Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣባ ባስልዮስ እንታይ’ዮም ክነግሩና ዝደልዩ ዘለዉ-?

መዓርገ-ጵጵስና ብቅድስና ዝጥመት ክቡር መዓርግ ስለ-ዝኾነ፥ ኣብዚ መዓርግ’ዚ ካብ ዝርከቡ ሰባት፥ ንሚዛን ዝኸውን ክብደት ዘይብሉ ፈኵስ ዘረባ ክስማዕ፥ ትጽቢት ክግበረሉ ኣይከኣልን። እዚ ዘሎናዮ ሻምናይ-ሺሕ ዘመን ግና፥ ካብቲ ክኸውን ዝግብኦ መስመር ወጻኢ፥ ካልእ ስእሊ’ዩ ዘርእየና ዘሎ።

መዓርገ-ጵጵስና ብቅድስና ዝጥመት ክቡር መዓርግ ስለ-ዝኾነ፥ ኣብዚ መዓርግ’ዚ ካብ ዝርከቡ ሰባት፥ ንሚዛን ዝኸውን ክብደት ዘይብሉ ፈኵስ ዘረባ ክስማዕ፥ ትጽቢት ክግበረሉ ኣይከኣልን። እዚ ዘሎናዮ ሻምናይ-ሺሕ ዘመን ግና፥ ካብቲ ክኸውን ዝግብኦ መስመር ወጻኢ፥ ካልእ ስእሊ’ዩ ዘርእየና ዘሎ። ከመይሲ ገለ ጳጳሳት ጸሊም ብምኽዳኖም እንተ-ዘይኮይኑ፥ ካብቲ ጸሊም ክዳን ወጻኢ፥ ብዝኾነ መዐቀንን መምዘንን  ኣብ ሚዛን እንተቐመጥናዮ’ውን፣ ንጳጳሳት ዝኸውን ክብደት ኣይንርእየሎምን ዘሎና።

ከም-ዝርአ ዘሎ፥ ታሪኽ ገለ ኣብ ኣሥመራ ዘለዉ ጳጳሳት፥ ንወረ ዘይጥዕም ካብ ዝኸውን ነዊሕ እዋናት ስለ-ዝኾነ፥ ብዛዕባኡ ብዙሕ ክበሃል ጸኒሑ’ዩ። ገና’ውን ይበሃል’ዩ ዘሎ። እቲ ዝጸንሖም ኣቕዋም ክቕይሩ፥ ወይ ጌጋኦም ክእርሙ ዝደልዩ ኮይኖም ብዘይ ምርካቦም ግና፥ መመሊሶም ኣብ ትዕዝብቲ ከውድቖም ዝኽእል፥ ሓላፍነት ዝጐደሎ ቃላት ከውጽኡ’ዮም ዝስምዑ ዘለዉ። እዚ ድማ ኣብቲ ከባቢኦም የኽፍኣልኩም’ዩ ዝብሉዎም፥ ብልቦና ዝጥመቱ ሰባት፥ ከም-ዘየለዉ ዘረድእ እዩ።

ንኣብነት ኣብቲ ኣብ ሰሙነ-ፋሲካ፥ ነባ-ባስልዮስ ኣብ እስራኤል ቀሪቡሎም ዝነበረ ሕቶ እንተ ተመልከትና። ዕትብ ዝበለ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ፥ ቀሪቡሎም ከም-ዝነበረ ኣብቲ ዝተዘርግሐ ዜና ተሰሚዑ እዩ። ሓደ ካብቶም ካብ ኣሥመራ ተኸቲሎሞም መጺኦም ዝነበሩ ግና፥ “-ኣይ ሓኽሉ ኣይ ምሳሩ-” ከም-ዝበሃል። ምስቲ ዝቐረበ ሕቶ ዝኾነ ምትሕሓዝ ዘይብሉ፥ ቀብጠርጠር ክብል ኢና ዝሰማዕናዮ። እዚ ድማ እቶም ጳጳሳት ብኸመይ ዝዓይነቶም ሰባት፥ ተኸቢቦም ይርከቡ ከም-ዘለዉ ዘረድእ እዩ።

ከመይሲ ኣብቲ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብዝምልከት ዝቐረበ ሕቶ። እቲ ብድሕሪ ‘ቶም ጳጳስ ክዛረብ ኢሉ ዝቐረበ ሰብ። “-ካብ ጳጳሳት ንላዕሊ ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝግደሰሉ ሰብ የልቦን። ናይ ዝኾነ ሰብ ሕቶን ሓገዝን ከየድለዮም ከኣ፥ ባዕላቶም ነቲ ናይ ዕርቂ መሥርሕ የካይዱዎ ኣለዉ-” ብምባል’ዩ፥ ነቲ ሕዝቢ“-ኢድኩም ኣክቡ-” ብዘስምዕ ቃና ክመጻደቕ ዝተሰምዐ። እምበኣርከስ እቶም ኣብ ከባቢ’ቶም ጳጳሳት ዝርከቡ ዘለዉ፥ ከምዚኦም ዝዓይነቶም ሰባት እንተደኣ ኮይኖም፥ እቶም ጳጳሳት እቲ ጸገሞም ኣብ ምንታይ ከም-ዘሎ፥ ምርድኡ ዝጽግም ኣይኮነን።

 

 

 

ብዝኾነ ኣብቲ ናይ ቴል-ኣቪቭ ውዕሎ ተመሊስና፥ እቲ ጉዳይ ክንርእዮ ከሎና። ካብቲ ነባ-ባስልዮስ ዝቐረበሎም ሕቶ። “…ስለምንታይ ዕርቂ ተገይሩ ተባሂሉ ከብቅዕ፥ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ክሳብ ሕጂ ኣብ መንበሮም ክምለሱ ዘይከኣሉ? ስለምንታይከ ስም ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ከይጽዋዕ ተኸልኪሉ ይርከብ ኣሎ? እንተደኣ ኣብ ኑፋቄ ተረኺቦም ዝበሃሉ ኮይኖም ድማ፥ እቲ ኑፋቄ ዝበሃል ዘሎ፥ ኣየናይ ምዃኑ ብወግዒ ንሕዝቢ ዘይንገር-?….” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝጠቓለል ሕቶ’ዩ ክቐርብ ዝተሰምዐ።

ኣባ-ባስልዮስ ግና፥ ኣሚንካ ክትቅበሎ ዘጸግም መልሲ’ዮም ክምልሱ ዝተሰምዑ። ቅድሚ መልሲ ምሃቦም’ውን፥ ክልተ ግዜ ክሓስቡ ዝደልዩ መሲሎም ኣይተራእዩን። ክሳብ ክንድ’ቲ፥ ሓላፍነት ዝጐደሎ ኣበሃህላ ካብ ኣፎም ክወጽእ’ውን፥ ዝተሰከፉሉ መሲሎም ኣይተራእዩን። እቲ ንሶም ብኣባልነት ዝርከቡዎ ሲኖዶስ’ውን፥ ምስቶም ፓትርያርክ ኣብ ፍጹም ዕርቂ ንምብጻሕ፥ ዘየቋርጽ ጻዕሪ ክግበር ከም-ዝጸንሐን፥ ሕጂ ግና ዳርጋ ኣብ ምውዳእ በጺሑ ይርከብ ምህላዉ’ዮም፥ ብርእሰ ተኣማንነት ክገልጹ ዝተሰምዑ። ብዛዕባ’ቲ ንሶም ተበጺሑ ዝብሉዎ ዘለዉ ዕርቂ ግና፥ ዝሃቡዎ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይነበረን።

“….. ዕርቂ ተፈጺሙ ዝበሃል እንተደኣ ኮይኑ ደኣ፥ ስለምንታይ ኣብ መንበሮም ክምለሱ ዘይከኣሉ? ስለ-ምንታይከ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ኣብ ክንዲ ስሞም ዝጽዋዕ፥ በእንተ-ኩሎሙ ጳጳሳት ተባሂሉ ዝቕደስ ዘሎ-? ስለ-ምንታይከ ከምዚ ንስኻትኩም ትገብሩዎ ዘለኹም፥ ነፃ ኮይኖም ሕዝቦም ክበጽሑን ክባርኹን ዘይንርእዮም-? ….” ተባሂሉ ንዝቐረበሎም ሕቶ ድማ፥ “….. ኩሉ ተወዲኡ ሰላምን ዕርቅን ኮይኑ’ዩ። ቁሩብ ቁራቦ ተሪፉና ስለ-ዘሎና ግና፥ ንዕኦም ኣብ ምልማን ኢና ንርከብ ዘሎና ….” ዝብል ኣገራሚ መልሲ’ዮም ክህቡ ዝተሰምዑ፥  ንሶም እቶም ጳጳስ ኣባ-ባስልዮስ።

ግዳስ እዚ ውጹእ ዝኾነ-ሓሶት’ዚ፥ ኣብ ቅድሚ’ቲ ልብን ኮላሊትን ዝምርምር ሕያው-ኣምላኽ፥ ክዛረቡ ከለዉ። እቲ ኣብ ግብረ-ሓዋርያት “-በል ሓናንያ ንመንፈስ-ቅዱስ ክትሕሱ ….. ስለምንታይ ሰይጣን ንልብኻ መልኦ-” ተባሂሉ ዝተነግረ ኃይለ-ቃል። ኣብ ሕልንኦም ስለ-ምንታይ ክመጽእ ከም-ዘይከኣለ ዘገርም እዩ። ከመይሲ ሓደ ኣብ መዓርገ-ጵጵስና ዝበጽሐ’ሞ፥ ኣብ ኣገልግሎት ቤት-ኣምላኽ እርከብ ኣለኹ ዝብል ሰብ፥ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብናይ ሥነ-ምግባር ውድቀት ዘኽስስ፣ ዕርቃኑ ዝወጸ ሕሱር መድረኽ ደው ኢሉ ክርከብ፥ ቅቡል’ዩ ዝበሃለሉ ምኽንያት ኣሎ ኣይንብልን።(ግሓ.5/1-11)

ብዝተረፈ እዚ ኣርእስቲ’ዚ፥ ጉዳይ ሕዝቢ ተዋሕዶ ከም-ምዃኑ መጠን። ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ ብደቂቕ ዝከታተሎ ጉዳይ ምዃኑ፥ ኣባ-ሉቃስ ኮኑ ኣባ-ባስልዮስ ክርድኡዎ ዝኸኣሉ ወይ ዝደልዩ ኣይመስሉን ዘለዉ። ስለዚ ነቲ ሕዝቢ ብኸምዚ ከነተዐሻሽዎ ንኽእል ኢና ኢሎም ይሓስቡ እንተደኣ ኣልዮም፥ ፍጹም ይጋገዩ ከም-ዘለዉ ጥራይ ኢና ክንነግሮም ንኽእል።  ብዝተረፈ ብዙሕ እዋናት ዕርቂ ተገይሩ ክብሉ ተሰሚዖም’ዮም። እቲ በዓል ጉዳይ ዝኾነ ሕዝቢ-ተዋሕዶ፥ ክቕበሎ ዝኽእል ዕርቂ ኮይኑ ስለ-ዘይተረኽበ ግና፥ እቶም  ፓትርያርክ ክፍትሑ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን’ውን ካብቲ ን27-ዓመት መመላእታ፥  ተጻዒኑዋ ዝርከብ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ኣርዑት፥ ክትላቐቕ ኣይከኣለትን ዘላ።

እሞ ብዛዕባ ኣየናይ ዕርቂ ደኣ’ዮም ሕጂ፥ ኣባ-ባስልዮስ ክነግሩና ዝደልዩ ዘለዉ-? ብዛዕባ’ቲ ዓሚ ክግበር ተፈቲኑ ዝነበረ’ሞ፣ ዝፈሸለ ፈተነ እንተደኣ ኮይኖም ግና፣ ሞይቱ ዝተቐብረ ስለ-ዝኾነ፣ ሕጂ ናብኡ ኣቢሉ ክጥምት ዝደሊ የልቦን። እቲ ታሪኹ ይዘርዘር ዝበሃል እንተደኣ ኮይኑ ድማ፣ ባዕሎም ኣባ-ባስልዮስ ዝሓፍሩሉ ታሪኽ ኮይኑ ከም-ዝርከብ፣ እቲ ዓሚ ኣብ ርእሰ-ኣድባራት ደብረ-ጽዮን ቤተ-ክርስቲያን ዝተራእየ ፍጻሜታት ከረጋግጾ ዝኽእል እዩ።

ከመይሲ እቲ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን፣ ምስ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ ፍጹም ዕርቂ ተበጺሑ ብምባል ዝተዘርግሐ መናፍሕ። ከይወዓለ ከይሓደረ’ዩ ሽዕኡ ንሽዕኡ፣ ከም ዕርዲ-ኢያሪኮ ሃደሽደሽ ኢሉ ክፈርስ ዝተራእየ። ከመይሲ እቲ ውሽጡ ባዶ ዝኾነ፥ ብናይ ፖለቲካ ኢድ ምትእትታው ዝተላዕጠጠ፥ ውጹእ ሓሶት’ዩ ነይሩ። እዚ ድማ እቶም ፓትርያርክ ኣብ ከቢድ ናይ ሽምግልና ዕድመ’ዮም ዝርከቡ ዘለዉ’ሞ፣ ብምድንጋር ክሕለፍ ይከኣል’ዩ ዝብል ሰንኮፍ ግምት ስለ-ዝነበሮም እዩ።

ከም-ዝሓሰብኩሞን ከም-ዝገመትኩሞን ክኾነልኩም ግና ኣይከኣለን። ከመይሲ እቲ “-ፓትርያርክ-እንጦንዮስ በደሎም ኣሚኖም ይቕሬታ ሓቲቶም-” ብምባል ተዳልዩ መጺኡ ዝነበረ ናይ ሓሶትን ቅጥፈትን ተዋስኦ። እቶም ፓትርያርክ ኣይ ቃለይን ብምባል ስለ-ዘፍረሱዎ፥ እቲ ኣባ-ሉቃስ ጐብለል ኮይኖም ክሕምሱዎ ዝርከቡ ዘለዉ ደምበ። ምኽንያት ክሳብ ዝስእንን መሕብኢ ክሳብ ዝጠፍኦን፥ ተሻማቒቑ ክሽጐጥ ከም-ዝተገደደ፥ ሃገር ብሃገሩ ዝረኣዮን ዝፈለጦን ናይ ትማሊ ታሪኽ’ዩ።

ብዝተረፈ እቲ ናይ ሽዕኡ ዕርቂ፥ ናይ ሓቂ ዕርቂ እንተ ዝነብር ደኣ፥ ከመይ ኣቢልኩም ንስኹም ኣባ-ባስልዮስ፥ እቶም ፓትርያርክ ብኣካል ኣብቲ ቤተ-መቕደስ ተረኺቦም እናሃለዉ፥ ሰጢጥኩም ክቕድስ’የ ኢልኩም ክትኣትዉ ምኸኣልኩም-? እዚ ኩሉ’ዚ ሕዝቢ ተዋሕዶ ኣይፈልጦን’ዩ ዝብል ግምት እንተደኣ ኣልዩኩም ኮይኑ፥ ንስኹም ንነፍስኹም ጥራይ ኢኹም ተተዓሻሽዉ ዘለኹም እምበር፥ እቲ ዋና’ታ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ሕዝብስ፥ ምስ’ዚ ጉዳይ’ዚ እዩ እህህ-!! እናበለ ከስቈርቁር ዝውዕልን ዝሓድርን ዘሎ’ሞ፥ ክሳብ ክንድኡ ነቲ ሕዝቢ ኣትሕትኩም ትርእዩዎ እንተደኣ ኣሊኹም፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶን ንሕዝቢ ኦርቶዶክስን፣ ገና ኣይፈለጥኩሙዎምን ኣለኹም ማለት’ዩ።

ብዛዕባ’ቲ ዓሚ “-ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብ ሱባኤ’ዮም ጸኒሖም-” ብምባል ኣብ ጉባኤ እንዳ-ማርያም ተዋሂቡ ዝነበረ መግለጺ’ውን ተሓቲትኩምሲ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ኣይናትናን’ዩ ከም-ዝበልኩም፥ ኣብቲ ኣብ ተልኣቪቭ ብቪደዮ ተቐዲሑ፥ ዝተዘርግሐ ዜና ተሰሚዑ ኣሎ። እዚ ቃል’ዚ ግና ኣብቲ ዓሚ፥ እቶም ፓትርያርክ፥ ንዕርቂ ተባሂሉ እንዳ-ማርያም መጺኦም ዝነበሩሉ ግዜ። ብሓደ ካብቶም ኣብቲ እዋን’ቲ፥ ብጉልባብ ዓረቕቲ ሽማግለ መልሚልኩም ኣዳሊኹሞም ዝነበርኩም፥ ካብ ኣፍ ኣባ መልከ-ጼዴቕ ዝተባህሉ ፈላሲዶ ኣይኮነን ክወጽእ ተሰሚዑ ዝነበረ-?

ከመይ ኣቢልካ ደኣ’ዩ ሕጂ፥ ነቲ ኣበሃህላ’ቲ ኣይናትናን’ዩ ተባሂሉ ክኸሓድ ዝድለ ዘሎ። መቸም ነቲ ሕዝቢ ተዋሕዶ ኣበይ ከይበጽሕ ኢሎም እንተ ነዓቑዎስ ዘገርም ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ግና ሰብ ኣይኮነን፣ ኣታሊለዮ ክሓልፍ ኢልካ’ውን፣ ክሕሰብ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ኣዚዩ ዘገርም ግና፣ ኣባ-ባስልዮስ ነዚ ቀይሕ መስመር’ዚ፣ ጥሒሶሞ ክሓልፉ’ውን ስግጥ ዝብሉ ኮይኖም ዘይምርካቦም እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ጸሎተ-ዳንኤል “-ኣልቦ በዝ መዋዕል መልኣክ፣ ኢ-ነቢይ ወኢ-ንጉሥ። ኢ-ቁርባን ወኢ-መሥዋዕት፥ ወኢ ኀበ እለ ይጸንሕሑ ዕጣነ። ወኢ ብሔር ኀበ እለ ይፈርዩ በቅድሜከ ይርከቡ ሣህለከ-” ተባሂሉ ዘሎ የዘክረካ።

ብመሠረቱ’ውን ኣባ-ባስልዮስ፥ እዚ ኣበሃህላ’ዚ ናትና ኣይኮነን እንተበሉ ተጋግዮም’ዮም ኣይንብልን። ከመይሲ እቲ ኣብ መድረኽ ወጺእካ፥ ብስም ሲኖዶስ ክበሃል ዝስማዕ ኩሉ፥ ካብ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት ዝወሃቦም መምርሒ ደኣምበር፥ እቶም ጳጳሳት ወይ እቲ ሲኖዶስ ብናቶም ተበግሶ፥ ባዕላቶም ክብሉዎ ዝኽእሉ ነገር ከም-ዘየሎ፥ ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ዝፈልጡዎ ናይ ኣደባባይ ምሥጢር’ዩ። ስለዚ ኣባ-ባስልዮስ “-እቶም ፓትርያርክ ኣብ ሱባኤ ጸኒሖም ብምባል ዝተዋህበ መግለጺ ኣይናትናን’ዩ-” እንተበሉ፥ ተጋግዮም ‘ዮም ዘብሎም’ውን ኣይኮነን። ናይ ሃይማኖታዊ-ጉዳይ’ዩ ክብሉ ግና፥ እቲ ትብዓት’ሞ ካበይ’ዩ ክርከብ-?!

ግዳስ እዚ ጸወታ’ዚ፥ ክሳብ መዓስ’ዩ ብኸምዚ ክቕጽል ዝድለ ዘሎ-? ርግጽ’ዩ እቲ ኣባ-ባስልዮስ ኣብ ቴል-ኣቪቭ “-ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ንልምኖም ኢና ዘሎና-” ብምባል ዝሃቡዎ ቃል። በሉዎ ተባሂሎም ዝተዋህቦም ትእዛዝ ወይ መምርሒ ደኣ’ምበር፥ እቲ ዕርቂ ዝበሃል ነገር ኣርባዕተ ነጥቢ ተገይሩሉ ከም-ዝተዓጽወ ወይ ከም-ዝሞተ ይስሕትዎ’ዮም ኣይንብልን። ነየናይ ምንባር ኢሎም ኣብ ጥፍኣት ቤተ-ክርስቲያን፥ ኢዶም ሓዊሶም ክርከቡ ይደልዩ ከም-ዘለዉ ግና፥ ንኽትርድኦ’ውን የጸግም እዩ።

ከመይሲ እቲ ካብ ነዊሕ እዋናት ኣትሒዙ፥ ብቐጻሊ ክግበር ዝርአ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ጸወታ። ንክብርን ቅድስናን ታሪኽን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ነበረያ ነበረ ገይሩ ንምፍራስን ምድምሳስን ዝዓለመ ክኸውን ከሎ፥ እዞም ኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስን ዝተባህሉ ክልተ-ጳጳሳት ድማ፥ ናይ’ዚ ውዲት’ዚ ኣተግበርትን ኣሳሰይትን ኮይኖም ክርከቡ ምድላዮም፥ ክትርድኦ እንተ ደለኻ’ውን ምርድኡ ዝከኣል ኣይኮነን።

ብዝተረፈ ታሪኽ ኣባ-ማቴዎስ፥ ነዞም ዝተባህሉ ክልተ መለካውያን ዝኾኑ ጳጳሳት፥ ዓቢይ ትምህርቲ ክኾኖም ይኽእል ነይሩ’ዩ። ከም-ዝፍለጥ ኣባ-ማቴዎስ፥ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዝግበር ዝነበረ ፖለቲካዊ-ጸቕጢ፥ ተጻዊሮሞ ክኸዱ ስለ-ዘይደለዩ፥ ማዕጾ ቤቶም ዓጽዮም ብንስሓ ኣቢሎም ሱባኤ ድሕሪ ምእታዎም’ዮም። ብልዕን መድኃኒትን ኣይቅበልን ኢሎም፥ መንገዲ ሰማይ ኣቕኒዖም ዝኸዱ። እዚ ፍጻሜ’ዚ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ’ዞም ዝተባህሉ ክልተ-ጳጳሳት፥ ዝተፈጸመ ናይ ትማሊ ታሪኽ’ዩ። እዚ ድማ ኣቡነ-ማቴዎስ ነዛ ሓላፊት ዝኾነት ዓለም’ዚኣ ክብሉ፥ ክብሪ መንግሥተ-ሰማያት ከየጥፍኡ ዝመረጹዎ ምርጫ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።

እሞ እዚ ውሳኔ’ዝን እዚ መንገድን’ዚ ደኣ ሕጂ፥ ነዞም ክልተ-ጳጳሳት ከመይ ኣቢሉ ክርኣዮም ኣይክእልን ዘሎ-?! “-ኣይተ ነበርከ ምንተ ገበርከ-” ዝብል ሕቶ ይጽበዮም ከምዘሎኸ፥ ከመይ ኣቢሉ’ዩ ኣብ ሕልንኦም ክመጽእ ዘይከኣለ-?! ብዝኾነ እቲ ካልእ ዘገርም’ውን፥ ንሶም ኣባ-ባስልዮስ ኣብቲ ኣብ ቴል-ኣቪቭ ገይሮሞ ዝነበሩ ጉባኤ። ማለት ብዛዕባ ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን፥ ማለት ብዛዕባ’ቲ ናብኦምን ናብ ኣባ-ሉቃስን ኣነጻጺሩ፥ ዝተመሓላለፈ ውግዘት ብዝምልከት ሕቶ ምስ-ቀረበሎም፥ “-ውግዘት ዝበሃል ነገር የለን። ውግዘት ተኸልኪሉ’ዩ-” ድሕሪ ምባሎም፥ “-ገዳም ደብረ-ቢዘን’ውን በደሎም ኣሚኖም ተቐጺዖሙሉን ይቕሬታ ሓቲቶሙሉን’ዮም-” ክብሉ’ዮም ዝተሰምዑ

እዚ ኹሉ’ዚ ግና ጥቓ ሓቂ ዝቐርብ ዘረባ ኣይኮነን። ከመይሲ ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን፥ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስን ዘመሓላለፉዎ ውግዘት፥ ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ፥ ወይ ኣብ ዝባንኩም ተቐሚጡ ከም ዘሎ’ዩ ሕዝቢ ተዋሕዶ ዝፈልጥ። ርግጽ’ዩ ነቶም ገዳማውያን ኣቦታት፥ ኣብ መቑሕ ኣእቲኹሞም ከም-ዝነበርኩም ዝፍለጥ’ዩ። በቲ ፈተና’ቲ ተረቲዖም ዕጥቆም ዝፈትሑ ከም-ዘይኮኑ ግና፥ ንስኻትኩም’ውን ትኽሕዱዎ ኣይኮንኩምን። ክሳብ ሕጂ ድማ ብጽንዓት መኪቶም ይርከቡ ከም-ዘለዉ’ዩ ሕዝቢ ተዋሕዶ ዝፍለጥ።

ስለ’ዚ ውግዘት ከይውግዙ ከልኪልናዮም ኢና ዝብል ኣበሃህላ። ኣብ ዓይኒ ትዕዝብቲ  ከእትወኩም እንተ ዘይኮይኑ፥ ንኣባሃህላኹም ቅዉም-ነገር ኢሉ ዘዳምጾ ክትረኽቡ’ውን ኣይትኽእሉን ኢኹም። ነቲ ሕጂ ኣብ ብምሉኡ ሃገር፥ ብዛዕባ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ፥ ዝመርሑዎ ዘለዉ’ውን፥ ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን እምበር፥ ካልእ ዝኾነ ስሙ ክጥቀስ ዝኽእል ኣካል የልቦን። ነዚ ጽንዓት’ዚ ሓሊፍካ ክኽየድ ስለ-ዘይተኻእለ ከኣ’ዩ፥ ነቶም ፓትርያርክ ኣብ ምልማኖም ኢና ንርከብ ዘሎና ዝበሃል ዘሎ። እቲ ጸገም ግና ብበጃኹም ለሚንካ ዝፍታሕ ጸገም ኣይኮነን።

ብዝተረፈ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ንልምኖም ኢና ዘሎና ብዝብል ኣበሃህላ፥ ሕዝቢ ተዋሕዶ ድሕሪ ደጊም ክዕሾ ዝኽእል ኣይኮነን። እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ፖለቲካ ተታሒዛ እናሃለወት፥ ዝኾነ ዝግበር ምዝርራብ ብሕዝቢ-ተዋሕዶ ተቐባልነት ክረክብ ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ጥራይ ኣይኮኑን ተኣሲሮም ዘለዉ። ቅድሚ’ቶም ፓትርያርክ ብዓባያ እታ ቤተ-ክርስቲያን’ያ ተኣሲራ ዘላ። ከመይሲ ናቶም ማእሰርቲ ኣብ 1998 ዓ/ም (2006) ክኸውን ከሎ። ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ግና፥ ኣብ 1983 ዓ/ም ( 1991) እያ፥ ኣብ ትሕቲ ናይ ፖለቲካ ኣርዑት ከም-እትቑረን ዝተገብረ።

ስለ’ዚ ንስኹም ኣባ-ባስልዮስን ኣባ-ሉቃስን፥ ንሃይማኖታዊ-ጉዳያት ብምውካል እንተ ዘይኮይኑ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ወከልቲ ኮንኩም ክትቀርቡ ዘኽእለኩም ባይታ፥ ኣሎ ኢሉ ሕዝቢ ተዋሕዶ ኣይኣምንን’ዩ። ስለ’ዚ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ንሕዝቢ ተዋሕዶ እምበር፥ ንማንም ካልእ ዝምልከቶ ኣይኮነን። እዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ ኮነ፥ እቶም ፓትርያርክ ከኣ ጉዳዮም ባዕሎም ክኣልዩ ዝኽእሉ ስለ-ዝኾኑ፥ ናይ ክልቴኹም ሕልኽልኽ ምባል፥ ፈጺሙ ዝደልዮ ኣካል የልቦን። ከመይሲ ጐይታና ኣብ ወንጌሉ “-ንኽልተ ጎይቶት ክግዛእ ዝኽእል፥ ሓደ’ኳ የልቦን-” ብምባል ዝመሃሮ ቃል፥ ኣብዚ ንዓኻትኩም ክጥቀስ ግቡእ’ዩ። (ማቴ.6/24)

ብዝተረፈ ከምቲ ኣብ መንገዲ-ደማስቆ ንሳውል “-ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተረገጽካ ንርእስኻ’ዩ ዝገደካ-” ተባሂሉ ዝተነግሮ። ሕጂ’ውን ነዞም ክልተ፥ ካብ መንገድን  ዕላማን ቤተ-ክርስቲያን ርሒቖም ከይዶም ዘለዉ ጳጳሳት፥ ማለት ኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስን ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ወኪልኩም፥ ዝኾነ ነገር ክትገብሩ መሰል የብልኩምን ኢልና፥ ብንጹር ቋንቋ ክንነግሮም እዋኑን ሰዓቱን ሕጂ’ዩ። ከመይሲ ሕዝቢ-ተዋሕዶ “-ውረድ ዘይበቕልኻ፥ ልቐቕ ዘይርስትኻ-” እዩ ዝብሎም ዘሎ። (ግሓ.9/5)

 

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

ስብሑኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

 

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

ጀርመን

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT