Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልላዊ ምምሕዳር ኣምሓራ ሎሚ ፈተነ ዕልዋ ተኻይዱ

ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ 22 ሰነ ፡ ኣብ ክልላዊ ምምሕዳር ኣምሓራ ፈተነ ዕልዋ ከምእተኻየደ፡ ኣብ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ሓላፊ ፕረስ ሰክረታርያ ንጉሱ ጥላሁን ኣብ ስቱድዮ ቴለቭዥን ኢትዮጵያ ተረኺቡ ኣረጋጊጹዎ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ፈተነ ዕልዋ ኣዝዩ

ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ 22 ሰነ ፡ ኣብ ክልላዊ ምምሕዳር ኣምሓራ ፈተነ ዕልዋ ከምእተኻየደ፡ ኣብ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ሓላፊ ፕረስ ሰክረታርያ ንጉሱ ጥላሁን ኣብ ስቱድዮ ቴለቭዥን ኢትዮጵያ ተረኺቡ ኣረጋጊጹዎ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ፈተነ ዕልዋ ኣዝዩ ብዝተወደበ ምልክዕ ከምእተኻየደ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋንዚ ፈሺሉ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

ሓይልታት ጸጥታ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነታ ኣብ መጥቃዕቲ ወዲቓ ዝነበረት ዋና ከተማ ምምሕዳራዊ ክልል ኣምሓራ ባህርዳር ተቖጻጺሩ፡ ነቲ ዕልዋ ዘካየደ ሓይሊ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ከምዝርከብ `ውን ኣረዲኡ።

ህዝቢ ክልል ኣምሓራ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መንስቲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ክግንዘብ ከምዘለዎ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዓሚ 2018 ርክብ ዳግም ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ምስ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝጠበቐ ዝምድና ዝነበሮ ክልል ኢትዮጵያ ምዃኑ ይፍለጥ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ናብቲ ክልል ክበጽሕ ከሎ፡ መራሕቲ ናይቲ ክልል ድማ ንተደጋጋሚ ግዜ ኣስመራ በጺሖም እዮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Hagherawi June 23, 2019

    ዕላማ ናይቲ ዕልዋ ፈደራላዊ ስርዓት ቀይርካ ፥ ኣምሓራ ዝቆጻጸሩዎ ማእከካይ መንግስቲ ምምስራት እዩ ነይሩ።
    ብዕድል ኣይሰለጠን።

    • Pawlos June 24, 2019

      You are 100% wrong. The plan or the set up planned by Dr Abiy was to arrest the Amhara Brigadier General Asaminew Tsige but all went disastrously wrong. How could have a coup d’etat outside Addis Abeba?

      • Pawlos June 24, 2019

        addition: please read as how could ‘you’ have a mefenkele mengisti outside Addis Abeba?

POST A COMMENT