Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን በደልን ዕሽሽ ብምባል መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ ስነጥበበኛታት ኣብ ወጻኢ ምርኢት ኣብ ዘካይዱሉ ግዜ ከቢድ ተቓውሞ መንእሰያት የጋጥሞም ኣሎ።

ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዓምጺጹ፡ ግዳይ ሕሰም፡ ማእሰርትን ሞትን ገይሩ ይቕረ ዘይብሃል በደል ኣብ ዝፍጽመሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቦም ደው ኣብ ክንዲ ምባል፡ ምስ’ቲ ዓማጺ ስርዓት ብምውጋን መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም፡

ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዓምጺጹ፡ ግዳይ ሕሰም፡ ማእሰርትን ሞትን ገይሩ ይቕረ ዘይብሃል በደል ኣብ ዝፍጽመሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቦም ደው ኣብ ክንዲ ምባል፡ ምስ’ቲ ዓማጺ ስርዓት ብምውጋን መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም፡ ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ዘናውሑ ዘለዉ ስነጥበበኛታት፡ ኣብ ወጻኢ  ገይሾም ምርኢት ኣብ ዘካይዱሉ እዋን ጎነጽ ዝተሓወሶ ከቢድ  ተቓውሞ ጋጥሞም  ከምዘሎ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዝበጽሓና ሓበሬታታት የመልክት።

ካብ ኤርትራ ናብ ስዊዘርላንድ ብምምጻእ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዙሪክ ምርኢት ከቕርብ ዝፈተነ እስቲፋኖስ ኣብርሃም (ዘማች) ሓደ ግዳይ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጉምታት  ኮይኑ ኣካላዊ መጕዳእቲ በጺሑዎ፡ ኣብ ዙሪክ፡ ኣብ ሕክምና ተዓቝቡ ከምዘሎ ምንጭታት ይሕብሩ። ኣርባዕተ ዘሰነዩዎ ሙዚቀኛታት ‘ውን ተመሳሳሊ ዕጫ በጺሑዎም ኣብ ሕክምና ከምዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ በቲ ዝተላዕለ ግጭት ፈለማ 8 መንእሰያት ብኡ ንብኡ ክእሰሩ ከለዉ፡ ገለ ካብኣቶም ድሮ ተፈቲሖም ኣለዉ።

እቶም ኣብቲ ኩነታት ዝተሳተፉ፡ ብሰንኪ ዓመጽን ስቓይን ህግደፍ፡ መሪር ጉዕዞ ስደት ምድረበዳን ባሕርን ሰጊሮም ኣብ ስዊዘርላንድ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ መንእሰያት፡ ነቲ ስጉምቲ ኣብ ዝወሰዱሉ ግዜ፡ ዘማች ስለ ናጽነት ኤርትራ ዘካየዶ ቃልስን ተወፋይነትን ከምዘኽብሩዎ፡ እንተኾነ ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ብስርዓት ህግደፍ ዝግፍዑሉን ዝዋረዱሉን ዘለዉ እዋን መሳርሒ ዓመጽ ኮይኑ ምህላዉ ጥልመት ምዃኑ ከምዝገለጹሉ ይንገር።

እስቲፋኖስ ኣብርሃም (ዘማች) ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ ሓደ እግሩ ዝሰንከለ ጅግና ተጋዳላይ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይ ቃልሲ ወኒ ዘለዓዕሉ እዋናዊ ትሕዝቶ ዝነበሮም ናይ ብድሆ ዜማታት ብምቕራብ ሃገራዊ እጃሙ ኣበርኪቱ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ብፍላይ ድማ ምልካዊ መግዛእቲ ህግደፍ ኸሪሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ግን፡ ብውሑዱ ነጻ ኣብ ክንዲ ነቲ ስሚ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ህግደፍን መራሒኡን ክውድስን መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ናይቲ ስርዓትን ክኸውንን ተራእዩ እዩ።

ኣቐድም ኣቢሎም፡ ኣብ እራኤል ዝርከቡ መንእሰያት ተቓውሞ ብምግባር ሙልጌታ በይን (ወዲ ዛግር) ከካይዶ ንዝመደበ ምርኢት ደው ከምዘበሉዎ ይፍለጥ።

ሕመረት ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ዘተን ምርድዳእን ክኸውን ኳ እንተለዎ፡ ስርዓት ህግደፍን ደገፍቱን ብስም ኤርትራ ኣብ ዘካይዱዎ ፖለቲካዊ ኣኼባታትን ባህላዊ ንጥፈታትን፡ ዝተፈልየ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ንዘለዎም ኤርትራውያን ብሓይሊ ምጥቃዕን ካብቲ ኣጋጣሚታት ምስጓጕን ከም ባህሊ ሒዞም ምጽንሖም ይፍለጥ። እዚ ሕጂ ዘጋጥም ዘሎ ሓይሊ ዝተወሰኾ ተቓውሞታት መንእሰያት ድማ፡ ‘እዚ ስርዓት’ዚ ናይ ሓይሊ ቋንቋ ጥራይ ዝርድኦ ስርዓት እዩ’ ካብ ዝብል እንጽርጽሮትን ናህርን ዝተበገሰ ምዃኑ ይግመት።

ሃገራዊ ስምዒት ኣብ ምልዕዓልን ቃልሲ ንናጽነት ኣብ ምዕዋትን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገበሩ ውሩያት ደረፍቲ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ መብዛሕትኦም ነቲ ናይ ቃልሲ ያታኦም ረሲዖም፡ ገለ ብፍርሒ ገለ እንታይ ገደሰኒ ኢሎም ኣብ ውልቃዊ ህይወቶም ብምድሃብ፡ ገለ ድማ መሳርሒ ናይቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ብምዃኖም ብዙሕ ህዝቢ ክሓምዮም ይስማዕ።

‘ኣነ ወይ ከኣ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ’ ዝመምርሒኡ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ብዘይካ ስልጣኑ ምቅዳውን ስኒትን ህዝቢ ዘገድሶ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ስነጥበባውያን ከም ልሙድ ሞያዊ ተልእኾኦም ዘኪሮም፡ ንሕብረተሰብ ቀዲሞም ብዛዕባ ሕግን ፍትሕን ስኒትን ኣብ ክንዲ ዘስተምህሩ፡ ብከምዚ ዝኣመሰለ መንገዲ፡ ህዝቢ ንዝረስዑዎ ሓላፍነት ክሳብ ዘዘኻኽሮም ክጽበዩዎ መልክዕ የብሉን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • Eritrawi January 12, 2012

    ናይ ተስፋ ዝቆረጸ ተግባር. ኣበይ ከይትበጽሑ ንሳ ኢያ ዓቕምኹም ድርባያት ሓለንጊ ሻዕቢያ ነዋሕ ምኻና ጥራሕ ኣይትረስዑ. The time has come to deal with u just wait and see..

  • keshyh@yahoo.com January 12, 2012

    what region is that? You just exposed your mentality…shame on you!

POST A COMMENT