Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቡነ ሲኖዳ፡ ብሽም ሕጊ ቃለ-ኣዋዲ ኣመኽንዮም ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያናት ንምብትታን ይጓየዩ ኣለዉ (ጥብቆ ቅዳሕ ደብዳበ ድሕሪ’ዚ ዓንቀጽ ኣለኩም)

እቲ ቀዲ ምኽንያት ነዛ ጽሑፍ ክጽሕፍ ዝደፋፋኣኒ እታ ብዕለት 3/30/2015 ኣብ ኣሰና “ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከባ ናይ ተዋህዶ ቤተክርስቲያናት ንምፍራስ ኣባላት ሃሱሳት ሰሪዑ ኣሎ” ብዝብል ኣርእስቲ ብምንባበይን ከምእውን ብዛዕባ እዛ ጽሑፍ ምስ ሓደ

እቲ ቀዲ ምኽንያት ነዛ ጽሑፍ ክጽሕፍ ዝደፋፋኣኒ እታ ብዕለት 3/30/2015 ኣብ ኣሰና “ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከባ ናይ ተዋህዶ ቤተክርስቲያናት ንምፍራስ ኣባላት ሃሱሳት ሰሪዑ ኣሎ” ብዝብል ኣርእስቲ ብምንባበይን ከምእውን ብዛዕባ እዛ ጽሑፍ ምስ ሓደ እሙን ዓርከይ (ኣባል ሰበኻ ጉባኤ ናይ ሓደ ቤተክርስቲያን) ብተሌፎን እንዳዕለልና ከሎና እዚ ዓርከይ በዓል ብጹእ ኣቦና ሲኖዳ’ውን ምስ ውሑዳት ካህናት ኮይኖም ብሓደ ሸንኽ ንቤተ ክርስቲያናት ክበታትን ዝኽእል ብኻልእ ሽነኽ ከኣ ምስ ህግደፍ ልፍንቲ ፈጢሮም ይኾኑ እዩም ዝብል ሕቶ ክልዕል ዝኽእል ደብዳቤ ሰዲዶም ኣለዉ ይብለኒ። እዛ ድበዳቤ ቅዳሕ እንትሎካ ሃበኒ ይብሎ አንተኾነ ግና ክህበኒ ድልው ኣይነብረን። በል ክትህበኒ ካብ ዘይደለኻ ሕልፍ ሕልፍ ኢልካ ብዛዕባ ትሕዝቶ እታ ደብዳቤ ንገረኒ ይብሎ። እቲ ሕጊ ቃለ-ኣዋዲ ብዙሕ ኣይርዳኣንን እዩ ግና ኣብታ ደብዳቤ ከምዚ ከምዚ ከምዚ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ተጻሒፉ ኣሎ ይብለኒ። ኣነ ብወገነይ ጽን ኢለ ምስ ሰማዕክዎ “ኣዚ ደኣ መዓስ ጽቡቕ ኮይኑ ንቤተክርስቲያናት በዓል ኣቡነ ሲኖዳ ምስ ቁንጣሮ ዝኾኑ ካህናት ኮይኖም ገለ ሓሲበሙሉ ኣለው ማለት እዩ፣ ንስኻ’ውን ንቤተክርስቲያንካን ካልኦትን ከይበታትና ሓላፍነት ስልዘሎካ እዛ ደብዳቤ ኣመንቲ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተሃህዶ ቤተ ክርስቲያን ዝኮኑ ክፈልጥዎ ኣለዎም ዝብል ለበዋ” ይልግሰሉ። እዚኣስ እንድዒ ብዝኾነ ክሓስበላ እየ ዝብለ መልሲ ሂቡ ይፋነወኒ።

እቲ ዓርከይ ነቲ ዝተዘራረብናዮ ብዛዕባ እታ ደብዳቤ ሕልኒኡ ኳሕኴሒዎ’ዩ ይመስለኒ እታ ናብ ቤተክርስቲያናት ዝተሰደደትን ከምእውን  ካለኤቲ ደብዳቤ ቅዱስ ሲነዶስ ናብ ኣቡነ ሲኖዳ ዝሰደድዋ ኣብ ኢሜለይ ኣታሓሒዙ ይስደለይ። ኣነ’ውን እተን ደብዳቤታት ዝተሰዳ ድሕሪ ምንባበይ ትሕዝቶ እታ ሓንቲ ደብዳቤ ቤተክርስቲያን ንምብትታን ከምእውን ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ቤተክርስቲያናት ኢዱ ክእትው ማዕጾ ክፍተሉ ይኽእል እዩ ዝብል መደምድምታ ስልዝበጻህኩ፣ እታ ደብዳቤ ምስ ካልኣት ኣብ ካልእ እስቴታት ዝቕመጡ ግና ብቤተ ክርስቲያኖም ዝግደሱ ድሕሪ ምዝታይ፣ ካብታ ደብዳቤ ሓደ ሓደ ነጥብታት ብምልዓል እቲ በዓል ኣቡነ ሲኖዳ “ ቃለ-ኣዋዲ” ብዝብል ምስምስ  ንቤተ ክርስቲያናት ሕንፍሽ ፍሽ ንምእታው ከም’ውን ገንዘብ ቤተ ክርስቲያናት ንምጥፍፋእ ከይጥቀሙል ብዝብል ሕሊና ተበጊስና ነዛ ጽሑፍ ኣዳሊና ከምእውን ንሓደ ሓደ ኣገዳሲ ነጥብታት ብምልዓል ግብረ መልሲ ዝኸውን ክንጽሕፍ ተገዲድና ኣሎና ።

ክንፈልጦ ዝግባእ ድሕረ ባይታ፡

  1. “ቃለ-ኣዋዲ” ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያናት ዝምረሓሉ ድሕሪ ኤርትራ ነጻ ምውጸኣ ብ 1995 ዝጸደቐ ሕጊ እዩ። እዚ ሕጊ ዓሰርተው ሓደ (11) ምዕራፋት ዘለዎ ኣብ ውሽጡ ሚእትን ዕስራን ሽዱሽተን ዓንቀጻት (126) ዝሓዘ እዩ። እቲ ሕግታት ዝኾነ ሰብ ብድልየት እንተኣንቢብዎ ብቐሊሉ ክርድኦ ይኽእል እዩ። ብናትና ርኢቶ እቲ መንፍሳዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ዓንቀጻት ገዲፍኻ፣ ብዛዕባ ክልል ቤተ ክርስቲያናት ምምሕዳር ዝምልከት (ዓንቀጽ 65-73) ነተን ኣብ ወጻኢ ኣብ ስደት ዝተመስረታ ቤተክርስቲያናት ከትውዕሎ ብጣዕሚ ኣሸጋሪ እዩ ምኽንያቱ ምስቲ ናይ መንግስቲ ኣሜሪካ ከምእውን ኣብ ንፍሲ ወከፍ እስቴታ ንቤተክርስቲይናት ተበሂሉ ዝወጸ ሕግታት  ገለ ክፋሉ ብፍጹም ክሰማምዕ ስለዘይከኣል።
  2. “ ብጹእ ኣቡነ ሲኖዳ” እዞም ኣቦ ኣብ 2005-2006 ዘሎ ግዜታት ምስቲ ኣብቲ አዋን ብበዓል ቀሺ ገብረሚካኤል ዝምራሕ ዝነብረ ንኡስ ሃገረ ስብከት ምስ ቅዱስ  ሲነዶስ ዝተፈጠረ ቅልውላው ሰንኪ ካብ ኣውሮጳ ብቕያር እዮም መራሒ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሕ/መ/ኣ ን ካናዳን ኮይኖም ተመዲቦም። ይኹን’በር እዞም ኣቦ ከምቲ ኣብ ኣውሮጳ ብሰንኪ ምምሕዳራዊ ክእለቶም ዝተለዓለ ንምእመና ዝጎዛዘይዎ፣ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ኣትውም ከይ ወዓሉ ከይሓደሩ ምስ ኣብ ቅድስቲ ስላሴ ዲሲ (ኣብቲ እዋን መንበሪ ገዛ ዝሃቦም) ዘለው ምእመናናን ሰበኻ ጉባኤን ዘይምርድዳኤ ስለዝተፈጥረ፣ እቲ ምምሕዳር  ቤተ ክርስቲያን ከምዘልግሱ ገይርዎም እዩ። ድሕሪ እዚ ኩነታት እዞም ኣቦ ንዝሓልፈ 8 ዓመታት ብዝንቡእ ኣማሃድሮም ዘበገሶ ዉሱናት ቤተክርስቲያናት ኣብ ሕንፍሽ ፍሽን መፍንጫልን በጺሔን ዘለዋ።  ንኣብነት ንምጥቃስ-ኣብ ሂስቶን ቴክሳስ፡ ኣብ ሚኒሶታ፡ ሓንቲ ቤተክርስቲያን ኣብ ካናዳ፡ ኣሪዞና ከምእውን ሓንቲ ቤተክርስቲያን ኣብ ሲያትል ዋሽንግቶን እየን። ኣቦና ሲኖዳ እዚ ሒዘሞ ዘለዉ ኣካይዳ እንተቐጺሎሞ ብዙሓት ቤተ ክርስቲያናት ኣብ ጸገም ከምዝሽመማ ብዙሕ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
  3. ኣብዚ እዋን ብጹእ ኣቡነ ሲኖዳ  ሕጊ ቃለ-ኣዋዲ ጥሂሶም ዘለዉ ኣቦ እዮም
  4. ሕጊ ቃለ-ኣዋዲ ብምጥሓስ ንስሩዕ ኣኼብ ቅዱስ ሲነዶስ ናብ ኣስመራ ምጺኹም ተሳተፉ ዝብለ ተደጋግሚ ካብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ብደብዳቤታት ዝተዋህቦም ትእዝዛት ክስብ ሎሚ ብምንጻግ ኣይከዱን። ብጹእ ኣቦና ዓንቀጽ 31 ናይ ቃለ-ኣዋዲ ኮነ ኢሎም ጥሒሶም ኣለዉ።
  5. እዞም ኣቦ ኮነ ኢሎም ስልጣኖም ብምጥቃመን ከምእውን ምፍርራሕ ብዝታሓወሶ ንኡስ ሃገረ ሰብከታት ኣብ ትሕቲ እዞም ኣቦ ዝመርሕዎ ሃገረ ስብከት ሕ/መ/ኣሜሪካን ካናዳ ሕጊ ቃለ-ኣዋዲ ማለት ኣብ ክፍሊ ዓርባዕተ ዓንቐጽ 59 ክስብ ዓንቐጽ 61 ዘሎ ሕግታት ብምጥሓስ ከምዘይምስረታ ገይሮም ኣለዉ። እዚ ኮነ ኢሎም ንዝሓለፈ 8 ዓምታት ሕግታት መጥሓሲኦም ቀንዲ ምኽንያት ምእንታን ኣብ ንፍሲ ወክፍ ቤተ ክርስቲያን ብቐጥታ ምቑጽጻር ክጥዕሞምን ስልጣኖም ንምብሓት ከምእውን  ዝኾነ ኣካል ዝሓተኒ የብለይን ኢሎም ብንዕቀት ከምዝገበርዎ ዘለዉ ኢና ንኣምን። ብተወሳኺ እዞም ኣቦ ቃለ-ኣዋዲ ዓንቐጽ 27 ዝእዝዞ  ኣዕማድ ምምሕዳር ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኮነ ኢሎም ከምዝጠሓሱ ዝምስክር እዩ።
  6. እዞም ኣቦ ሕጊ ቃለ-ኣዋዲ ብምጥሓስ ንዝሓለፈ 8 ዓመታት ሙሉእ ብዛዕባ ኣብቲ ንሶም ዝመርሕዎ ሃገረ ስብከት ሕ/መ/ኣሜሪካን ካናዳን ተጠርኒፈን ዘለዋ ቤተክርስቲቲያናት ዓመታዊ ጸብጻብ ሰዲዶም ኣፈልጡን። በዚ ምኽንያት ቅዱስ ሲነዶስ ብዓንቀጽ 54 ክፍሊ 4 መስረት ኣብ ኣቦና ዝመርሕወን ዘለዋ ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ዝርከባ ቤተክርስቲያናት ዝለዓል ጽገማት ኣብ ግዚኡ ቅዱስ ሲነዶስ ፍታሕ ከይህብ ዓቢ ጽገም ኮይኖሞ ኣለዉ። ብዛዕባ ኩነታት  ኣብ ኣሜሪካ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያናት ቅዱስ ሲኖዶስ ዝፈልጦ ሓበሬታ ዋላ ሓንቲ የብሉን።
  7. እዞም ኣቦ ብዕለት ብዕለት 9/15/2014 ብፋይል ቁጽሪ ቅ/ሲ/1/397/71/07 ካብ ቅዱስ ስነዶስ ዝተሰደ ድብዳቤ ትሕዝቶ ማለት “ …. በዚ መሰረት ቅዱስ ሲነዶስ ኣብ ቀረባ ልኡኻቱ ሰዲዱ ነቲ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ ክፋላት ኣባላት ቦርድ ስብከትኩም  ዘሎ ዘይምርድዳእ ምሳኹም ምዝርራብ ክሳብ ዝገብር፣ እቲ ዝነብረ ኣሰራርሓ ከምዘለዎ ክጸንሕ ዝኾነ ይኹን ለውጢ ከይግበር ቅዱስ ሲነዶስ የፍልጥ” ዝብል ትእዛዝ ብምጥሓስ ኣቦና ምስ ገለ ስሱዓት ካህናት ኮይኖም ይሰድዎ ዘለዉ ትእዛዛትን ከምእውን ገንዘብ ተሓዛይን ተቕጻጻሪ ናይ ሃገረ ስብከት ሕ/መ/ኣሜሪካን ካንዳን ዘይይፈልጥዎ ናይ ባንክ ሂሳብ ምስ ካላኣየም ካህን ምኽፋቶም ሕጊ ሃገረ ስብከት ምጥሓስ እዩ።  ብተወሳኺ ንሃገረ ሰብከት ዓመታዊ ክፍሊት ኣብቲ ሓድሽ ባንክ ዝተኸፈተ ዘይከፈለት ቤተ ክርስቲያን ስጉመንት ከምዝወሰድ ማለት (1) ካብ ኣባልነት ሃገረ ስብከት ምስጓግ (2) ኣብ በዓል ንግደት ጳጳስ፡ካህናት፡ መዘምራን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከምዘይውሃቦም ኣብቲ ደብዳቤ ተገለጹ ኣሎ። ብወገና ከምዚ ዓይነት ንገዛ እግዚኣብሄር ዝኾና ቤተ ክርስቲያናት ምፍርራሕ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይፍቅዶ ዘይ ሃዋርያዊ ተግበር እዩ። እዚ  ብሽም ኣቦና ሲኖዳን ምስ ካላኣዮም ካህን ከፊተሞ ዘሎዉ ናይ ባንክ ሂሳብ ኣብ መውዳእትኡ ምስ ኣይ.ኣር.ኤስ (IRS) ኣብ ዘይሓስብዎ ጸገም ከየውድቖም ከም ደቆም ንመኽሮም ኣሎና።

በዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ መርትዖ ኣቦና ብጹእ ሲኖዳ ብቃለ-ኣዋዲ ዘይምርሑ ምዃኖም ብሩህ እዩ። ዝኾነ ሰብ ከኣ ልዕሊ ሕጊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብዝኾነ ናብታ ደብዳቤ ንመለስ። ኣብታ ደብዳቤ “ ኣብ ዘመና ኣብ ከንዲ ከምቲ ዝጸንሖ ምሕላውን ምዕቃብን (ሕጊ ቃለ-ኣዋዲ ማለቶም እዩ) ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ ሃገር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ናይ ቤተክርስቲያን  ሕግን ስርዓትን ብጉልባብ ውሽጣዊ ዓንዲ ሕጊ ዝበሃል ይሰዓርን ብዙሕ ሃሰያ የስዕብን ከምዘሎ ከነስተውዕል ይግባእ “ ዝብል ሰፊሩ ኣሎ። ብውገና ውሽጣዊ ዓንዲ ሕጊ ናይ ቤተክርስቲያናት ዘይኮነ እቲ ጽገም፣ ኣቦና ኣቡነ ሲኖዳ ባዕሎም መንፈሳዊ ሕግታት ቃለ-ኣዋዲ እንዳ ጠሓሱ ከም’ውን ቃለ-ኣዋዲ ብቐጥታ ምስቲ ንነብረሎ ዘሎ ዓዲ ሕግታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝራጸም ምዃኑ እንዳተፈልጠ ከሎ ብጣዕሚ ጉጉይ ዝኾነ ኣመራርሓ ንካህናት ኣንዳሃቡ ቤተክርስቲያናት ኣብ ዘይተደለየ ሁከት የእትውወን ስልዘለዉ እዩ። እቲ በዓል ኣቦና ሲኖዳ ምስ ውልቃዊ ረብሔኦም ጥራይ ዘገድሶም ካህናት ኮይኖም ኣብ ዘላናዮ ዓዲ ፍጹም ክስረሓሉ ዘይክእል ዓንቐጻት ቃለ-ኣዋዲ ንምትግባር ምፍታን ዕንወት ንቤተክርስቲያናት ከምጽእ እንተደይኮይኑ ዘምጽኦ ኣድማዒ ነገር የሎን። ከምንፈልጦ ኣብ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣዕማደ ሕጋዊ መምርሒ ቤተክርስቲያናት ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡ (1) ፌደራልዊ ሕግታት (Federal Laws  (2) ናይ እስቴት ሕግታት ብፍላይ ንቤተክርስቲያናት ዝወጸ ሕግታት (State’s Corporation Codes) (3) ቤተ ክርስቲያን ሕጋዊ ትካል ንምግባር ዝጸሓፍ ሕጋዊ ዓንቀጻት(Articles of incorporation) (4) ውሽጣዊ ዓንዲ ሕጊ ቤተ ክርስቲያናት(Church’s By Laws)።  እቲ ናትና ዓቢ ሕቶ ዘሎ እዛ በዓል ኣቦና ሲኖዳ ምስ ውሑዳት ካህናት ኮይኖም ዓንቐጻት ቃለ-ኣዋዲ ምስቲ ኣብ ቁጽሪ (1), (2) ከምእውን (3) ዘሎ ኣዕማደ ሕግታት ናይ ንነብረሉ ዓዲ  ክሳብ ዘይተጻረረ ኣብ ስራሕ ከውዕልዎ ጸገም የብሉን። ይኹን እምበር ሕግታት ንነብረሉ ዓዲ ጥሒሳካ ቅቡል ዘይኮነ ዓንቀጻት ቃለ-ኣዋዲ ብትእዛዝ ኣቦና ሲኖዳ ኣብ ስራሕ ክውዕለ እንተጀሚሩ ግና ናቱ ዝኸኣለ ሕጋዊ ማህሰይቲ ኣብ ልዕሊ ጳጳስ፡ ካህናት ከምእውን ምእመናን ኣባላት ሰበኻ ጉባኤታት ብርግጽ ከስዕብ ይኽእል እዩ።

እቲ ካልእ ብቃለ-ኣዋዲ ጉልባብ ብምግባር ብዙሓት ካህናት ንውልቃዊ ጥቕሙም ክብሉ ዝደፍኡላ ዘላ ኣጀንዳ ኣብታ ደብዳቤ  ከምዚ “ ብካህን ዘይምራሕ ሰበኻ ጉባኤ ክበሃል ኣይካኣልን  ብናይ  ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃገረ ስብከት  ሕ/መ/ኣ/ካናዳን ከምዘይንቕበሎ ንሕብር” ዝብል ሰፊሩ ኣሎ። ብሕጊ ቃለ ኣዋዲ ዓንቐጽ 66 መሰረት እቲ ካህን ዝምርሖ ሰበኻ ጉባኤ ብዝሕን ዓይነትን ከምዚ ዝስዕብ “ ናይ ሰበኻ ጉባኤ ምምሕዳር ጉባኤ ኣባላት ብዝሒ ምስ ኣማሓዳሪ ካብ ሓሙሽተ ዘይውሕዱ ካብ ሸውዓተ ዘይበዝሑ ይኾኑ፣ እዚኦም ድማ ካብ ውልደ ክህነት ሰለስተ (3)፣ካብ ምእመናን (ስጉኡን ደሙን ዝተቐበሉ) ክልተ (2)፣ ካብ ቤት ምህርቲ ሰንበት ሓደ (1)፣ እቲ ሻብዓይ ናይቲ ቤተክርስቲያን ኣማሓዳሪ (ካህን) ኣቦ መንበር ይኸውን” ዝብል ብግልጺ ሰፊሩ ኣሎ። ከምዚ ዓይነት ሰበኻ ጉባኤ ኣብ ኤርትራ ጥራይ እዩ ም ክምስረት ዝኽእል፣ ኣብ ዘለናዮ ዓዲ ዕድለኛታት ቤተ ክርስቲያናት አንተኾይኖም ጥራይ እዩ ክእለት ዘለዎም ዝቖረቡ ምእመናን ናብ ሰበኻ ጉባኤ ክሕረዩ ዝኽእሉ። እቲ ዝገርም እዞም ካህናት ዓንቕጽ 66 ዝጠሓሰ ሰበኻ ጉባኤታት ዘለወን ቤተ ክርስቲያናት ሕዱራት ኮይኖም እንዳገልገሉ ከለዉ ንምንታይ ኣቦ መንበራት ክኾኑ ይድልዩ ከምዘለዉ ክርድኣና ኣይከኣለን።   ካህናት ኣብ ኣሜሪካ ዘለዉ ከም ኣቦና ሲኖዳ ሕጊ ሲኖዶስን (ዓንቀጽ 66) ከምእውን ሕግታት ናይ እስቴታት እንዳ ጠሓሱ ንመንታይ ንቤተ ክርስቲያናት ኣብ ዘይተደለየ ሕጋዊ ጸገማት ከእትዉወን ንፍትኑ ኣለዉ። እንታይ ጥቕሚ ክረኽቡ ይሓስቡ ከምዘለዉ’ውን ንዓናውን ክርደኣና ኣይከኣለን። ካብ ኣቦ መንበር ምዃን እንታይ ጥቕሚ ይርከብ ብጀካ ድኻም። እቶም ከም ኣቦ መናብርቲ ክኾኑ ዝዋጣወጡ ዘለው ካይናት ንዝተፈላልየ ሕግታት ኣሜሪካ ተረዲኦም ብኽእለት ቤተ ክርስቲያናት ክመርሑ ዘኽእሎም ፍልጠትን ናይ ቛንቛ ክእለትን ኣለዎም ዝብል ሕቶ’ውን ክለዓል ይከኣል እዩ? ናህና መልሲ 90% ዝኾኑ ካህናት የብለሙን። ናይ ኣቦና ሲኖዳ ሓሳብ ግና ካብ ቤት ትምህርት ሰንበትን ክፍሊ መዘምራን ኣባላት ከም ኣተርጎምትን ጸሓፍትን እንተ መዲበሎም ስርሖም ከካይዱ ይኽእሉ ዝብል እምንቶ ከምዘለዎም እዩ ናትና መረዳእታ።

ብተወሳኺ ኣብታ ደብዳቤ ከምዚ “ ሰበኻ ጉባኤ ግን ንካሕን ይኹን ንምእመናን ከሰናብቱ ስልጣን የብለሙን” ዝብል ምስ ኣንበብና ብጣዕሚ ኢና ተገርሚና። ብዛዕባ ኣብ ካናዳ ዘለዋ ቤተክርስቲያናት ኣቛውማ ከመይ ከምዝኾነ ኣይንፈልጥን ኣንተ ኣብ ኣሜሪካ ዘለዋ ቤተክርስቲያናት ግና ከም “ ተረፍ-ኣልቦ ብ501 (3) C ሃማኖታዊ ትካላት” ኮይነን ኢየን ዝቖማ ከምእውን ኣብቲ ዘለዎኦ ስቴት ዝቕይደን ሕግታት ተማእዚዘን ይኸዳ። እቶም ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ ምእመናን እቲ ካህን ፈላላያይ እንተኾይኑ፣ ብሃይማኖተን ኣውራጃን ክመቓቕሎም እንተፈቲኑ፣ ገንዘብ ከጠፋፍእ እንተረኺቦሞ ወዘተ ነቲ ካህን ክሰናብትዎ ሙሉእ ስልጣን ኣለዎም። እቲ ጌጋታት ናይ ካህን መንፈሳዊ እንተኾይኑ ግና ብሰንሰለታዊ መገዲ ንኣቦና ኣቡነ ሲኖዳ ይሕበር ከምቲ ዝግበኦ መቕጻት ከኣ ይቕበል። ንኣብነት ሕጊ ስልዝፈቕደሎም እዮም ኣብ ኣሪዞናን ስያትልን ዘለዉ ምእመናን ካህናቶም ዝሰጎጉ ዝኸኣሉ። ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ብስምምዕ  ንሓደ ካህን አንተደልዮም ይቖጽሩ አንተደሊዮም ክሰጉ ሙሉእ ስልጣን ኣለዎም ምኽንያቱ ደመወዝ ካህን ብምእመናን ስለዝኽፈል ከምእውን ሕጊ ንነብረሉ ሕጊ ስለዘፈቕደሎም። ኣብ ኤርትራ ዘለዎ ካህናት ደመወዞም ብቤት ጽሕፈት ፓትሪያርክ ስልዝኽፈሉ፡ ሰበኻ ጉባኤ ንሓደ ካህን ክሰጉግ ከጸግሞ ይኽእል እዩ።

እዚ ቃለ-ኣዋዲ ከምእንኮ መምርሒ ሕጊ ንኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ዝርከባ ቤተ ክርስቲያናት ተበሂሉ ኣብ ስራሕ እንተውዒሉ ቀንዲ ተጠቃማይ ዝኸውን ህግደፍ ክኸውን ከሎ ብካላኣይ ደረጃ ዝስርዑ ኣንቶም ቀንዲ መሳርሒ ህግደፍ ከይኖም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ማለት ከም በዓል ኣቦና ሲኖዳን፡ ደገፍቲ ህግደፍን ሃሱሳቶምን፡ ከም’ውን ንቤተ ክርስቲያናት ኣብ ሁከት ዘእትዉ ዘለዉ ስሱዓት ካህናት እዮም። ብናትና እምነት እቲ ቀዲ ምኽንያት “ቃል-ኣዋዲ” እዩ ሕግና እንዳበሎ ንቤተ ክርስቲያናት ብምፍርራህን ጸቕጢ ብምግባር ብኣቦና ሲኖዳን ውሑዳት ካህናት ዝገብሩለን ዘለዉ እዘን ዝስዕባ እከይ መደብ ኣብ ስራሕ ንምውዓል ዝሓንጸጽዎ መደብ እዩ ባሃልቲ ኢና፣

  1. ቃለ-ኣዋዲ ሕጊ ዓንቀጽ 72 ክፍሊ 6 ከምዚ፡

“በዚ ሕጊ እዚ ብዝተዘርዘረ መሰረት ናይ ሰበኻ ምእመናን ዚኸፍልዎ ክፍሊትን ሓፈሻዊ ኣታውን ናብ ናይ ኤርትራ ኣርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ባንኪ ሕሳብ ኣታዊ ይገብር” ዝብል ብግልጺ ሰፊሩ ኣሎ። ብሓጺሩ በዛ ዓንቀጽ መሰረት ኣብ ነፍስ ወከፍ ቤተክርስቲያን ዘሎ ገንዘብ ብመጅመሪያ ብሕ/መ/ኣሜሪካን ካናዳን ሃገረ ስብከት ጳጳስ ገይሩ ናብ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ፓትርያርክ ድሕሪ ምእታው እታ ቤተክርስቲያን ብዓንቐጽ 73 ክፍሊ2/ሠ መሰረት ባጀታ ምስ ኣቕረበት እቲ ገንዘብ እንደገና ካብ ኣስመራ ይስላዓላ። እዛ ዓንቀጽ ኣብ ስራሕ እንተውዒላ ገንዝብ ቤተ ክርስቲያናት ብሓጺሩ ናብ ካዝና/ቀፎ ህግደፍ ይእትዉዎ ማለት እዩ።

  1. እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዓንቀጽ ኣብ ስራሕ ክውዕል አንተኾይኑ፣ ካህን ቤተክርስቲያን ከም ኣቦ መንበር ክመርሕ ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዩ በዓል ኣቦና ሲኖዳ “ካህን ከም ኣቦ መንበር ዘይብላ ቤተ ክርስቲያን ከም ቤተ ክርስቲያን ኣይትቑጸርን እያ ዝብል ኣብቲ ዝተሰደደ ደብዳቤ ሰፊሩ ዘሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ ገንዘብ ቤተክርስቲያን ናብ ሃገረ ሰብከት ክስደድ እንተኾይኑ ካህን ከም ኣቦ መንበር ኮይኑ ክጸንሕ ኣለዎ ምኽንያቱ ኣብ ቼካት ምስ ሒሳብ ተቆጻጻሪ (ብፍላይ ናይ ህግደፍ ደጋፊ እንተኾይኑ) ኮይኑ ክፍረም ስለዝኽእል ገንዘብ ንምንቅስቓስ ቀሊል ስለ ዝኸውን።

ኣብ መወዳእታ ክንብሎ ንደሊ እንተሎ ኣቦና ኣቡነ ሲኖዳ(ቀንዲ ደጋፊ ህግደፍ)፡ደገፍቲ ህግደፍ ካህናት፡ ኣብ ፈቆዶ ቤተ ክርስቲያናት ህግደፍ ስሪዑዎም ዘለው ቃርማታት ምእመናን  ብሽም “ቃለ-ኣዋዲ” እንተ ኮይኑሎም ገንዘብ ቤተ ክርስቲያን ንምዝማት አንተ ፈሺልዎም ከኣ ኣብ መንጎ ምእመናን ሕንፍሽፍስ የእቲካ ቤተ ክርስቲያናት ከም ዝመቓቐላ ንምግባር ኮነ ኢላካ ዝተሓንጸጸ እከይ ሜላ ስለዝኾነ ኩሉ ምእመናን ክፈልጦ ዝግቦኦ ጉዳይ እዩ። ነዚ ርኹስ ሜላ ኣብ ዘዘለናዮ ቤተክርስቲያናት ኮይና ንኽንቃለሶ ግቡእና ከምዝኾነ እግረ መንገድና ክንሕብር ንፈቱ።

ቤተ ክርስትያናት ከይበታተና ዝስግኡ ኣመንታ ኦርቶዶክስ

ደቅዳሕ ደብዳበ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ሃገረ ስብከት ሕ/መ/ኣመሪካን ካናዳን

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Haqqi Nezareb April 19, 2015

    ተስፋጋበር ወልደ,ኣብቲ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ዝንቡዕ ኣቀራርባ ቃለ ኣዋዲ ዝንቡዕ ይብሎ ዘለኻ፡ እስኪ ክንሰማዓካ አንተ ዘይዝንቡዕ ትብሎ ዘለኻ ቃል ኣዋዲ አስኪ ዘርዚርካ ጸሓፎ’ሞ ክንመሃር። ብዝዕባ ፖለቲካ ትብሎ ዘለኻ ብዕላቶም ካይናት አንዲዮም ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ብፖለቲካን ኣውራጃን ኣንዳገብሩ ምእመናን ዝባእሱ ዘሎዉ። ኪድ ሕተት’ዶ መበገሲ ባእስታት ኣብ በዓል ኣሪዞና፡ህዩስተን፡ሚኒሶታ፡ሰያትለ፡ ሲንሲናቲ ቤተ ክርስቲያናት-ካህናትን ጳጳስን እዮም ሓዊ ኣጎዲ። እዚ ውድሓንካ

  • tesfu April 21, 2015

    what a shame is this to happen. …. pop sinoda might have issue and his management stye might be rode and wild, but he is father. let’s approach him. I totally agree, that he does not want to be back home which is illegal. However, the problem in some churches in USA are not about politics please, it is about faith. I still don’t agree and accept pop anthenious to be replaced as long as we did not hear from both corners of the nation, not from the politician and political point of view, but from religious leaders and aboune antheny.
    OH GOD …..For Seek Eritrea and its innocent people.

POST A COMMENT