Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ መዓስከር ኡምጉርጉር ሱዳን ማእከል መንእሰያት ተሰሪሓ::

ኣብ ሱዳን ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኡምጉርጉር ማእከል መዘናገዒ መንእሰያት ተሰሪሓ:: መዓስከር ስደተኛታት ኡምጉርጉር ኣብ ምብራቅ ሱዳን እትርከብ መዓስከር ኮይና: ዝበዘሑ ነበርታ ማለት 90% ኤርትራውያን ኢዮም:: እዛ መዓስከር ን ኣስታት 13 ንኡሳን መዓስከራት ብሓደ ዝጠርነፈት ኮይና

ኣብ ሱዳን ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኡምጉርጉር ማእከል መዘናገዒ መንእሰያት ተሰሪሓ:: መዓስከር ስደተኛታት ኡምጉርጉር ኣብ ምብራቅ ሱዳን እትርከብ መዓስከር ኮይና: ዝበዘሑ ነበርታ ማለት 90% ኤርትራውያን ኢዮም:: እዛ መዓስከር ን ኣስታት 13 ንኡሳን መዓስከራት ብሓደ ዝጠርነፈት ኮይና : ገለ ካብ ኣቶም ንምጥቃስ :
ካርኮራ:ኣቡራኻም: ሱኪ:ሓዋታ:ሳምሳምን: ካልኦት ንኡሳን መዓስከራት ዘጠቃለለት ኢያ::
እዞም ኣብዚ ዝነብሩ ዘለው ኤርትራውያን ገሊኦም ካብ 1960 (ግዜ መግዛእቲ ኣትሒዞም ገሊኦም ድማ ሓደሽቲ ዝነብሩላ ማዓስነር ውን ኢያ::

ከም ዝፍለጥ እዚ ማዓስከር ዝተፈላለዩ ሕማማት ክረኣየሉ ዝጸነሐ ማዓስከር ከም ሙኻኑ መጠን ኣብዚ መዓስከር ቡዙሕ ናይ ጥዕና ኣገልጉሎት ኣብ ምርካብ ጸገም ከም ዘለዎም ብ ተወሳኺ ይሕበር::(ሕማማት ሾሮኽን ዓሶን ድማ ገለ ካብቲ ቀንዲ ገኒኑ ዝተራኣዩን: ገኒኑ ዝረኣዩን ሕማማት ኢዮም::ኣብ ዚ ንብሎ ዘለና ኣርእስቲ ድማ ኢዚ ማእከል ናይ ሓይሊ መብራህትን መአንገዲ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ተነጊሩ::
እቶም ኣስራሕታ ከም ዝሕብሩዎ እዛ ማእከል መንእስያት ክምስርቱ ካብ ዝደረኾም ቀንዲ ምኽንያት ክገልጹ ከለው ከምዚ ይብሉ:_

መንነት ኤርትራውያን ይሃስስ ስለ ዘሎ: ንክይሃስስ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ኮይና: ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ሱዳን ዘሎ መንነቱ ዓቂቡን ብመንነቱ ተሓቢኑን መታን ጸኒዑ ክጸንሕን ክቕጽልን: ካብ ዝብል ተበግሶ ዝተወስደ ኢዩ::እዚ ድማ መንእሰያት ክነቅሑሉን መንነቶም ኣሕሊፎም ከይህቡ ተባሂሉ ንገስጋስ ማዕዶ ክጥምቱን: ስደት ድማ ዕጫ ደኣአምበር ምርጫ ከም ዘይኮነን ንምምብራህ ተባሂሉ ዝተሃንጸ ማእከል ከም ዘኾነ ውን ይገልጹ::

ኣብታ መዓስከር ካብ ዝተሰርሑ ነገራት: ዓቢ ሃንገር:ንኣስታት 500-1000 ሰባት ከእንግድ ዝኽእልን:ዓቢ መውለዲ መብራህቲ ባቡር : ንኣስታት 1000 ስድራቤት መብራህቲ ክዕድል ዝኽእልን:ተቪ ምስ ሬሲቨርን ኩሉ ናውታን : ጠዋሉን:ካልኦት ደቀቅትን ዓበይትን መሳረሒታት ነቲ ማእከል ዝኸውን ዘጠቃለለ ኢዩ::

ኢዚ ማእከል ኣብ መፋርቅ ናይዚ ዓመት 15/9/2018 ክስራሕ ተጀሚሩ ኣብ ውሸጢ 3 ወርሒ ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሙን ተመሪቁን ኣገልጉሎት ኣብ ምሃብ ዱሉው ኮይኑ ይርከብ::
ቀንዲ ጥቅሙ ድማ ደረጃ ንቅሓት መንእሰያት ክብ ኣብ ምባልን: መንእሰያት ኢደጥበብ ተማሂሮም ነብሶም ኣብ ምጥያስ ክሕግዞም  ዝተፈላለዩ ትምህርታዊ ስልጠናታት ኣብ ምሃብ ከም ትምህርቲ (ሓጺነ መጺን :መንደቃ መንደቅ ምምሃርን) : ምስ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንምርኻብ ናይ ዓመታዊ ፈስቲቫል ምክያድን ምእንጋድን: ጉሩብ መርዓን: ሓገዝ ንተማሃሮ መልቀቂ ፈተና ዝወስዱን ድሕረ ትምህርቲ መድቡ ሰሪዑ ገለ ካብ ዝሰርሓሉ መደባት ኢዩ::

መስረታ ድማ ኣባላት ሓጂ ሙሳ ፋውንደሽን ምኻኖምን ብሽም እቶም ኩሎም ኣብ ማሕዩር ዝተሰወኡን ገና ኣብ ማሕዮር ዘለውን ክትዝክር ተባሂላ (ሓጂ ሙሳ ማእከል መንእሰያት ኡምጉርጉር) ዝብል ሽም ሒዛ ክትቅጽል ሙኻና ድማ ይሕብሩ::

08/12/18

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde December 10, 2018

    My beloved homeland you might be down but never out,you will be resurrected one drop of blood,sweat,one soul and one heart beat at a time.There are genuine things that no man can erase.the above article is an example.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply