Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ’ቲ ትማሊ ምሸት ኣብ ‘ማንቸስተር ኣሬና’ ዝተኻየደ ነብሰ ቅትለታዊ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ቆልዑ ዝርከቡዎም 22 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 59 ከምዝቖሰሉ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ኣረጋጊጾም።

ኣብ’ቲ ትማሊ ምሸት 22 ግንቦት፣ ብኣመሪካዊት ውርይቲ ደርፊት ኣርያና ግራንደ ኣብ ማንቸስተር ኣሬና ዝቐረበ ምርኢት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ኣብ ሓደ ካብቶም መዋጽኦታት ናይቲ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ ነብሰ ቅትለታዊ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ቦምባ፣ ቆልዑ ዝርከቡዎም 22 ሰባት ክሞቱ

ኣብ’ቲ ትማሊ ምሸት 22 ግንቦት፣ ብኣመሪካዊት ውርይቲ ደርፊት ኣርያና ግራንደ ኣብ ማንቸስተር ኣሬና ዝቐረበ ምርኢት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ኣብ ሓደ ካብቶም መዋጽኦታት ናይቲ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ ነብሰ ቅትለታዊ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ቦምባ፣ ቆልዑ ዝርከቡዎም 22 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 59 ከምዝቖሰሉ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ኣረጋጊጾም።

ፖሊስ፣ እቲ ዝተሰነዐ ቦምባ ተጠቒሙ ነቲ መጥቃዕቲ ዘካየደ ውልቀሰብ ኣብቲ ነትጕ ብኡንብኡ ከምዝሞተ ብተወሳኺ ሓቢሮም።

እቲ መጥቃዕቲ ዘካየደ ኣሸባሪ፣ ብ ግላዊ መንገዲ ዝፈጸሞ ድዩ ወይስ ኣካል መርበብ ሽበራ ‘ዩ ንምፍላጥ ቀጻሊ መርመራ ይካየድ ምህላዉ ዝሓበረ ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ማንቸስተርን ከባቢኣን፣ እቲ ፍጻሜ ኣብ ታሪኽ ከተማ ማንቸስተር ካብ ዘጋጠሙ ተመሳሰልቲ ፍጻሜታት እቲ ዝኸፍአ ዘስካሕክሕ ተርእዮ ምዃኑ ንማዕከናት ዜና ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሩ።

ዝበዝሑ ተዓዘብቲ ናይቲ ምርኢት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብምንባሮም፣ እቲ ነትጕ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ስንባደ ዘንቀሎ ጽቕጥቅጥ ከምዝተራእየ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ናይ ቪድዮ ስእልታትን ኣገንዚቦም። ስድራቤታት ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ደሃዮም ንዘጥፍኡ ደቆምን ቤተሰቦምን ንምርካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒሞም ዳምዳም ይብሉ ከምዘለዉ ‘ውን ቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ቦታ 60 ኣምቡላንስ ክዋፈራ ከለዋ፣ እቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ 59 ንጹሃት ኣብ 8 ሆስፒታላት ማንቸስተር ክንክን ረዲኤት ይግበረሎም ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ዓዲ እንግሊዝ ጠቒሰን።

ፖሊስ ማንቸስተር፣ ነቲ ኩነታት ከም ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ይምርምሩዎ ከምዘለዉ ዘ ኢንደፐንደንት ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ማንቸስተር ዝተኻየደ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ነቶም ኣብ ምዝንጋዕ ዝነበሩ ነብሶም ዘይከኣሉ፣ ንጹሃት ዕሸላት ቆልዑ ኮነ ኢሉ ዒላማ ምግባሩ ንሰይጣናዊ ኣተሓሳስባ ናይቶም ኣሽበርቲ ዝገልጽ ምዃኑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን መራኸቢ ብዙሃንን ይገልጹ ኣለዉ።

እዚ ትማሊ ኣብ ማንቸስተር ትማሊ ዝተኻየደ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ድሕሪ’ቲ ብ 7 ሓምለ 2005 ኣብ መርበብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ከተማ ለንደን ዝተኻየደ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተኻየደ ዝኸበደ መጥቃዕቲ ምዃኑ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Gonche May 24, 2017

    it is very sad news. I hear some pious people say : Islam is a religion of peace.

  • Gonche May 24, 2017

    it is very sad news. I hear some pious people say : Islam is a religion of peace … .

POST A COMMENT