Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኢህወደግ ነቲ ብኮምሽን ዶባት ዝተበየነ ውሳኔ ምሉእ ብምሉእ ከምዝቕበሎን ንምትግባሩ ድሉው ምዃኑን ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ፈጻሚ ኮሚተ ናይቲ ሰልፊ ሎሚ ሰሉስ 5 ሰነ ኣኼብኡ ኣብ ዝጀመረሉ ናይ ፈለማ መዓልቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንህሉው ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዕምቆት ከምዝዘተየሉ ብምጥቃስ፡ ` እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ኣብቂዑ፡ ኣብ መንጎ

ፈጻሚ ኮሚተ ናይቲ ሰልፊ ሎሚ ሰሉስ 5 ሰነ ኣኼብኡ ኣብ ዝጀመረሉ ናይ ፈለማ መዓልቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንህሉው ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዕምቆት ከምዝዘተየሉ ብምጥቃስ፡ ` እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ኣብቂዑ፡ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ኣሓዋት ህዝብታት ነባሪ ሰላም ክፍጠር ጻውዒት የቕርብ` ኢሉ ነቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ንኡስ ኣርእስቲ መግለጺኡ ይፍልም።

ክልቲኦም ህዝቢታት ብጠቕሚ ጥራይ ዘይኮነ ብደም `ውን ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ስለ ሓባራዊ ጠቕሚ ክቲኦም ህዝብታት ክብል፡ ነቲ ናይ ኣልጀሪስ ስምምዕ ኮነ ነቲ ናይ ኮምሽን ዶብ ውሳኔ ምሉእ ብምሉእ ተቐቢሉ ንምትግባሩ ብዘይ ዕጻይ-ምጻጻይ ክሰርሕ ምዃኑ ኣብ መግለጺኡ ከምዘፍለጠ የረጋግጽ።

ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ንጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት መግለጺ ከምዘለዎ ናብ ትግርኛ ተርጒምና ከነቕርበልኩም ኢና።

ኣብቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዓመተ ምህረት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ካብ ክልቲኦም ወገናት ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ከምዝሃለቐ ይፍለጥ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ስልጣን ኣብ ዝተረከበሉ እዋን፡ ንሽግር ኤርትራን እትዮጵያን ብሰላም ክፈትሖ ድልዉነቱ ብወግዒ ገሊጹ እዩ።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • meretse June 6, 2018

    He knew this was coming before May 24 and that is why speechless. We have been told Adi halo has cured many of his sick followers — let’s if it works for him.
    Let’s hope for the best but also prepare for the worst. The number one enemy of Eritrea had been only him and his clones.

  • Simon G. June 6, 2018

    2nd trial….

    ሰላም!
    ኣንታ ሰላምዶ ‘ልኩም
    ከመይከ ትጥዕም ‘ዛሰላምኩም
    ከምዚ ከማይ ጊርርርርርርር ‘ዶ ‘ልኩም
    ተደናጊርኩም
    እሕሕሕሕሕም!
    —————————————-

    ደጋግሙዋ ‘ሞ ‘ዛ ሰላም ትብል
    ወይ ክትጥዕም ቃል!

    ——እሞ: መባልዕትና ግበሮ——
    ናይ ሰላም መንፈስ: ይንፈስ ንዓዲ ሓሎ
    ካብ በልኩምና ቤት ጽሕፈት ኣብኡ ‘ዩ ዘሎ
    ሓላዊ ሰብ ድዩ ዲጋ ዋላ ከብቲ: እንታይ ኢና ንብሎ
    ——————————–

    ወዲ’ቦይ ኣብዪ: ሰላም ካብ በለ
    ንሕናውን ሰላም ንበል: ከይንፍለ
    ዓለም ከይትጓንየና
    ከይንተርፍ በይንና
    ከይንስወር ከም ደቂ ሕድርትና
    ዋእ! ሰላም’ባ ትሕሸና
    —————————–

    ሰላም! ኣንቲ ሰላም!
    ተኸዊልክና ጸኒሕኪ ኣብ ጸላም
    ኣይ ካብ ክርስትያን ኣይ ካብ ኣስላም
    ንመን ኣርቢሕክዮ?
    ንኹሉ ብሓባር ሃሲኽዮ
    በጃኺ ከምኡ ጌርኪ: ነዚ የዋህ ህዝቢ ኣይትሸረብዮ
    ————————————————
    ዋእ! ንዒ ደኣ ናብ ቦታኺ
    ናብ ዓዲቦኺ
    ————————–

    ኩርንፍ ኩርንፍ ኣይትበሊ
    በዲልኩምኒ ኣይትበሊ
    ህዝብና ተበዲሉ
    ኣጸጊሙዎ: ኲናት ካብ ሰላም ክፈሊ
    ፈታዊ ን ጸላእን: ከላሊ
    ላዕሊ ኮይኑ ታሕቲ: ታሕቲ ኮይኑ ላዕሊ
    ፍሊጶስ ዝነግስሉ: ኣብ መቓብር ወዲ ዓሊ
    ዘይንቡር : ንቡር ኮይኑ
    ምሁር: ብጨጓር ዳንጋ ተወጊኑ
    በዓል ወዲ ገራህቱ ክወራዘዩ በጀጋኑ
    ብድድ ዝበለ: የጉርፍዎ ‘ስናኑ
    ብሰንክኺ: ሰላም ተሳኢኑ
    —————————————

    ዋእ! ከመይ ጌሩ: ሰላም ብሰላም ዝሰኣን?
    ትብሊ ትኾኒ
    ንዓይ ውን ክደግሞ ገሪሙኒ
    ——–ግን: ግን ‘የ ደልኩ——
    ደሓር ግን ትዝ ኢሉኒ: ሓንቲ ነገር ምስ ዘከርኩ
    ኣብ ዘይንቡር: ይነብር ከምዘለኹ
    ጋን! ተሰሪሐ: ንዓኺ ዳግማይ ምስረኣኹ

    እዋይ ተገላብጦሽ
    ንኺድ ጥራይ

  • AHMED SALEH !!! June 6, 2018

    PETROS TESFAGIORGIS brought interesting idea in his article which I agree 100% . If we admire his
    mission to bring peace in our region , the little contribution to enforce his policy depends on popular
    support of ETHIOPIANS and ERITREANS in diaspora to speak up loud . In fact to demonstrate in UNITY
    with both countries flags for common interest on PEACE and COOPERATION is also noble mission .

  • Hidat June 6, 2018

    ዘሐጉስ ዜና ኢዬሙሉእ ይኩን………ቀዳመይቲ ስጉምቲ እንተስ ብቀትሪ እንተስ ብለይቲ ከምቲ ናይ 24 ግንቦት ወጋሕታ ወታሃደራት ደርጊ ብመስርዕ ንከረን ገጾም ዘምርሑ ከምኣ ከትድገም እሞ ኣብ ዘተ ክእቶ ተስፋ እገብር።

  • Danilo June 6, 2018

    እዚ ብወገን ኢትዮጲያ ተውሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ወይ ጻውዒት ሰላም ዛጊት ምላሽ ካብ ኤርትራ ኣይረኸበን ዘሎ።እቲ ምኽንያት ንጹር እዩ።ሓደ፡ ወላ ንይምሰል ዘማኽር ምኽሪ-ቤት ኣብ ኤርትራ የለን።ካሊኣይ፡ንስለ ወረ’ውን ዘተምብህ ነጻ ጋዤጠኛ የለን።ስለዚ፡ዝኾብለለ ዓሳ ሒዝካ መዝሓሊ (I frigorifero ) ምሲኣን?ኣይግበሮ።

  • Hidat June 7, 2018

    መልሲ ዘድልዮ ኣይኮነን ከመዚ በሉ ወይ ከምቲ እዩ ዘዋጻኣኩም ኢሉ ዘማክር እዉን ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን Danilo እታ በወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክትትግበርበ ዘለዋ ብዘይ ዕጣይ ምጣጣይ ካብ ባ..ድ..መ። መሬት ኤርትራ ምዉጻእ ኢዩ።እንተ ክኢልናስ ኣብ ክንዲ ነገር ምብላሕ ጽቡቅ ክሓስቡ መታንጸሎት እንተገበርና ይሐይሽ ብሰንኪእዚ ጒዳይ ዶብ ዝተከስረ ሰብ ንብረት ዕድል ወለዶ……..ጸብጺብካዘይዉዳእ ስለ ዝኮነ ኣይነሽካዕልለሉ ።

POST A COMMENT