Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ መንጎ `ስርዓት ኢሳይያስን` ገለ ፍሉጣት ባእታታት ደምበ ተቓውሞን ብመንጎኛነት ኢትዮጵያ ርክብ ከምእተኻየደ ዝዝርጋሕ ዘሎ ወረ ጻዕዳ ሓሶት ምዃኑ ኣሰና ኣረጋጊጻ።

ሎሚ ቕነ፡ ኣብ መንጎ `ስርዓት ኢሳይያስን` ገለ ፍሉጣት ባእታታት ደምበ ተቓውሞን ብመንጎኛነት ኢትዮጵያ ርክብ ከምእተኻየደ ዝዝርጋሕ ዘሎ ወረ፡ ኣብ ኤርትራውያን ምድንጋር ንምፍጣር ዝዓለመ ጻዕዳ ሓሶት ምዃኑ ኣሰና ኣረጋጊጻ። እዚ ገለ ንዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ ብኻልእ ድማ ኣስማት

ሎሚ ቕነ፡ ኣብ መንጎ `ስርዓት ኢሳይያስን` ገለ ፍሉጣት ባእታታት ደምበ ተቓውሞን ብመንጎኛነት ኢትዮጵያ ርክብ ከምእተኻየደ ዝዝርጋሕ ዘሎ ወረ፡ ኣብ ኤርትራውያን ምድንጋር ንምፍጣር ዝዓለመ ጻዕዳ ሓሶት ምዃኑ ኣሰና ኣረጋጊጻ።

እዚ ገለ ንዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ ብኻልእ ድማ ኣስማት ናይ ገለ ፍሉጣት ባእታታት ተቓውሞ እናረቛሕካ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብወርወረ ዝባዛሕ ዘሎ ሓበሬታ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ምጥርጣር ፈጢርካ፡ ነቲ እናተኣከበ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ማዕበል ንምድኻም ዝዓለመ እንተዘይኮይኑ ሓቅነት ከምዘይብሉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብዚ ቕንያት`ዚ ኣቡኡ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብምዕራፎም፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ)፡ ከምኡ `ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዞም ኳ እንተነበሩ፡ ከምዚ ክውረየሉ ዝቐነየ ምስዞም ዝጥቀሱ ዘለዉ ናይ ኤርትራ ተቓወምቲ ምስጢራዊ ርከብ ከምዘየካየዱ ተፈሊጡ።

ኤርትራውያን፡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ብሓደ ጫፍ ተበጊሱ፡ ኣብ መንገዲ ቀመም እናተወሰኾ ዝራባሕ ካብ ዝሓለፈ ስሙናት ኣትሒዙ ብፍላይ ብዝተፈላላዩ ኣርእስታት ንኤርትራውያን ክፈላልን ከተፋንንን ዝርአ ዘሎ፡ ካብ ጸላእቲ ኤርትራን ኤርትራውያንን ጥራይ ክብገስ ዝኽእል ጣቋ ዘይብሉ፡ ንገስጋስ ቃልሲ ንለውጢ ዝጎትት ቤላቤለው ክንጥንቀቐን፡ ብጥሪኡ ናብ ካልኦት ቅድሚ ምትሕልላፍ፡ ሕቶታት ብምቕራብ ምጽራይ ክግበረሉ ከምዝግባእ `ውን ምዝካር ከድልየና እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Hagherawi June 20, 2019

    ናይ ምድንጋር ዓቅሞም ቡዙሕ ኣይተተንከፈን ፥ ግን ከምቲ ናይ ቀደም ፥ ጥረ ሓሶት ፈይ ኣቢሎምሉ ፥ ዕልል እንዳበለ ዝቅበሎም ዝነበረ ህዝቢ ፥ ሎሚ ጎሪሑ። ነቲ ሓሶት ሓቅነቱ ንምፍታሽ ፥ ሃሰስ ምባል እንዳ ለመደ ይኸይድ ኣሎ። እታ ብ03 እትፍልጥ መርበብ ሓሶት ፥ ንሳውን ከም ዋናታታ ፥ ኣሪጋ።
    ካብ እሰያስ ፍታሕ ዝጽበ ፥ እሰያስ ምን ሙዃኑ ዘይፈሊጥ ክኸውን ኣሎዎ።

  • Zeregabir Teaghes June 20, 2019

    Thanks Assenna.

  • ኣበበ ካሓሰ June 20, 2019

    ስርዓት ህግድፍ ምስዝኮነ ደላይ ፍትሂ ዝገብሮ ናይ ሰላም መገዲ ከምጽእ ከምዝይኪኣል ፉሉጥ አዩ ።እንተኮነ ግን ነዛ ህዝቢና ቢሓባር ንጥፋት ኣጽናቲ ጉጂለ ዚብገሰላ ዘላ አዋን ንምድንጋር ዘሓለሞ ሒልሚ አዩ ።ስለዞ የሕዋት ንኪድ ጥራይ ጉዞና ንመርሽ አቲ ሓቂ ባዕሊና ተቃሊስና አቲ ኣጽናቲ ጉጂለ ካብ ሱሩ ሚሒካ ጉሒፍካ እርትራ ሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ዝመሊኣ ሃገር መስነኩም ጥራይ አዩ።

  • ስለ ፍትሒ June 22, 2019

    Thanks Assenna,
    To “Hilina Albo” and “Gezae”, I have nothing to say but RIP.

    • Hilna June 22, 2019

      Amen but stop being TEBELATSI. You are NOT going to lecture us about your fake FITHI, never.
      Otherwise, you are entitled to your opinion but you are NOT entitled to your own fictions, period.

      • Genet - Original June 25, 2019

        Hilna
        One can be entitled to his/her opinion or fictions, but one can’t be entitled to her/his own facts.

        Why this whole hostility directed at Aman or Assenna? at the same time coming to his house and expressing your opinion. Who is TEBELATS NOW?

  • Genet - Original June 25, 2019

    I knew it, It was all 03 was doing that.
    But I am disappointed, that guy who is reportedly is an Ethiopian -Eritrean allowed himself to be sucked in in this. What the hell???? It was just odd. He kept saying “I have my sources” But he wouldn’t tell anyone who. I sill don’t understand why he needed to leak something he is not sure or not able to confidently reveal. It must be DW as well as PFDJ’s 03. Hoo, my country Eritrea, how many enemies and shade actors do you have to fight off???

POST A COMMENT