Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ህይስተን ዝነብሩ ኣሜሪካውያን ብዛዕባ ኤርትራውያን ዝደተኛታት ኣፍልጠኦም ንኽዓቢ ስርሓት ተሰላሲሉ

ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ንኽስደዱ ዝሓልፍዎ መስገደላት ዝገልጽ ምርኢት፡ ልዕሊ 2 ሽሕ ኣመሪካውያን ተዓዚበሞም። ኣብ’ቲ፡ ብምኽንያት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስደተኛታት፡ ኣብ ህይስተን ብ21 ሰነ ዝተኸብረ ጽንብል፡ ተዓዘብ’ቲ፡ ሓጺር ታሪክ ዝተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ኤርትራውያን ሓሳባት ለቢሶም፡ ኣብ ሃገሮም ዘጓኖፎም

ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ንኽስደዱ ዝሓልፍዎ መስገደላት ዝገልጽ ምርኢት፡ ልዕሊ 2 ሽሕ ኣመሪካውያን ተዓዚበሞም።
ኣብ’ቲ፡ ብምኽንያት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስደተኛታት፡ ኣብ ህይስተን ብ21 ሰነ ዝተኸብረ ጽንብል፡ ተዓዘብ’ቲ፡ ሓጺር ታሪክ ዝተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ኤርትራውያን ሓሳባት ለቢሶም፡ ኣብ ሃገሮም ዘጓኖፎም ግፍዒ፡ ክወጹ ዝሰግርዎ ጐቦ፡ ቁልቁለት፡ ስንጭሮን፡ ብፈንጂ ዝተሓጽረ መንገዲን ሰጊሮም፡ ብኸተርቲ ዘልዎምን ዘይነበሮምን ሃብትን ገንዘብን ተዘሪፎም ኣብ መዓስከራት ንኽበጽሑ ዝሓልፍዎ ናይ ሞትን ህይወትን ህሞት ብተግባር ክምኰርዎ ተገይሩ። ብዛዕባ ኤርትራ ዝገልጽ ጽሑፋት’ውን ቀሪቡ ነይሩ።
ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ ህይስተን፡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መበቈል ዘለዎም ስደተኛታት ነበር ዘቕረብዎ፡ ዝተፈላለየ ባይላዊ መግቢ፡ ዳውንቲ፡ ስነ ጥበባዊ ስርሓት፡ ንምርኢት ክቐርብ ከሎ፡ ባህላዊ ሙዚቃን ሳዕስዒት’ውን ቀሪቡ ነይሩ። ስደተኛታት ኣብ ህይስተን ዘበርክትዎ ዘለዉ ስርሓት ብህዝቢ ዝፍለጠሉ መድረኽ እዩ። ንስደተኛታት ናይ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ትምህርታዊን ካልእ ኣገልግሎት ዝህባ ዝተፈላለያ ትካላት ኣብ’ቲ ዕለት ጣውላ ዘርጊሐን ውዒለን እየን።
ኣብ’ቲ ቦታ ላዕለዎት መራሕት ናይ ቴክሳሳ ክፍለ ግዝኣት ተረኺቦም ነይሮም።
መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ ህይስተን፡ ዓመት ካብ ዓመት ብህዝቢ ተፈታውነት እንዳ ኣጥረየ ዝኸየድ ዘሎ ፈስቲቫል እዩ።
ኣብ ህይስተን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ነዚ ጉዳይ ከሎ ጋና ኣቓልቦ ሂቦም ክሰርሕሉ ዝግባእ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT

POST A COMMENT