Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ዝተባህለ ኤርትራዊ ካህን፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዘርኣዮ ሓልዮት ደር ሽፒገል ብዝተባህለ ውሩይ መጺሄት ጀርመን ተመጕሱ።

ደር ሽፒግል Der Spiegel ዝተባህለ ኣብ ሰሙን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሕታማት ዝዝርግሕ ዝዓበየ ሰሙናዊ መጽሔት ጀርመን ፡ ንኣባ ሙሴ ዘርኣይ ኣብ ዓመተ 2011፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኣፍ ሞት ንዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ፡ ብዘርኣዮ ርሕራሔን

ደር ሽፒግል Der Spiegel ዝተባህለ ኣብ ሰሙን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሕታማት ዝዝርግሕ ዝዓበየ ሰሙናዊ መጽሔት ጀርመን ፡ ንኣባ ሙሴ ዘርኣይ ኣብ ዓመተ 2011፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኣፍ ሞት ንዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ፡ ብዘርኣዮ ርሕራሔን ሓልዮትን ቆራጽነትን ኣገልግሎት፡ ,ልኡኽ ፈጣሪ ብግብሪ, Der Macher des Herrn, ዝብል ስያሜ ሂቡ መግለጺ ሂቡ።

መጽሔት ሽፒግል ኣብ ዘውጸኦ ፍሉይ ሕታም፡ ውልቃዊ ተመኩሮ ኣባ ሙሴ ብሓጺሩ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ንዘኻየድዎ ርሕራሔን ቆራጽነትን ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾ።

,ኩሉጊዜ ፍሽኽታ ካብ ገጾም ኣይፍለን እዩ። ሕይወቶም ምስ ሃገሮም ኤርትራን ምስ ባሕርን ዝተኣሳሰረ እዩ። ሓንባሲ ኣይኮኑን፡ ኣብ ባሕሪ ንዝጠልቁ ግን የድሕኑ። ኮንትሮፓንድስታ ኣይኮኑን ንኤውሮፓ ግን ሰብ የሰጋግሩ። ብማዕበል ባሕርን ሃሩር ምድረበዳን ተኸላቢቶም ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከቡ ኣሕዋቶም እምበር፡ ብነፋሪት ሸነን ኢሎም ነብ ኤውሮጳ ዝፈልሱ ስደተኛታት ኣየድህቡን እዮም፡፡  ከም ካልኦት ካህናት ኣብ ገዳም ዘይኮነ፡ ዝበዝሕ ግዜኦም ኣብ ገማግም ባሕሪ ኮለል ክብሉ የሕልፍዎ። እታ ሓንቲ መሳሪሒኦም ናይ ኢድ ተቀሳቃሲት ተለፎንን፡ ፈጣርን ጥራይ እዩ፡፡ ተለፎን ካብ ኢዶም ኣይፈልዩን፡ ኣብ መንበረ ታቦት ግን ብብዝሒ ኣይረኣዩን፡፡,, ድሕሪ ምባል ርእይቶ ሽፒግል ብኸምዚ ዝስዕብ ይቕጽል፡፡

,,ኣባ ንሙሴ ንመዓልቲ ክሳብ 150 ተለፎን ይቕበሉ፡፡ ቁጽሪ ተለፎን ናይ ኣባ ሙሴ ብስደተኛታት ከም ሓንቲ ክብርቲ ዓባይ ኣቕሓ እያ ትቁጸር፡፡ ኣብ ሊብያን ቱንዝያን ዝርከቡ ስደተኛታት ኩሎም ናቶም ተለፎን ኣለዎም፡፡  ስደተኛታት ጉዕዞኦም ምስጀመሩን፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ኮይኖም ማኣዝኖም ምስዝስሕቱን፡ ጃልባ ምስትስበርን ማዕብል ምስጸፎዖምን፡ ተቐዳዲሞም ነባ ሙሴ ይድውሉ። ኣብቲ ቀውጢ እዋን ዋሕሶም ኣባ ሙሴ ጥራይ እዩ፡፡ ኣባ ሙሴ ካብቲ ዝድወለሎም ክሳብ 150 ንመዓልቲ ዝኣክል ብዝሒ ተለፎናት፡ ብቑጽሩ መን ናይ መን ከምዝኾነ የለልይዎ፡፡ እቲ ቁጽሪ ናይ ሳተላይት ባሕሪ ከምዝኾነ ምስ ፈለጡ፡ ናይ ,ርድኡና, ኣውያት ከምዝኾነ ተረዲኦም ይጓየዩ፡፡ ንዝምልከቶም ኣካላት፡ ማለት ንሓይልታት ባሕሪ ናቶን ንሓይልታት ባሕሪ ኣትላትክን ንናይ ኢጣልያ ምክትታል ሓለፍቲ ዶባት ኣውያቶም የስምዑ፡፡ ረዳት ይሓቱ። ከምዚ ብምግባር ድማ ኣሽሓት ደቂ ሃገሮም ካብ ኣፍ ሞት ኣድሒኖም፡፡

ይኹንምበር፡ እቶም ነቲ ኣውያት ዝሰምዑ ሰበ ሰልጣን መንግስቲ ግን ኩሉ ግዜ ሓላፍነቶም ይፍጽሙ ማለት ኣይኮነን፡፡ ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ መጋቢት 2011፡ 72 ኤርትራውያንን፡ ገለ ከኣ ኢትዮጵያውንን ዝሓዘት መርከብ ምስ ጠሓለትን፡ ብጀካ ሓደ ሰብ ኩሎም ምስ ጠፍኡን፡ ሓይልታት ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ኣብ ሙሴ ብዝሓተትዎም መሰረት ግቡኦም ኣይፈጸሙን፡፡ ሀሊኮፕተራትን መራኽብን ናቶ፡ ስደተኛታት እናጠሓሉ እንከለው ርእየን፡ ኢደንን እግረንን ኣጣሚረን፡፡  ካብዚ እዋንዚ ንድሓር ድማ፡ ብጻዕሪ ኣባ ሙሴ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ታርኽ ሰሜን ኣትላቲክ ገበን እተጻሪ ኮሚቴ ተመስሪታ እቲ ጉዳይ ውን ኣብ ገና ምጽራይ ይርከብ ኣሎ።

ኣባ ሙሴ ኣፍኣዊ ኣይኮኑን ግብራዊ እዩም፡፡ ሓላማይ ኣይኮኑን ተግባራይ እዮም። ንኤርትራውያንን ንኢትይጵያውያንን ኣሕዋቶም ንኽሕግዙ ኣብዚ እዋንዚ፡ ከም ኣግልጋሊ ኣምላኽ ኣብ ገተሰማኔ፡ ከም ካህን ኣብ ጀነቫ ተመዲቦም ኣለው።“ ክብል እቲ መጽሔት ርእይቶኡ ደምዲሙ፡፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS