Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ዝዉሰድ ስጉምቲ ሃገራዊ ጽድቂ ኢዩ

ኣብዛ ንልዕሊ ፍረቂ ዘመን ብፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ኣካይድና ኣእላፍ ዜጋና ሂብና ዘምጻእናያን ዘውሓስናያን ሃገርና ሎሚ ምስ መን ኢና ክንድምር፧መን ኢዩኸ ክድምረና፧ እቲ መልሱ ኣብ በይታ ዘሎ ንማንም እተሰወረ ኣይኮነን።ማለት ሃገርና ኤርትራ ምስ ዓባይ ኢትዮጵያን ህዝባን

ኣብዛ ንልዕሊ ፍረቂ ዘመን ብፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ኣካይድና ኣእላፍ ዜጋና ሂብና ዘምጻእናያን ዘውሓስናያን ሃገርና ሎሚ ምስ መን ኢና ክንድምር፧መን ኢዩኸ ክድምረና፧ እቲ መልሱ ኣብ በይታ ዘሎ ንማንም እተሰወረ ኣይኮነን።ማለት ሃገርና ኤርትራ ምስ ዓባይ ኢትዮጵያን ህዝባን ደይኮነስ እንታይ ድኣ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ምስ ገለ ክፋል ሕብረተ ሰብ ኢትዮጵያ ድኣን በር ንሕናስ ቀደም ኣይተደመርናን ሎሚ ‘ን ኣይንድመርን ኢና።

ገለ ሰባት ኣብ ባይታ ዘሎ ግፍዕን ክድዓትን ኢሰያስ ዘይተሰቆሮም ኣነ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ምባለይ ዘቆጥዖ ኣሕዎት ኣለዉ።ነዚኦም ሓጻር መብርሂ ሂበ ናብ ጽሑፈይ ክኣቱ።ንእሰያስ ቅዋማዊ ባይቶ ዘጽደቆ ንሕልፈት ዝሃቦ ስልጠን ካብ ዘይሃለወ ብኢደ ዋኒኑ ሃገርን ህዝብን ረጊጹ ሰልጣን ህዝቢ መንዚዑ ከይኣኸሎ ሎሚ ስልጣን ሃፀይነቱ 27 ዓመት ዘቁጸረ ንወዱ ወራሲ ዓራት(ኣልጋ ዉራሽ) ናብ ሃፀይ ልጅ ኣብርሃም ምምስግጋር እኖሆ ዳስ ተተኺሉ ሰቲ ይንስነስ ብንግስነት ሱዕዲ ዓረብን ዒማራትን።እሞ ኸ ዝወፍሮን ዘዕበዮን ሕልሚ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ፕረሲደንት እንተ ተባህለ ኢዩ ስልጣኑ ትገፍዎ ዘለኹም ምኽንያቱ ዕድመ እንተ ነወሐ 5+5=10 ምኾነ ነይሩ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓለፍነቱ ዝስሓተ መሪሕነት ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ዝምራሕ ስርዓቱ ህግደፍን መሪሕነት ወያነን ዝተወልዕ ግጭት ናይ ዶብ ኣይሰላም ኣይዅናት ኣኸቲሉ ከባቢ ርብዒ ዘመን በሊዑ ከይ ኣኽሎ ሎሚ እውን እንተ ኾነ ብወገን ስርዓት ምሕደራ ወያነ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቂዑ ንፋስ ኣትይዎ ከይኣኽሎም ኣብ ክልሎም ‘ን ንጋዳ ወዲቆም።ከም ወዮ ቢሂል ጨጓር ከልቢስ ኣሎ እንዳበልካዮ ይመውት ዝብሃል ተርእዮ ገጢምዎም ንዕዳጋ ቂምተኛ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ተሰጥሖም ንርእዮ ኣሎና።እንተ ሎሚ ኣብ ሕቶ ግጭት ዶብ ኣፈታትሑ ምኻን ከም ወትሩ ተወንዚፉ ንዕቁባ ስልጣን ሃፀይ ልጅ ምንዋሕ ቀዳምነት ዝሃበ ምስ ሓላፍነት ዝጎደሎ ሽሕጣን መዝሙር ፍቅሪ ምድማር ብኽልቲኡ ወገን ሓደ ዝሕልሞም ገለ ብርክት ዝበሉ ክፋል ሕብረተ ሰብ ኢትዮጵያ ብደ/ር ኣቢ ኣሕመድ ያአጋሮ ኣራዳ ልጅ ዝመርሕነቱ ክትበልዓ ዝደለየ ኣባጉንባሕ ዛግራ ዝብላ ዞሎ ንደመር ብፍቅሪ ክኸውን ንከሎ ብወገን ሃገርና ድማ ሕልሚ ከዳዕ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስን ወይጦታቱ ውሑዳት መሳሰይቲ ዝኮኑ ንናጽነትን ሓርነትን ወደባት ከም ዝተቃለሱ ዝዘንግዑ ብዓል ዑስማን ሳልሕ፤ የማነ ማንኪ፤ የማነ ቻርሊ፡ሓጎስ ኪሻን ገለ ኣንባሳደራት ብዓል በየነ ርእሶምን ሰመረ ርእሶምን ….ወዘተ ዝርብዎም ኢዮም። እቲ ብፍቅሪ ንደመር ዝብል ያኣራዳ መዝሙር ግን ካብ መልሓሶም ዘይሃስስ ሕላገት ኮይኑ ዘስፈረ ናይ ሎሚ ዘይኮነስ ናይ ጥንቲ ኢዩ። እቲ ናይ ልቦም ብግብሪ ግን ዘይበሊ ፍቅሪ ቀይሕ ባሕርናን ወደብ ዓሰብናን ኢዩ። እንተ እቲ ብሓቂ ምድማር ግን ኢድኩምን እግርኹምን እንተላይ ኢቲ ሽሓጢ ልሳንኩም ኣክቡላና በጃኹም ንከባበር ክብረትና ሓልዉልና ኽብረትኩም ከንሕልወልኩም ኢና እንተ ኾነ ግን እዚ ምስ ከዳዕ ውልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ኣይርከብን ኢዩ።ዶር ኣቢ ንታሪኽ ክኾነካ ቅድሚ ሕጂ ምስ ብዓል ገታቸዉ ምስ ብዓል በቀለ ሰሙን ተሪፉና ክንፈላለ ዝበልናዮ ሕጂ ‘ን ኣብ ቦትኡ ኢዩ ዘሎ።ሰለዚ እቲ ከዉንነት ድማ ርሕቁ ኣይኮነን ምስ ብዓል ከዳዕ ውልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስን ብዓል ዑስማን ሳልሕ፤ የማነ ማንኪ፤ የማነ ቻርሊ፡ሓጎስ ኪሻን ገለ ኣንባሳደራት ብዓል በየነ ርእሶምን ሰመረ ርእሶምን ሰሙን ተሪፉና ክንፈላለ ዝብል ክውንነት ዝለቢሱ ስዓቱ ተቃሪብ ዳግማይ ሓርነታዊ ናጽነት ንእውጀሉ ምስ ሙሉእ ሕብረተ ሰብ ኢትዮጵያን ሃገር ኢትዮጵያን ከም ‘ን ሙሉእ ጎረባብትና ሃገራት ሱዳን ፡ጂቡቲ፡ ሶማል፡የመን…ወዘተ ሰላምና ዝነግሰሉ ሑዱር ትምኒትን ባሕጊ ህዝብና ኢዩ።ካብ ድሌት ምግባት ንቀይሕ ባሕሪና ዝነቀለ ንደመር ግን ኣባና ቦታ የብሉን።

ቀ/ሚንሰተር ኢትዮጵያ ዶር ኣበይ ኣሕመድ ዓሊ ኣብ ጎንደር ዝእንገድካዮ ጋሻኻ ዝኾነ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ዘለዎ ምትእስሳር ምስ ትግራይ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ጎንድር ምስ ሃፀይ ፋሲል ታሪኽ ‘ን ብመቃብር ኣዕጽምቲ ኣባሓጉኡ ዘለዎ ዝምድና ኣዝዮ ዘሐጉስ ምትእስሳር ኢዩ ዝበለና የኣጋሮ ኣራዳ ልጅ ዶር ኣበይ። እንተ እቲ ግደ ሓቂ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ካብ ሽረ ክሳብ ሽዋ እተኸፈለ ኤርትራዊ መስዋእቲ ምእንቲ ሓበራዊ ሰላምን ምዕበለን ምኻኑን ሰረት ኣስተዋጽኦ ናይዚ ሕጂ በጺሖሞ ዘለዉ ኣበርከክቶ ምኻኑ ድሮ ተረሲዑ፤ብኣንጻር እዚ ድማ ምንብድባድ ንምንኻስ ጽልኢ ምስ ‘ቲ ናይ ቀረባ መደውብትና ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ግን ኣይግድን ኢዩ።ዶር ኣበይ ያኣጋሮ ኣራዳ ልጅ ሓደ ምስላ ኣበውት ኣሎ “ለባም ክልእከካስ ርእስኻ ይሓከካ” ይብሃል ወይ ጉድ!! ልኡኽ ንመንነቱ ንምክሓድን ንምሕጓስ ንሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ብምኻን ኣብ ጎንደር ዘሃብካዮ መብርሂ ብስም እቶም ዓያሹ ደቀባት ገበጣ ከሳብ ዝዉዳእ ዝጻወት ዘለዉ ዜጋታትና የመስግነካ ምኽንያቱ ጽወታ ገበጣ ከም ዝተወድአ ዘብርህካሎም። እንበር ነገር ዉልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ንሓረግ ወለዱኡ ንምድህሳስ ወይ (explore his family’s ancestry) ድኣ ከምቲ ላም ሲ ብኢዳ ዝቀርባስ ብእግራ ትሓክኽ ገይርክሞ እንበር ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቀለ ዩኒቨርስቲ ታሪኽ ባህልን ቅርሰን ናይ ዝክሓዶም ሓረግ ወለድኡ ኣባሓጉ ሃፀይ ዮወሓንስ (ካሕሳይ ምራጨጭ) ኣልባስ ዲኖኦምን ዝናር ዕጥቂ ዋልትኦምን ጉራድኦም ብኽብሪ ታሪኽ ዝኽሪ ትግራይ ዘሎ ኣይኮነን ንወዶም ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ይትረፍ ናይ መላእ ዓለም ቱሪስቲ ኩፉት ኢዩ።ሰለዚ ኣብኡ እንተ ዘማዕድው ምሓሾ ነይሩ።

እንተ ንቀ/ሚ ዶር ኣቢ ዝሐጎሶ ምትእስሳር መቃብር ኣባሓጎ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ኣብ ጎንደር ግን ንኤርትራዊ ብግምጣሉ ልክዕ ከምቲ ንኣንጭዋ ጻዕረ ሞታ ንድሙ ጽወታ ዝብሃል ምስላ ኢዩ።ምኽንያቱ ብሰንኪ ውልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ክንደይ ኤርትራዊ ኣብታ እተወለዱላን እተቃለሱላን ሓላል ሪም መረቶም ዘላኣለማዊ ዕረፍቲ ዝሳኣኑ ናይ ሓንቲ ረፍዲ ላንፓዱሳ ወሲካ ኣሻሓት ኣብ ፍቆዶ ዓለምና ተበታቲና ብሰንኪ እዚ ርኹስ ዉልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ኢዩ ወለዶም ድማ ሬሳ ደቆም ሓሪሞም።እንተ ከዳዕ ውልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ግን ናይ ኣባሓጉኡ መቃብር ዕንበባ ኣብ ጎንደር የንብር።ኩሎም ተቃለስቲ ካብ 60ታት 70ታት ብኣብርሃም ተወልደ ዝጀመረ ኣብ 80ታት ኢብርሂም ዓፋን ሻንበል መብራህቱ ተወልደመድሂን 90ታት ዓብደላ ዳዉድ፡ ስንኩላን ሓርነት፡ ኣድማ ተጋደልት፡ ኣብ 2000 ኩሎም እቶም ጂ15 ጋዜጠኛታትን ክንደይ ኢለ ከጽብጽቦ፧ብድምር ከባቢ 100.000 ስዉኣትና ንዝኽሮም ኣሰማቶም ዝሓዘ ዝቆመ ሓወልቲ የብሎምን። ቡዛሓት ዜጋታትና ኣብ ደገ ዝነብሩ ሓርበኛታት ገዳይም ተጋደልቲ ንእተቀለሱላ ሃገሮም ሓመድ ኣዳም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ክለብሱ ተነፍጎም።ከም ኣብነት ዓበይቲ ቀለስቲ ሰውራና ዝነበሩ ንምጥቃሰ ስይሙ ሓረስታይ ምሓመድ ናስር ናይዝጊ ክፍሉ…ወዘተ እዚ ኹሉ ኣቀሚጥካስ ዘይሓፍር ጻጸ ጎንደር ከይዱ ይላጸ ዘይሓፍር ውልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ኣብ ጎንደር ከይዱ የቋጻጸ ኢዩ ነገር።እሞ እዚ ካሕዳይ ኣይናትኩምን ኢየ እንዳበለናስ መን ኢዩ ናትና ዝብሎ፧ ሃየ ህዝበይ ተላዓል ሓሓ ንበሎ ኬን ንበሎ!!

በዚ ውህሉ ጥፍኣት ከዳዕ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ፍጻሜ ዘይጓሃየ ዜጋ የሎን ምባል ሓጥያት ሃልይዎ ጽድቂ ዝኽልክል ኣይኮነን።ሓንቲ ኣብነት ንምጥቃስ ኣዝያ ዝጓሃየት ሓንቲ ካብ ቡዙሓት ወለዳ ተሰዊኦም ዘምጽዋ ሃገር ቀሲና ምንበር ሓርሙዋ ንስደት ዘምርሐት ተሌፍን ደዊላ ኣንታ ሎምስ ካን ድዩ ኣብቲ ማዓልቲ ስዉኣት ኣይከሰርናን ምስ በለ ብክቱር ሕርቃን ዓንጾዓንጾ ነታ ንዝኽሪ ወለደይን ኣእላፍ ዝወደቁ ነዘ ሃገር ንምዝካር ዘብርህኩዋ ሽምዓ ሓሪቀ ግብ ኣቢለ ኣጥፍእኩዋ።እንታይ ማለት ኢዩኸ ኣይከሰርናን፧እቶም ወለደይን ኣሕዋትናን ከም ሽምዓ መኪኾም ንሃገር ብርሃን ወሊዖማ ኩርዑ እናበሉ ዝገብርዎም መሸቀጢ ከይኣኽሎም ሎሚ ግን ብጥራሽ ኣይከሰርናን ኩሉ ኣምሊስናዮ ኢና ምስ በለ ዓቢደ ዓቢደ።ስደራና ተሰዊኦም እተወልዕ ብርሃን ነይርኣና እተተኸለ ፍትሒ ኣይርኣናን ዝኽቲምና ከይኣኽልና ሰደት ኮይኑ ናብራና። ናይ ሎሚ ድማ ገደደ ንሕና ዘክተምና ተሰዲድና ኣይከሰርናን ካብ ምባል ሓሊፉ ድማ ኣብ ጎንደር መቃብር ኣብሓጉኡ ይበጽሕ ኣሎ እዚ ከዳዕ ዉለቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ። እቶም ምእንቲ ህዝብን ሃገሮም ንሜዳ ንኸስውኡ ወፊሮም ብእሰያስ ተቀንጺሎም ከይኣኸሎም እቶም ወለዶም ድሕሪ ናጽነት ከም ማንም ስዉእ ኣይተነግሩን ከዳዓት ተቆጺሮም፡ ወለዶም ድማ ኣደዳ ድርብ ጓሂ ኮይኖም።ስውእ ሓርበኛ ዓብደላ ዳወድ ራካ ኣብ ዞም እተረሸኑ ስውኣትና፡ ንወለዶም ከምስውኣት ክንገሮም ኣለዎም ዝብል ተሪር መርገጺ ተቃውምኡ ግን ንባዕሉ ኣሰሮም ግዳይ ጸይቂ ውልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ከኸውኢን እንከሎ እቲ ዝገርም ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ ሓካይም ናይ ደገ ኣረጋጊጾሞ ዝብል መግለጺ ተዋሂቡ ዘይኮነስ እንታይ ድኣ ተሞክሮ ስራሕ ዶር ሃይለ ምሕጹን ዝብኢ ድዩ በሊዕዋ ነይሩ ወይስ ፍርሒ ዊሒጥዎ፧እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ምጽናት ስድራቤት ውርሻ ኤርትራዊ ምኻን ኢዩ። ንእሽቶይ ሓው መምህር መሓመድ ዳውድ ራካ ብልኽዕ ተመሳሳሊ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣጥፊኦሞ ዕሸላት ዘኽተማት ደቁ ድማ ኣብ ስደት።

ኣብ ፍቆዶ ስንጭሮ ኣብ ፍቆዶ ሩባታት ፋሕ ዝበለ ኣዕጽምቲ ኣዉያት ዘይተገብሮ ናይ በላሕቲ  ኣእምሮ፡ናይ መቃብር ብጾተይ ብዓል መን፧ ኮን ኢኹም ዘይስዋእ የሎን ከላለ ምሳኹም ከምዘይ ተብሃለሎም ኣይከሰርናን ኢልዎም ከዳዕ ዉልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ።ሰለዚ ሎሚ ከዳዕ ውልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ መሳውእቲ የብሉን ጥራይ ዘይከነስ ኢሰያስ ብዝገበሮ ገበን ኣብ ዛሓላል መሬት ሃገና ኮነ መሬት ትግራይ ንመቅበሪ ዝኸውን ስድሪ ጉድጓድ ኮነ ዕማኾ ሓመድ ከም ዘይብሉ ኣጸቢቁ ሰለ ዝተገንዘበ ኢዩ ሎሚ መቃብር ኣብሓጎታቱ ዝርከብዎ ቦታ ከይዱ ንመቅበሪኡ ዝኸውን ቦታ ዓዉዲ እምኒ ክጸቅጥ ዝርእ ዘሎ።

ኣብ ዝመጽ ሓጺር ምዓልቲ ኢትዮጵያ ዝጸዉዓቶ ፍሉይ ዋዕላ መበል 11 ብዕለት 17 ን 18 ን ሓድሽ ምዕራፍ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ንምእንጋድ ምድልዋታ ኣጻፊፋ ልዕሊ 45 መራሕቲ ሃገራት ከም ዝርከቡ እተረፉ ድማ ብወከልቶ ክሳተፉ ኣረጋጊጸም ኣለዉ ትብል።እቲ ጉዳይ ከ እንታይ ዝዓለመ ኢዩ፧ እዚ እቲ ናይ ሕልሚ ድራማ መቀጸልታ ናይ ጎንደር ካብ ምኻን ዝሓልፍ ኣይኮነን።ኣብ ምብራቅ ኣፍሪካ ተኸፈቱ ዘሎ ምዕባለ ሰላም ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ ኤርትራ ሶማል ማለት ንውዱብ ሓድነት ኣፍሪቃ ብፍቅሪ ተደሚርና ኢትዮጵያን ኤርትራን ተደሚርና ወደብ ዓሰብ ተማቂልና ደሰ ኢሉና ደሰ ይበልኩም ሕጂ ድማ ምሰ ሶማል ዝበሎ ዝድገመሉ መድረኸ ኢዩ።እቲ ምስ ሃገራት ሱዕዲ ዓረብን ዒማራትን ዝፈረምናዮ ዝልዓለ ሽልማት ዝወስድናሉ ሕጂ ድማ ኣብ ቅድመኹም ንውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሰፍር ሰነድ ብፈርማና ክንፍርም ዝሰምዓኒ ሓጎስ የብለይን ምባሉ ዝተርፍ ኣይኮነን።እንተ ኢቲ ብዉልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ኣብ ዋዕለ መበል 11 ዘቅርቦ ግን ኣብ ካልኣይ ቃለ መሕተት ሃለዉለው ክንሰምዖ ኢና ማለት ዶር ኣበይ ኣሕመድ መበቆሉ ካብ ዞባ ጋሽ ባርካ ከተማ ኣጋሮ ዝተሰዱ ስድራቤት እተወልደ ሓዉና ኢዩ እንተ በለና ዘይንጽበዮ ቡቁዕ ሃፀይ መራሒ ኣይኮነን።ኣብ ‘ዚ ቅንያት እቲ ዓቢ ቁምነገር ንሃገርና ነቲ ንዓሰርተ ዓመት መመላእታ ተነቢሩላ ዝጸንሐ እገዳ ክልዓለሉ ተስፋ እተነበረሉ ወቅቲ የኣራዳ ኣጋሮ ቀ/ሚ ዶር ሕጂ ኣብ መድረኽ ወጺኡ ፍትሓዊ ኣይኮነን እንተ በለና ዝኣኽላ ጢሕና ብዓለ ማርያም ትብል ኢልና ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ወጽዓ ሃገርናን ህዝብናን ምስ ዉልቃዊ ድሌት ስማዊ መዝሙር ምድማር ዶ/ር ኣበይን ዉልቀ መላኺ ሃጸይ ኢሰያስ ዝትኣሳሰር ከም ዘይኮነ ምድጋም ዘየድልዮ ሓቂ ከም ጎረባብቲ ዶባትና ሓሊና ናይ ወትሩ ክህልወና ዘለዎ ሰላም ነማዕዱ ሃገርን ህዘብን ኢና።ሕጂ ‘ን እንተ ኾነ ኣብ ዚ ፍሉይ ዋዕለ መበል 11 ኣኬባኩም ኣጋጣሚ ዕዱሙካ ኾይኑ ዉልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ እንተ ቀረበ ንህዝብናን ሃገርናን ዝዉክል ነገር የብሉን።የግዳስ ኣብቲ ኣብ ቲ ናይ ጎንደር ምብጻሕ ሓረግ ወለዱ ዝበርካዮ ምትሕብባር ደጊመ ከመስግነካ።ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጾሎቶም ከይኮነካ እንበር ካብቲ ዘለካ ሕልሚ ሓንቲ ዓበይን ገዛኢት ኢትዮጵያ ወጺእካ ነቶም 6 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ኣብ ወንበር ዝተኾየጡ እሕሕ ኣብ ምባል ኣካእሎ ይሃብካ። እቲ ጽቡቅ ተስፋ ምልዓል እገዳን ንዝመጽእ ሓድሽ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ወይ መንግስቲ ኤርትራ ኣዝዩ ጽቡቅ ምቅላል ጸገም ኢዩ።እንበር እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይምብርከኸ ህዝብና እንበር ኣብ ቲ መልካዊ ስርዓት ‘ን ኣይነበረን።ውጹዕ ህዝብና ብናይ ደገ ኪዳን ሓይልታትን ካብ ውልቀ መላኺ ሃፀይ ኢሰያስ ጀሚርካ እተኣገደ ኢዩ።

ካብ ዚ ወጺኻ ግን የኣጋሮ  ኣራዳ ልጂ ዶ/ር ኣበይ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ዉዕል ጌርና ናይ ዶብ ሽግር ተፈቲሑ ኢዩ ሎሚ ዶብ ቀዳምነት ዝዉሃቦም ጉደይ ኣይኮነን ብዓቢኡ ክቡር ሃፀይ ልጅ ኢሱ ኣብሓጉኦም ኣብ ጎንደር ኢዮም ተቀቢሮ ዘለዉ ዝምድናና ብኣጽምቲ እተነድቀ ኢዩ፡ዓሰብ ተማቂልና ኣሎና ክንይኡ ድማ ዉዕል ጎንደር ከም ዘመልኽቶ ምስ ሶማል ንድመረሉ ግዜ ሕጂ ስዓቱ ኣኺሉ ኣሎ እንተ በልካዮም ዝስሕቀካ እንበር ዝሰምዓካ ክንደየናይ ከይህሉ።

ሰለምንታይ ኢዩ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ንሃጠውቀጠው ቃለ መሕተ ክህብ እተገደደ፧

ኣብ ተበግሶ ጉዕዞ ለውጢ ሃገርና ዝቀጸሉ ምንቅስቃሳት ኣብነት ናይ ሓርበኛታት ወዲ ዓሊን ኣቦና ሓጂ ሙሳ ነቲ ዕርዲ ሓድነትና ንምፍራስ ዝትቀመሉ ዝነበረ መልካዊ ስርዓት ተሰይሩ ሓድነትና ንምትራር መድረኽ ነጥቢ ምቅያር ከፊቶምልና።ሲዒቡ ዝቀጸለ ድማ ነቲ ክምልሶ ዘይክእል መደረኻዊ መጸዋዕታ ተባዕ መልእኽትታ ክቡር ተባዕ ሓርበኛ ገዲም ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀን ዝጀመረ ብምቅጻል ድማ ክቡርን ተባዕን ኣባቴ ተሰፋሚካኤል ተወልደ ንዝቀረበ ናይ ዓቅሊ ጽበት ኣለኹ ንምባል ዝሃቦ መልሲ ዓቅሊ ጽበት ሃጠዉቀጠዉ እኳ እንተ ነበረ።የግዳስ ንመጸዋዕትኦም ዘርጉድ ብቅዓት ከም ዘይብሉ ዳግማይ ስንፈንኡ ኣረጋጊጹሎም ነቶም ገለ ዉሑዳት ኽሳብ ሕጂ  ዘይቀበጹ ንውልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ጎንደር ከይዱ ኽሳብ ዝላጸ ግን ኣይተሳኣኑን እሞ ነዚኦም ድማ ጸሎት ኣባቴ ተሰፋሚካኤል ሰሚዑ ይትዓረቆም ፈጣሪ።እንተ ሰምዓና ንበል ኣብነ ዘሰማያት።

በንጻር እዚ ድማ ገለ ብርኽት ዝበሉ ሃገራዉያን ንልሳን ዉልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ድማ ተደናጊራ ኣብ ክሳደይ ገመድ እትዉለይ ክትብሎም ዝተጸዩ ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን።እዚ ማለት እቲ ክሰምዕዎ ዝደልዩን ዝጽበይዎን ካብ ውልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ዶብ ክሕንጸጽ ብዘይ ዋዓል ሕደር፡ምርጫ ተገይሩ ስልጣኑ ንህዝቢ ከረክብ፡ቅዋም ክትግበር፡ እሱራት ክፍትሑ፡ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ባርነት ደዉ ክብል፡ነጻ መራኸቢ ብዙሓን፡እምነት ናጽነትን ክፍቀድ….ወዘተ ኢዩ እዚ የዋህ ድሌት ግን 27 ዓመት ኣይሰረሐን ሰለዚ ብህጹጽ ኢሰያስ ከይዋዓልና ከይሓደርና ክንኣልዮ እቲ መጸዋዕታ መሰርሕ ሓርበኛ ወዲ ዓሊ ሕጃይ ክትግበርኣ ኣለዋ።ክድዓትን ገበንን ዘኸተሎ ሓጥያት ወልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ኣብ ዝርዝሩ ንሃገርናን ጎርባብቲ ሃገርና ምዕናዉን ምጥፋእን ህውከት ፈጢርካ ሰላም ናይ ወዲ ሰብ ዝዘርግ ኢዩ።ሰለዚ ንወልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ንምእላይ ዝዉሰድ ስጉምቲ ሃገራውን ኣህግራውን ጽድቂ ምዃኑ ኢዩ።ናይ ክብር ኣባቴ መልእኽቲ ድማ ነቲ ኣብ ሃገርና ዝመጽእ ሓድሽ ህዝባዊ መንግስቲ እንተኽሎ ብግልጺ ዘተቀመጠ መልእኽቲ ሓቀኛን ቁንዕን ኢዩ። ሓቀኛ መራሒ ሃገር ብዝዛረቦ ዘይኮነስ ብዝገብሮ ኢዩ ዝፍረድ።ይብል ክፋል መልእኽቲ ጻዊዕቶም።ንህዝቡ ኣኪቡ እንተ ዘይኪሉ መራሒ መራሒ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ይብል። እንተ ኣብቲ ብቅዓት ኣልቦ ዉልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ቃለ መሕተት ዝበሎ ሃለውለውን ብምንባሩ ግን ሎምስ ዋላ ነቶም ዘይቀበጽዎ ከይተረፈ እንጣጢዕ ንዘርእ ኣሎና ኮይንወም ኣሎ። https://youtu.be/HYQ7m2VrXEQ

ኣብ መደምደምታ ጽሑፈይ በጺሕናዮ ዘለና መድረኸ ሎሚ ‘ን ከም ቀደምና ኩሉ ድሕሪ ሃገር ኢዩ ዘብል ጭሮሖና ኣልዒልና ብሓድነት ነዚ ኣብ መርዚ ምድማር ንዘሎ ተንኮላአዊ ለውጢ መሰል ዉሽጣውን ዘባዉን ሽርሕታት ማለት ኤርትራ ኣብ ኮሚተ መሰል ሰባት ተመሪጻ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ሕጂ ድማ ምስ ሶማል ዉዕል ሰላም ጌራ ሰለዚ እገዳ ዉን ነልዕሎ ኣለና ዝብልና ዘለዉ እዚ ንዓና መስሓቂ ሸራፍት ኢዩ ኢልና ከይት ሃመልና ወይ ውን ከይተዛነና ብሓድነትን ትብዓትን ሱልጥነት ግዕዞ እንተ ዘይ መርሽናን መኪትናን ግን ውጺኢቱ ኣይኮነን ብክልተ እግርኦማ ኣብ ባሕርና ኮነ መሬትን እንተ ኣንቢሮም ይትረፍስ ብሽሕጣን መዝሙር ምድማር ብልሳኖም ጥራይ ውን ከቢድ ፈተነ ኣብ ሓድነትና ዘንጸባረቆ ካብ ማንም ዝተሰወረ አይኮነን።ሰለዚ ንመጸዋዕታ ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ እቲ እንኮ ምርጫ ምውሳድ ኢዩ። https://youtu.be/Og5VBKYN4SU “ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣብዚ እዋን ተጀሚሩስ ብጽቡቅ ዝቅጽል ዘሎ ናይ ለውጢ ማስርሕ ብዘይ ምቁራጽ ከሳብ ናብ ዓወት ክቅጽል ኢዩ።ንዕኡ ክዕንቃፍ ዝደናደን ሓይሊ ወይ ወገን ምናልባት ምሰ ዝህሉ ድማ ወይልኡ ኤርትራዊ መንእሰይ ክሳሃሎ ኢዩ።ናይ ኢሰያስ ስርዓት ‘ን እንተኸነ ነዚ መስርሕ ለውጢ ክዕንቅፎ ይኽእል ኢየ ኢሉ ኮቶ ኣይሕሰብ።ናይ ኣቶ ኢሰያስ ኣይኮነን ዋንኡስ ባዕለልኻ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ኢኻ ።” ይብል ጻዊዒት ሓርበኛ ብርሃነ አብርሀ። ንጻዊዒት ሓርበኛታት ተቀቢልና ብሓድነት ናብ ሃገር ምድሓን ኣብ ልዕሊ ውልቀ መላኺ ሃፀይ  ልጅ ኢሰያስ ስጉምቲ ምዉሳድ ብሕ\ህጹጽ ንመርሽ ንድሕነት ሃገር።

ዓወት ንድሕነት ሃገር!!

ወድቀት ንተቋመርቲ ብሃገር ስርዓት ምልካዊ ሃፀይ ልጂ ኢሰያሰ

ሰሎሞን የዉሃንስ

13//11/2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Hidat November 16, 2018

    ዝከበርኩም ኣሰና እቲ ዝጽሓፍኩዎ ርእይቶ ድኣ ንምንታይ ዘይወጸ

POST A COMMENT