Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣባላት ጸጥታ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብስም ምቍጽጻር ዘይሕጋዊ ሓዋላ ንዝረኸቡዎ ገንዘብ ህዝቢ ንውልቃዊ ረብሓኦም ይግሕጡዎ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ እቶም ጸልማት ከደኖ ብፍሉያት ናይ ጸጥታ መኻይን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዝኾሉ ኣባላት ጸጥታ ከጽንዑዎም ንዝቐነዩ ዘይሕጋውያን ኣሽረፍቲ ተጸናትዮም ብምሓዝ፣ ኣብ ማኪኖኦም ኣእትዮም፣ ሽጉጥ ኣውጺኦም ሒዞሞ ንዘለዉ ገንዘብ ኣራጊፎሞ ካብቲ ከባቢ ክጠፍኡ ወይ

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ እቶም ጸልማት ከደኖ ብፍሉያት ናይ ጸጥታ መኻይን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዝኾሉ ኣባላት ጸጥታ ከጽንዑዎም ንዝቐነዩ ዘይሕጋውያን ኣሽረፍቲ ተጸናትዮም ብምሓዝ፣ ኣብ ማኪኖኦም ኣእትዮም፣ ሽጉጥ ኣውጺኦም ሒዞሞ ንዘለዉ ገንዘብ ኣራጊፎሞ ካብቲ ከባቢ ክጠፍኡ ወይ ድማ ክእሰሩ ምዃኖም የፈራርሑዎም ‘ሞ፣ እቶም ተኣሲሮም ዝኸፍአ ከይመጾም ዝፈርሑ ዘይሕጋውያን ኣሽረፍቲ ገንዘብ ባዕሉ ይፈልጥ ኢሎም ይሃድሙ። እቶም ናይ ከተማ ሽፍትነት ለሚዶም ዘለዉ ኣባላት ጸጥታ ከኣ፣ ነቲ ኣብ ስደት ዝነበሩ ርሂጸ በላዕ ኤርትራውያን ስድራቤቶም ንምንባይ ዝለኣኹዎ ገንዘብ ሒዞሞ ይሽረቡ ኣለዉ።

እቶም ብልሹዋት ኣባላት ጸጥታ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ውዲት ንዝግሕጡዎ ዘለዉ ዘይጸዓሩሉ ገንዘብ ክዕንድሩሉን ፈቖዶ ባራት ከባኽኑዎን ከምዝውዕሉ ‘ውን ኣገንዚቦም።

ኣብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ ላዕሊ ኣትሒዝካ ተሓታትነት ብዘይምህላዉ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ብልሹው ኩነታት ክስዕርር ባህርያዊ እዩ። እቶም ኣባላት ጸጥታ ድማ፣ ነቶም ሰባት ኣሲሮም ዋላ ነቲ ገንዘብ እንተረከቡዎ፣ ኣብዚ ዘበን ውራውራ፣ ሓለፍቶም ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ውልቃዊ ረብሓኦም ከምዘውዕሉዎ ስለዝፈልጡ እዮም ከምዚ ዝኣመሰለ ሜላ ተጠቒሞም ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ምምንዛዕ ተዋፊሮም ዘለዉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT