Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ዘይልሙድ ልሙድ’ዩ

ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል፡ ይኽፋእ ይጸብቅ፡ ንዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰብ ወይ ንውልቀሰባት የገልግል ብዘየገድስ፡ ብዘይካ ኤርትራ ቅዋም ዘይብላ ሃገር የላን። ኣብ ዘመናዊት ዓለም፡ ኤርትራ ጥራሕ’ያ ብዘይ ቅዋም፡ ዜጋታት ዝጭወዩላ፡ ብዘይ ህዝባዊ ምርጫ ብሓደ ሰብ ትምራሕ ሃገር። መንግስቲ

ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል፡ ይኽፋእ ይጸብቅ፡ ንዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰብ ወይ ንውልቀሰባት የገልግል ብዘየገድስ፡ ብዘይካ ኤርትራ ቅዋም ዘይብላ ሃገር የላን። ኣብ ዘመናዊት ዓለም፡ ኤርትራ ጥራሕ’ያ ብዘይ ቅዋም፡ ዜጋታት ዝጭወዩላ፡ ብዘይ ህዝባዊ ምርጫ ብሓደ ሰብ ትምራሕ ሃገር። መንግስቲ ወይ ሃገር ዝምርሓሉን ዝቅየደሉን ሕግታት ስለዘየለ ከኣ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ንኤርትራ ከም ውልቃዊ ንብረቱ ክሸጣ፡ ከካርያ፡ ህዝባ ክኣስሮ፡ ክቀትሎ፡ ንብረቱ ክወርሶን ከፍርሶን፡ ቃሕ ንዝበሎን ንዕኡ ዘገልግሎን መዓርግ ክህብ ደስ ንዘይበሎ ሰብ ድማ፡ ካብ ስራሕ ከባርርን ክኣስርን ዓጋትን ሓታትን የብሉን። እዚ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘይልሙድን ዘይቅቡልን ኣገባብ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ኤርትራ ከም ንቡር ተወሲዱ ብስርዓት ህግደፍ ተራዒሙ’ሎ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ይእሰር ወይ ይርሸን እናበለ ኣብ ገዛእ መሬቱ ብፍርሕን ብራዕድን ይነብር ኣሎ። ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ስለዘየለ፡ ብዝሒ ኣብያተ ማእሰርትን እሱራትን ብርግጽ ኣይፍለጥን’ዩ። ይኹን እምበር፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እንተላይ ኣብ ሰብ ክነብሮ ዘይክእል ክቱር ሙቆትን ዛሕልን፡ ኣብ ጎዳጉድን ኮንተይነራትን ብዘይ መባእታዊ መሳለጥያ፡ ብዘይ ገበንን ብዘይ ፍርድን ንዓመታት ተኣሲሮም ይሳቀዩ ከምዘለዉ ይፍለጥ። ኣብ ኤርትራ፡ ዝእሰር ሰብ፡ ምኽንያት መእሰሪኡ ክግለጸሉ፡ ንጉዳዩ ዝማጎተሉ ጠበቃ ክምዘዘሉ፡ ፍርዲ ክወሃቦ፡ ብስድራቤቱን ፈተወቱን ክብጻሕ፡ መግብን ክዳንን ብግዳም ክኣትዎ፡ መቅርቡ ዝተኣስረሉ ቦታ ክሕበሩ ዝብሉ መሰላት የብሉን። ኣብ ኤርትራ፡ ብትካላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ፡ ተጨውዮም ምስተወስዱ ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ኣሽሓት’ዮም። ስድራቤቶም ድማ ድሃይ ደቆም ንሰበስልጣን ህግደፍ ክሓቱ ስለዘይፍቀደሎም፡ ዕድለኛታት እንተኾይኖም፡ “ወድኹም ወይ ጓልኩም ሞይቱ” ዝብል መርድእ ክረኽቡን ሬሳ ውላዶም ክወሃቡን ጥራሕ’ዮም ተስፋ ዝገብሩ።

ሃገርን ህዝብን ከገልግል ሓደራ ዝተነብረሉ በዓል ስልጣን፡ ብእሩም ጠባያትን ጽፉፍ ኣሰራርሓን ኣርኣያ ክኸውን ይግባእ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ዝተዋህቦ መዝነት ንውልቃዊ ረብሓታቱን መኻዕበቲ ሃብቱን ዝጥቀመሉን ጽዩፍ ተገባራት ዝፍጽም እንተኾይኑን፡ ብሕጊ ክቅጻዕ ካብ ሓላፍነቱ ክባረር ንቡር’ዩ። ኣብ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ካብ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ጀሚርካ ብብልሽውና ዝተቆማጥዑ፡ ህዝቢ ኤርትራን ስዉኣትን ዝሃቦም ሕድሪ ጠሊሞም፡ ምዕንዳር መዓልታውን ልሙድን ስርሖም’ዩ። ንኣብነት ምዝማው፡ ትዕቢት፡ ምስካር፡ ንብረት ህዝቢ ንግላዊ ረብሓኻ ምውዓል፡ ስልጣንካ ተጠቂምካ ዘሕጋዊ ኣሰራርሓ ምዝውታር፡ ገለ ካብቲ ብሰበስልጣን ኤርትራ ከም ልሙድ ገኒኑ ዝርአ ኣሰራርሓ’ዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተሃኒጹ ዝብሃል ሓጽብታት፡ ደቂ ዓዲ መሬቶም ምምንጣሎም ከይኣክል፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን መሰልተምን ስርዓት ህግደፍ’ዮም ብናጻ ጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣሕምልትን ፍረታትን ዘፍርዩሉን ካዕበት ገንዘብ ዝግሕጥሉን። ናይ መዓርግ ጀነራል ተሰኪሙ ዘሎ ብጥልመት መቃልስቱ ዝልልለን ስስዑን ተኽላይ ሃብተስላሴ ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዘሎ ስቡሕ መሬት ካብ ሓረስቶት ዝመንጠሎ ቃጽዖታት ከምዝውንንን፡ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኣብ መዕለቢ ነፈርቲ ኣብ ምንቃጽ ቀይሕ በርበረ ናይ ጀነራል ተኽላይ ከምዝዋፈሩን ዝተዓዘበ ህዝቢ ኣስመራ፡ ንጀነራል ተኽላይ፡ “ካብ ኣዛዚ ሰራዊት ናብ ሃብታም ነጋዳይ” ዝብል ቅጽል ስም ሂብዎ ኣሎ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ብመስተ ተኻኢሎምን ብጽጋብ ተሰርኒቆምን ኣብ ርእሲ ሓዳር ደቂልካ ምውላድን ኣብ ለይታዊ ትልሂት ሽጉጥካ መዚዝካ ሰባት ምፍርራሕን ምዝላፍን ልሙድ’ዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ብዘይካ ውልቀመላኺ ኢሳያስን ሒደት ጸሓፍቱን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንታይ መዓላ ውዒሉ ዝፈልጦን ዝዋሳኣሉን ሃገራዊ ይኹን ዞባዊ ባጀት የለን። ንብሕታዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ብምእጋድ፡ ብዝተፈላለየ ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝገሓጥ ሚልዮናት ገንዘብን ዝጥረ ንብረትን ኣበይ ሃሊኹ፡ መኽሰባቱን ክሳራታቱን ኢሳያስን ሓጎስ ክሻን ጥራሕ’ዮም ዝፈልጡ። ኣብ ኤርትራ፡ ናይ ወጻኢ ቁጠባውን ወተሃደራውን ትካላት ዝካየድ ንጥፈታትን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ሕቡእ’ዩ። ንኣብነት ጸላም ከደኖን ብምስጢርን ካብ ኤርትራ ብትካላት ወጻኢ ተዃዒቱ ብነፈርትን መራኽብን ዝግዕዝ ዘሎ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ካዝናታት ኢሳያስን ልሓስቲ ጫምኡን ‘ዩ ዝኣቱ። ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከይፈለጠ፡ መሬቱን ባሕሩን ወተሃደራት ስዑድ ዓረብያ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ግብጽን፡ ክዕንድሩሉ ከፍቅድ እንከሎ ገበን’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ መዋእል ህግደፍ ግን ልሙድ’ዩ። ነቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብኢደዋኒኑ ኣብ ግዝኣት ኤርትራ ህላወ ናይ ባዕዲ ወተሃደራትን መደበራትን ምፍቃዱ ዝተዓዘቡ ገለ ጉሁያት ኤርትራውያን፡ “ይኽደነንና፡ ኣዕጽምቲ ስውኣትና ናይ ስዑድ ዓረብያን ሕቡራት ኢማራትን ዓረብን ዜግነት ከይውሃቦ” ክብሉ እንከለዉ ኣይተጋገዩን፡ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስናን ድሕሪ ናጽነትን ምእንቲ ህዝቦም ዝተሰውኡን ሕግን ንፍትሕን ክነግስ ኣፎም ዝኸፈቱ ብህግደፍ ዝተቀንጸሉ ዜጋታት ዝተቀብሩሉን ደሞም ዝፈሶሶን መሬትን ማያትን ኤርትራ፡ መዕንደርን ንባዕዳውያን ዝተሓዝአን ስለዝኾነ፡ ኣዕጽምቲ ስውኣትና ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ፡ ዘዝጎበዘ መንእሰይ፡ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽም ናብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ክኽይድ፡ ካብ ትምህርቲ፡ መርዓን ደርዓን፡ ንቡር ህይወት ተሰናኺሉን ካብ ሕብረተሰብ ተነጺሉን፡ ብረት ተሓንጊጡ ንዓመታት ኣብ በረኻ ተጠጨውዩ ክነብር’ዩ ተፈሪዱ። እቲ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዱ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ፡ 12 ክፍሊ ዝበጽሐ እንተኾይኑ፡ ኣብ ሓደ ስድራቤት ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ መንእሰያት እንተልዮም ብምሉኦም’ዮም ገዝኦም ዝገድፉ።  መሳኪን ወለዲ፡ “ኣቀዲምኩም ዝወሰድኩሞም ደቅና ከይተመልሱ ቤትና ዓጺና ኣይንኸይድን ኢና” ኢሎም እንተኣብዮምን እንተሓኪሎምን፡ ብወተሃደራት’ዮም ዝህደኑን ዝከላበቱን። ኣብ ገዛ ብዘይ ጠዋሪ ዝተርፉ ቆልዑን ወለድን፡ ይሕመሙ፡ ይጥመዩ ቁሊሕ ዝብሎም የለን። ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ፍትሒ ስኢኖም ዝፈትውዋ ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ከምርሑን ኣብ ጉዕዞኦም ግደ ማእሰርቲ፡ ሞትን ዕዳን ክኾኑን፡ መዓልታዊ ዜና ኮይኑ’ሎ። እቲ ካብ ኩሉ ዘሰቅቅን ዘሕዝንን ግን፡ እቶም ብዓቅሊ ጽበት እግሮም ናብ ዝመርሖም ክጓዓዙ እንከለዉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ምድረበዳ ሳህራን ዶብ ኤርትራ ክሰግሩን ዝተቀዝፉ ዜጋታት፡ ገና ኣብ ትሕቲ መሬት እንከለዉ ብኽድዓት ክኽሰሱን ብህይወት ዘለዉ ስድራቤቶምን ደቆምን፡ ኣብ ዝተወልዱሉ ዓዲ ወይ ከተማ ጤሳን ዝሕረስ መሬትን ምሕራሞም’ዩ። ወጽዓ ስድራቤታት ናይቶም ኣብ ጉዕዞ ስደት ህይወቶም ዝሰኣኑን ኣብ ትሕቲ ኢድ ነጋዶ ሰብ ዘለዉን ኤርትራውያን፡ ኣብ ምኽልካል ዝሕረስ መሬትን ጤሳን ዘብቅዕ ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ ምስ ምዉታት ብምትህልላኽ፡ መንበሪ ገዛን ንግዳዊ ትካላትን ናይ ህሉዋት ይዕሽግን ይወርስን፡ ሰባት ይሞቁሕ፡ ካብ ስራሕ የባርር፡ ብገንዘብ ይቀጽዕን መንነት ይሓክኽን። ኣብ ኤርትራ፡ ሰብ ዘለዎ ኣራፊዱ ሞተ ከምዝብሃል፡ ገንዘብን ፈላጥን ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ መሬት ጥራይ ዘይ ኮነ ተረይሑ ዝነብር፡ ናብ ወርሒ ክጓዕዝ’ውን ጸገም የብሉን’ዩ ዝብሃል። ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ሕጊ ስለዘየለ ብሕጊ መሰልካን ወጽዓኻን ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ዝሰምዓካ’ውን ኣይትረክብን፡፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ እቲ ልሙድ ኣሰራርሓ፡ ጥርዓንካ ናብ ምምሕዳር፡ ፖሊስን ቤት ፍርድን ምቅራብ ትርጉም ስለዘይብሉ፡ ዝኾነ ጉዳይ ከተሳልጥ፡ “ትፈልጦ ሰብ ኣለካ’ዶ?” ዝብል ሕቶ’ዩ ዝቀርበልካ። ኣብ ብልሹው ምምሕዳር ስርዓት ህግደፍ፡ ትፈልጦ ሰብን ገንዘብን እንተዘይብልካ ምስ ቅንዕናኻን ጸገምካን ተደርቢኻ ማለት’ዩ። እቲ ቀዳድ ጁባ ዘላቶን በዓል ስልጣን ዘመድ ዘይብሉን ምስኪናይ ኤርትራዊ፡ ካብ ምንጋጋ ስርዓት ህግደፍ ክሃድም፡ ገንዘብ ተለቂሑን ብሕቡእ ንመዓልታት ብእግሪ ተጓዒዙን ጸበባ ሓሊፉን ዶብ ኤርትራ ክሰግር እንከሎ፡ ዕድሉ ዘይጸበቀ ድማ ኣብ ኩሉ ከይበጽሐ ብሓለዋ ዶብ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ይዳጎን፡ ንሓደ ሰብ ብውሕዱ 25 ሽሕ ናቅፋ ዝዋሓሶ እንተረኺቡ ካብ ማእሰርቲ ይወጽእ ወይ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ይበሊ ማለትዩ። እቲ ዶብ ክሰገር ዝተሓዝ ሰብ፡ ኣገልግሎት ይመልከቶ ኣይመልከቶ ብዘየገድስ፡ እግሪ ዘይተኸሉ ህጻናት ከይተረፉ’ዮም ኣሽሓት ገንዘብ ክኸፍሉ ዝግደዱ። እቲ ገንዘብ ናበይ ይኣቱ፡ በየናይ ዓንቀጽን ሕግን ትቅጻዕ ኣለኻ፡ ቅብሊት ኣሽሓት ጥረ ገንዘብ ከምዝኸፈልካ ዝብሃሉ ጉዳያት ቦታ የብሎምን። ብኣንጻሩ፡ ደቂ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ጀነራላትን ሃብታማትን ግን ሽለብ ገለብ ከይበሉ፡ ብመዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ወይ ብላንድኩረዘር ኣብ ዝደለይዎ ቦታ ይበጽሑ። ኣብ ሕብረተሰብና፡ ገለን ብማይ ገለን ስኣን ማይ ዝብልኹም ድማ እዚ ምስተረኽበ’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ዝበዝሐ ክፋል ህዝብና ብጥሜት ሓለንጊ እናተገርፈን መሰሉ እናተረግጸን ይነብር ስለዘሎ ኤርትራ ስኦል ክትከውን እንከላ፡ ንኻልኦት ውሑዳት ድማ ገነትን ሞንተ ካርሎን’ያ። ኣብ ኤርትራ፡ ዘይልሙድ ክንሱ ከምልሙድ ተውሲዱ ሕሰም ህዝብና ዘኽርርን ክብርታቱ ዝፍሕቁን ተርእዮታት ክስዕርር ቀዳማይ ተሓታቲ ስርዓት ህግደፍ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ዘይልሙድ ልሙድ ክኸውን ተሓባበርቲ ስርዓት ህግደፍ ከምዘለው ግን ክዝንጋዕ የብሉን።

     ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 10 ለካቲት 2018

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde February 11, 2018

    It is an exquisite mural painting of a nation in 15 shades of gray which depicts extreme repression,grief,melancholy,hypocrisy,betrayal,nepotism……the people have forgotten what normal feels like,it has been a while. Tsilal keep on painting,one sunny day your collection will be displayed in free Eritrea where expression will be like the blink of an eye- spontaneous!

POST A COMMENT