Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ማሕዩር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ን ልዕሊ 14 ዓመታት ሃለዋቱ ጠፊኡ ዘሎ ገጣማይን ኣሰናዳኢ ብሕታዊት ጋዜጣ ዘመን ነበርን ኣማኑኤል ኣስራት ብ ፔን ዝብሃል ናጽነት ጸሓፍቲ ዘተባብዕ ማሕበር ተሸሊሙ።

ካብ 2001 ኣትሒዙ ምስ ካልኦት ሓያለ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ማሕዩር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ን ልዕሊ 14 ዓመታት ሃለዋቱ ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራዊ ገጣማይን ኣሰናዳኢ ብሕታዊት ጋዜጣ ዘመን ነበርን ኣማኑኤል ኣስራት ብ ፔን ዝብሃል ናጽነት ጸሓፍቲ ዘተባብዕ

ካብ 2001 ኣትሒዙ ምስ ካልኦት ሓያለ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ማሕዩር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ን ልዕሊ 14 ዓመታት ሃለዋቱ ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራዊ ገጣማይን ኣሰናዳኢ ብሕታዊት ጋዜጣ ዘመን ነበርን ኣማኑኤል ኣስራት ብ ፔን ዝብሃል ናጽነት ጸሓፍቲ ዘተባብዕ ኣህጉራዊ ማሕበር ዝመሓደር ፔን/ኦክስፋም ናይ ዝተባህለ ሽልማት 2015 ተዓዋቲ ከምዝኾነ ቪላሜድያ ዝተባህለ ናይ ዳች ጋዜጣ ሓቢሩ።

ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኣስራት ኣብቲ ብ 14 ጥሪ 2016 ኣብ ሆላንድ ዝተኻየደ ስነስርዓት ‘ዩ ምስ ቱርካዊ ጸሓፍን ኣዳላዊ ፊልምን ካን ዱናር ከምኡ ‘ውን ምስራዊ ገጣማይን ጸሓፍን ዑመር ሓዘክን ነቲ ንተባዓት ጸሓፍቲ ዝወሃብ ሽልማት ክወስድ ተረቝሑ።

ጋዜጠኛን ገጣማይን ኣማኑኤል ኣስራትን ምስኡ ኣብ 2001 ብምልካዊ ስርዓት ኢስይያስ ዝተኣሰሩ ልዕሊ 12 ጋዜጠኛታት ብሕትን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ከምዘለዉ ይፍለጥ። ገለ ካብኣቶም ብህይወት ከምዘየለዉ ‘ውን ብወግዒ ዘይተረጋገጹ ሓበሬታታት የመልክቱ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde January 19, 2016

    Your work still resonates across the field of journalism , can’t wait to see you guys out breathing fresh air doing your craft allover again.It is not far fetched.

  • Berhe Tensea January 19, 2016

    Good for him. The land of the dictator, prisons, and hopelessness, has failed him ,People like amanuel will be recognized in free and democratic Eritrea.
    Down down the Tembenis dominated regime.

POST A COMMENT