Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ታሪኽ ግብጺ ዝኸፍአ ተባሂሉ ኣብ ዝተገልጸ፡ ሎሚ ዓርቢ ሲናይ፡ ኣብ ሓደ መስጊድ ዝተኻየደ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ 235 ሰባት ከምዝሞቱ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ኣብ ዘበናዊ ታሪኽ ግብጺ ዝኸፍአ ተባሂሉ ኣብ ዝተገልጸ፡ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ፡ ኣብ ሓደ መስጊድ ዝተኻየደ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ 235 ሰባት ከምዝሞቱ መንግስታዊ መደበር ቴለቭዥን ግብጺ እትርከበን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ገሊጸን። ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ፡

ኣብ ዘበናዊ ታሪኽ ግብጺ ዝኸፍአ ተባሂሉ ኣብ ዝተገልጸ፡ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ፡ ኣብ ሓደ መስጊድ ዝተኻየደ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ 235 ሰባት ከምዝሞቱ መንግስታዊ መደበር ቴለቭዥን ግብጺ እትርከበን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ገሊጸን።

ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ፡ እቲ ዛጊት መንነቶም ብዘይተፈልጡ ኣሸበርቲ ኣብ ኣል-ራውዳ ኣብ ዝተባህለ መስጊድ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ፡ ብ ነቶግትን ኣውቶማቲክ ጠበናጁን እዩ ተኻይዱ። ነብሰቅትለታዊ መጥቃዕትን ከብድ ብረትን ዝተሓወሶ ምንባሩ ዝጠቕሱ ጸብጻባት ዜና `ውን ኣለዉ።

109 ሰባት ቆጺሎም ከምዘለዉ ድማ ተፈሊጡ `ሎ።

መንግስቲ ግብጺ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ክእውጅ ከሎ፡ ፕረዚደንት ታ ሃገር ኣብዱል ፋትሕ ኣልሲሲ ሓያል ግብረመልሲ ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ።

መራሕቲ ሃገራት ዓለም ብወገኖም ነቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክኹንኑዎ ይስምዑ ኣለዉ።

ዛጊት ነቲ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ወገን የልቦን። ይኹን`ምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኣይሰስ ርክብ ዘለዎም ዕጡቓት ኣብ ሲናይ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ እቶም ዜናዊ ምንጭታት ይጠቕሱ።

ኣብዚ ናይ ይኹን ካልእ ክፍልታት ግብጺ ኣብ ሓይልታት ጸጥታን ቅዱስ ቦታታት ኣመንቲ ክርስትናን ዝቐንዐ መጥቃዕታት ብተደጋጋሚ ክካየድ ኳ እንተጸንሐ፡ እዚ ሎሚ ን መስጊድ ዒላማ ገይሩ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝተፈልየ እዩ።

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Tesfai November 24, 2017

    It is another very sad news from the current most civilized culture and religion in this planet. How many times have you heard the noble and master people who are demanding to rule and be ruled by the Islamic Sharia Law of the 7th century Arabic tradition ..:

    “Islam is the Religion of Peace”

    See all the peace loving Islamic nations that have no wars and death in them, I mean, like Europe, sub-Saharan Africa, North America, South America, China, India, Ethiopia, Far East Asia, Australia, Arctic and the Penguins Antarctica all live in peace because they practice Islam.

    Now repeat Five Times a Day: “Islam is the religion of Peace”

POST A COMMENT