Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ዝነብር ስርዓት (ህግደፍ)

  ብመሰረቱ ደቂሰባት ውይ ውድባት ወይውን መንግስታት ኣብ ዓለም ካብ ሕሉፍ ታሪኾም ክመሃሩ ግቡእ ኢዩ። ነቲ ጽቡቚ ክዕቅብዎ ነቲ ሕማቕ ድማ ክመሃርሉ ናይ ግድን ይኸውን። ካብዚ ሓሊፉ፡ ወግሐ-ጸብሐ፡ “እዚ ዝፈጸምኩ፡ እዚ ዝፈጠርኩ ኢየ” እናበልካ ዘላ-ኣለም ምፍካር

 

ብመሰረቱ ደቂሰባት ውይ ውድባት ወይውን መንግስታት ኣብ ዓለም ካብ ሕሉፍ ታሪኾም ክመሃሩ ግቡእ ኢዩ። ነቲ ጽቡቚ ክዕቅብዎ ነቲ ሕማቕ ድማ ክመሃርሉ ናይ ግድን ይኸውን። ካብዚ ሓሊፉ፡ ወግሐ-ጸብሐ፡ “እዚ ዝፈጸምኩ፡ እዚ ዝፈጠርኩ ኢየ” እናበልካ ዘላ-ኣለም ምፍካር ግን ንቕድሚት ከይትስጉም ልሙስ ኢዩ ዝገብረካ።

ስርዓት ህግደፍ እውን ከም ግቡእ ብመጠኑ ነቲ ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣይዘከር ማለተይ ኣይኮንኩን፡ ወግሐ-ጸብሐ ኵናት ጎበታት ሳሕል ስጋብ ህዝቢ ዝጸምም ምድግጋሙ ግን ኖርማል ኣይኮነን። ሓደ ንናጽነት ዝቃለስ ውድብ ኵናት ከካይድ፤ ጅግንነት ክፍጽም ልሙድ ኢዩ። ሊብያውያን ወይ ድማ ኣልጀራውያን ወይ’ውን ካልኦት ኣፈሪቃውያን ሃገራት፤ ንናጽነተን ክቃለሳ ከለዋ፡ ብዙሕ መስዋእትን ጅግንነትን ፈጺመን ኢየን። ስለዚ ህዝባዊ ግንባር ዝፈጾሞ ኵናት’ውን ከናእሶ ኢለ ዘይኮንኩስ፤ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን ኢዩ። ፍሉይ ኮይኑ ንቕያ ወይ ተኣምራታዊ ኣይኮነን።ከምቲ ናይ ካልኦት ሃገራት፡ ሃግራውያን መንእሰያት ኣሰዊኡ ኢዩ ናጽነት ኣምጺኡ። እቲ ሕቶ ግን እንታይ ዓይነት ናጽነት ኢዩ? ነዚ ሕቶ’ዚ ጽንሕ ኢለ ክምለሶ ኢየ።

ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ናጽነት ዝኽበረሉ ወርሒ ኢዩ ነይሩ። መበል 26 ናጽነት በዓል ዝተኸበረሉ ምርኢት ብ ቲቪ-ኢረ ተመልኪተ። ከምቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝጠቐስክዎ፡ እቲ ዕለት ብግቡእ ምዝካሩ ሕማቕ ኣይ ኮነን። ብዓይነቱ ግን ፍሉይ ዝኾነ፡ ብርግጽ እውን ናጽነት ኤርትራ ሽዑ ዝመጸት ኢዩ ዝመስል ነይሩ። ናይ ኣቶ ኢሳያስ መደረሞ ኣብኡ እንከሎ ንግደፎ፡ ከምቲ ልሙድ ዓጀው-ጀው ኢዩ ። ይኹን እውን እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግን፡ ን 30 ዓመት ዝተቓለሰ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንሽሙ ከማን ኣብቲ ቃልሲ ከም ዝነበረ ኣይተጠቕሰን። ህዝባዊ ግንባር ማይ ዝሰተየትላ ቦታ ከይተረፈት ክትጥቀስን ክትዝከርን ከላ፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት ኤርትራ ጀጋኑ ዝወደቕሉ ውድብ ግን ንሽሙ ከማን ኣይተጠቕሰን። እሞ’ኸ ነየናይ ስርዓት ኢዩ እዚ ኹሉ ድራማ። ቅድሚ ሐጂ ኣብ ሓደ ጽሑፈይ ከም ዝገለጽኩዎ፡ ፍረ ናይ ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ከይዱ-ከይዱ በቲ ዝተኸሎ ስርዓት ኢዩ ዝምዘን። እሞ እታ እንሪኣ ዘሎና ናብራ ህዝቢ ድኣ ስደትን ድኽነትን ማእሰርትን ቅትለትን ዶ ኣይኮነትን?

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸብረ በዓል መበል 26 ውድቀት ደርግን ምእታው ኢህኣደግን እውን ተመልኪተ። ናይ ክልቲኦም ናይ ሓደ ሰሙን ግዜ ፍልልይ ኢዩ ዘለዎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ መበል 26 ኣብ ስልጣን ምጽናሑ ክዝክር ከሎ ከምቲ ናይ ስርዓት ህግደፍ ብጓይላን ዳንከራን ኣይኮነን። ኣብ ወረ ማዕከናቱ ዘተኮረሉ “ኣብዚ 26 ዓመት እንታይ ኣበርኪትና? እንታይ’ከ ይጐድለና” ዝበል ቴማ ኢዩ ነይሩ። ዝርግሐ መሰረታዊ ልምዓት፤መንገድታት፤ ባቡራት ሓዲድ፤ ሓይሊ ኤለትሪካት፤ ዓበይቲ ሓጽብታት፤ ዝርጋሐ ዩኒቨርስታት፡ ዝርገሐ ሆሰፒታላት፡ኢንዱስትሪ ፓርክታት፤ ኣብያተ-ህንጻታት(ኮንዶምንዩማት) ወ.ዘ.ተ. ኮታ ብዝቢ ዝረኤን ዝጭበጥን ምዕባሌታት ኢዩ ህዝቢ ክካትዓሉን ክግለጽን ቀንዩ። ስርዓት ኢህኣደግ እውን ተቓሊሱ ስርዓት ደርግ ዓልዩ ኢዩ ኣትዩ። 100 ሚልዮን ህዝቢ ቀሊቡ ይሓድር ኣሎ። ኣብዚ ከስምረሉ ዝደሊ፡ ስርዓት ህግደፍን ኢህወደግን ከናጻጽር ኢለ ኣይኮንኩን። ክልቲኦም ስርዓታት ብዓይነት ዝተፈላለዩ፡ ጭራሽ ዘይመሳሰሉ ኢዮም። እንተ ኾነ ግን ክልቲኦም  ደርግ ኣውዲቖም፡ ዝተፈላለየ ስርዓታት ከም ዝሃነጹ ንምግላጽ ኢዩ። እንተ ኮነ ግን፡ እቲ ሓደ ብዘይ ሕጊ እቲ ካልእ ብሕጊ ይገዝኡ ምዃኖም። እቲ ቀዳማይ ብባዶ፡ እቲ ዳሕረዋይ ብትሕዝቶ የማሓድሩ ምህላዎም ኢዩ።

እሞ ስርዓት ህግደፍ ድኣ እንታይ ኣዎንታዊ ፍረ ኢዩ ክገልጸልና? ን 4 ወይ 5 ምልዮን ህዝቢ ክቕልብ ዘይከኣለ። ዓዲ ብዘይ መንእሰይ ጥራሓ ዘትረፈ። መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝመሃር ንሰደት ዝመርጸላ ሃገር ዝገበረ። ኤርትራ ንእሽተይ ሃገር ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ፤ ብብዝሒ ስደተኛታት ካብ ሶሪያ ቀጺላ ካልኣይቲ ኣብ ዓለም ኢያ። ንጥቕሙ ክብል ከማን መንገድታትን ኣባይትን ሓይሊ ኤለትሪክን ዘይሃነጸ። ህዝቢ ኤርትራ ጽሩይ ማይ ሓሪምዎ። ሓንቲ ተጋዲላ ዝኣተወት ሓፍቲ ከምዚ ክትብል ሰማዕኹዋ፡ “ ኦህ! ክሰቶ ተዓዊቱ(ታ)። ደቁ(ቃ) ንስደት ወጺኦምሉ(ላ) ዝበሃለሉ ስርዓት ኢና ሒዝና ኣቲና” ። ሓቃ ኢያ። ዘሕፍር ስርዓተ ኢዩ። ብዘበነ ህግደፍ፡ ስደት ኩርዓት ኮይኑ። ቀደም ኣብ ሕብረተሰብና፤ ሓደ ሰብ ወይ ንሱዳን ወይ ንዓዲ ኣምሓራ እንተ ተሰዲዱ፡ ከም ዝጠፍአ ተቖጺሩ፡ ይሕዘነሉ ነይሩ ይበሃል። ሎሚ ከኣ ካብ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምድረ-በዳን ባሕርን ሙማት ተመሪጹ።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ነዛ ሓጻር ጽሕፍተይ፡ ብሕቶ ክድምድማ እፈቱ። ዓላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንምጻእ ጥራይ ድዩ ነይሩ? ኣቐድም ኣቢለ ከም ዝጠቐስኩዎ ፍረ ናይ ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ’ኮ ከይዱ-ከይዱ ራህዋን ብልጸወግናን ናይቲ ህዝቢ ዝማሓየሸሉ ጥራይ ኢዩ። ተዘይኮነ ባንደራን ሃራዊ ዲክታተርነትን’ዶ ይብላዕ ኢዩ? ህዝባዊ ግንባር ኣስመራ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ ከይመልአ፡ ህዝቢ ኣስመራ “ካብ ስርዓት ህግደፍ ደርግ ይሓይሽ” ዝበሎ፤ እንታይ ምስ ኣጋጠሞ ኢዩ? ብሓጺሩ፡ እንታይ ኢየ ክብል ደልየ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምውጻእ ንገዛእርእሱ ዓላማ ኣይኮነን። ካብቲ ዝነበረ ዘይሓይሽ ስርዓት እትሃንጸ እንተ ኮይንካ መለሳ የብሉን። ነብሱ ይምሓር ጠ/ሚ መለስ ዘናዊ ሓደ ግዜ ከምዚ በለ፡ “ ቀንዲ ዓላማና ደርግ ንምውዳቐ ኣይነበረን። ዓላማና ድኽነት ንምጥፋእ ኢዩ። ደርግ ግን ምስቲ ቀዳማይ ጸላኢና ከይንገጥም ስለ ዘሐንኩለና፡ ቅድም ንዕኡ ዓሊና”። ሕጂ ድማ ዓላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ንምፍጣር ኣይነበረን። ካብ ስርዓት ሃይለ ስላሴን ደርግን ተላቒቑ  ራህዋን ብልጽግናን ማዕርነትን ዘረጋግጽ ዝሓሸ ስርዓት ንምህናጽ ኢዩ ነይሩ። በንጻሩ ግን ሓደ ውልቀ መራሒ ዘሕምቖ ዲክታተራዊ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነስ፡ናይ ሓሳባት ፍልልይ ዘይጻወር፡ ዝኾነ ይኹን መሰል ደቂ-ሰባት ዘይፈቅድ፡ ንሽሙ እኳ ቅዋምን ፓርላማን ዘይብሉ ስርዓት ኣፍርዩ።

ኣድሓኖም  ፍትዊ

Comment: a.fitiwi1993@kpnmail.nl

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

;

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • amanuel July 28, 2017

    Add the numbers of ethiopian soldiers hgdf claims to have killed in 30 yrs. 60 million. That is all ethiopians including women and children plus some from kenya ugand and sudan. This is a lie not a historyà. I stopped to listen or watch anything hgdf broadcasts as history 25 yrs ago.

  • k.tewolde July 28, 2017

    HGDEF is a warmonger who picks on the weak and vulnerable,a sham ,a lie,who wears somebody else’s mascara and steals the spotlight,who puts shiny wheels and tinted windows like a punk in his lemon car,is like breast implants which sag into the abdominal cavity overtime,HGDEF is as phony as it can be.

  • adhanom July 29, 2017

    Fake history when repeated every day makes people feel nauseated. When i watch tv eri i feel like vommiting.

  • andom July 29, 2017

    Dear adhanom,
    U are right. I was in atlanta in the meeting when monkey treated me like a 3 year old child and said that the constituition was implemented except for the national ellection. I litterally vomitted due to anger in the bath room and felt like smashing his head. I immediatelly withdrew my membership and joined justice seekers after that.

  • amanuel July 29, 2017

    When u are beaten badly and retreating u may not be able to catch all the footage but still have enough pics to present the situation to make the hstory complete. Hgdfs history does not present any thing about the defeat suffered in and around badme, massawa, sahel, around asmara, ela bered, barentu to mention a few. It is always presented as strategic retreat to us which is b*******t to say the least. If they killed one it is reported as 100 or 1000. I feel sorry for the “barretas” aka hgdf supporters. In the countryside they have a can they use to pea at night. It is old rusty and smelly. Hgdf supporters are not any different from that.

POST A COMMENT