Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ህይስተን ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣባላት ኰሙኒቲ ሓድሽ መሪሕነት መሪጾም

ኣብ ህይስተን ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣባላት ኰሙኒቲ ሓድሽ መሪሕነት መሪጾም ኣብ’ቲ ብቀዳም 7 መጋቢት 2015 ኣብ ኣዳራሽ ዋይኤምሲኤ (YMCA) ዝተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባ 7 ዝኣባላታ ፈጻሚትን ከምኡ’ውን 5 ዝኣባላታ ኣማኻሪት ሽማግለን ብኣዚዩ ፍትሓዊን ደሞክራስያዊን ኣገባብ መሪጾም። ኣብቲ ኣኼባ፡ እቲ

ኣብ ህይስተን ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣባላት ኰሙኒቲ ሓድሽ መሪሕነት መሪጾም

ኣብ’ቲ ብቀዳም 7 መጋቢት 2015 ኣብ ኣዳራሽ ዋይኤምሲኤ (YMCA) ዝተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባ 7 ዝኣባላታ ፈጻሚትን ከምኡ’ውን 5 ዝኣባላታ ኣማኻሪት ሽማግለን ብኣዚዩ ፍትሓዊን ደሞክራስያዊን ኣገባብ መሪጾም።

ኣብቲ ኣኼባ፡ እቲ ኰሙኒቲ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመታት ከካይዶም ዝጸንሐ ሓፈሻዊ ንጥፈታትን ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ከም ኣብነት ዝተፈላለየ ሃገራዊን ባህላዊን በዓላት ብምኽባር፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዜጋታትና ዝወርድ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብምጥባቕ ክነጣጠፍ ከም ዝጸንሐ ተሓቢሩ።

ናይ’ቲ ኰሙኒቲ ቀንዲ ዕላማ፡ ኣብ ህይስተንን ከባቢኣን ንዝርከቡ ኤርትራውያን፡ መነባብሮን ትምህርትን ንምምሕያሽ ማሕበራዊ ኣገልግሎ ዝህብ፡ ባህሎምን መንነቶምን ንምዕቃብን ንምምዕባልን ከምኡ’ውን ሰብኣዊ መሰሎም ንምጥባቕ ዝጽዕት ኰይኑ፡ ናይ ጾታ፡ ሃይማኖት፡ ፖለቲካን ዓሌንት ወገን ዘይፈሊ ትካል እዩ።

ናይ’ዚ ኰሙኒቲ ዕላማ ንምትግባር፡ ንነፍስወከፍ ኤርትራዊ ነባሪ ህይስተንን ከባቢኣን ዝምልከት ኰይኑ፡ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ኣኼኣባ ከም ፈጻሚት ኣካል ኰይኖም ተመሪጾም ዘለዉ፡ ጸሃየ ስዩም፡ ኣቤል ሃይለማርያም፡ ሓዲስ ተዎልደ፡  ተመስገን ሙሴ፡ ዳኒኤል ኣስራት፡ ኣዜብ ኣብርሃን ቴድሮስ መንግስቱን እዮም።

እቲ ኣኼባ ብርክት ዝበሉ ሓደሽቲ ኣባላትን ደቀንስትዮን ዝተረኸብሉ ክኸውን ከሎ፡ ጠቓሚ ለወባታት ብምሃብ እቲ ኣኼባ ተዛዚሙ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Eritrawi March 10, 2015

    Congratulations, Eritrean Houstonians!!!
    Unity is power.

POST A COMMENT