Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ምስ ፖሊስ ሱዳን ብገንዘብ ተመሻጢሮም ብብዝሒ ኤርትራውያን ተኻርዮም ዝነብሩሉ ኣባይቲ ዒላማ ገይሮም እቶም ዜጋታት ናብ ሊብያ ክጓዓዙ የገድዱዎም ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ሱዳን ሓቢሮም።

ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኤትራውያን ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ፣ ምስ ፖሊስ ሱዳን ብገንዘብ ተመሻጢሮም ብብዝሒ ኤርትራውያን ተኻርዮም ዝነብሩሉ ኣባይቲ ዒላማ ገይሮም ናብቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደት ሊብያ ክብገሱ ብምስግዳድ ብዋጋ ህይወት ኤርትራውያን ናይ ደም ገንዘብ ይግሕጡ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ

ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኤትራውያን ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ፣ ምስ ፖሊስ ሱዳን ብገንዘብ ተመሻጢሮም ብብዝሒ ኤርትራውያን ተኻርዮም ዝነብሩሉ ኣባይቲ ዒላማ ገይሮም ናብቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደት ሊብያ ክብገሱ ብምስግዳድ ብዋጋ ህይወት ኤርትራውያን ናይ ደም ገንዘብ ይግሕጡ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ሱዳን ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ እቶም መሰጋገርቲ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንዘለለዩዎም ብብዝሒ ኤርትራውያን ገዛ ክራይ እናተሓጋገዙ ተኣኪቦም ዝነብሩሉ ኣባይቲ ንፖሊስ ሱዳን ብምሕባር፣ ብምኽንያት መንቀሳቐሲ ወረቐት (ብጣቓ) ከምዝፍትሹዎም ይገብሩ። እቶም ፖሊስ ብወገኖም፣ ነቶም ኤርትራውያን ወረቐት ይሃሉዎም ኣይሃሉዎም ብዘየገድስ፣ ገፊፎም ናብ ድንጉል ዝተባህለ ካብ እንዱርማን 3 ሰዓት ርሒቑ ዝርከብ ቦታ ብምውሳድ ነቶም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ የረክቡዎም።  እቶም መሰጋገርቲ ኣብ መወዳእታ ነቶም ዝተገፈፉ ኤርትራውያን ግዳያት፣ “ተበገስ፣ ክፈል” ኢሎም ብግዴታ ናብ ሊብያ ኣበጊሶም ኣሽሓት ገንዘብ ይግሕጡ ‘ሞ፣ ነቶም ብውዲት ስራሕ ዝፈጠሩሎም ፖሊስ ገንዘብ ብምሕቋፍ ይደቓቐሱ ኣለዉ።

እቶም ምንጭታት ምስዚ ኣተሓሒዞም፣ ሓደ ግዳይ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ጭውያ ዝኾነ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ካብ መኪና ዘሊሉ ክሃድም ከሎ ርእሱ ተወቒዑ ተሃስዩ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

እዚ ካብቲ ራሻይዳ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዘዘውትሩዎ ዝነበሩ ጭውያን መሸጣን ኤርትራውያን ዘይፍለ ናይ ከተማ ሽፍትነት ምዃኑ ብምምልካት፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Dogeli October 1, 2016

    eway zemen! ezom Arab aHwatna: kfetwuna Gudam eyom:: eway teAdilna:

  • daniel October 3, 2016

    ata arab wedi arab kab mbal ahwatka endiom dshetun zlwtun zelew ksab mas ena nab kale kenelagbo knebr n arab hmak zmhrom nhna tray ena knna sle zeyeblna

POST A COMMENT