Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ቫንኩቨር ዝመደበሩ ዕለዋይ ቤትፍርዲBritish Columbia (ካናዳ)፣ ንጊላዊ-ዕዮ ብዝምልከት ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ወርቂ ቢሻ ነበር ኣብ ልዕሊ ኩባንያ ዕደና ኔቭሱን ሪሶርስስ ዘበገሱዎ ክሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ክርአ ፈቒዱ።

ኣብ ቫንኩቨር ዝርከብ ዕለዋይ ቤትፍርዲ British Columbia (ካናዳ)፣ ኣብ ቫንኩቨር ዝመደበሩ ኩባንያ ዕደና ንቭሱን ሪሶርስ ንጊላዊ-ዕዮ ብዝምልከት ሰለስተ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ወርቂ ቢሻ ነበር ኣብ ልዕሊኡ ንዘበገሱዎ ክሲ ንምዕንቃጽ ንዘካይዶ ጻዕሪ ብምንጻግ፣ እቲ ጉዳይ ኣብ ቤት

ኣብ ቫንኩቨር ዝርከብ ዕለዋይ ቤትፍርዲ British Columbia (ካናዳ)፣ ኣብ ቫንኩቨር ዝመደበሩ ኩባንያ ዕደና ንቭሱን ሪሶርስ ንጊላዊ-ዕዮ ብዝምልከት ሰለስተ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ወርቂ ቢሻ ነበር ኣብ ልዕሊኡ ንዘበገሱዎ ክሲ ንምዕንቃጽ ንዘካይዶ ጻዕሪ ብምንጻግ፣ እቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ክርአ ከምዝፈቐደ ሓደ ካብቶም ምስቶም ነቲ ክሲ ዝመስረቱ ኤርትራውያን ዝተሓባበሩ ዘለዉ ናይ ሕጊ ትካላት Canadian Centre for International Justice ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣገንዚቡ።

እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከዝሓበሮ፣ ፈራዳይ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ቫንኩቨር ነቲ ውሳኔ ኣብ ዝሃበሉ መጋብኣያ፣ “ እቶም ከሰስቲ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ክረኽቡ ከምዘይክእሉ ዘተኣማምን ጭብጢ ኣሎ” ድሕሪ ምባል፣ “ ሓደ መባእታዊ ዕላምኡ ገንዘብ ምኽዕባት ዝኾነ ንግዳዊ ትካል ኣብ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም  ፈጺሙዎ ንዝበሉዎ ጉዳይ ንምብዳህ ሕጋዊ መስርሕ ምጅማሮም ቅቡል እዩ” ክብል ነቲ ፍቓድ ክህብ ዝተደረኸሉ ምኽንያት ኣብሪሁ።

ምዕረማዕሪኡ እቲ ፈራዳይ፣ ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝቐረበ ክሲ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፣ ጊላነት፣ ግዱድ ዕዮን ግፍዕታትን ብሕጊ ክርአ ምዃኑ ከምዝወሰነ ውን እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ‘ቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጅምላዊ ክሲ ዘበናዊ ጊላነት ዝምልከት ክሲ፣ እሞ ድማ ኩባንያ ዕደና ኣብ ወጻኢ ከምዝፈጸሞ ዝጥርጠር በደል ኣብ መስርሕ ፍርዲ ካናዳ ክርአ እዚ ናይ መጀመርያ እዩ።

እቲ ኣብ ሕዳር 2014 ንመጀመርያ ግዜ ዝተመዝገበ ኽሲ፣ ኔቭሱን ሪሶርስስ ምስ ክልተ መንግስታውያን ትካላትን ሰራዊት ኤርትራን ተሓባቢሩ ንመደበር ዕደና ወርቂ ቢሻ ኣብ ዘዋድደሉ ዝነበረ ግዜ፣ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ዘሰቅቕ ኩነታት  ግዱድ ዕዮ ናይቶም ኤርትራውያን ምምዝማዙ ዘጠቓልል እዩ።  

እቲ ፈራዳይ ነቲ ውሳኔ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፣ ነቲ መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ደረት ኣልቦ ዕስክርና ዘጠቓልል ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ዝበጽሖ መደምደምታ ‘ውን ከምዝጠቐሶ እቲ መግለጺ የገንዝብ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT