Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ (ኣራት ኪሎ) ብዘመዝገቦ ኣካዳምያዊ ውጽኢት ቀዳማይ ዝወጸ ኤርትራዊ ስደተኛ ብሰንኪ ዜግነቱ ናይ ወርቂ ሽልማት ከምዝተነፍጎ ተፈሊጡ።

ኣማኑኤል ተስፋስላሰ ዝተባህለ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ (ኣራት ኪሎ) ናይ ስነ ቁጽሪ (Applied Mathematics) ትምህርቱ ተኸታቲሉ ዝለዓለ ነጥቢ ዝረኸበ ብልሂ ኤርትራዊ ተማሃራይ ስደተኛ፣ ካብ ኩሎም ተማሃሮ ዝለዓለ ውጽኢት ረኺቡ ክንሱ፣ ኣብ እዋን መመረቕታ ንዕኡ ዝግባእ

ኣማኑኤል ተስፋስላሰ ዝተባህለ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ (ኣራት ኪሎ) ናይ ስነ ቁጽሪ (Applied Mathematics) ትምህርቱ ተኸታቲሉ ዝለዓለ ነጥቢ ዝረኸበ ብልሂ ኤርትራዊ ተማሃራይ ስደተኛ፣ ካብ ኩሎም ተማሃሮ ዝለዓለ ውጽኢት ረኺቡ ክንሱ፣ ኣብ እዋን መመረቕታ ንዕኡ ዝግባእ ናይ ወርቂ ሽልማት ካብ ናቱ ዝተሓተ ነጥቢ ዝነበራ ኢትዮጵያዊት ተማሃሪት፣ ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ከምዝተሸለመቶ ምንጭታት ሓቢሮም።

ናይ ተማሃራይ ኣማኑኤል ተስፋስላሰ GPA 3.94 ክኸውን ከሎ ናይታ ትሕቲኡ ዝነበረት ተማሃሪት GPA 3.91 እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፣ ኣማኑኤል ብሰንኪ ዜግነቱን ስደተኛ ብምዃኑን ሽልማት ከምዝተነፍጎ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

ተማሃራይ ኣማኑኤል፣ ቅድሚ እቲ ወግዓዊ መመረቕታ ብመሰረት ዘመዝገቦ ልዑል GPA ኣብ ኣራት ኪሎ ቀዳማይ ምዃኑ ተነጊሩዎ ኣፈናዊ ሽልማት ‘ውን ተዋሂቡዎ ክንሱ ኣብቲ ኣብ ሚልየነም ኣዳራሽ ዝተገብረ ሃገራዊ ስነስርዓት መመረቕታ ግን ድሕሪኡ ዝነበረት ኢትዮጵያዊት እቲ ወርቃዊ ሽልማት ተዋሂቡዋ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ እስራኤል ኣብ ቅድድም ጉያ ብተደጋጋሚ ግዜ ቀዳመይቲ እትወጽእ ዝነበረት ኤርትራዊት ትሕቲ ዕድመ ተማሃሪት ኣትለት ራሄል ገብረጻድቕ ‘ውን ስደተኛ ብምዃና ጥራይ ኣብ ክንድኣ ብድሕርኣ ዝኣተዉ እስራኤላውያን ቆልዑ ይሽለሙ ከምዝነበሩ ይዝከር። እዚ ኸኣ፣ ዕዳ ስደት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዘጕልሕ ተወሳኺ መርኣያ እዩ። ቀዳማይ ኣብ ሃገሩ ቀዳማይ ከምዝኸውን፣ ኣብ ስደት ክብረት ከምዘይርከብ ተገንዚብና ኸኣ ሃገርና ከነምልስ ክንሰርሕን ክንቃለስን ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
195 COMMENTS
  • ብሬ March 27, 2016

    ኣየ ንስኹም! ዋና እቲ ምምሃሩ እናሃለወስ ሃጠው ቀጠው!

  • matios March 27, 2016

    real education is a competition with yourself. not with others. Ethiopia made him shine and should be thanked for it. now with the conviction that he did good there, he will have a confidence to do it in a much better environment. please don’t quit and be an ambassador to your fellow juniors back home..

  • Flipos March 27, 2016

    Ethiopia is a backward country so no more surprise.

  • Tesfaldet Abraham March 27, 2016

    Though it’s really sad and shame to discriminate academic achievements against national origin,Emanuel has proven he’s the best. But if in deed this is true, those who didn’t prove to make the write judgement have long way to go to be trusted and trustworthy even by their own people. As per Emanuel; it’s a wake up call to do much better towards his future goal, instead of being distacted ,because they didn’t take away his God given ability and dream..

1 11 12 13

Post a Reply to matios Cancel Reply