Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ መንደፈራ፣ ዓዲ ወግሪ ተኣሲሮምዝርከቡ መብዛሕትኦም ብስግረዶብ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣተሓሕዛኦም ዘስካሕክሕ ምዃኑ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ዝነበረ ‘ሞ ናብ ኢትዮጵያ ዘምለጠ ሓደ መንእሰይ ንድምጺ ኣሰና ሓቢሩ።

ኣብ መንደፈራ፣ ዓዲ ወግሪ፣ ብምኽንያት ስግረዶም ተኣሲሮም ዝርከቡ፣ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣተሓሕዛኦም ዘስካሕክሕ ምዃኑ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ዝነበረ ‘ሞ ናብ ኢትዮጵያ ዘምለጠ ሓደ መንእሰይ ንድምጺ ኣሰና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣገንዚቡ። ንሱ 5 ደቒቕ ዝርሕቀቱ ሩባ ኣብቲ ከባቢ እናሃለወ፣

ኣብ መንደፈራ፣ ዓዲ ወግሪ፣ ብምኽንያት ስግረዶም ተኣሲሮም ዝርከቡ፣ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣተሓሕዛኦም ዘስካሕክሕ ምዃኑ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ዝነበረ ‘ሞ ናብ ኢትዮጵያ ዘምለጠ ሓደ መንእሰይ ንድምጺ ኣሰና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ንሱ 5 ደቒቕ ዝርሕቀቱ ሩባ ኣብቲ ከባቢ እናሃለወ፣ ን 10 ሰብ 5 ሊትሮ ማይ ንጉሆን ምሸትን ከምዝህቡዎም ሓቢሩ። እቲ ንእሱራት ዝቐርበሎም መግቢ ውሑድን ዘይልከፍን ምዃኑ ብምጥቃስ ድማ፣ ሕክምናዊ ክንክን ከምዘየልቦ ኣረዲኡ።

ኣስዒቡ እቲ እሱር ነበር፣ ኣብ ክልተ ወርሒ ሓንሳብ ነብሶም ክሕጸቡ ከለዉ፣ ዋላ ኳ እቲ ብዝሒ ማይ ብርቱዕ እንተዘይኮነ፣ ከምቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንምብታን ፖሊስ ዝጥቀሙሉ ብቦጥ እናገጨቡ ከምዝሕጸቡ ከምዝገብሩዎም ኣረዲኡ።

ንሱ ካብ ኩሉ ብኣጸያፍነቱ ዘይረስዖ ተግባር ናይቶም ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ግን፣ እቶም እሱራት ክሸኑ ንደገ ክወጽኡ ከለዉ ክልተ ሰብ ብሓንሳብ ተኣሲሮም ክሸኑ ምግዳዶም ምዃኑ ብምስትንታን ጠቒሱ። ንሱ፣ ኣብ መግለጺኡ፣ በዚ ምኽንያት ሓደ ሓደ ግዜ እቶም እሱራት ተወጢሮም ክንሶም ከይሸኑ ዝምለሱሉ እዋናት ከምዝነበረ ‘ውን ኣገንዚቡ።

ካብቶም በተሓሕዛ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ዝሰክሑ እሱራት 80 ሓደ እዋን ዝረኸበ ይርከበና ኢሎም ክሃድሙ ድሕሪ ምፍታኖም 20 ከምልጡ ከለዉ እቶም ዝተረፉ ግን ከምዝተታሕዙ ኸኣ እቲ እሱር ነበር ኣመልኪቱ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ብብዝሒ ዘፍረዮ ነገር እንተልዩ ኣብያተ ማእሰርቲ እዩ፣ ኣብዚ ትሕቲ መሬትን ልዕሊ መሬትን ዝርከብ ምስጢራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ብቓላት ክግለጽ ዘይከኣል ግፍዕን ስቓይን ኣብ ልዕሊ ግዳያት ከምዝፍጸም ከኣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይገልጹ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Gebre March 17, 2016

    ነቶም ዘይሕጋውያን መሰጋገርትን ነቶም ደላሎን ኣሲሮም እንተ ዝቕጥቕጥዎም!ሰረቕትን ሓሰውትን መደናገርትን እዮም ኣይእመኑን እዮም ብጣዕሚ ርጉማት እዮም!ካብ ኣስመራ ናብ ካርቱም $15,200.00 ኣክፊሎምና ብዘይ ፍቓድና ን ክልተ ቕልዑ። ናምበሮም ኣሎኒ ነዞም ብዓለገታት።

    • lemlem April 4, 2016

      It is better to lose many than to lose people.

  • Gebre March 17, 2016

    $400.000.00 ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ናቕፋ ካብ ኣስመራ ን ኻርቱም ዘገርም እዩ መጰይቲ ደም!!!! ሃይማኖቶም ገንዘብ እዩ።

  • k.tewolde March 17, 2016

    And the funds is routed to the office of the ‘PRESIDENT’.It is a lucrative business, it augments the dwindling 2% diaspora remittance, nobody is allowed to make that kind of money without the knowledge of the tyrant in that land, he displaces you from your home, and he makes you pay to get out, on your way out he slips a form in your pocket in case you regret leaving, he tells you,’fill that out,it will cost more to come back.’ He is the biggest human trafficker by design, but the victims fall short to bestow him that name.

    • k.tewolde March 18, 2016

      continuation..And I understand why.It is not only about the dirty money,it is the crime of astronomical proportion that is committed on the human mind. What kind of humanly possible verdict can you give to this sinister character in a court of law who altered our homeland beyond recognition?

  • Emaga March 18, 2016

    Ati mefthi esayasn yemane monkey mktalom tray eyu kala mefthi yelon.

    • Nabal March 18, 2016

      Ewe kedem kedem tebahilu. men yiktelom iu iti shigr.

  • Wedi Hagher March 18, 2016

    If you have money (tens of thousands of USDs) they take you in their military cars to Kessela, but if you are a penniless, and you try to cross the border on your own, then you end up either being shoot at to be killed, or pass the most productive years of your age in an underground prison. What is this if not fascism in its ugliest form.

    • ogbai March 18, 2016

      My question is, is it enough witnessing it doing nothing
      boys and girls? Lets do something to stop it or ignore and live with eat. If these things not touching our bones what else could wake us up to stop it. Hundred percent sure there is something wrong within us to watch such horrible thing everyday and accepting it like normal daily life. God have mercy on us!!!

  • Gebre March 18, 2016

    ነዞም ዘይ ሕጋውያን መሳጋገርቲ ሰባት ኩሉ ክነቕሓሎም ዘለዎ ኮይኑ ይስምዓኒ ምኽንያቱ ነዚ ኣብ ደገ ዘሎ ሰብ እዮም ዝምዝምዝዎ ዘለው እዞም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ሰባት!ንኹሉ ቤተሰብኩም ንገሩ ብዘይ ፍቓድኩም ክበገሱ ክምዘይብሎም! ካብ ኣስመራ ንኻርቱም ልዕሊ $17,000.00 ዶላር ንደላላይ $1,000.00 ዶልር ንመስደዲ$1,000.00 ድላር ነቶም ስሱዓት ዘይ ሕጋውያን መሰጋገርቲ ካኣ $15,200.00 ኣነ ይርዳኒ እዩ ክበልዕ ዚደለየስ ገደል ኣፉ ክም ዝብሃል ግና ክንድዚ ስስዐ እዩ ዝገርመኒ ዘሎ! በዓል ሓዳር ኣሎ ኣብ ካርቱም ኮይኑ ነቶም ዘምጱኡሉ ዝሕሉን ዘኽፍልን ካላኦት ካኣ ነስመራ ክይዶም የምጵኡ። መንነቶም ንግዚኡ ዐቒበዮ ኣለኹ።

  • Gebre March 18, 2016

    ነዞም ዘይ ሕጋውያን መሳጋገርቲ ሰባት ኩሉ ክነቕሓሎም ዘለዎ ኮይኑ ይስምዓኒ ምኽንያቱ ነዚ ኣብ ደገ ዘሎ ሰብ እዮም ዝምዝምዝዎ ዘለው እዞም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ሰባት!ንኹሉ ቤተሰብኩም ንገሩ ብዘይ ፍቓድኩም ክበገሱ ክምዘይብሎም!ንኽ
    ልተ ሰብ ካብ ኣስመራ ንኻርቱም ልዕሊ $17,000.00 ዶላር ንደላላይ $1,000.00 ዶልር ንመስደዲ$1,000.00 ድላር ነቶም ስሱዓት ዘይ ሕጋውያን መሰጋገርቲ ካኣ $15,200.00 ኣነ ይርዳኒ እዩ ክበልዕ ዚደለየስ ገደል ኣፉ ክም ዝብሃል ግና ክንድዚ ስስዐ እዩ ዝገርመኒ ዘሎ! በዓል ሓዳር ኣሎ ኣብ ካርቱም ኮይኑ ነቶም ዘምጱኡሉ ዝሕሉን ዘኽፍልን ካላኦት ካኣ ነስመራ ክይዶም የምጵኡ። መንነቶም ንግዚኡ ዐቒበዮ ኣለኹ።

Post a Reply to ogbai Cancel Reply