Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ መፈንጠራ ስርዓት ህግደፍ እንተኣቲና: ኤርትራ ክንስእና ኢና

መንግስቲ ህግደፍ፡ ጸላኢ መላእ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር ንሓደ ዝቀርቦ ነቲ ካልእ ዝርሕቆ ስርዓት ኣይኮነን። እንተኾነ ህግደፍ ዕምሩ ንምንዋሕ፡ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምልሕላሕን ኣብ ሓድሕዱ ምጥርጣር ንምፍጣርን ዘይጥጅኦን ዘይፍሕሶን ተንኮል የለን። ስርዓት ህግደፍ፡ ብዘይካ’ቲ “ብግዳም

መንግስቲ ህግደፍ፡ ጸላኢ መላእ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር ንሓደ ዝቀርቦ ነቲ ካልእ ዝርሕቆ ስርዓት ኣይኮነን። እንተኾነ ህግደፍ ዕምሩ ንምንዋሕ፡ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምልሕላሕን ኣብ ሓድሕዱ ምጥርጣር ንምፍጣርን ዘይጥጅኦን ዘይፍሕሶን ተንኮል የለን። ስርዓት ህግደፍ፡ ብዘይካ’ቲ “ብግዳም ተወሪርና፡ ማሕበረ ሰብ ዓሊቋትና” እናበለ ንዓመታት ኣድህቦ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥምዛዝን ንምትላልን፡ ወግሐ ጸብሐ ዝዝምሮ ሕሱር ዘመተ፡ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ዘተኣታትዎ ዘሎ ኣዝዩ ሓደገኛን ናይ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላን ውጥን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብውሽጥን ብግዳምን ኣብ ተኣፋፊ መድረኽን ጆኦግራፍያዊ ኣከባብን ስለዝርከብ፡ መጻወቲ ጉሓላሉን መዐንደሪ ግዳማዊ ሓይልታትን ከይከውን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዝበረኸ ጥንቃቀ ከካይድ ኣለዎ። ዓለም ረብሓታታ ንምቅዳም ንሓድሕዳ ትቆራቆስን ትተፋነንን ስለዘላ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ፈትዩን ደንጊጹን ጁባታቱ ከይመልአ ጉንዖ ክምጥወልና ዝኽእል ወገን የለን። እቲ ክውንነት እዚ ስለዝኾነ፡ ኣብ መድረኽ ዓለም ብመንጽር ሃገራዊ ረብሓና ብኸመይ ንዋሳእ፡ እንታይ የርብሓናን እንታይ ይጎድኣናን ኣብ ምምዛንን ምውሳንን ተዓጻጻፍነትን ልቦናን የድልየና። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ሎምን ጽባሕን ዝሓስብን ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ እንተዝህልዎ፡ ብመንገዲ’ቶም ባዕሉ ዝመረጾም ወከልቲ ኣቢሉ ቅኑዕን መድረኽ ዝጠልቦን ስጉምቲ ምወሰደ ነይሩ። ሕማቅ ዕድል ኮይኑ ግን፡ ስልጣንን ምርጫን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ስለዘሎ፡ እዚ ክብ ኢሉ ዝተተንብሀ ዕድላት ንምትግባር ሓይሊ የብልናን።

ምሕንጋድን ኣዕናዊ ሜላታትን ስርዓት ህግደፍ ብምግንዛብ፡ ኤርትራውያን ሃገርናን ህዝብናን ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ቀዳምነት ክንህቦን ሓቢርና ክንወስዶ ዝግብኣናን ቅኑዕ ስጉምቲታት ግን ኣሎ። ኤርትራውያን ኣብ መሰረታውያን ጉዳያትና ብምድሃብ፡ ስርዓት ህግደፍ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ብዘይ ፍርዲ ምእሳርን ምቅታልን፡ ንብረት ሃገርን ህዝብን ምዝማትን ብብልሽውና ምቁምጣዕን፡ ብሕግን ቅዋምን ዘይምምእዛዝ፡ ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው፡ ኤርትራዊ ኣብ ገዛእ መሬቱ እሱርን ሕሱርን ምህላዉ ንህዝብናን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ደጋጊምና ከነፍልጥን ከነቃልሕን ኣሎና። ብሰሪ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ምልካዊ፡ ዘይፍትሓውን ኣዕናውን ኣሰራርሓ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን እንተላይ እግሪ ዘይተኸሉ ህጻናት፡ ነብሰ-ጾራት፡ ኣራጋውያንን ኣካለ ግዱዓትን ካብ ቤት ንብረቶም፡ ስድራቤቶምን መረበቶምን ተፈናቂሎም ንስደት ተቃሊዖም ኣለዉ። እቶም ካብ ሞት፡ ማእሰርትን ስቃይን ኣምሊጦም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ተሰዲዶም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣሽሓት ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድ ስለዘይብሎም፡ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ንጥረዝን ንእሰርን” እናበሉ ኣብ ስነኣእምሮኣዊ ጭንቀት’ዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ካብኡ ዝገደደ ድማ ኣብ ከም በዓል እስራኤል ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ናይ ስደተኛን ዑቁባን መሰሎም ተነፊጎም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክባረሩ ኣይፋል እንተበሉ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጎኑ ይብየኖሎምን ጸቅጢ ይግበረሎምን ኣሎ። እዞም ካብ ኣጽፋር ስርዓት ህግደፍ ንምድሓንን ካብ ድኽነት ንምንጋፍን ኣብ ዓዲ ጓና ዘለዉ ዜጋታትና ድማ እዚ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ሓልዮት ዘይብሉ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ንሓዋሩ በብዘለውዎ ክጠፍኡን፡ ኤርትራ ዘይናቶም ክትኮኖምን’ያ። እዛ ልዕሊ 65 ሽሕ መስዋእቲ ዝኸፈለት ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ህዝባ ሃገር ዘይብሉ ክኽውን ኣዝዩ ዘሕዝን ጥራይ ዘይኮነ መዓንጣ ከብድኻ ዘሕርር’ዩ።

በዚ ውሁብ ኩነታት፡ ኩልና ብሃገርናን ህዝብናን ንቁርቆርን ንሕለቅን ኤርትራውያን፡ መፍትሒ ኩሉ ጸገማትና፡ እቲ ጠንቂ ስደት፡ ሞትን ሕሰምን ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ምውጋድ እምበር ቀዳምነታትና ጎሲና ኣብ ካልእ ጉዳያት ግዜናን ገንዘብናን ምብኻንን ዕንኪሊል ምባልን ትርጉም የብሉን። ከምቲ “ክንብርኩት ዘይክንቡርኩት ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ” ዝብሃል፡ ሓቀኛ ናጽነትናን መሰልናን ከየረጋግጽና፡ ብዛዕባ ማዕርነት ብሄራት፡ ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ኣውራጃ፡ መታሕት ከበሳ ዝብሉ ዛዕባታት ንስርዓት ህግደፍ ዘርብሑን ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሑን መጻወድያ ክንኣቱ የብልናን። ፈለማ እቲ ጸላኢ መላእ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ሓማም መንሽሮ ሕብረተሰብና ንእለዮ። ብኽቡር መስዋእቲ ዝተረኽበት ኤርትራ ኣብ ኢድና ንጨብጣ፡፡ ኤርትራና፡ ንሕና ናታ ንሳ ድማ ናትና ምዃና ነረጋግጽ። ድሕሪኡ፡ እቲ ኣብ መንጎና ኣሎ ዝበሃል ዘይመሰረታዊ ፍልልያት፡ ብዘተ፡ ብትምህርቲ፡ ብስራሕ፡ ብቁጠባዊ ምዕባለ፡ ብምጽውዋርን ልቦናን ክፍታሕ ዝኽእል’ዩ። ኤርትራውያን፡ እዚ ክውንነት’ዚ ጎሲና ኣብ መፈንጠራ ስርዓት ህግደፍ እንተኣቲናን ንመንነትናን መጻኢናን ብሓባር እንተዘይሰሪሕናን ግን:  እታ ኤርትራ ትብሃል ሃገር’ውን ክንስእና ኢና። ኤርትራ ድማ ሰፈር ናይቶም ስርዓት ህግደፍ ዝዕድሞም ዘሎ ባዕዳውያንን ሕማቅ ህዝቢ ኤርትራ ዝምነዩ ወገናትን ክትከውን’ያ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 2 ታሕሳስ 2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde December 4, 2017

    It seems we might have lost the nation already,it resembles like an asteroid plowed into it and displaced the inhabitants everywhere,a nation is not a nation without its people,just a topography on the map,a holster without a gun,a wife without a husband,a church without a congregation and a beautiful home without dwellers.It will take sometime and a lot of work to make it look like a nation again.Thanks to those relentless citizens who are trying to pick up the pieces and doing the painstaking work to put it together.Where there is destruction there is building,where there is life there is death,where there is old there is new- unity of opposites.Eritrea is not the exception,it is governed by this natural rule of nature.

  • Kalighe December 4, 2017

    ” ከምቲ “ክንብርኩት ዘይክንቡርኩት ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ” ዝብሃል፡ ሓቀኛ ናጽነትናን መሰልናን ከየረጋግጽና፡ ብዛዕባ ማዕርነት ብሄራት፡ ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ኣውራጃ፡ መታሕት ከበሳ ዝብሉ ዛዕባታት ንስርዓት ህግደፍ ዘርብሑን ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሑን መጻወድያ ክንኣቱ የብልናን። ፈለማ እቲ ጸላኢ መላእ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ሓማም መንሽሮ ሕብረተሰብና ንእለዮ። ብኽቡር መስዋእቲ ዝተረኽበት ኤርትራ ኣብ ኢድና ንጨብጣ፡፡ ኤርትራና፡ ንሕና ናታ ንሳ ድማ ናትና ምዃና ነረጋግጽ። ድሕሪኡ፡ እቲ ኣብ መንጎና ኣሎ ዝበሃል ዘይመሰረታዊ ፍልልያት፡ ብዘተ፡ ብትምህርቲ፡ ብስራሕ፡ ብቁጠባዊ ምዕባለ፡ ብምጽውዋርን ልቦናን ክፍታሕ ዝኽእል’ዩ።”

    ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 2 ታሕሳስ 2017

    The idea is good but practically very difficult to implement. Because, people will never stop thinking about their basic rights, trying to make sure nobody is cheating them.
    Eritreans have become very wary about governments. They are not ready to live under another Higdef. Standing for your own rights and fighting tyranny are not separate processes There is no easy way to put such sensitive issues on hold or in certain sequence. The struggle against tyranny and standing for social justice can go parallel. Let’s give people hope,

  • Simon G December 4, 2017

    ‘ቲ ጸገም ‘ታይ መስለካ ጽላል? ጸገምና ዘይምርዳእ ‘ዩ።
    ‘ት ቀንዲ ጸገም: ከምዝመስለኒ:
    1. ባህሊ ሻዕብያ ደሓር ከኣ ህግደፍ ‘ዩ። ሓንሳብ! ሓንሳብ! ኣይትተሃወኽ: ጽን ኢልካ ስማዕ።
    ወዲ ኣባ ሻውል ‘የ: ወዲ እምባ ጋልያኖ ‘የ ምባል ጸገም ተዘይ ኮይኑ ስለምንታይ ወዲ ሰንዓፈ ‘የ: ወዲ ዓዲ ዃላ ‘የ ወዲ: ሰሓርቲ ‘የ ምባል ከም ወገነኛ ዝቑጸር? እቶም ዓዲ ዘይብሎም መታን ከይግጠሙ: ብዓዲ ምዝራብ ነውሪ ጌሮሞ። እዚ ሓደ ኣብነት ‘ዩ።

    2. ሻዕብያ/ህግደፍ ወገናዊ ‘ዩ ኔሩ። ዘስተብህሉሉ ግን ውሑዳት ዮም ኔሮም። ናይ ሓደ ሃይማኖት ዩ ‘ኔሩ። ነዚውን ዘስተብህሉሉ: ውሑዳት ‘ዮም ኔሮም።
    እዞም ኣስላም ረቢሾማና! እዞም ኣከለ-ጉዛይ ረቢሾምና! ኢሎም ዘይገበርዎ ገበናት ክጽእንዎ ከለዉ: እቲ ካልእ ህዝቢ ይስሕቕ: የጣቕዕ ኔሩ።
    ሕጂ: መን ‘ዩ ዝስሕቕ ዘሎ? ህግደፍ ጥራይ ‘ዩ። ኩላ ብ ነበልባል ህግደፍ ተባሪዓ። ካብ ሰሓቕ ናብ ኣውያት ተቐይሩ።
    ሕጂ ‘ውን መንግስትና’ዩ! እቲ ነበልባል ናይ ህግደፍ እንዳ ለመጾም: ወዲላምና’ዩ !ዝብሉ ውሑዳት ኣይኮኑን።
    ነዚ ነገር ኣብ ቅርዓት ከየውጻእካ ሓደ ህዝቢ ኢና ምባል ቁስልኻ ምሕባእ ‘ዩ።
    ኩሉ ሰብ ኣን ወዲ ዓዲ እከለ የ! ምስበለ: እቶም ዓዲ ዘይብሎም መሕብኢ ክስእኑ ‘ዮም። ዓዲ ከይበልካ ሃገር ክትተክል ማለት መሰረት ዘይብሉ ፓላሱ ከም ምህናጽ ‘ዩ።

  • Kalighe December 5, 2017

    “እዞም ኣስላም ረቢሾማና! እዞም ኣከለ-ጉዛይ ረቢሾምና! ኢሎም ዘይገበርዎ ገበናት ክጽእንዎ ከለዉ: እቲ ካልእ ህዝቢ ይስሕቕ: የጣቕዕ ኔሩ።”

    Simon G

    From day one Iseyas was a divisive figure.
    The basis of Iseyas’ ideology is a combination of religious and regional hate. But as you said, unfortunately, there many people who still clap hands for him.

Post a Reply to Simon G Cancel Reply