Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብእንግድዓናዘሎእዋናዊብድሆ ብምዉህሃድ ጥራሕ ኢና ክንስዕሮ እንኽእል።

ሎሚ ሃገርና ኤርትራ ብሰንኪቲ ኣብ እንግድዓአ ተሰቒሉ ብኹለንትናአ አረማሲሱ ዘህልኻ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፣ አብ ዓሚቝ ድኽነትን ቅልውላውን እትርከብ ሃገር ኮይና አላ። እዚ ብዝኸፍአ መልክዑ ናብ ዝገደደ ገጹ ብህጸት ዝምርሽ ዘሎ ሐደገኛ መስርሕ’ዚ፣ ንትሕዝቶ ሰብአዊ ዓቕሚታት

ሎሚ ሃገርና ኤርትራ ብሰንኪቲ ኣብ እንግድዓአ ተሰቒሉ ብኹለንትናአ አረማሲሱ ዘህልኻ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፣ አብ ዓሚቝ ድኽነትን ቅልውላውን እትርከብ ሃገር ኮይና አላ። እዚ ብዝኸፍአ መልክዑ ናብ ዝገደደ ገጹ ብህጸት ዝምርሽ ዘሎ ሐደገኛ መስርሕ’ዚ፣ ንትሕዝቶ ሰብአዊ ዓቕሚታት ኤርትራ በታቲኑ አብ ብርሰትን ዕንወትን ዘብጽሐ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ከም ሃገር’ውን እንተኾነ ንህልውናአ ዝፈታተን ናብ ገምገም ፍሽለት ዘምርሐ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ።

ሎሚ መላእ ዜጋታትና ብፍላይ ከአ መንእሰያት እዛ ሃገር’ዚአ ናይ ንእስነት ዕድመኦም ብቕሳነት ተሰንዩ አብ ክንዲ መአዲ ትምህርቲን ፍልጠትን ዘሕልፍዎ፣ አብ ምህናጽ ሃገሮም ከአ ኩለንትናዊ አፍራዪ ዓቕሚታቶም አዋፊሮም እጃሞም ክንዲ ዘበርክቱ፣ ናይ ጽባሕ ተቐበልቲ ሕድሪ ኮይኖም ክንዲ ዝምልመሉ፣ ነታ ኮፍ ኢሎም ብህድአት ዝሐስቡላ ኮነ፣ ከም መንእሰያት ክሕንቅቑላ ዝግብኦም ምውቕቲ ስድራቤት ራሕሪሖም ፈቐዶ ሃገራት ተዘርዮም ይርከቡ። አቤት እዚ ዘስገድግድ ንኤርትራውያን ብቕልውላው ዝሐመሰ ሐባል እዋን እዚ’ስ አብ ታሪኽ ምዕራፍ ኤርትራ ክንደይ ኮን ክፉእ ገጽ ክህልዎ ኢዩ? በቶም ድሒሮም ዝመጹ ወለዶታትና’ኸ ብኸመይ ኮን ክንበብ ኢዩ?

ናይ’ዚ መዋእል’ዚ ኤርትራውያን ልቢ አዕቢና፣ ንሕሉፍ ተመኩሮታትና ገምጊምና፣ አብ ሕድሕድና ዘሎ ናይ ፍርህን ምጥርጣራትን ዝመልኦ ክሲታት አወጊድና፣ አብ ክንዲ በብናትካ ምኻድ ሐደ ንኹሉና ዝጠምር ማእከላዊ ተረድኦ ዝሐዘ መሰማምዒ ሐሳብ ተሞርኲስና ክሳብ ዘይከድና ከአ፣ ዝበልና እንተበልና ዝጎየና እንተጎየና ኩሉ ከንቱነት ኢዩ። እንዳተኻሰስካ በበይንኻ ጉያ ዘብ ዘብ ምባል ንዕድመ መላኺ ስርዓት ምንዋሕን፣ ንስደት ስቓይን ዜጋትትና ምብዛሕን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ እዚ ናብ ፍሽለት ገጹ ከም ሃገር ዝእንፍት ሐደገኛ አቕጣጫ’ውን እንተኾነ ፈጺምና ክንዓጽፎ አይክንበቕዖን ኢና። ምስ ዘይንበቕዖ ከአ ናይ ታሪኽ ተጠየቕቲ ኢና።

ሐጥያትን በደልን ህግደፍ ምጽብጻብ ጥራሕ አይኮነን ዘድሊ ዘሎ፣ ንሱ’ስ ሰብ ረብሪቡሉ ኢዩ። የግዳስ ንሐጥያቱን ግፍዒታቱን ንሐደን ንሐዋሩን ዝዓጽፍ፣ ብሱልን ጥርኑፍን ዝኾነ፣ ንሕሉፍ ዘይምርድዳአት ሕድገት ዝገብር ንዝመጽእ ከአ አማዕድዩ ዝጥምት መሪሕ ዝኾነ አተሐሳስባ ኢዩ ተሳኢኑ ዘሎ። ናይ ዝሐለፈ ታሪኻዊ ቂምታን በደልን እንዳአልዓለ ንስሚዒታትና ከአ እንዳረሳሰነ፣ አብ ሕድሕድና ፍርሂ አትዩና ዝያዳ  ንኽንጠራጠር ዘረሐሕቐና ጎስጋስ ዝገብር ሰብ አይኮናን ሲኢና። ንሱ’ስ ከም ዕማሞም ጌሮም ዝተዋፈሩሉ ህግደፍን ጭፍርኡን ንበይኖም ይአኽሉና ኢዮም። የግዳስ ንህሉው ጭቡጥ መድረኻዊ ጠለብ ህዝብና ተረዲኡ እዋናዊ ዘቀራርብን ዘወሃህድን ጭቡጥ ፍታሕ ዘምጽእ፣ ናብቲ በዳሊን ተበዳሊን ብማዕረ ደው አቢሉ ፍትሒን ርትዒን ዝህብ፣ ውልቃዊ ይኹን ሃገራዊ ዕርቂ አረጋጊጹ ንኤርትራን ህዝባን ንሐደን ንሐዋሩን መንጸፍ ዘንጽፍ ራእይ ዝሐዘ ነብይ ኢዩ ተሳኢኑ ዘሎ። ንሱ ምስ ዝረጋገጽ ጥራሕ ኢዩ ከአ ዕድመ መላኺ ስርዓት ዘኽትም፣ ኤርትራ ከአ ሐራ ዝኾነ ሕብረተሰብ ንምናጽ ዘገልግላ ቀዳማይ እምነ ኩርናዕ መሰረት እተንብር። ነዚ አብ ግምት ብምእታው ኢና ከአ ንጽሑፍና ”ኣብ እንግድዓና ዘሎ እዋናዊ ብድሆ ብምዉህሃድ ጥራሕ ኢና ክንስዕሮ እንኽእል” ዝብል አርእስቲ ዝሃብናዮ።

ህሉው ፖለቲካዊ ክዉንነት ኤርትራ አብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ብቕዋምን  ስርዓተ ሕግን ዘይግዛእ፣ ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ዘይዳኒን ዘይከላኸልን ዘየመሓድርን፣ ናይ ህይወት ውሕስና  ዝህብ  ሕጊ’ውን የብሉን ኢልና ከም እንቃወሞ ንጹር ኢዩ። ንሕና’ኸ ከም ተቓወምቲ ንህዝብና ተስፋ ዝህብ፣ አቓልቦኡ ከአ ዝስሕብ፣ ንኹሉ ዓቕሚታትናን ሐይልናን ከአ ዘአኻኽብ መስርሕ ሒዝና’ዶ ንኸይድ አለና? እዚ’ውን ጽባሕ ዘይኮነስ ብሕጂኡ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ ኢዩ። እቲ ሎሚ እነርእዮ ባህርያት አከያይዳናን አተሐሳስባናን ናይ ጽባሕ መቐጸልታ መሰረት ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ።

እታ ሎሚ ንኤርትራን ህዝባን ገቢታ ብህግደፋዊ ማሕበር ተሸፊና ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ እትዘርግ ዘላ ናይ ኢሳያስ ጉጅለ፣ እቲ ሎሚ እተርእዮ ዘላ በይናዊ ውሳኔን ምልካዊ ዓመጻን ዝመልኦ ጸያቒቶ ጠባያታ ሕጂ ዘምጽአቶን ዝፈጠረቶን ባህሪ አይኮነን። ምልካዊ ባህሪ ኢሳያስ አብ  ውሽጢ ውድባዊ ማህጸን ሰውራና ተመስሪሑ ዝዓኾኸ፣ ናይ ጸጥታን ስለያን ምልካዊ መርበባቱ ሰረት ተኺሉ ንተጋደልትን ህዝብን እንዳ ደሃኸ ዝመጸ ኢዩ። ንገለ የዋሃን ይመስሎም ይኸውን፣ ይኹን’ምበር ድሕሪ ነጻነት ዘተአታተዎ ሐዲሽ ባህሪ አይኮነን። ስለዚ ንሕና’ውን መጻኢና ትስፉውን ምዕሩይን መታን ክኸውን፣ ካብዚ አሉታዊ ተመኩሮ’ዚ ቀሲምና እቲ ሕጂ ሒዝናዮ ዘለና ባህርያት አቀላልሳና ክጸፍፍን፣ መስርሕ ቃልስና ንኹሉ ዝጸውር ንጹር መንገዲ ዝሐዘን ክኸውን ይግባእ።

ሎሚ እታ መላእ ህዝባ ተቓሊሱ፣ ሕሉቡን ንጹፉን ሂቡ ካብ አራግጽ መግዛእቲ ነጻ ዝገበራ ኤርትራ፣ ንኽትዛረበሉ ዘስገድግድ፣ መደበር ግህስት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ዜጋታታ ብምዃን፣ አብ ዓለምና ብካልአይ ደረጃ ምልካዊ ስርዓት ሰሜን ኮረያ እትግለጽ ሃገር ኮይና አላ። አብ ልዕሊ ዜጋታት ናይዛ ሃገር እዚአ ናብ ዝደለኻዮ ናይ ምንቕስቓስ ናጽነት መሰል ይኹን፣ ናይ ትምህርቲ  ንግድ፣ ከምኡውን ህንጻን ሕርሻን ሰብ ከም ልቡ ነጻ ኮይኑ ብሰላም ንኸይነብር ህግደፋዊ እገዳ ዝተዘርግሐላ ሃገር ክነሳ፣ “ንዓለም እገዳ አልዑሉለይ” እንዳበለ ከእዊ ይርከብ። ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝያዳ ከፊእዎ ዘሎ ግን ህግደፋዊ እገዳ ድአ’ምበር ዓለም ለኻዊ እገዳ አይኮነን። ካብ ገጽ ኤርትራ ህግደፋዊ እገዳ ምስ ተቐንጠጠ እገዳ ዝብል ቋንቋ’ውን እንተኾነ ትርጉምን ቦታን አብ ኤርትራውያን ከቶ አይክህልዎን ኢዩ።

እቲ ክቱር ንዕቀት ኢሳያስ አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ደቁን በቲ ደጋጊሙ አብ ቃለ መሐትት ዘቕርቦ መደረን ዲስኩርን ናይ ርሑቕ መደቡን ዓላማኡን ብንጹር ምቕማጡ ኢዩ። ንአብነት አብ 2010 ዓ.ም. ብጋዜጠኛ አልጀዚራ “ምርጫ ህዝቢ መአስ ከተካይዱ ኢኹም” ንዝብል ሕቶ ኢሳያስ ዓይኑ ከይሐሰየ “ ምናልባት ድሕሪ 40 ዓመታት”  ክብል ኢዩ መሊሱ። ጸኒሑ’ውን ብኻልእ አጋጣሚ “ንዓይ’ኮ ኮንትራት ዝሃበኒ ሰብ የለን” በለ። ክንደይ ኢልካ ኽቑጸር። ሕጂ’ውን አብዚ ቐረባ ዝሐለፈ መዓልታት ነቲ ክቱር ንዕቐቱ ዝያዳ ዘዳምቕ “ደሞክራስን ዘይደሞክራስን ምዝራብ ብዛዕባ ብዙሕነት ሰልፊታት ምህውታት አብዛ ሃገር ክመጽእ ኢዩ ኢሉ ዝሓስብ እንተልዩ አብ ካልእ ዓለም ወይ አብ ወርሒ ከይዱ ክሐስብ አለዎ” ብምባል ንባዕሉ ሃውቲቱ ንሰብ ከሃውትት ዘይተሰምዔ አይኮነን።

ብሕጽር ዝበለ ንጹርን ግሁድን መልእኽቲ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። “ኤርትራውያን ፈቲኹም ጸሊእኩም ክሳብ 40 ዓመት ክገዝአኩምን ክረግጸኩምን ኢየ። ምሳይ ናይ ምውራድ ኮነ ምድያብ ኮንትራት ዝአተኹሞ ውዕሊ የብልኩምን። ብዛዕባ ሕቶ ዲሞክራሲ አብ ደገ ወሰን ወሰን እንዳበልኩም ከተዕልልሉን ከተዋግዕሉን እንተዘይኮይኑ ክሳብ ዘለኹ ናብ መሬት ኤርትራ ገጽኩም ከተቕርብዎ ማለት ሕልሚ ኢዩ” ዝብለና ዘሎ

እዚ መልእኽቲ’ዚ ናብቶም ዝቃወምዎ ኤርትራውያን ጥራሕ ዝዓለመ’ውን  አይኮነን። የግዳስ ነቶም ዝጓረቱ ጓሪቶም ዘይመልእ ቀዳድ ገረወኛ ንኽመልኡ መሬት ዝዓረቦም፣ አሳእኑ’ውን ጸይሮም ንጉስና ፋርስና ዝብልዎ ብሂወቶም ከለዉ አእምሮኦም ዝደንዘዙ ኤርትራውያን፣ ሃገሮም እንዳሞተት ህዝቦም ከአ እንዳተቐበረ ከሎ ናይ “ድሐን አለና …. ጽቡቕ አላ ሃገር” ዝብሉ ተዋፋሮ’ውን ዝምልከት ኢዩ። እቲ ንዕኦም ዝውሃብ መልእኽቲ ኢሳያስ ከአ ብንጹር እዚ ዝስዕብ ኢዩ። “ዓዲ መታን ክትመላለስ ዝበልናካ ሃብ ገብር፣ አብ ዝተመደበልካ ጓይላን ፈስቲቫልን ከአ ዕጻይ ምጻጻይ ከይበልካ አጕርዕ፣ ንደሞክራስን መሰልን ሕቶ ዘልዕል ኤርትራዊ ወያኔ ሃሱስ እንዳበልካ ከም ዕቡድ እንዳተጻረፍካ ደብል ጨድር …. ልዕሊ’ዚ ግን ካልእ መሰል ከቶ የብልካን” ዝብል ንጹር መልእኽቲ ዝሐዘለ ኢዩ። ካብዚ ማእሰርቲ’ዚ ከአ የድሕነና። መልሐሶም ክሕልዉን አንጻር ውሽጣዊ ሕልናኦም በይኖም ክማጐቱን ተዋሪዶም ዘለዉ ከአ ንሳቶም እቶም ደገፍቱ ኢዮም።

እዛ አዝዩ ከቢድ ዋጋን ሰፍ ዘይብል መስዋእትን ተኸፊሉ ነጻነት መሬታ ዝተረጋገጸላ ልዑላዊት ሃገር፤ እቲ ክቱር ባህጊ ነጻነትን ሐርነትን ንምርአይ ሃሪፉ ዝተቓለሰ ህዝባ፣ ድሕሪ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምስዓሩ፣ አብ ህልም ዝበለ ሻቅሎትን ቅልውላውን ኢዩ ዳግም ጥሒሉ። ከም ህዝቢ ኤርትራ ውጽኢት ጻማ ቃልሱ ክርኢ ዘይተዓደለ፣ ብሐቂ ጽቡቕ ዕጫ ዘይበጽሖ ህዝቢ፣ አብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ናይዚ ዘመን’ዚ ዘሕዝን ምዕራፍ ዝሐዘ የልቦን እንተተባህለ ቃል አጋንኖ አይኮነን።

እታ አብ አዝዩ ስትራተጂካዊ ቦታ ናይ ዓለምና ዝተደኮነት ኤርትራ፣ ብናይ ዓለም ናይ ንግድ ማእከላዊ መስመራት አገልግሎት ናይ ምውናን ተኽእሎ ድዩ፣ አብ ውሽጣ ዝዓቖረቶ ብዙሕ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ጸጋታት ኮነ ናይ ህዝባ ሐያል ናይ ስራሕ ተባላሐትነት ደሚርካ፣ ድሕሪ ነጻነት አዝያ ንምንባራ ተበሃጊት ምዕብልቲ ሃገር ክትከውን ዝነበረ ተስፋ ክብ ዝበለ ዓብይ ኢዩ ኔሩ። ብዙሐት ወጻእተኛታት ናይዚ ተኽእሎ’ዚ ጸጋታት ብግቡእ ዝተረድኡ ምስታ ሐዳስ ሃገር ዝምድናን ሽርክናን ንምግባር ዕላማን ሕልናን ዝነበሮም’ውን ብዙሐት ኢዮም። ዕላማን መደብን አቶ ኢሳያስ ግን ካብ ናይ ኤርትራውያን ባህግታት ኮነ ሕልሚ አዝዩ ርሑቕን ፍሉይን  ብምንባሩ፣ መስመራት ጫፍ ባህጊ አቶ ኢሳያስን መስመር ጫፍ ሃረርታ ህዝቢ ኤርትራን ጐኒ ንጐኒ (Parallel) ብምኻድ ፍጹም ክጠዓዓም ኮነ ክራኸብ አይከአለን። ብሕጂ’ውን አይክራኸብን ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ሃብቱን ጸጋታቱን አስተማቒሩ ክቐስን’ስ ይትረፍ፣ ነታ ዝሰትያ ጽርይቲ ማይን፣ ከም ልቡ ብርሃን ዝርእየላ መብራህትን፣ ሂወቱ ዝአልየላ መሰረታዊ ጠለብ ነዳዲ ንምርካብ’ኳ ንጋዶ ድአ ኮነ። ብአንጻሩ ቀንዲ ዓላማታቱ ብኩፖን እንዳ ተዓንገለ ዝኸይድ ድኻ ህዝቢን፣ መላእ ሃብቲ ሃገር ዝተቛጻጸረ  እንኮ ሃብታም ገባቲ ፓርቲን መስሪትካ ከም ድሌትካ ንህዝቢ ኤርትራ ምብሐትን እንዳ አርዓድካ ምጭፍላቕን፣ ናይታ ማፊያ ማሕበሩ ቀንዲ ውጥንን ፖሊሲን ምዃኑ ብተግባር ድአ ተጋህደ። ነዚ ውጥን’ዚ ዘንጸባርቕ ንዕቀትን ባጫን ዝመልኦ ቓለ መሐትት ብምክያድ ከአ አቶ ኢሳያስ አፍወርቂ በብጊዜኡ ብዘየማትእ ልሳኑ ከይሐሰወ ክገልጾ ተራእየ።

አቶ ኢሳያስ ንመበገሲ ዓላማኡ መሰነይታ ዝኾኖ አብ ቀዳማይ ፈለማ መድረኽ፣ አብ ልዕሊ እቶም ካብኡ ወጻኢ ዝነበሩ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ስጉምቲ ምውሳድ፣ ቀጺሉ ከአ አብ ውሽጢ ሃገርን መንግስቲን ዘለዉ ናይ ለውጢ ጠለባት ከአ ዝሐቱ ተቓለስቲ ደቂ ሃገር መጽናዕቲ ጌርካ ምጽጻይ ከም ቀንዲ ዓላማኡ ወሲዱ ተተሐሐዞ። ነቶም ካብ ተራ ግለ ሰብ ናብ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ስልጣን አብ ምድያብ ሕቖን ክሳድን ዝኾንዎ ከአ ከሐደ። እንተስ ብኤርትራዊ ግርህነቶም ድዩ እንተስ አርሒቖም ሰአን ምስትዎኣሎም ከአ፣ ሐውናን ብጻይናን ኢሎም ዝአመንዎ መተዓብይቱን ናይ ቃልሲ ብጾቱን ከይተረፈ ብምኽዳዕ፣ ነቲ ፈለማ ክፍጽሞ ዝተዓጥቀሉ ስዉር ዓላማኡ ብምትግባር ንኹሉ በብመድረኹ ድአ ብጭካኔ ፈጸሞ። እቲ ዘገርም ነዚ ኹሉ እንዳገበረ ከሎ አእምሮኦም ደንዚዙ ክሳብ ሕጂ ጌና ዘይተሰቆሮም ኤርትራውያን ምህላዎም ኢዩ።

ኢሳያስ ካብ ኩሎም ኤርትራውያን ብዓላማ ኮነ ናይ ርሑቕ መደቡ ፍሉይ ክሳብ ዝኾነ፣ ዝርሕቆን ዝቐርቦን የብሉን ንዕኡ ኩሉ ኤርትራዊ ሐደ ኢዩ። እቲ ንደገፍቱ ዝኾኑ ኤርትራውያን ዘይተጋህደሎም ዘሎ ሚስጢር ከአ ንሱ ኢዩ። ነቲ ዘዘቕረቦ መዓሩ ክሳብ ዝውዳእ ሐዪኹ ጡፍ ክብሎ ኢዩ። ነቲ ዝረሐቖ ከአ እንተርኪቡሉ ደንጎላ ክድርብየሉ ኢዩ። አብ መንጎ ኤርትራውያንን አብ መንጎ ኢስያስን ከአ እቲ መስርሕ በዚ መልክዕ’ዚ ቀጺሉ ክውዳእ ኢዩ። ግን ከአ ብዘይጥርጥር ብርግጽ መአስን አበይን ከመይን ብዘየገድስ አማስያኡ ኢሳያስ ከምቶም ኩሎም ዝሐለፉ ብዓል ቃዛፊ ሳዳም ሙባረክ አዕሩኽቱ አብ ናይ ጐሐፍ ታሪኽ ዝተደርበዩ፣ ንሱ’ውን ነበረ’ያ ነበረ ክኸውን ኢዩ።

አብ መደምደምታ እቲ ብዝያዳ ከነተኩረሉ ዝግባእ ብዛዕባ ስርዓት ህግደፍን ንሱ ዝፍጽሞ ገበናትን ዝርዝር ምሃብ አይኮነን፣ ንሱ’ስ ጭሩ ዓድና’ኳ እትፈልጦ ንፋስ ዝወቕዖ ግሁድ ኢዩ።

አብዚ ግን ሐደ ዘይዝለል ሐቂ አሎ። ንሱ ከአ ፍንፉን ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ከም ዘለዎ ንኽቕጽልን ዕድሜኡ ንኽናዋሕ ጠንቂ ኮይኑ ብቀዳምነት ዝስራዕ፣ ብኩራት ምእኩልን ዝተወሃሃደ ጥርኑፍ ህዝባዊ ሓይሊ ከነራጋግጽ ብዘይምኽአልና ምዃኑ ክንእመን ይግባእ።  ዝተበታተነ ሓይሊ ተቓውሞ አድማዒ ስምብራት  ክገብር አይክእልን እዩ ጥራሕ ዘይኮነ’ስ ፋሕ ዝበለ አተሃላልዋኡ ንጽባሕ ንግሆ’ውን እንተኾነ ሐደገኛ ጠንቂ ከም ዝፈጥረልና ከሎ ጌና ብአግኡ ከነስተውዕል ይግባእ። ህሉው ኩነታት ሃገርና ግደፍ ብሐደ ሰልፊ ወይ ፖለቲካዊ ዉድብ’ስ ይትረፍ፤ ነቲ ኹሉ ብፍርህን ሕድሕድ ምጥርጣራትን ተበላሽዩን ተሐማቲኹን ዘሎ ክውንነትና አሊና ደሪግናን ሰሚርናን’ውን እንተ ኺኢልናዮ ኢዩ። ስለዚ ኢና ከአ ኣብእንግድዓናዘሎእዋናዊብድሆዓቕሚታትናብምዉህሃድጥራሕኢናክንስዕሮእንኽእል ዝብል ንጽሑፍና አርእስቲ ዝሃብናዮ።

ቃልስና ንሕጂ አንጻር ምልኪ ጥራሕ ከይተሐጽረ፣ ንጽባሕ’ውን እንተኾነ ዘተአማምን ሐቀኛ ደሞክራስያዊ ለውጢ መታን ከነረጋግጽ፣ እነካይዶ መስርሕ ኩሉ ንህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ህዝቢ ከአ ዝቆጻጸሮ ክኸውን ይግባእ። ነዚ ከአ ነጻ ህዝባዊ ናይ ዓውደ ልዝባት መድረኽ ክኽፈትን ህዝቢ ንርእይቶኡ ጠርኒፉ ብዝተማእከለ መንገዲታት ክዋሳእን ናይ’ዚ እዋንዚ መድረኻዊ ጠለብ ኢዩ። ህዝብና ኣብ ገዛእ ዋኒኑን ጉዳዩን ተዓዛባይ ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ ቀንዲ ተዋሳኣይን ናይቲ ዝካየድ ቃልሲ ቀላሳይን ክኸውን ምስ ዝበቅዕ ጥራሕ’ዩ  ዘተኣማምን ህዝባዊ ስልጣን ከረጋገጽ ዝኽእል።

ስለዚ ናይ ቂምን ቅርሕንትን ፖለቲካዊ ባህሊ ወጊድና፣ ሕድሕድ ብምክብባርን፣ ምክእአልን፣ ግሉጽነት፣ ሕድገት ዝብሉ ሃነጽቲ አተሐሳስባታት አተአታቲና ከም ቀንዲ ናውቲ ቃልስና ጌርና እንተ ድአ ተገልጊናሎም ብርግጽ ናብ ፍጹም ዓወት ገጽና ክንምርሽን ብአሸናፊነት ናይ ኩሉና ደቂ ኤርትራ ጸብለል ኢልና ክንወጽእን ኢና።

ሕጂ’ውን እወ ይከአል’ዩ!!!

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንፍትሒ።

……………..ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Hidat April 2, 2014

    MENESEY ERITRA KIEWET KELO KETEKALHWO AKALATKUM ZEYEZEZEKUMSI BEZEBA MENESEYAT TEHALEKTI MESELKUM ENTEKEREBKUM MEN YEAMENEKUM.?
    AB ENGEDAKUM ZELO BEDOHO KAB MEZAWEDIA WEYANEN MEWELTOMEN NEBESIKA HARA MEGEBAR EYA.

  • Anbesit April 4, 2014

    weyane ayatatka eyom.rekayom eka bgibri,zereba entay waga alowo

  • Anbesit April 4, 2014

    hjido yhash enda jahra drarom.mes hzbkum gda zeytkonu.

POST A COMMENT