Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኣንጎላ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኤርትራ ርእሰማሎም ከውፍሩ ንምእማን ዝፈተነ ዶር ወልዳይ ፍጡር ሕቶታት ገጢሙዎ።

ሓላፊ ማእከል ወፍሪ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዶር ወልዳይ ፍጡር፣ ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ኣብ ኣንጎላ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ርእሰማሎም ከውፍሩ ንምእማን ፈተነ ‘ኳ እንተካየደ፣ ብሓቂ ናይ ወፍሪ ሃዋህው ዘይምህላዉ ዘቃልዑ ሕቶታት ከምዝገጠሙዎ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም። ንሱ

ሓላፊ ማእከል ወፍሪ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዶር ወልዳይ ፍጡር፣ ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ኣብ ኣንጎላ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ርእሰማሎም ከውፍሩ ንምእማን ፈተነ ‘ኳ እንተካየደ፣ ብሓቂ ናይ ወፍሪ ሃዋህው ዘይምህላዉ ዘቃልዑ ሕቶታት ከምዝገጠሙዎ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

ንሱ ኣብቲ ኣስታት 200 ኤርትራውያን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ 104 ሰብ ርእሰማል ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ከካይዱ ኣመልኪቶም ከምዘለዉ ገሊጹሎም። ሓያለ ካብኣቶም ሆቴላት ንምስራሕ ዝሓተቱ ክኾኑ ከለዉ፣ ገለስ ወረ ብዓል 5 ኮኾብ ሆቴል ናይ ምህናጽ መደብ ዘለዎም እዮም ክብል ክምስጦም ፈቲኑ።

እንተኾነ እቶም ኣኼበናታት፣ “ኣብ ኤለትሪክ ዘይብሉ ዓዲ ከመይ ኢልና ከነውፍር ንኽእል? ኩሉ ሰብ ዓጢቑ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት እናሃለወ ኸ ሰራሕተኛታት ካበይ ኢና እንረኽቦ? ስለምንታይ እዩ ኸ ዝስተ ማይ ዝሰኣን ዘሎ? ኣንስትና ክንጽበራና ፍቓድ ዘይትህቡወን ከ ስለምንታይ፣ ንምንታይ እየን መውጽኢ ቪዛ ዝኽልኣ ዘለዋ?” ዝብሉ ሕቶታት ኣቕሪቦምሉ።

ዶር ወልዳይ ብወገኑ፣ “ኣመሪካን ወያነን ኣብ ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት ኩነታት ሸሚሞምና ከምዘለዉ ክርድኣኩም ኣለዎ። ዶብና እንተተሓንጺጹ ኩሉ ነገር ክፍታሕ እዩ” ብምባል ነቲ ንዓመታት ዝበለየ ተራ ዘረባ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብጥሪኡ ደጊሙሎም።

90 ሚእታዊት ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ፣ ሰራሕተኛታት ናይቶም ኣብ ዱባይ፣ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝነበሩ ኣብ ኣንጎላ ግንዘቦም ዘውፈሩ ኤርትራውያን ሰብ ዋኒን ክኾኑ ከለዉ፣ ብናይ ኤርትራ ፓስፖርት ስለዝንቀሳቐሱ ዘይምስታፎም ተቓውሞ ከይምሰል ‘ሞ ዕንቅፋት ከየጋጥሞም ደኣምበር ካብ ህግደፍ ቁምነገር ተጸብዮም ዝተሳተፉ ከምዘይኮኑ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
38 COMMENTS
  • dani December 21, 2013

    I knew Dr. Welday Fitur in many occasions, he is not a person who has intellectual mind. He is someone who lives for his stomach. As long as he is living good, he never care about the people of the Eritrea.

  • Meretse Asmelash December 22, 2013

    Tamrat Tamrat,

    You said, “መጀመርያ ሰላም ንኹሉኩም ተከታተልቲ ኣሰና።
    መጀመሪያ ሰላም ለኹሉም ኣሰና ተከታታዮች።

    ኢትዮጵያውያኖችና ኤርትራውያኖች በሰላም የሚኖሩበት ሰዓት ናፈቀኝ። ያቀን እስኪመጣ የምንመሳሰልበትን እንጂ የምንለያይበት ላይ እንዳላተኩር ፈጣሪ ይርዳኝ”
    May the Almighty God bless your words. I sincerely believe the good and happy days for all are around the corner. For now, I wish you merry Christmas and a Happy New Year.

  • sharthie December 23, 2013

    Shewhat zbei(hyena)zelewo koynu ysmaaka kndey ke tregmu afu hah abilu kolo tsilwo seb eko iyu

Post a Reply to Meretse Asmelash Cancel Reply