Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ሰያትል ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ “ናጽነትና፣ ምኽንያት መፈላለዪና ክኸውን ኣይግባእን’ዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንመዓልቲ ናጽነት ዘኪሮማ ከምዝወዓሉ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣብ ሰያትል ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ “ናጽነትና፣ ምኽንያት መፈላለዪና ክኸውን ኣይግባእን’ዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንመዓልቲ ናጽነት 24 ግንቦት ኣብ Volunteer Park ዘኪሮማ ከምዝወዓሉ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቶም ደለይቲ ፍትሒ፣ “ ግዝኣተ ሕጊ ዶ ግዝኣተ ውልቀሰብ”

ኣብ ሰያትል ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ “ናጽነትና፣ ምኽንያት መፈላለዪና ክኸውን ኣይግባእን’ዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንመዓልቲ ናጽነት 24 ግንቦት ኣብ Volunteer Park ዘኪሮማ ከምዝወዓሉ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቶም ደለይቲ ፍትሒ፣ “ ግዝኣተ ሕጊ ዶ ግዝኣተ ውልቀሰብ” “ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሑ” “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” “ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ይገበሮ” ዝብል ጭርሖታት ዝተጻሕፎ ማልያታት ብምልባስ ንውልቀመላኽነት ዘለዎም ተቓውሞ፣ በንጻሩ ንናጽነት ሃገሮም ዘለዎም ኣኽብሮት ብምንጽብራቕ፣ ደጋፍን ተቓዋምን ተባሃሂሎም ከይተፈላለዩ ኣብቲ ፓርክ ምስ ዝነበሩ ኩሎም ኤርትራውያን ነታ ዕለት ዘኪሮማ ከምዝወዓሉ ኣገንዚቦም።

እቶም ሳዕስዒትን ዳንኬራን ከምዘየድሊ ተገንዚቦም ብዝተፈልየ መልክዕ ንመዓልቲ ናጽነት ዝዘከሩዋ ደለይቲ ፍትሒ፣ ኣገባቦም ኣብ’ቶም ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ኣውንታዊ መልእኽቲ ከምዝገደፈ ‘ውን ኣረዲኦም።

Seattle_may24_2

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Freweini Tekeste June 1, 2015

    Brothers and sisters of Seattle – USA, we are proud of you and just keep it up till last victory.
    Political differences aside, the big devil Isaias and his regime aside but the big and unique day of our martyrs and people should always be remembered and celebrated with moderation and respect to today’s poor Eritrea’s condition.

  • wedifre June 2, 2015

    Bravo Seattle!!
    Ajokum Ajona “Our Unity is the biggest tool of our success and biggest threat to our Ruthless dictator”

  • Dawit kflezghi June 2, 2015

    ብዳዊት፡ክፍለዝጊ፡

    ፍቲሒዶ?
    ጭቆና!

    ፍቲሒዶ! ጭቆና ኣየን፡ይሕሻና፡
    መግዛእቲ፡ ባዕዳውያን፡እቲ፡ኑጎሆ፡ጌና፡
    ንናጽነት፡ሓርነት፡በረኻ፡ወፊርና፡
    ዝተኸፍለ፡ሂወት፡የብሉን፡መዘና፡

    እልፊ፡ኣእላፍ፡ተበጅዮም፡ንመሰል፡ንፍትሒ
    በጃ፡ህዝቦም፡ካብ፡ራዕዲ፡ካብ፡ፍቲሒ፡
    ንፉጹም፡ማዕርነት፡ዝቕጽል፡ጸናሒ
    ሎዎባ፡ገዲፎም፡መንገዲ፡ንኸዶ፡
    በኹሪ፡ሕሳስ፡ልደ፡ ሓሊፎም፡ብጹምዶ፡
    ኣብ ዕሸል፡ዕድሚኦም፡ኣብነት፡ዎሎዶ፡

    ሎዎባ፡ረሲዖም፡ሕድሪ፡ዝጠለሙ፡
    ኣይ፡ዓመት፡ኣይ፡ዕለት፡ከይነቐጸ፡ደሙ፡
    ታሪክ፡ጀግንነቱ፡ቀይሮሞ፡ሽሙ፡
    ንብዓትና፡ ንውሽጢ፡ከብዲ፡ብሑሙሙ፡
    ግዝአተ ሕጊ፡ዘይአመነ፡ሃገር፡ዘማሰነ
    ድያብሎስ፡ ብቆዱ፡ዘስካሕክሕ፡ጭካነ፡

    ይኣክል፡ንበሎ፡ንዛተ፡ንሳነ፡
    ሓንሳብ፡ንሓዋሩ፡ይኺድ፡ዝቖንቆነ፡

    ኣጀኹም፡ኣጆና፡ንፍትሒ፡ንድለያ፡
    ብልፍንቲ፡ጹምዶ፡ ብሓባር፡ሶባያ፡
    ብንቅሓት፡ብብልሓት፡መንገዲ፡ንጎያ፡
    ወነንቲ፡ሃገርና፡ክንከውን፡ኣምሰያ፡

    ኣካቢ፡ክረክብ፡ዝተባታተነ፡
    ደበስ ስድራቤታት፡ኻዕበት፡ዝሓዘነ፡
    እአክል፡ከብቅዕ፡ናይ፡ዘበን፡ጭካነ፡
    ብርትዒ፡ብፍትሒ፡ብሕጊ፡ክዳነ፡

    ኣንቱም፡እንተ ብግዝያዊ፡ረብሓ፡እንተ፡ፍርሃት፡ትዳኹሩ
    እዛንኩም፡ዶ!ጸመማ፡ይዒንቱኹም፡ዒሩ፡
    ሃገር፡እንዳ፡በረሰት፡እንታይ፡ቁምነገሩ፡
    መንዳዓት፡ዝባንኩም፡ዲክታተር፡ትጸሩ፡
    ዓገብ፡ተመለሱ፡ነብሱኹም፡መርሙሩ፡
    ታሪኽ፡ኣይምሕርን ልቢ፡በሉ፡

    ክወግሕዩ፡ጽባሕ፡ክቅንጠጥዩ፡ጸልማት፡
    ኪኖ፡ሎሚ፡ ምስትውዓል፡ኣርሒቅካ፡ምጥማት፡
    ነበረያ!ነበረ፡መዋእል፡ሕሱማት፡

    ክብርን፡ሞጎስን፡ንሱዋአትና!፡
    ሰላምን፡ራህዋን፡ንኻዕበት፡ትወጸዔ
    ህዝቢ፡ኤርትራ፡
    Dawit,kflefghi
    Seattle wa

Post a Reply to Freweini Tekeste Cancel Reply