Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ባዓቲ ሃይማኖታት ምሕባእ ይኣክል!!!

ንልዕሊ 26 ዓመታት ዝኣክል፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዳርጋ ኩሉ ዝገበሮ ጭኮናታት፥ ኣብ ባዓቲ ሃይማኖታት ተሰዊሩ ክገብሮ ከምዝጸነሓ ካብቲ ልቦና ዘለዎ ህዝቢ ዝተሰወረ ኣይነበረን። ኣብ ሞንጎ ሃይማኖታት ኢዱ ብምእታው፥ ንገሊእን ፈጺሙ ኣዕኒወን ንገሊእን ጨፍሊቅውን ድማ

ንልዕሊ 26 ዓመታት ዝኣክል፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዳርጋ ኩሉ ዝገበሮ ጭኮናታት፥ ኣብ ባዓቲ ሃይማኖታት ተሰዊሩ ክገብሮ ከምዝጸነሓ ካብቲ ልቦና ዘለዎ ህዝቢ ዝተሰወረ ኣይነበረን። ኣብ ሞንጎ ሃይማኖታት ኢዱ ብምእታው፥ ንገሊእን ፈጺሙ ኣዕኒወን ንገሊእን ጨፍሊቅውን ድማ ይርከብ። ንክርስትና ሃይማኖት ይኹን ንእስልምና፥ ብናጽነት ከምልኹን ከማሓድሩን ዕድል ዘይህብ ጮኮኒ ስርዓት ድማ እዩ።

መርኣያ ናይዚ ድማ፥ እቲ ኣብ ከተማ ኣሥመራ፥ መንእሰያት ብምጥርናፍ ዓብይ ኣቃልቦ ረኺቡ ዝነበረ፥ ቤት-ትምህርቲ ሰንበት፥ መካነ-ህይወት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን። እቲ ዓማጺ ስርዓት ኣብ ሃይማኖት ተሓቢኡ፥ ሓላይ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን መሲሉ ነቲ ትምህርቲ ሰንበት ከም ዝዕነዎን፥ ነቶም ቡሱላትን ምህራትን ኣገልገልቲ ካህናት ከምዝኣሰሮም ይዝከር። እዚ ገይሩ ዘይዓገበ ስርዓት ሃገርና፥ ንፓትርያሪክ እንጠንዮስ ንልዕሊ 11 ዓመታት ሓይርዎም ይርከብ ኣሎ። ነዚ ኹሉ ዕብዳን ክገብር እንከሎ፥ ብሓድነት ጠጠው ክንብል ሞጎስ ዘይረኸበ ህዝብና፥ ጨኳኒ ስርዓት ንቤተ-ክርስቲያና ይዕኒዋን ፈላሊዋን ደፊርዋን ይርከብ ኣሎ። ክሳብ ኣብ ገዳም ደብረ መርቆርዮስ ከባቢ ዓረዛ፥ ብምእታው ፈለስትን ድያቆናትን ተማሃሮ ቤተ-ክህነትን፥ ገፊፎም ናብ ማዓስከር ሳዋ ከም ዘውረድዎም ናይ ትማሊ ታሪኽ ኮይኑ ኣሎ።

ገዳማውያን ኣቦታት ደብረ ቢዘን፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ እንጠንዮስን ቤተ-ክርስቲያናን ዝግበር ዘሎ ግህሰት፥ ክምክትዎ እካ እንተ ፈተኑ፥ ከም ኣመሉ ኣብ ማሓዩር ክእትዎም ይረእ ኣሎ። ምኽንያት ናዚ ድማ ሕመቅ ናይ ገዳማትናን ቤተ- ክህነትናን ምኻኑ፥ ካብ ምግላጹ ክቁጠብ ኣይደልን። ብሓደ መንፈስ ኮይና ጭኮና ይኣክል የብቅዕ ክሳብ ዘይበልና ነባሪ ፍታሕ ክመጽእ ኣይክእልን እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቤት-ትምህርቲ ሰሚናርዮ ካቶሊካዊት ኣብ ኣሥመራ እትርከብ ክዓጹን፥ ክኣስርን ተራእዩ’ዩ። ኣባ ጳውሎስን ሲስተር ትንሳኤን ቤት-ትምህርቲ ክዓጽዉ ኣብ ዝመጽሉ ብትብዓት ደው ስለ ዝበሉ ናይዚ ውጽኢት፤ እቶም ብትብዓት “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” ብምባል ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቦም፥ ኣብቲ መሪር እዋን ደው ዝበሉ ካቶሊካውያ ኣቦታትና፥ ኣብዘይ ነበርሉ ነታ ቤት-ትምህርቲ ከም ዝደፈራ ይፍለጥ። ነዚ ነውራም ስራሕ፥ ማለት ማኣዲ ፍልጠትን ንቅሓትን ዝኾነ ቤት- ትምህርትታት፥ ክዓጹ እንከሎ፥ ብሕብረት ክንኩንኖ፥ ይግባኣና እካ እንተ ነበረ፥ ሓይልና ስለ ዘዳኾሞ፥ ገለ ክንብል ንኽእል ህዝቢ ኮይና ኣይተረኸብናን። ብዓቢኡ እቲ ብደረጃ ኣፍሪቃ ፍሉጥ ዝነበረ ዩኒቨርስቲ ኣሥመራ ክዕጾ እንከሎ’ውን፥ ገለ ክንገብር ብዘይ ምኽኣልና፥ መንዓቂና ተቆጺሩ፥ ነቲ ህድግለነ ዘይብሉ ስርዓት፥ ምዕጻው ቤት-ትምህቲ፥ ምኽፋት ቤት-ማእሰርቲ ኣፈደገ ከፈተሉ። ነዚ ንሃገርን ንትውልድን፥ ናብ ዱንቁርናን ጥፍኣትን ዝወስድ ተግባራቱ፥ መራሕቲ ሃይማኖት ብትብዓት ከይቃወምዎ፥ ዓገብ ምባል ፖለቲካ እዩ ዝቁጸር ስለ ዝበሎም፥ ነዚ ኣሚኖምን ተቀቢሎምን ዝኸድ፥ መልሚሉን ኣፍርዩን ክባሃል ይካኣል። እቲ ዓማጺ ስርዓት ኢዱ ኣብ ዝደለዩ ክእቱ፥ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ድማ ኣብ ኣባይቲ መቅደስ ተሓጺሮም ከምዝተርፉ ገበረ። እዚ ዓይነት ሜላ ድማ፥ መራሕቲ ሃይማኖት ክኣስሩ፥ ቤት-ትምህርቲ ክዓጽው፥ ንህዝቢ ክጭኩኑ፥ ድሌቶም ክገብሩ ምሉእ መሰል ሃቦም። ሕማቅ ሪኡ ዓገብ ክብል ንዝፈተነ፥ ፖለቲካ እዩ ስለ ዝብልዎ፥ ክንደይ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ውድቀት ናይ ሃገርና እንዳራኣዩ፥ ኣብ ኣባይቲ ኣትዮም እንዳ ሓመዩ፥ ብትብዓት ግን ክምኩቱ ከምዘይ ክእሉ ገበርዎም።

“ከም ቀደምክን ይመስለክን ውሕጅ ይማላኣክን” ከም ዝተባሃለ ትማሊ ሰሉስ ዕለት 31/10/2017፥ ከም ኣመሉ ቤት ትምህርቲ ኣል-ዲያ እትባሃል ኣብ ኣኽርያ እትርከብ  (ናይ እስልምና ቤት-ትምህርቲ) ክዓጹ ኣብ ዝመጻሉ ተባዕ ተቃውሞ ብምርኣዩ፥ እታ ዝፈርሓ ሰላማዊ ሰልፊ ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ገንፊሉ ክወጽእ ኣብ ጎደናታት ኣሥመራ ተራእዩ። ኣብቲ ምትንሳእ ስለ-መሰልካ ዓቢ ግደ ዝተጻወቱ፥ ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር፥ ዝገበርዎ ጅግንነት ዘይርሳዕ ኣበርክቶ ገይሮም ኣለው። ከምቲ ዝበልዎ ድማ “ንዲና ንሃይማኖትና ክንመውትን ክንእሰርን ኣሎና” ድሕር ምባል፥ “ወዲ ሰብ ተወልዱ እንተተባሂሉ ሞይቱ ማለት እዩ ይብሉ” ።

ንሑሉፍ ታሪኽና ምልስ ኢልና እንተራኣናዩ፥ ብሰንኪ ፍርሒ ሞት፥ ናብ ዝገደደ ሞት፥ መጻወቲ በደዊንን፥ ኣይሲስን፥ ሳሃራን ባሕርን ማእሰርትን ከም እተሳጋገርና መግለጺ ዘድልዩ ኣይመስለንን። ኣብዚ ተባዕ ሰለማዊ ሰልፊ፥ ዝመቱ ዝተኣሰሩ ዝቆሰሉ ዜጋታትና ክህልው ናይግድነት እዩ፥ ከመይሲ ምዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ገጢምካ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ምጽባይ፥ ዳርጋ ምስ ሰይጣውንትን ኣጋንንትን ስለ ሰላምን ፍቅርን ኢልካ፥ ኣብ ጣውላ ከም ምዝታይ እዩ ዝቁጸር።

እምበኣር ከነቅሓሉን ክንልብመሉን ዘለና ጉዳይ፥ ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ናይ ለውጢ ጎደና ንምቁጻይ ከም ኣመሉ ኣብ ባዓቲ ሃይማኖት ክሕባእ ቦታ ከይንህቦ ክንጥንቀቀሉን ክንልብመሉን ይግባኣና። ከመይ እንተበልና፥ ነዚ ምትብባዕን ሓገዝን ዘድልዩ ጉዳይ፥ ናይ ምስልምና ምንቅስቃስ እዩ ተጠንቀቁ እንዳበለ ኣብ ሃይማኖት ባዓቲ ከይኣቱ፥ ብልቦናን ብትብዓትን ክንኩንኖ ሓደራ ይብል።

መሰረታዊ ለውጢ ናይ ሃገርና፥ ብኣኽርያ ይምጻእ ብማይ-ተመናይ፥ ብዘየገድስ፥ ነቲ ተወሊዱ ዘሎ ምቅስቃስ፥ ክነባራቶዖን ሞራል ክንህቦምን ግዴታና እዩ። ካብዚ ዓማጽን ጨካንን ስርዓት ንላዕሊ ጸላኢ ዝብሃል ከምዘይ ብልና ብግብሪ ዝተማሃርናዩ ሓቂ እዩ። እዚ ሎሚ ኣሎ ዝባሃልን ጽልእን ምፍልላይን ፍርሕን፥ እንተሎውን ባዕሉ ዝተኸሎ እሾኽ እምበር፥ ህዝቢ ኤርትራስ ክንደይ እካ ተሳንዩን ተኻባቢሩን ዘይተጓዓዘ። ሽግርና ክዛዘም እንተኾይኑ፥ ናይ ሃይማኖት ፍርሕን ሽቁረራን ካብ ውሽጥና ኣውጺእና፥ ብትብዓትን ብፍልጠትን ከምኡ’ውን ብርድኢትን ክንጓዓዝ ኣምላኽ ይደግፈና።

ደጊም ሃገርና ብሕግን ዲሞክራስን፥ እትማሓደር ስልጥንትን ምዕብልትን ሃገር እመበር። ኣብ ባዓቲ ሃይማኖት እንዳተሓባእካ፥ እትነብረላ ሃገር ኣይክትከውንን እያ። መራሒ ሃገር ይኹን ሰበስልጣን፥ መራሕቲ ሃይማኖት’ውን እንተኾኑ፥ ካብ ክርስትና ይኹኑ ምስልምና፥ ኣብ ሃይማኖት ባዓቲ ተሓቢኦም ንህዝቢ ዝኸፋፍሉን፥ ንውልቃዊ ጥቅሞም መጋበርያ ንህዝቢ ዝገብሩን ቦታን ግደን ኣይክህልዎም እዩ። ኩሉ በብእምነቱ ተኻባቢሩን ተፋቂሩን ዝኸደላ ሃገር፥ ዓዲ ስኒትን ለውጥን ምዕባለን ክንገራ ድማ ናይ ኩላትና ሓላፍነት ከም ዘሎና ከዛኻኽር ይፈቱ።

እቶም ብሃይማኖት ጉልባብ ገይሮም፥ ንሃገርን ንህዝብን ሽግር ዝፈጥሩ፥ ናይ ሃይማኖት ሰባት ባሃልቲ ድማ፥ እቶም ኣቅሽሽትን መሻይኽን፥ መጠምጠምያ ከግጅፉን ጭሕሞም ከንውሑን መሰሎም እካ እንተ ኾነ፥ ኣብ መጠምጠሚኦም ንህዝቢ ዝፈላሊ ንሃገር ዝዑኑ ክፍኣት ኣብ ዝርከበሉ እዋን ግን፥ ብትብዓትን ብብስለትን ክንምክቶም ከምዚ ዓይነት ቡሱል ሓንጎል እምበር ብቀሊሉ ንታለል ህዝቢ ኮይና ንኸይንርከብ ጸጋ ኣምላኽ ኣይፈለየና ይብል። ክልቲኡ ሃይማኖት ኣብ ሰማያት ስፍራ ኣሎና፥ እዛ ነብረላ ምድሪ’ውን ሓላፊት ምኻና ዝኣምን ምዃኑ ንኹላትና ዓቢ ረብሓ እዩ። ኣምላኽ ይመስገን እታ ንወርሳ እዛ ምድሪ ብዘይ ምኻናን፥ ኣብዛ ምድሪ ስደተኛታት ምኻና ተረዲእና፥ በብሃይማኖትና ተኻባቢርና፥ ብሰላምን ፍቅርን ክነብር፥ ካብ ስሚዕትን ዕሽነትን እዛ ዓለም ወጺና ብንቅሓትን ብርእሰ ተኣማንነት ምንባር ክንላማመድ ኣሎና።

ኣብዚ ዘለናዩ እዋን፥ ስርዓት ሃገርና ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ብምትሕብባር ዝገብሮ ዘሎ ዕንወት ቀሊል ኣይኮነን። ክንልብመሉን ክንማሃረሉን ድማ ይግባኣና እዩ። “ገረብ ብሓኽላ” ከምዝባሃል ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ማእከላ ዘሪእዎ ዘሎ ናይ ምፍልላይ እሾኽ፥ ኣብ ሓደ እምነት ክንስና፥ መናፍቃን ተሃድሶ እንዳበለ ነታ ሓንቲ ጥንታዊትን ሃዋርያዊትን እምነትና ፈላሊዋ ይርከብ ኣሎ፥ ብሓፈሻ ጸረ እምነት ዝኾነ ስርዓት ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ውድቀቱ፥ ከይደቀስናን ከይተዛነናን ክንምክቶ ደጊመ ሓደራ ይብል።

ነቶም ተባዕ ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር፥ ጅግናን ኣብነታዊ ኣቦን ብምኻኖም እንዳተሓበንኩሎም። ኣብ ማእስርቶም ድማ ጽንዓትን ሓቦን ክረኽቡ ናብ ልዑል ፈጣሪ ጸሎተይ ይዕርገሎም፥ ከምኡ’ውን ንኹሎም ኣብቲ ናይ ለውጢ ጎደና ዝተሳተፉን ዝተሳተፋን፥ ምሉእ ደገፈይ ክገልጸሎም ይፈቱ።

ኣምላኽ ንሃገርናን ንህዝብናን ሰላምን ምጽንናዕን ይሃብ።

 

Minister of religion Revd Yohannes Ghebrehiwet,

Medhani-Alem orthodox church Manchester.

 

 

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT