ዝተሰታፈኦ ኣኼብ ብፍጹም ካብ ኣፎም ኣይወጸን። በቲ ናይ ሃገረ ሰብከት ቦርድ ኣሰራራሓ ሕግን መሰረት ኣቡነ ሲኖዳ ክመኽሩ’በር  ከምዚ ግበሩ ወይከኣ ከምዚ ኣይትግበሩ ኢሎም ንቦርድ ክእዝዙ ፍጹም ስልጣን የብለሙን ። ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓምታት ሃገረ ሰብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን እኮ ብሽውዓተ ኣባላት ዘለዋ ቦርድ እያ ክትምራሕ ጸኒሓ። ኣቡነ ሲኖዳ ከኣ ከም ሻዉናይ ኣባል አታ ቦርድ ከም’ውን ኣቦ ወንበር ናይቲ ሃገረ ሰብከት ብምዃን  ብማዕረ ምስ ኩሎም ኣባላት ተሓባቢሮም ይሰርሑ ነይሮም። ከምቲ ናይቲ ቦርድ ኣሰራርሓ አንተኾነ’ውን ጉዳይ ገንዘብ ምስዳድ ዝምልከቶ ንገንዘብ ተሓዛይ ናይቲ ናይ ሃገረ ስብከት አዩ አምበር ንኣቡነ ሲኖዳ ብፍጹም ኣይምልከቶምን አዩ። ብተወስኺ እቲ ሃገረ ሰብከት ከም 501(C) 3 ተረፍ-ኣልቦ ትካል መጠን ብናቱ ውሽጣዊ ሕግታትን ከምኡውን ብናይ ሜሪላንድ ኮርፖረሽን ኮድ (State of Maryland Corporation Codes) ዝምእዘዝ ትካል ከምዃኑ መጠን ንሓደ ኣባል ቦርድ ገደብ ዘይብሉ ስልጣን ከህብ ሕጊ ኣይፈቅደሉን አዩ።  ኣብቲ ጉባኤ ሃገረ ሰብከት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ናይ 2014  ናይ ደቂ ሰወኣት ተብሂሉ ዝተዋጸኤ ገንዘብ ብሰንኪ ኣብ ውሽጦም ዝተልዓለ ምምቕቓል ከምዘይተሰደድ ምስ ሓበሩ ሓደ ሓደ ካህናት አቲ ገንዘብ ናይ ግድን ክትሰድዎ ነይሩኩም ዝብል ዘረባታት ኣስሚዖም አዮም። ከም ናትና ግምት ነታ ጽሕፍቲ ዘዳለዉዋ ደገፍት ኣቡነ ሲኖዳ ኣብቲ ጉባኤ ብትእዛዝ ቅዱስ ሲኖድስ ትእዛዝ መሰረት ኣቡነ ሲኖዳ ንዓዲ ከኣትዉ አይፋልን አንተበሉ ግና ካብ ቦቶኦም ክእለዩ ዝተወሰደ ስጉምቲ ደስ ስለ ዘይብሎም ኮን ዶ ኮን ጉዳይ ኣቡነ ሲኖዳ ናይ ፖለቲካ  ኣንፈት አንተ ኣትሒዝናዮ ኣብቲ ሃገረ ሰብከት ቁልውላው ኣልዒልካ እንተ ኾይንሎም ኣቡነ ሲኖዳ ናብ ቦተኦም ከምለሱ አንተ ዘይኮይነ ኸኣ ቤተ ክርስትያናት ናብ ምፍንጫል ከምዝኣትዋ ንምግባር ዝትሓንጸጸ ኣብ መወዳእታ ሰዓታት ዝተመሓዘ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ሓሶት እዩ።  ቤተ ክርስቲያን አንዳ ተመላለስካ ከንድዚ ሓሶት ኣሎ ድዩ? ኣቡነ ሲኖዳ ሓሶት እግዚኣብሄር ዘይፈትዎ ተግብር’ዩሞ ኣትተሓስዉ ኢሎም ኣስተምህሮ ዶ ኣይሃበዎምን ድዮም? እግዚኣብሄር ይመስገን ህዝብና ብሰንኪ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ዝተለዓለ ብኣውራጃን ፖለቲካን ምፍልላይ ከይኣኽሎ ብስሱዓት መራሕቲ ሃይማኖት(ብፍላይ ብኣቡነ ሲኖዳ) ዝተለዓል ኣብተን ሰላም ዝነብረና  ቤተ ክርስቲያናት ከይንፋላለ ዝነበረና ናይ ፍርሂ ደመና ንግዚኡ ዝተቐንጠጠ ይመስል ኣሎ።

ብተወስኺ ንዝሓልፈ ብዙሕ ዓመታት ንደቂ ስወኣት ተባሂሉ ዝዋጻእ ዝነበረ ገንዘብ ብግቡኡ ንዝምልከቶ ኣካል ይስደድ ከምዝነብረ በቲ ሃገረ ሰብከት ንቤተ ክርስቲያናት ሓብሬታ ይወሃብ ከምዝነብረ ባዕልና ንምስክሮ ጉዳይ እዩ። በዛ ጽሕፍቲ መሰረት ንመንታይ ግና ቤተ  ክርስቲያናት “ ኣብ ከንዲ ዝሰደደኦ ገንዘብ ንኣቡነ ሲኖዳ ግዜ ክሳብ ዝወግሕ ሓዝዎ ካብ ዝብለኦም  ኣቲ ገንዘብ ባዕላተን ንመንታይ ዘይሕዝኦ ወይከኣ ምውጻእ ገንዘብ ጠጠው ዘየበላ?” ዝብል ሕቶም መልሲ ዘድልዮ ኮይኑ ይስመዓና። ብናትና ግመት አቲ ኣብቲ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ሓሶት ምእንተን ንኣምበብቲ ንሓበሪታ ክኸውን አዚ ኣብ ዓመት ዓመታ ናይ ሓንቲ ሰንበት ሞባእ ንደቂ ሰወኣት ክስደድ ዝተወሰነ ኣቡነ ሲኖዳ ምስመጹ ዘይኮነ ኣብ 1995/1996 ዘሎ ግዜታት ብቀሺ ገብረሚካኤል የውሃንስ ዝምራሕ ዝነብረ ንኡስ ሃገረ ሰብከት ስሜን ኣሜሪካን ካናዳን ብዘመሓላለፎ ትእዛዝ መስረት አዩ።  ክሳብ ሕጂ’ውን ከምኡ ኢሉ ይኸይድ ኣሎ። ንኣብነት ናይ 2015 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ቤተክርስቲያናት ኣዋጺኤን ናብ ሃገረ ሰብከት ክሰዳ ይዳለዋ ኣለዋ።

አቶም ደገፍቲ ኣቡነ ሲኖዳ ብምቕጻል ኣብቲ ዝሑፎዎ ከምዚ  “ኣባ ሲኖዳ አቲ ብደገ ደገ ትሕም ክበሃል ዝጸንሔ ናይ ምፍልላይን ኣዋራጃዊ መንፈስን ኣብቲ ኣኼባ ዓው ኢሎም ዳሕዲሖም አዮም” ዝብል ኣስፊሮም ኣለዉ።  እዚ ሓበሬታ 100% ሓቂ አዩ። ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቖሉ በልት ኣድጊ ከምዝበሃል ኣቡነ ሲኖዳ ኣብ ልዕሊ ኣቦና ኣቡነ ሉቃስ ዝቕነዔ” ናይ ጉጅለን ወገነን  ብፍላይ  ምስ ደቂ ሺመጃና ኮይንኩም ኣነ ካብ ቦታይ ከምዝእለ ዝገበርኩም’ዩ”  ዝብል ዘረባ ካብ ኣፎም ከውጽኡ ምስ ጀመሩ” ኣብቲ ኣኼባ ዝነብሩ ደቂ አቲ ከባቢ ካህናትን ምእመንን ዓው ኢሎም ተቛውመኦም ብዓውታ ንኣቡነ ሺኖዳ መልሲ ከህቡ ምስ ጀመሩ ኣብቲ ኣኼባ ዓው ዓውታ ንሓጺር ግዜ ነይሩ አዩ። አቲ ዘረባታት ጠጠም ምስ በለ ሕጅ’ውን ኣቡነ ሲኖዳ ናብ ሕሶት ዝመልኦ ካልእ ጸለመ ጀመሩ። እቲ ብሰንኪ ናቶም ምምሕዳራዊ ጸገምን ኣዋራጃዊ ስሚዕት ዘሳወረዉ ህውከት ኣብ ሂዩስተን ቴክሳስ፡ስያትል ዋሺንግቶን፡ ፊኒክስ ኣሪዞና ክሳብ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ ጉዳይ  ልኡኻት  ቅዱስ ሲኖዶስ ብፍላይ ኣቡነ ሉቃስ ከምዘበገስዎ ጌርካ ናይ ሽም ምድዋን ዘመተ ኣብቲ ኣኼብ ተዛሪቦም አዮም። እቲ ዘሕዘን ካብ ሓደ ጳጳስ አየ ዝብሉ ኣቦ ከምዚ ከትሰምእ ከለኻ ማዕረ ከንደይ ብሸይጣናዊ መገዲ አዞም ኣቦ ይኸዱ ከምዘለዉ ኢኻ ትርዳእ። እቲ ካልእ ነውራም ስራሕ ናይ ኣቡነ ሲኖዳ ዝነብረ ብውልቃዊን ሕውነታዊ ርክባት ዝተለዓለ ቅድሚ 2-3 ዓመታት ካብ ኣቦና ኣቡነ ጴጥሮስ ዝተለኣኸሎም ደብዳቤታት ከም ካብ ቅዱስ ሲነዶስ  ኣብ ቀረባ ግዜ ከምተለኣኸ ኣሚሲሎም ነተን ዝተሰደዳ ክለተ ደብዳቤታት ዓው ኢሎም ኣብቲ ጉባኤ ኣንቢበሞ። ብናይ ኣቡነ ሲኖዳ ድኹም  ኣታሓሳስባ አቲ ኣብ ልዕሊኦም ብቕዱስ ሲነዶስ ካብ ቦታኹም ተኣሊኹም ኣለኹም ዝብለ ውሳኔ ኣቦና ኣቡነ ሉቃስ ምስ ገለ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኮይኖም ከምዝገብርዎ ጌሮም ብምቕራብ ኮን ድ ኾን ገለ ሰዓብቲ ይረክብ ብዝብለ ዝሓንጸጽዮ ሽርሒ አዩ ነይሩ። አቲ ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፈ ኩሉ ግና ንኣቡነ ሲኖዳ ከም ዝካዓቡ ኮይኖም አዩም። አምበርከ ኣቡነ ሲኖዳ ናይ በሓቂ መራሂ ሃይማኖትና ደዮም ዝብለ ሕቶዉን መልሲ ክትረኽበሉ ይድንጽወካ እዩ?

ብኻልእ ሸነኽ ግና ኣቡነ ሲኖዳ ዝወጻሎም ዕሉል ብኣዋራጃዊ ስምዒት ዝተላዕጠጡ ምዃኖም ኣብ ብዙሓት ቤተ ክርስቲያናት ዘሎዉ ምእመናን ዝምስክርዎ ሓቂ አዩ። እቶም ናቶም ሰዓብት’ውን ብኣውራጃን ፖለቲካን ስምዒት ዝተኣኻኸቡ ከምዝኾኑ ዝሕብር መርትዖ’ዉን ኣሎ። ሰዓብቲ ኣቡነ ሲኖዳ (ካብ ካህናት፡ትምህርቲ ሰንበት፡ምእመን ዝተዋጸኡ) ዝተዳለው ጽሑፍ ቀድሚ ናይ ፊላደልፊያ ኣኼብ ብዕለት ሚያዝያ (April) 28, 2016 ንኹለን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያናት  ጽሑፋት ሰዲዶም አዮም።  አዛ ጽሕፍቲ ከም መርትዖ ኣብ ታሕቲ ከም ጥባቖ ኣላትኩም። አቲ ልዕሊ  ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ ልዕሊ  ኣቦና ኣቡነ ሉቃስ ዝተፈነወ ህቦቡላ ኣባ ጥብቖ-1 ኣብ ገጽ 4 ኣብ ክፍሊ ሰ-4 ኣንብብዎ። ኣቡነ ሲኖዳ ይኹን አቶም ሰዓብቶም ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ደገፍቲ ከምእውን ብጸቢብ ኣውራጃዊ ሰሚዒት ዝሓመሙ ከምዝኾኑ ኣቲ ጽሑፋቶም ይምስክር አዩ። ቅድም ኣቢሎ’ውን አዞም ሰዓብቲ’ውን ኣቡነ ናብ ኩለን ቤተ ስርቲያናት ጽሑፍ ኣዳሊዮም ኣብ ሚያዝያ (April) 28, 2016 ሰዲዶም ነይሮም አዮም (ጥብቕ-2 ተመልከት)። እዛ ጽሕፍቲ ብተወሳኺ ደብዳቤ ካብ ግዱሳት ምእመናን ኤርትራዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ሰሜን ኣመሪካ፡ ብዛዕባ ዘይቅኑዕን ኣዕናውን ጽሑፋት ኣሰና.ኮም” ብዝብል ንሓደ ክለተ መዓልቲ ዝኸውን ኣብቲ ናይ መንግስቲ ህግደፍ ደጋፊት ዝኾነት ደሃይ ዳት ኦርጅ (www.dehai.org) ተጠቒዓ ነይራ አያ። ይኹን አምበር ደሓር ግና ብዘይተፈልጠ መኽንያት ተላዒላ አያ። ትሕዝቶ እተን ክልተ ጽሑፋት አንተ መርሚርና “ ንኣቡነ ሲኖዳ ዝገብረዎ ጌጋታት ሽፋፊንካ፡ ዘይናቶም ባህሪ ስእሊ ለኺኻ፣ ሃዋርያዊ ንጥፈታት የካይዱ ከምዘለዉ ጌርካ ንምእመናትን ካህናትን ንምድንጋር ዝዓለመ ነይሩ። ብተውሳኽም  ቤተ ክርስቲያናት ኣብቲ ዝሓለፈ ሰነ 26-27 ጉባኤ ፊላደልፍያ  ናብ ምፍንጫል ገጸን ከምዝኸዳ ባይታ ንምንጻፍ ተበሂሉ ዝተሓንጸጸ አኩይ መደብ አዩ ነይሩ እንተበልና ካብ ሓቂ ኣይረሓቕናን። እግዚኣብሄር ይመስገ ኣቡነ ሲኖዳን ሰዓብተሙን ማይ ዓሚኾም አዮም ተሪፎም።

ልዕል ኢልና ከምዝሓበራዮ ቀንዲ ክሲ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ሲኖዳ ብዛዕባ ገንዘብ ደቂ ስወኣት ከይከይድ ምኽልካል ካብ ዘይኮነስ “ አንታይ ዓይነት ከሲ ስለዝመጾም አዩ ማዕረ ካብ ምዝነት ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ተኣሊዮም ዝብለ ነጥቢ ክለዓል ባህሪያዊ አዩ። ንሕና ብዘለና ሓብሬታ ክስታት ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ሲኖዳ ኣብ ክለተ አዩ ዝምቀል። ኣቲ ሓደ ክሲ ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቅዱስ ሲንዶስ ክኸውን ከሎ አቲ ካልኣይ ክሲ ከኣ ብሃገረ ሰብከት ሰሜን ኣሜርካን ካናዳን ቦርድ ዝተመስረተ አዩ ነይሩ። እተን ክስታት ከምዚ ዝስዕባ አየን፣

  1. ካብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝቐረብ ክሲ

ናይ ኤርትራ ቅዱስ ሲነዶስ ብተደጋጋሚ ንኣቡነ ሲኖዳ ናብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣኼባ ክመጹ ብደብዳቤ ሓብርዎም አዩ።  አቲ ኩሉ ናብ ኣቡነ ሲኖዳ ዝተሰደደ ደብዳቤታት ንነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ብቕዳሕ ተሓቢሩ ከምዝነብረ ዝዝከር አዩ። አታ ናይ መወዳእታ ደብዳቤ ዝሓለፈ ሕዳር(November) ብዕለት 26/11/2014 ቑጽሪ ፋይል ቅ/ሰ/1/437/79/2014 ዝተሰደደት አያ። እታ ደብዳቤ ኸኣ ከምዚ ትብል፣

መንፈሳዊ ሰላምታና ብምቕዳም፣

          ብምቕጻል ቅድሚ ሎሚ ክልተ ሰለስተ መጸዋዕታ ተጌርልኩም ከትመጹ ኣይከኣልኩምን ሕጂ ግን ናይ መወዳእታ ንዕለት 07 ታሕሳስ 2007 ዓ.ም.ግ ብዘይዝኾነ ምኽንያት ኣብ ጉባኤክትርከቡ ቅዱስ ሲኖዶስ ወሲኑ ስለዘሎ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትሪያርክ ሰዓት 9፡00 ቀድሚ ቀትሪ ክትርከቡልና ብጥብቂ ነተሓሳስብ።

                                      እግዚኣብሔር ሰላሙ የሃበና

ይኹን’በር ኣቡነ ሲኖዳ ዝተፈላለየ ዕቡር ምኽንያት እንዳሃቡ ብንዕቀት ንትእዛዛት ቅዱስ ሲኖዶስ ዕጭ ኢሎም ክሳብ ሎሚ ኣለዉ። ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ፊላደልፍያ(Philadelphia) ብዕለት ሰነ (June) 26/27, 2015 ዝተገበረ ኣኼብ ሃገረ ሰብከት ሕ/መ/ኣን ካናዳን ንዓዲ ከኸዱ ብኣቦና ኣቡነ ሉቃስ ምስ ተሓተቱ ከም ኣመሎም ዕቡር ምኽንያት ብምሃብ ሕጂ ኣይምለስን እየ ኣብ ዝጠዓመኒ ግዜ ከምጽእ እየ ዝብል መልሲ ከምዝሃቡ አዮም ተሓቢሩ ዘሎ። ስለዚ አቲ ቀንዲ ክሲ ናይ ኣቡነ ሲኖዳ እምበኣር ንደቂ ሰወኣት ተባሂሉ ዝተውጸ ገንዘብ ከይስደድ ስልዝበሉ ዘይኮነስ ብተደጋግሚ ትእዛዛት ቅዱስ ሲኖዶስ ስለ ዝጠሓሱ አዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ካብ ስልጣኖም ተእልዮም ኣለዉ።

  1. ካብ 62- 68 ሺሕ ዝግመት ገንዘብ ናብ ሃገረ ሰብከት ሕ/መ/ኣን ካናዳን ክኣቱ ዝግብኦ ንብሕታዊ ረብሖኦም ስለዘውዓሉዎ

ኣዚ ዝበሃል ዘሎ ገንዝብ ኣቡነ ሲኖዳ በዚ ዝስዕብ መሸጣታት ገይሮም’ዮም ኣኺቦሞ

ሀ. ታቦት ብምሻጥ፡ ንሓደ ካበይ ከምዝመጸ ዘይፍለጥ ታቦት ካብ 800-1000 ዶላር ዝግመት ዋጋ ንብዙሓት ቤተክርስቲያናት ሸይጦም አዮም። አቲ ገንዘብ ብጥረ ወከኣ ብሽሞም ቼክ አንዳተጻሕፈ አዩ ተኸፊልዎም

ለ. ናይ መርዓን ጥምቀትን ሰርቲፍኬታት ብውልቆም የሕቲሞም ብምሻጥ

ሐ. ብሽም ሃገረ ሰብከት ዝተሓተመ  ዓውደ ኣዋርሕን/ካላንደር ብምሽጥ

. ናይ ኣባል ቤተክርስቲያን መታወቂያ ብምሻጥ ዝብለ አዩ ነይሩ።

ሰ. ንኽህንነት ምቕባእን ከም’ውን ውልደ-ክህነት ማዕረግ ምሃብ ዝኽፈል ኣገልግሎት እሎም ገንዘብ ካብ ቤተ ክርስቲያናት ወሲዶም ንውልቖም ስለ ዘውዓልዎ

ረ.  ብተወሳኺ ኣብ 2007/2008 ኣቢሉ ቀሺ ዮውሃንስ ዝተበሃሉ ናይ ችካጎ ቤተክርስቲያን ካህን “ውዳሴ ማሪያም” ካብ ግእዝን/ኣምሓርኝን ዝነብረ  ናብ ትግሪኛ ተርጉሞም ክህትምዎ ስለዝደለዩ፡ ብሰንሰለታዊ መገዲ ንሳንሱር ኣሎም ናብ ኣቡነ ሲኖዳ  ምስ ሰደድሎም ፡ ኣቡነ ሲኖዳ ነታ መጽሓፍ ብምስራቕ (plagiarism) ብሽሞም ጌሮም ንቤተ ክርስቲያናት ሽይጦም እዮም።  አቲ ሽያጥ ናይታ መጽሓፍ (ክሳብ $20,000 ዝግመት) ከም ልማዶም ኣብ ጅቦኦም ገይረሞ አዮም። ቅዱስ ሲኖዶስ አታ መጽሓፍ ናይ ቀሺ ዮውሃነስ ምዃና ምስ ኣረጋገጸ፡ አታ ብሽም ኣቡነ ሲኖዳ ዝተሓተመት “ ውዳሴ ማሪያም “ ከይትሽይጥ ንኹለን ቤተ ክርስቲያንት ትእዛዝ ኣምሓላሊፎም እዮም። እንታይ ዘመን ኢና በጺሕና  ጳጳስ ተባህልካ ዶ ከንድዚ ቀጠፍጠፍ ኣሎ።

  1. ኣቡነ ሲኖድስ ዝነብርሉ ኣብ ሜሪላንድ (Maryland) ዝርከብ ንብረት ናይ ሃገረ ሰብከት ብሽመይ ክቕየር ኣለዎ ኢሎም ንኣባላት ቦርድ ብርቱዕ ጸቕጢ ምግባሮም

አዚ ጉዳይ ንሃገረ ሰብከት ንዝሓለፍ ዓመታት ቁልውላው ዘእተው ቀንዲ መበገሲ ምኽንያት ከምዝኾነ ዝብል ክስውን ተመስሪቱሎም አዩ፡ ይኹን’በር ኣቡነ ሲኖዳ ከም ኣመሎም ኣሉ ቀጣን ኢሎም አዮም።

ኣብ መወዳእታ ከንብሎ ንደሊ ኣቡነ ሲኖዳ ከምቲ ዝኣምንዎ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ሰርዓት ብሕጊ ዘይ ይቀየዱ፡ህልኸኛ፡ ደረቱ ዝሰሓተ ስስዔ ዘለዎም፡ ወገነኛ፡ ወረኛ፡ ሓማዪ ከምእዋን ምኽሪ መሳርሕቶም ይኹን ካህናት ዘይሰምዑ ጳጳስ ናይ ሃገረ ሰብከት ሕ/መ/ኣን ካናዳን አዮም ነይሮም። አታ ሓንቲ ዓባይ ናይዞም ኣቦ ከእለት ዝነብረቶም ብወገንን፡ ፖለቲካን፡ ከምእውን ሓሶት እንዳፈጠርካ፣ ሰብኻ ጉብኤ ምስ ክህን፣ ካህን ምስ ካህን፣ ምእመን ምስ ካህን፣ ከም’ውን ኣባላት ሰበኻ ጉባኤ ነንሒድሒዶም ከምዝበኣሱ ምግባር አዩ። አዚ ንብሎ ዘለና ሽም ናይ ኣቡነ ሲኖዳ ንምጥፋእ ዘይኮነስ ባዕልና ኣብ ቤተ ከርስቲያናትና  ብተግባር ስለ ዝተሞከርናዮ አዩ።

እግዚኣብሄር ሰላሙ ይሃበና። ከም’ውን ፈላላያይ፡ ስሱዕ ዘይኩነ፣ ሕሊና ዘለዎ፣ንኹሉ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ብዘይ ፖለቲካን ወገንን ብማዕረ ዝሓቑፍ ካልእ ጳጳስ ክመጻኣና ናይ ኩላትና ጸሎት ይኹን። ኣሜን!!!!

ካብ ግዱሳት ምእመናን።

ክቡራት ኣንበብቲ ኣሰና፣

ነዚ ክብ ኢሉ ወጺኡ ዘሎ ግብረምልስን እቲ ብ 28 ሰነ ኣብ ኣሰና ዝወጽአ ጽሑፍን ኣገናዚብኩም ሚዛናዊ መረዳእታ መታን ክትረኽቡ፣ ሊንክ ናይቲ ብ 28 ሰነ ዝወጽአ ጽሑፍ ኣብ ታሕቲ ቀሪብናልኩም ኣለና።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንሃይማኖት ከም መሳርሒ ፖለቲካ ከምዝጥቀመሉ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። እንተኾነ፣ መራሕቲ ሃይማኖትና፣ ዛጊት ልዕሊ እቲ ፖለቲካዊ ጸወታ ጸብለል ኢሎም መንፈሳዊ መሪሕነቶም ከዕዝዙ ኣይተራእዩን። ብሰንኪ ‘ዚ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ካብ ሃገሩ ምፍላዩ ከይኣኽሎ፣ ልክዕ ከም ኣብ ፖለቲካ ኣብ ሃይማኖት ‘ውን ነንሕድሕዱ ተኸፋፊሉ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ።

demo.archive.assenna.com ካብ ናይ ቀረባ ተዓዘብትን ተዋሳእትን ንዝበጽሑዋ ንሃይማኖት፣ ብፍላይ ድማ ነቲ ብፍልልይ ተጠቒዑ ዘሎ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ዝምልከት ጽሑፋት ከተእንግደድ ዝጸንሓትሉ ምኽንያት ኣማኒ ነቲ ኩነታት ብንቕሓት ክምልከቶን ብኡ መጠን ነቲ ፍልልይ ንምጽባብ ሓገዝ እንተኾነን ብማለት እዩ።

እዚ ኣውንታዊ ድሌት ‘ዚ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፣ ካብ ሎሚ ንደሓር፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣርእስታት፣ ብፍላይ ስም ሰባት ረቝሑ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝቐርብ ጽሑፍ፣ ሓቀኛ ስም ጽሓፊኡ ምስ ዝህልዎ ጥራይ ከም እነአንግዶ ነዘኻኽረኩም።

ኣሰና ፋውንዴሽን

 

ብ 28 ሰነ ኣብ ኣሰና ዝወጽአ ጽሑፍ ንምንባብ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሊንክ ጠውቑ።

ጳጳስ ኣመሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
41 COMMENTS
  • michael July 9, 2015

    Hi assena!My name is Michael I am from Charlotte NC,I am very happy and Proud of you to clarify the truth.This is not about politics this is about faith.I was worried about the separation of these people but
    abune shinoda and his followers do not like unity specially in Charlotte he put the fire.One Time Me and Two Senior Gentle Men tried to solve the problem peacefully, the followers of the abun rejected our Idea I didn’t know what hidden agenda had with them.Now I Know that’s business.So my Prayer is Lord have Mercy the Abune Shinoda and we Believers have put Fear of Lord in our Spirit.

    • Haqqi Nezareb July 9, 2015

      Hi Michael,
      Your church is not alone. That is what Abune Shinoda did in most churches in America. He is a con artist at dividing the people along political and awarajawi lines. That is his hall mark.

  • haimanot July 10, 2015

    Egziooooooooo amlak mihret kewdelnas zeyreanayo aynizareb

POST A COMMENT