Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ቴክሳስ ዝነብሩ ኤርትራዉያን፡ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ከም ኣብ ኩሉ ዓለም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብ ቴክሳስ ዘለዉ ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ መንእሰያት፡ ነቲ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ኤርትራ፡ ዝግበር ዘሎ ሰብኣዊ ክትራንን፡ ኢሰብኣዊ ተግባራትን፡ ንምኹናን፡ ብዓርቢ 25 ጥሪ 2013፡ ብሰለማዊ ሰልፊ ቁጠዐኦም ገሊጾም። እቶም ካብ ህይስተን፡

ከም ኣብ ኩሉ ዓለም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብ ቴክሳስ ዘለዉ ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ መንእሰያት፡ ነቲ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ኤርትራ፡ ዝግበር ዘሎ ሰብኣዊ ክትራንን፡ ኢሰብኣዊ ተግባራትን፡ ንምኹናን፡ ብዓርቢ 25 ጥሪ 2013፡ ብሰለማዊ ሰልፊ ቁጠዐኦም ገሊጾም።

እቶም ካብ ህይስተን፡ ዳላስን ሳንኣንተንዮን፡ ዝተኣከቡ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን፡ ኣብ 1919 Smith St ዝርከብ፡ ኣፍ ደገ ፈደራዊ መንግስቲ ኣሜሪካ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፡ “ዘመናዊ ባርነት የብቅዕ” “ጾታዊ ዓመጽ ደው ይበል” “ምቑራጽ ናውቲ ኣካላት ደው ይበል” “ሰብኣዊ መሰል ይከበር” “ፍትሒን ሰላምን ንኤርትራ” “ኢሰይያስ ይውረድ” ኢሎም ብዓውታ ከቃልሑ ውዒሎም። ነቶም ኣብ ወጻኢ ኮይኖም፡ ንስርዓት ህግደፍ ዝተፈላለየ ደገፍ ዘበርክቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝተኰረ ከኣ፡ “ንውልቀመላኺ ምድጋፍ ደው ይበል።” “ቀታሊ ሰብ፡ ኢሰይያስ ይውረድ” “ንረጋጺ ትደልዩ፡ ኪዱ ዓድኹም ” “ንጨቋኒ ስርዕት ምድጋፍ የብቅዕ”  ዝብሉ ይርከብዎም።

እቶም ሰልፈኛታት፡ ነቲ ብማእከል ከተማ ዝመላለስ ዝነበረ ህዝቢ ህይስተን’ውን፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት፡ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን፡ ግብጽን ሲናይን፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ደቀተባዕትዮን ዝወርድ ዘሎ ክትራን፡ ኣካላዊን ጾታዊን ዓመጽ፡ ምሻጥ ናውቲ ኣካላት፡ ግፍዕን ስቓይን፡ ዝገልጽ ስእሊን ተባራሪ ጽሑፍን ክዝርግሑ ኣርፊዶም።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮንግረስ ሺላ ጃክሰን ሊ ላዕለዋይ ሓላፊ ጉዳይ ምምሕዳር፡ ኣቶ ኣንቶንይ ፍረዲ፡ ናብ ግዳም ብምውጻእ፡ ናይ ድጋፍ መገለጺ ኣስሚዑ። “ኣብ ዋሽንግተን ዘለዉ መራሕቲ ሃገር፡ ብፍላይ ከኣ ኮንግረስ ሽላ ጃክሰን ሊ ኣብ ጐንኹም ከምዘላ ክሕብረኩም ይፈቱ። እዚ ሰብኣዊ ክትራን ንኸብቅዕ፡ ስራሕኩም ናብ ኩሉ ሰብ ንኽበጽሕ፡ ምስ ካለኦት ሃገራት ከስርሓና ዝኽእል፡ ስምምዓትን መትከላትን ብምሕንጻጽ፡ ሺላ ጃክሰን ሊ ኣብ ገንኹም ከምዘላ ከረጋግጸልኩም ይደሊ። እዚ ሕጂ ፈጺምክሞ ዘለኹም ስራሕ ግርም ዓለምለኻዊ ስራሕ እዩ። ኣብ እምነትኩም ጸኒዕኩም ጻዕርኹም ቀጽሉ ክብለኩም ይደሊ። ” ኢሉ።

እቶም፡ ኤርትራውያን ብወገኖም፡ ናይ ህዝቦም ስደት፡ መከራ፡ ስቓይን ሞትን ንኸብቅዕ፡ ኣብ ቅድሚ ዝምልከቶም ላዕለዎት መግስታዊ ኣካላት፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢን ፈጣሪን፡ ብምቕራብ ሕልንኦም ዘርውይ ስርሓት ምብፍጻሞም፡ ሕጉሳት ምዃኖም ገሊጾም።

እቶም ዜጋታት፡ ነዚ መደብ ንምትግባር፡ ካብ ማሕብረ ኮማት፡ ውድባትን፡ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢን ዝውክሉ ሰባት መዚዞም፡ ብቴክሳስ ደረጃ ሓደ ሓይሊ ዕማም መስሪቶም’ዮም ክንቀሳቐሱ ቀንዮም። ነዚ ዝገበርሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ኵሉ ክፈላልዮም ዝኽእል ምኽንያት ንጐኒ ገዲፎም፡ ብቀዳምነት ንህዝብን ሃገርን ብምሕላይ እዩ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ፡ ክልተ ወርሓት፡ ኣብ ሲናይ ዘለዉ ኤርትራውያን ማእከል ብዝገበረ፡ ዝተፈላለየ ጽሑፋት፡ ብምዝርጋሕ፡ ኣብ ሳንኣንተንዮ፡ ዳላስን ህይስተንን ዝነብር ህዝቢ ሓበሬታ ንኽበጽሖ፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝሓየለ ጐስጓስ ኣካይዶም እዮም። ኣብ ኩሉ ኣብያተ መግቢ ጽሑፋት ተዘርጊሑ። ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ኣጋጣሚታት፡ ንኣብነት ኣብ መርዓን ናይ ሰብ ታክሲ ኣኼባን ጽሑፋት ተዘርጊሑ። ኣብ ህይስተን ዘለዋ ኩለን ናይ ኤርትራውያን ኣብያተ ቤተ ክርስትያናት በራሪ ጽሑፋት ተዘርጊሑ። ንመራሕቲ ሃይማኖታዊን ንግዳዊን ትካላት ደብዳቤት ኣብ ኢዶም ከምዝበጽሕ ተገይሩ።

እቲ ትማሊ ብሰለማዊ ሰልፊ ዝጀመረ፡  ሎሚ ቀዳም ብዝቕጽል ናይ ዘተ መኣዲን፡ ምዝንጋዕን ክዛዘም እዩ። እቲ ቃልሲ ግን  ቀጻሊ እዩ። ዝሕይለሉ ኣገባብ ከኣ ክዝተየሉ እዩ።

ሰላምን ራህዋን ንህዝብና

ቴድሮስ መንግሱ

ህይስተን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT