Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ መንበሪ ፍቓድ ስለዘይብሎም ተሸቚሪሮም ዝነበሩ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዘመሓድሮ ቤትምህርቲ ብዝመሃሩ ደቆም ናይ ጻውዒት ወረቐት እናተላእከሎም ኣብ ፈስቲቫል ህግደፍ ክሳተፉ ጸቕጢ ይግበረሎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ከም ኣብ ካልእ ዓለም ዘሎ ስደተኛ መሰል ወግዓዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም፡ ብብዙሕ ሃለኽለኽ ኣብ ዝሕደስ ኢጋማ (ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ስዑድን) ፓስፖርት ስርዓት ኢሳይያስን ተመርኲሶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተሸቚሪሮም ዝነበሩ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ

ከም ኣብ ካልእ ዓለም ዘሎ ስደተኛ መሰል ወግዓዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም፡ ብብዙሕ ሃለኽለኽ ኣብ ዝሕደስ ኢጋማ (ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ስዑድን) ፓስፖርት ስርዓት ኢሳይያስን ተመርኲሶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተሸቚሪሮም ዝነበሩ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዘመሓድሮ ቤትምህርቲ ብዝመሃሩ ደቆም ናይ ጻውዒት ወረቐት እናተላእከሎም፡ ኣብቲ ሎሚ ሓሙስን ጽባሕ ዓርብን ኣብ ርያድ ዝካየድ ፈስቲቫል ህግደፍ ክሳተፉ ጸቕጢ ይግበረሎም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ስዑዲ ዓረብ ሓቢሮም።

ዕላማ ናይቲ ፈስቲቫል፡ ካብ ኤርትራውያን ገንዘብ ንምምዝማዝ ማዕሪኡ ድማ፡ ፈንጠንዝያ ብምግባር ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ንምድማቕ ምዃኑ ዝገለጹ ምንጭታት፡ እቲ ጸገማት ናይቶም ኣብ ሰንፈላል ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ምፍታሕ ሓልዮትን ተገዳስነትን ዘይብሉ ስርዓት፡ በንጻሩ ነቲ ዘለዎም ድኹም ኩነታት ስደት ተጠቒሙ፡ ገንዘቦም ኣብ ልዕሊ ምምዝማዝ መጋበርያ ፕሮፖጋንዳ ይገብሮም ምህላዉ ከምዘሕዘኖም ገሊጾም።

ብሰንኪ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ኩነታት፡ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ተቐማጦ ስዑዲ ወረቓቕቶም ስለዝተበላሸወ ኣማራጺ ስኢኖም ገንዘቦም ኣብ ባንክ ህግደፍ ከቐምጡ ከምዝግደዱ ብምጥቃስ ከኣ፡ ገንዘቦም ቀደም ኣብ ዓሰርተ መዓልቲ ዘውጽኡዎ ዝነበሩ ኣብዚ እዋን`ዚ ግን ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ስለዝወስደሎም፡ ኢጋማ ኣብ ምሕዳስ፡ መኻይን ኣብ ምጽጋን ኮነ ዕለታዊ መነባብሮኦም ኣብ ምክያድ ከቢድ ሽግር የጋጥሞም ምህላዉ ኣረዲኦም።

እቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቢብ ኩነታት ዝነብሩ ኤርትራውያን ከም ዜጋታት ንመስመር ናይቲ ስርዓት ዝነቅፍ ርእይቶ ከቕርቡ ዕድል ከምዘይብሎም ብምጥቃስ ከኣ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ኣብ መንጎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ዝግበር ዘሎ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይተገልጸሉ ርክብ ከምዘይተዋሕጠሎም ዝገለጹ ኤርትራውያን መራሕቲ ዓበይቲ መካይን፡ በታ ድሕሪ`ቲ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ድሕሪ ምጽውዑ ኣብዩ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ደስኪሉ ዘሎ ኣምባሳደር መሓመድ ዑመር ተኪኣ ትንቀሳቐስ ዘላ ቆንስል ህግደፍ ወይኒ ገረዝጊሄር ኣፎም ክሕዙ መጠንቀቕታ ከምእተዋህቦም ኣረዲኦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde November 30, 2018

    The tentacles of HGDEF is everywhere in the form of leverage,it is an embezzlement enterprise designed by the tyrant and his henchmen/women back when they were in the woods to extort money from those who work hard to support their families because the village chieftains are allergic to work.The solution, chop their appendages and terminate the psychological dependence on them.once for all.Have faith in the Highest,when one door slums shut,He can fling a thousand of them wide open.

  • Gezae November 30, 2018

    Great Job PFDJ/PIA Government!

    In an era when the so called opposition seems remote and difficult to approach, unity and reconciliation may seem a hopelessly romantic notion. Yet nothing is more crucial to the future of Eritrean democracy than to develop such a way of spurring greater citizen participation; This can provide a blueprint for major reform in the country; because participation can influence citizens to become more knowledgeable, more confident in the government; and can provide more thoughts or suggestions as to a possible course of action the government to being responsive in setting priorities and formulating polices that closely approximate the true preferences of the people.

  • Gezae November 30, 2018

    correction erase or cancel the word and between ” because and successful” Thanks

Post a Reply to Gezae Cancel Reply