Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣባት ነገርን ኣቦይ ፈራይን – ጥቅምቲ 13/2018

ኣባት ነገርን ኣቦይ ፈራይን ትቅምቲ 13/2018 ረድኢ ክፍለ ባሻይ ቅድሚ ናብ ኣርእስተይ ምእታወይ ካብዚ ዘለናዮ መሪር መድረኽ ናይ መለኽቲ ሓራ ንምውጻእ፡ ትጽሕፉን ትምድሩን፡ ትጭርሑን ሰላማዊ ሰልፍታት እንዳገበርኩም ንህዝብና ተበራብሩን፡ ንህዝቢ ዓለምን ዝሰምዑ እንተተረኽቡ ክኣ መንግስታቶምን ተቃልሑ ዘለኹም ይንእድ።

ኣባት ነገርን ኣቦይ ፈራይን

ትቅምቲ 13/2018

ረድኢ ክፍለ ባሻይ

ቅድሚ ናብ ኣርእስተይ ምእታወይ ካብዚ ዘለናዮ መሪር መድረኽ ናይ መለኽቲ ሓራ ንምውጻእ፡ ትጽሕፉን ትምድሩን፡ ትጭርሑን ሰላማዊ ሰልፍታት እንዳገበርኩም ንህዝብና ተበራብሩን፡ ንህዝቢ ዓለምን ዝሰምዑ እንተተረኽቡ ክኣ መንግስታቶምን ተቃልሑ ዘለኹም ይንእድ። ነዚ ኹሉ ኣዋህሊልኩም ክኣ ለይትን ምዓልትን ጥርዓን ኤርትራውያን  ናብ ህዝቢ ዓለምን ናብ ህዝብናን ተመሓላልፉ ዘለኹም ናይ ዜና ማዕከናት ክብ ዝበለ ምስጋናይ የመሓላልፈልዱም።

ቀጺለ ከምቲ ክቡር ተመራማራይ መምህር ኣማኑኤል ሳህላ ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጹ ዝጠቐሶ፡ ኣብዛ ዓለም ሓድሽ ነገር የለን ሓዲሽ ኣገባብ ግን ኣሎ ዝበሎ፡ ትኽክል ስለ ዝዀነ ኣነ’ውን ነዛ ኣባት ነገር ትብል ኣርእስተይ ካብ ዝነበረ እየ ርእይቶ ክህበላ ወይ መልእኽተይ ከመሓላልፈላ ደልየ ዘለኹ። ኣበሃህላ ናይ መምህር ሓደ ነገር ትዝ ከምዝብለኒ ገይሩ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ንኣባት ነገር መረዳእታ ዝኸውን ንኽጽሕፍ ድማ ደፋፊኡኒ።

ብ 1969 ተመሃራይ ናይ ፖሊተክኒክ ኣብ ባህር-ዳር ከለኹ ንተዋስኦ ኢለ ዝደረስኩዋ ግዜ ስለ ዘይፈቐደ ድሓር ግን ኣብ ኢደይ ስለ ዘይነበረት ኣብ ሜዳ (ሆሚብ ባርካ) ማለት ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ንተመሃሮና ክትከውን ዘኪረ ዝጸሓፍኩዋ ትዝ ኢሉኒ። ከምዚ ሎሚ ንእንነብረሉ ኣድራሻ ሰጋእ-ሰጋእ ከይበልና ኣእምሮ ናይ ንእስነት ናይ ምዝካር ዓቕሚ ነይርዎ።

እታ መጽሓፈይ መሶብ ዓዲ ሰናይ ኢያ ትብል። ኣብ ዓዲ ሰናይ ክኣ ነቶም ዓዲ ዝፈረዩ ኣቦይ ፈራይ ዝበሃሉ ነይሮም። ኣቦይ ፈራይ መካርን ተነባይን ስለዝነበሩ ካብዛ ዓለም ክፍለዩ ምዃኖም ምስ ገመቱ ንኹሎም ደቆም ኣኪቦም ከምዚ ዝስዕብ ይብልዎም፦

ደቀየ ኩሉ እዚ ሕጂ ዘሎ ካብቲ ዝነበረ ዝወጸ ኢዩ፡ ኩሉ እቲ ዝመጽእ ድማ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ዝወጽእ ኢዩ፡ ስለዚ ስርሑ መጻኢ ጒዕዞኹም በዚ ናይ ሎሚ ትሕዝቶኹም ኢዩ ዝውሰን ኢሎም መኸርዎም። ናይ ኣቦይ ፈራይ ምኽሪ እዚ ጥራይ ኣይነበረን፡ ብዙሕ መወሰኽታ ነይርዎ። ሐደ ምዓልቲ ኣቦይ ፈራይ ሕጅስ እዛ ዓለም ከይተዘንግዓኒ ኢሎም ግዲ ኰይኖም እንደገና ንደቆም ኣከቡዎም።

ደቀየ! ሕጂ ምዓልተይ ስለ ዝኣኸለ ድሕሪ ኣቦኻ ሞት ግዴኻ ከም ዝበሃል እታ ዘይትተርፍ ናይ ሓባር ጽዋእ ንኹሎም ፍጡራት ረጒድ ኣይትብል ቀጢን፡ ዓቢ ኣይትብል ንእሽቶ፡ ቀይሕ ኣይትብል ጸሊም፡ ሓጺር ኣይትብል ነዊሕ፡ ደቂቕ ኣይትብል ፍሩይ፡ ረዚን ኣይትብል ፈኲስ፡ በብግዚኡ ከየዳለወት ብሕማምን ድኻምን ብድንገትን ውግእን ከምኡ ዝኣመሰሉ በብዓይነቶም መሰነይታ ሒዛ እትመጽእ ጋሻ ተቐባሊ ብዓል ተራ ኣነ ምዃነይ ኣይተርፈንን ኢዩ።

ሰለ’ዚ ቅድሚ እታ ጽዋእ እቲኣ ምልዓለይ ሓደራ ክብለኩምን ክላበወኩምን ስለ ዝደሊ ኩሉኹም ብሓባር ጽን ኢልኩም ስምዑኒ። ኣብ ጽላት ልብኹም ጽሓፍዎ፡ ኣብ ግብሪ ኣውዕልዎ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ክኣ ኣመሓላልፍዎ ኢሎም ከም’ዚ ዝስዕብ ቀጸሉ፦

    ምዓልተይ ኣኺሉ

    ደቀይ ንዑ በሉ

    ምሳይ ከተዕልሉ

በሉ ኣይትዘንግዑ

ዝበልክኹም ስምዑ

ክበቡኒ ንዑ

    ክዛርብ ሓሲበ

    ንደቀይ ኣኪበ

    እንሆ ቀሪበ

ስምዑኒ ኣቱም ርሑሳት ደቀይ

ንስኻትኩም ሽመተይ ምስ ወርቀይ

ዘይመንወኩም ሕርሚ ናይ ብሓቀይ

    ዓዲ ሰናይ ከም ስማ ዓድና

    ኣይስኣንናን ኩሉ ከም ድላይና

    ምሳኻትኩም ኣብ ምዉቕ ገዛና

ተሓጒስና ንበልዕ ንሰቲ

ተኣኪብና ንማኸር ንዝቲ

ብስምምዕ ዕላማና ሓንቲ

    ኣነ’ቦኹም ኣቦ ’ዞም ብዙሓት

    ኣይትጒደሉ ኩኑለይ ኣሽሓት

    ከም ብዝሕኹም ይሃልኹም ብልሓት

ህርኩታት ኢኹም እዞም ደቀይ

ብኣኻትኩም ሕጉስ ብሂወተይ

ከምኡ ቀጽልዎ ድሕሪ ሞተይ

    መማዕደዊ ’ለኩም ብዙሕ ኲርባ

    መጸግዒ ’ለኩም ዓቢ እምባ

    ማይ ውሓዚ ’ለኩም ሰፊሕ ሩባ

ኣየ ዕድል ክንደይ ተዓዊትኩም

ኣይተሰምዐን እንታዋይ ከም ናትኩም

ልዕሊ ኩሉ ፍቕርኹም ስኒትኩም

    እንታይ ተሳኢኑ እንታይከ ጎዲሉ

    ሰፊሕ ጎልጎል እትዕንድሩሉ

    ሃብታም ዓዲ ጓና ዝቐንኣሉ

ብርኽቲ ምዓልቲ ክዛረብ ምስ ደቀይ

የዀነኒ ንዓይ ክንዲ መስተይ መግበይ

ክነግረኩም ኢየ ዘሎኒ ናይ ልበይ

    ጽን ኢልኩም ስምዑኒ ትኽስ ኣይትበሉ

    ሒዘዮ ከይከይድ እንኩ ተቐበሉ

    ንደቀይ ዝኸውን ምሳይ ኣሎ ኹሉ

ጠሚና ከይትብሉ ኣሎ ናብ ገዛኹም

ዝጎደለ የልቦን ምሉእ’ዩ ቆፎኹም

ርሑቕ’ዩ መገሻይ ህዉኽ’የ ’ቦኹም

    ኣርሒቐ እንተኸድኩ ጣዕሳ የብለይኒ

    ንዓይ ዝትክኡ ስለ ዘለዉኒ

    ኣይሓዝንን ኣነ እንታይ ጠፊኡኒ

ገሌኹም ከም ኢደይ ገሌኹም ከም እግረይ

ዝተረፍኩም ክኣ ኩሉ ኣካላተይ

ንዓኹም ገዲፈ ’ተሞትኩ ’ታይ ግደይ

    ኣየ ከምዚ ናተይ ርሑሳት ዝወለደ

    ቀጢን እንተ ነይሩ ሸዑ ምረጎደ

    ብሓደ ምዓልቲ ግዜ ከይወሰደ

ዎ! እምነት ዎ! እመነት ዘረባይ ስምዕኒ

እዋን ኣሕሊፈሎም ደቀይ ጠምዮሙኒ

ኣጒባዝ በዲለዮም ከማይ መሲሉኒ

    ካብ ጎጎን ምዓርን ክዀኖም ንዓቕሚ

    እንተደለዩ’ውን ተማልኢ ጠስሚ

    ሃየ በሊ ቶሎ ቀልጢፍኪ ሰጒሚ

ኣጆኹም እዞም ደቀይ ለምለም ሰዊት

እንታይ ፈሊጠዮ ንዓኹም ከጻውት

ኩሉ ረሲዔዮ ናይ ነገር ኣረጊት

    ብእርጋነይ መግቢ ገዲፈዮ

    ድርካበይ ኣብ ቡን’የ ገይረዮ

    ወዮ ናትኩም ኣበይ ዘኪረዮ

ኣይጠቕመኒን ሎሚ እንጌራ በሊዐ

ብእኡ ኢየ ዘረባ ሰሲዐ

ካባኹም ኣይኰነን ኣነ’የ ዘንጊዐ

    በሉ እንሃ ’ዴኹም ኪዱ ተቐበሉዋ

    እንሃልኩም ኣምጺኣ ኣገልግል ኣለዋ

    ክንደይከ ቐልጢፋ ግርም ሰሊጡዋ

ኣደይ እምነት ሰይተ’ቦይ ፈራይ፦

ኣቱም ንስኹም’ውን እዋን ፍለይሉ

ይኣኽለኩም ሕጅስ ንዑ ’ጽልሉ

ይጽበ’የ ዘለኹ ድሓር ተርክቡሉ

    ሓዲርኩም ትውዕሉ ዘይምነወኩም

    ኣሪገ’የ ትብሉ ንሰብ እንዳእረግኩም

    ትማል ብዘይ ድራር ሎም መዓልቲ ጾምኩም

እኽሊ እንተለኸፍኩም እንታይ ሕማቕ ኣለዎ

ዋላ መትሓዝ ልቢ ንዑ ጥዓሙዎ

እዋን መሳሕ ኢዩ ድሓር መልእዎ

    ጽሓይ’ውን መሪራ ሎምስ እንድዕላ

    እንኳይዶ ኣረጊት ጎበዝ’ኳ ’ይክእላ

    ኣማስይኡ ደኾን ማይ ክትከውን ኢላ

በሉ ሕጅስ ንዑ ጠጠው ከፊኡኒ

ነብስኹም በዲልኩም ኣይትበድሉኒ

ስለ’ዞም ደቅኹም ኣይተጸብዩኒ

ኣቦይ ፈራይ፦

 

    እምነት!

         መግቢ ኣየድልየንን ኣነ ካብሎሚ

         ኣግሂደ’የ ዝብለኪ ኣይምሰልኪ ሕልሚ

         ስጋኺ – ስጋኺ ፈጺመ ዘይጠሚ

ኣይደልን ዝብላዕ እንታይ ክዀነኒ

ኣሪገ’የ ደጊም ነሱ’ዩ ኰይኑኒ

በሊዐ ’ይበሊዐ ለውጢ ነይህቢ

    ኣብዛ ኸብደይ ኣትዩ ምንም ነይዓይ

    ደቀይ መግቢ ኢዮም ነብኦም ፈራይ

    እንታይ ገበርኪ ንስኺ ኪዲ ተሳለይ

እንተ ገበረልኪ ንስኺ ፈትኒ

ካብ ናተይ ይሓይሽ እቲ ናትኪ ስኒ

እንተደልየ ድማ ምዓስ ርሒቑኒ

ኣደይ እምነት፦

በሉ ከይደ ስርሐይ ክሰርሕ

ገዛይ ኰይነ ’ታ ቡነይ ከፍልሕ

ብጠጠወይ ዓሪቡ ከይወግሕ

    ኣብ መንጎዚ ’ቶም ደቆም ጸጊቦም

    ክሳዕ ዝኣኽሎም ግርም ተመጊቦም

    ተረፍ ጽጋብ ብዙሕ’ውን ገዲፎም

ኣደይ እምነት ኣገልግለን ሒዘን

ከይጠምዩወን ጥዓሞት ገዲፈን

ንገዝአን ሽዑ ተበጊሰን

ኣቦይ ፈራይ!

እሂ ’ዞም ደቀይ በሊዕኩምዶ ምሳሕ

ምሸት ክኣ ትደግምሉ ብራሕ

ካበይ መጺኡ ’ተበልኹም በልዎም ካብ ስራሕ

    ከምዚኣ’ያ ስራሕ ርኣዩዋ

    ኣደ ርኻብ ኢያ ፍለጡዋ

    ኣብ ዘላቶ ቦታ ስዓቡዋ

እንሆ ለበዋይ ኣቕልብሉ

እንተዘይረሳዕኩም ጥቕሚ ትረኽቡሉ

ንውሉድ ወለዶኹም ትኸብርሉ

    ለበዋ ዝርስዕ

    ምኽሪ ዘይሰምዕ

    ናብርኡ ነይለምዕ

ለበዋ ዝዝክር

ተሓጒሱ ይነብር

ድኽነት ይቐብር

    ኣላ ዝህበኩም ዓባይ ነገር

    ኣብ ውሽጣ’ውን ዘለዋ ቍምነገር

    ሓልዉዋ ከይኣትዋ ፈገር

ኣብ ጽቡቕ ቦታ እንተቐመጥኩማ

ብጥንቃቐ’ውን እንተሓለኹማ

ስኒትኩም ትቕጽል ከም ቀከማ

    ጓና ኣይትእመኑ

    ዓያሹ ኣይትኹኑ

    ገዛኹም ከይዓኑ

ኣብ ጽኑዕ ቦታ ትቀመጥ

ኣበይ ከም ዘላ ጸላኢ ኣይፍለጥ

ተጠንቀቑ ግርማኹም ከይቅንጠጥ

    እዛ ለበዋይ እንተረሳዕኩማ

    ወይ ሻላ ኢልኩም እንተራኣኹማ

    ዘይትለቅቕ ስቓይ ሕማም ኣዝማ

ጽንሑ ’ዞም ደቀይ ገዛ ክበጽሕ’የ

ነዛ ዝበልኩኹም ከምጽእ’የ

ካብቲ ዘላቶ ኣይድንጉን’የ

    እንኩ ሓዙ መሶብ’ያ ቅረቡ

    ገንዘብኩም’ያ በሉ ተረከቡ

    እንተዘይጠፍአት ድላይኩም ትረኽቡ

ካብ’ዚ እንጌራ እንሆልኩም ብልዑ

ካብዚ ጸብሒ ክምድላይኩም ጥምዑ

ከይተጥፍእዋ ግን ሓደራኹም ንፍዑ

    እንተጎደለ እቲ ዘሎ ናብኡ

    ተፈልጥዎ ኢኹም ካበይ ከም ’ተምጽኡ

    ሰሰሪሕኩም መልኡ ተክኡ

እንተደሌኹም ናብራኹም ንምዕባይ

ኣብ ገዛኹም እምኒ ዘይምድርባይ

ኣብ በረኻ ከይትሓድሩ ከም ኣህባይ

    እዚ ዝበልኩኹም ኩሉ ኣይተህፍፉ

    ከይትርስዕዎ ጽሑፍ’ውን ኣትርፉ

    ጎዶ ብዘይ ንህቢ ኰንኩም ከይትተርፉ

ኣነ እንተ መይተ ኣይትብከዩ

ብምስትውዓል ዝበልኩኹም መምዩ

ብዘይ ታህዋኽ ሓሲብኩም ዕየዩ

    እታ ዝበልኩኹም እታ ጎራሕ

    ተጽውዓኒ’ላ ጀሚራ ምዂሕኳሕ

    ከኸይድ ኢየ’ሞ ኣይትበሉ ጽናሓ

ድሓን ትእቶ ዘይሃወኸትኒ

ኩሉ እቲ ዝደልዮ ኣወዲኣትኒ

ኰይኑኒዩ ሕጅስ ትሰደኒ

    ነጊረኩም እንታይከ ገዲፈ

    ካባኹም ኢዩ ኩሉ ዝተረፈ

    ድሓን ኩኑ ከይደየ ዓሪፈ

ኣንቲ ደፋር ገንዘብኪ ኣክቢ

የብለይን ካብ ሕጂ ዘጸቢ

ሕማም ርእሲ ’ይብለይ ሕማም ልቢ

    ትሰምዑዶ ’ለኹም ክሓተኩም

    እንታይ ማለተ’የ ቍሩብዶ ጠርጢርኩም

    ክኸይድ እኮ’የ ሓዲገኩም

ኢለኩም’የ ሕጉስ ብሂወተይ

ብኽያት ኣየድልን ድሕሪ ሞተይ

ከይነባዕኩም ኲዓቱዋ ቤተይ

    ኣብራኸይ ጠለማ ኣዒንተይ ፈዘዛ

    በሉስከ ንዑናይ ንበገስ ንገዛ

    ቶሎ በሉ ንስለጥ ኣልዕሉ ኣጎዛ

እምነት ከመዓልኪ-ከመዓልኪ

እምበርዶ’ለኺ ’ታይ ድኣ ስቕ ኢልኪ

ክሳብ ሕጂ ሓዊ ከይኣጎድኪ

    እምብኣር ግንቡው ክብል ተጸሊኡኒ

    ንስኺ’ሞ ስለ እተርክብኒ

    ንዓኺ ዝኸውን ለበዋ ’ይብለይኒ

ከምዚ’ሎም ኣይበልዑን ኣይሰተዩን

እንታይ ኣሐሰወኒ ኣይሕሱን

ሽዕኡ ምስ ገሹ ኣይተመልሱን።

    ኣደይ እምነት እንተረኣዩወን

    ጎጎ ጌረን ኣብ ጸብሒ ደኺመን

    ጸባ ጌጎም የኻፍይዎ ’ይለን

ከተስአን ኢሉ ሓደ ካብቶም ደቀን

ሃሰስ ኢሉ ’ንተኸደ ኣብ ንእደን

ለከ ንሰን’ውን ኣቐዲመን ከይደን።

ዘረባ ኣቦይ ፈራይ ኣኺሉ ከቲቱ

ኩሉ ሰሚዕናዮ በብናቱ

ነበረ ገዲፍና ናብ ዘሎ ክንኣቱ።

እዚ ካብቲ ምሉእ ትሕዝቶ ነቲ ዘድልየኒ ቍንጭል ኣቢለ ዝወሰድክዎ ኢዩ። ስለዚ ምምህር ኣማኑኤል ሳህለ ናይ ቀደም ክዝክር ምኽንያት ኰንካኒ። ኣባት ነገር ክብል ከለኹ ክኣ ካብ ኣቦታትና ዝወረስኩዎ ቀንዲ ዋና ወይ ከርሰ-ነገር ናይቲ ጒዳይ ማለት’ዩ። ብዙሕ ካብቲ ኣቃላልሳና ምኣዝኑ ይስሕት ስለዘሎ፡ ንመላኺ ስርዓት ኢሳያሰን ምዳኸርቱን ንወረርትናን ተሓባበርቶምን ክንለማምንን ከንላቦን ግዜ ይስረቐና ኣሎ።

ዶብና ክሕንጸጽ ቅዋምና ክትግበር እሱራትና ክፍትሑ ካብ ስደት ክንዓርፍ መንእሰያትና ከይሽየጡ ሰራዊትና ብረቱ ደርብዩ ዲቪዛ ተኸዲኑ ከም ምርኮኛ ርእሱ ከየድንን ባይቶና ክትከል ሃገርና ክንውንን ባንዴራና ክትጥቕለል ዘይኮነስ ከተምበልብል በመሬትናን ባሕርናን ክንጥቀምን ክንከብርን ምስ ጎረባብትና ኩለን ብሰላም ክንነብርን ደሞክራሲ ከነስተማቕርን ነቲ መሰረታዊ ሰራውር ናይ ምልኪ ብዘየወላውል ምሒና ክንድርቢ ኣለና። ንሱ ኢዩ እቲ ኣባት ነገር ዝብሃል።

ዝጸገበን ዝቐበጸን ሓደ ከም ዝብሃል ንሰበ-ስልጣን መለኽትን እምባገነን ምራሕቶምን ኰራዂሮምን ክንቀብጾም ይግባእ። እንተዘይኰይኑ ንሳቶም ኩሉ ሳዕ ቀቅድሜና ክኸዱ ንሕና ኽኣ ደድሕሪኦም ጎተት ክንብል ኣብ ወይለከይን ኣብ እዋይ ኣነን  ክንነብር ኢና። ንልምኖን ንላበዎን ነተባብዖን ተልዓል ጎበዝ

እንብሎን እንተድኣ ኣሊዩ ንህዝብናን ነቲ ጭቁን ሰራዊትናን ጥራይ ክኸውን ኣለዎ።

መሶብና፡ ኣባት ነገር እንተ ዘይፈሊጥና ከምቲ ኣቦይ ፈራይ  ዝበሉዎ ተሰሪቓ ክትጠፍኣና ስለዝዀነት ኣእምሮና ናብቲ ዘድሊ ዕላማ ከምዝትኲስ ንግበሮ። ካብ መደበር ምልኪ ብስም ሕውነትን ብመዳህለሊ ጭርሖ “ሰላምን ፍቕርን”  ደሞክራሲ ክትረክብ ኢልካ ሃንቀው ምባል ኣምባሂቝካ ምትራፍ ኢዩ። ንብዓል  ዶ/ኣብይ ናይ ዘመተ መልእኽተኛታት ብናይ ምትላል ጭርሕኦም ናይ ሰላም ሃንደስቲ ጌርና ተሰማዕቲ ክንገብሮም ዝነቐጸ ለሚን ምጸማቝ’ዩ። ብእኡ ኢየ “ዑፍ ጩቝ ክብል ጸሓይ ብርጭቕ ክትብል” ዶ/ኣብይ ተጋጊኻ! ጌጋ ’ተበሉኹምከ ኢለ ዝደረሰኩ። ስለ’ዚ ሕጂ’ውን ኣባት ነገር ሒዝካ ሻማ-ሻማ ኢዩ ዘዋጽኣና።

ምንእሰያት ደቅና ንዓና ከም ኣቦይ ፈራይ ጌርኩም ውሰዱና’ሞ ከየድቲ ስለዝዀንና ነቲ ዝቕጽል ተዳሊኹም ጽንሑ። ሎሚ የማነ ጸጋም ዘይብሉ ዕላማኻ ናይ ምንጻር ግዜ ኢዩ’ምበር ናይ ለበዋን ለመናን ግዜ ኣይኰነን።ምልባው ኣብ ንንሓድሕድና ተቓለስቲ ዝበርህ ዘይጠፍእ ቀንዴል ኢዩ።

“ዋይ ኣነ ጓለ’ሕመድ ተባላሺኻ ሞት” ካብ ዕላል ዝረኸብኩዎስ፡ ቀደም ዘበን ጓል ኣቦይ ኣሕመድ ግዜ ሽግር ኰይኑስ ተሰዲዳ ኣብ ገለ ስራሕ ጀሚራ። ዳሕራይ ኣብ ሃገርና ብፍላይ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዘይልሙድ፡ ከም ገለ ክደፋፍሩዋ ፈቲኖምሲ ዋይ ኣነ ጓለ’ሕመድ ተበላሺኻ ሞት ኢላ ደሞዛ ከይወሰደት ፈጨው ኢላ ንዓዳ ነ’ስመርኣ ተመሊሳ። ብድሕሪኡ ረቢ ኣገባጊቡላ ከመይ ዝበለ ሰብኣይ ተመርዒያ ሓዳር ጌራ ረቢ ሂቡዋ ክኣ ሻሕ ኢላ ነዚ መሬት መልኣቶ። ዳርጋ እዞም ኩሎም ኣብ ኣስላመራ ዘለዉ ኣስላም እሳ ዝፈረየቶም ኢዮም ይበሃል። ስለ’ዚ ጥምየት ነይቀትል ደይ ሸብዳዕዳዕ ከም ዝብልዎ፡ ኣባት ነገር እንድሕሪ ሒዝካ ንፈገር ተጥፍኦ ካብ ሃገር ኢዩ’ሞ ካብ ኣቦይ ፈራይ ምኸሪ፡ ካብ ጓለ’ቦይ ኣሕመድ ክኣ ጽንዓት ወሪስና ንቕድሚት ሻማ-ሻማ። ተዋስኣይ ስለዝዀንኩ ዋዛ ምስ ቍምነገር እንተሓወሰኩ ኣይትቀየሙኒ። ክሳዕ ተመሊስና ንራኸብ ክኣ ጥዕና ’ሃበለይ።

 

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)    

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Sol October 23, 2018

    ንዓኻውን ዕድመን ጥዕናን ይሃበልና ፈጣሪ መምህር ክፍለ

    • Danilo October 23, 2018

      ብርግጽ፡ክፍለ ኮኽብ ኢኻ።እቲ ኣብ መሬት ዘይወድቅ ኾኾብ።ቀጽል!!!።

POST A COMMENT