Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኤርትራ ይእወ’ሎ፡ ህይወትን ሃገርን ዘድሕን ይድለ’ሎ

ኣብ ኤርትራ ይእወ’ሎ፡ ህይወትን ሃገርን ዘድሕን ይድለ’ሎ “ብዘይ ሃገር ክብረት የለን፡ ብዕራይ ዘይብሉ ሰብ ሓሓሊፉ ይዕሰብ” ክብሃል እንከሎ፡ ኣብ ውሽጡ ረዚን ትርጉም ዝሓዘለ እምበር ከም ተራ ዘረባ ዝውሰድ ኣይኮነን። ሓረስታይ ጽምዲ ብዕራይ ዘይብሉ እንተኾይኑ፡ ኣብ እዋል

ኣብ ኤርትራ ይእወ’ሎ፡ ህይወትን ሃገርን ዘድሕን ይድለ’ሎ

“ብዘይ ሃገር ክብረት የለን፡ ብዕራይ ዘይብሉ ሰብ ሓሓሊፉ ይዕሰብ” ክብሃል እንከሎ፡ ኣብ ውሽጡ ረዚን ትርጉም ዝሓዘለ እምበር ከም ተራ ዘረባ ዝውሰድ ኣይኮነን። ሓረስታይ ጽምዲ ብዕራይ ዘይብሉ እንተኾይኑ፡ ኣብ እዋል ትኸል ንቀል ግራቱ ክሓርስን ኣብ ቀውዒ ምህርቲ ክሓፍስን ኣይክእልን’ዩ። ብሓጺሩ ድሕሪ ሰብ ይተርፍን ካብ ድኽነት ኣይገላገልን። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ሰብ ክዕሰብን ጉልበቱ ኽሰይጥን ይግደድ። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ህዝቢ ሃገር ኣልቦ እንተኾይኑ፡ “ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ዓዶም ልቀቀሎም” እናተባህለ ክብረት ዘይብሉ ህይወት የሕልፍን መንነቱን ክብሩን የጥፍእን። ኤርትራውያን ልዕሊ ሰብና ንመሰልናን ንልኡላውነትናን ከቢድ መስዋእቲ ከፊልና’ኳ እንተኾና፡ በዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ግን ሃገር ዘይብልና (Stateless) ከይንኸውን ዘፍርሕ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ሓልዮትን ሓላፍነትን ከምዘይብሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ብተግባር ኣነጺርዎ’ዩ። ብዓይኒ ህግደፍ፡ ኤርትራዊ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እንተጠሓለ፡ ቀለብ ዓሳ እንተኾነ፡ ኣብ ምድረበዳ ብጽምኢ እንተነቀጸ፡ ብነጋዶ ሰብ እንተተሓርደ፡ ብኣራዊት እንተተበልዐ፡ ኣሕዋትና እንተተዓመጻ፡ ናብ ስደት እንተተበታተነ፡ መጻኢ ወለዶ እንተጸነተ፡ ብድኽነትን ሕማምን እንተሃለቀ፡ መሬትና እንተባደመ፡ ኣብ ዓዲ ጓና ንሕሰም እንተተቃልዐ ከም ሓላልን ጽቡቅን’ዩ ዝውሰድ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ እቲ ንዓመታት ብሕቡእ ክጥጅኦን ክሓልሞን ዝጸንሐ ክብርናን መንነትናን ዘህስስ ኣረሜናዊ ውጥን፡ ኣብ ሓምለ 2018 ዝያዳ ኣግሂድዎን ብጉልባብ ሰላምን ክልተኣዊ ጉርብትናን ኣብ ተግባር የውዕሎ ኣሎ።

ኤርትራውያን፡ ብዘይ እውጅ ኩናት፡ መዓልታዊ፡ ዓድታትናን ንብረትናን ገዲፍና ናብ ኢትዮጵያን ኤውሮጳን ንበታተን ኣለና። ዓድታትና፡ ዑናን ሰብ ኣልቦን ይኸውን ኣሎ። እዞም ሎሚ ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ዘለው ዜጋታትና፡ ንህግደፍ ገበን ክፍጽምን ኣብ ስልጣን ክቅጽልን ዕድል እንተሂብናዮን፡ ከምቶም ኣብ 60ታት 70ታት 80ታት ብዘይ መላስ ኣውያት በብዝኸድዎ ክጠፍኡ ኢዮም። ኩሉ ኤርትራዊ “ንሰማእታት የኽብር’የ፡ ብመጻኢ ወለዶ ይቁርቆር’የ፡ ብዘይ ሃገር ክነብር ኣይደልን’የ” ዝብል ዜጋ፡ ኤርትራ ካብ ጥፍኣት ንምድሓን፡ መቃብር ስዉኣትና ከይርገጽን ከይፍሓርን ዝሓሊ  እንተኾይኑ ሓንትን ውዓል ሕደር ዘይተድልያን ምርጫ’ያ ዘላቶ። ነቲ ንጥፍኣትና ዝሰርሕን ከይደቀሰን ዝሓድርን ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ “ይኣኽለካ ካብ እንግዳዓና ወረድ” ኢልካ ምብድሁ ኢዩ። እዛ ጠላም ዓለም ምስ ረብሓኣ እምበር ንፍትሒ ጠጠው ከምዘይትብል ብኣካል ንዕዘባ ኣለና። ዶሮ’ኳ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ገበናት እናፈጸመ እንከሎ፡ እቲ ብረብሐን ጥራይ ዘቀድማ ሃገራት ዝቆመ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኤርትራ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ክትከውን ምምራጹ፡ ጭቡጥ መርኣያ ጥልመት ማሕበረ ሰብ ዓለም’ዩ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ብምጽናት ሰብን ኣዕናዊ ተግባራቱን፡ ሓደ ዘይኮነ ብ100 ገበን ክኽሰስን ኣብ ፍርዲ ክቀርብን’ዩ ዝግብኦ። እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ክውንነት፡ ንሕና ንመሰልና ከይተሰዋእናን ከይሰመርናን፡ ኣጆኹም ዝብለና ኣይክህሉን’ዩ።

ሎሚ፡ ደጋፊ ወይ ተቃዋሚ መንግስቲ፡ ጀብሃ ሻዕብያ፡ ተጋዳላይ ገባር፡ ኣስላማይ ክርስትያን፡ ኣውራጃ ቀቢላ፡ እናበልና ንካሰሰሉን ወርቃዊ ግዜና ብቆዮቋ ነባኽነሉን እዋን ኣይኮነን። ምፍልላይ መመንጨዊ ሓደስቲ ሓሳባትን ሃብትን’ኳ እንተኾነ፡ ብምጽውዋርን ብውሕልነትን እንተዘይጸቢቡ ግን ናብ ዕንወት’ዩ ዘምርሕ፡፡ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ምፍልላይ ድማ ንስርዓት ህግደፍ ዓቢ መኽሰብን ዓወትን’ዩ። መላኺ ኢሳያስ፡ “ኤርትራ፡ መሬታን ባሕራን እምበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ዝብል ናይ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ዝኣረገ ሕልሚ የተግብር ከምዘሎ ክስቆረና ይግብኦ። ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ መጽናዕቲ ብሃውሪ ምስተኸፍተ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ልዕሊ 9 ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ምስጋሮም፡ ብሃገሩ ንዝሓስብ ሰብ፡ ድቃስ ዝህብ ኣይኮነን። እቶም ውዕል ሰላም ተኸቲሙ እናተባህለ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ዘለዉ ዜጋታትና፡ ህይወት ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ስለዝመረሮምን ተስፋ ስለዝሰኣኑሉን እምበር ክሓልፈሎም ኢሎም ናብ ትግራይ ከምዘይሰገሩን ኣብ ዝኾነ መሳለጥያ ዘይብሉ ዳሳት ክነብሩ መደቦም ከምዘይኮነን ንጹር’ዩ። ካብቶም ምውቅቲ ቤቶም ራሕሪሖም በብእዋኑ ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለው፡ ኣሓትናን ሕዋትናን፡ ውግኣት ሓርነት፡ ደቂ ስዉኣት፡ ስድራ ስዉኣት፡ ሱር ዝሰደደ ሕማም ዘለዎምን ናጽላታት ቆልዑን፡ ብሕማምን ብዕርቃን ክሳቀዩን ኣብ ጽርግያ ቀንፈዞው ክብሉን ክትዕዘብ፡ ብዘይካ ንኢሳያስን ሒደት ስዓብቱን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዕረ ከምዝጥዕሞ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብ ሕብረተሰብና፡ መቅርብካን ጎረቤትካን እናተሳቀየን ኣብ ባርዕ ሓዊ እናተለብለበን እንከሎ፡ ክትዕመትን ጸማም እዝኒ ክትህቦን ኤርትራዊ ባህሊ ኣይኮነን።

ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንህቢ ዘይብሉ ቆፎ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣብ ገጠራት፡ እቲ ንሕብረተሰብ ከም ሞተር ኮይኑ ዘንቀሳቅስ መንእሰይ፡ ናብ ስደት ዝለዝተዓዝረ፡ ኣብ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ውትህድርና ስለዝተታሕዘን ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ንዓመታት ስለዝተዳጎነን፡ ሕጽረት ዓያዪ ጉልበት ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕመም ናብ ሕክምና ዝጸውር፡ ዝሞተ ዝቀብርን ጎዶቦ ዓዲ ከይዱ ዘእውን ዓቅሚ ዘለዎ ሰብ ንምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ’ሎ። ልዕሊ ኩሉ ዘተሓሳስብ፡ ተካኢ ወለዶ ናብ ስደት ይጠፍእ፡ ካብ ሃገሩን ባህሉን ታሪኹን ተነጺሉ ይዓቢ ስለዘሎን ሃገራዊ ስምዒትን ሓቦን ክስምዖ ዘበት’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ሃገርና ከድሕን ዓቢ ተስፋ ተነቢሩሉ ዘሎ፡ እቲ ተሰካሚ ሕሰምን ድኽነትን ኮይኑ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ’ዩ። ተራ ወተሃደር ግን ብዘይ ጠርናፊ ቁምነገር ክሰርሕ ኣይክእልን’ዩ። ኣዘዝቲ ሰራዊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ሰብ መዚ ጸጥታን ምሁራትን ኤርትራ፡ ልዕሊ ዝኾነ ተራ ኤርትራዊ ዕድመን ስልጣንን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምሕጻርን ቃንዛ ህዝብና ንኸብቅዕ መሪሕ ተራ ምጽዋትን፡ ሞራላዊ ሓላፍነት ኣለዎም። ብፍላይ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ከምቲ ንገዚፍ ሰራዊት ኢትዮጵያን ምስ ደገፍቱ ሓያላን ሃገራትን ብጽንዓትን ተወፋይነትን ኣላሽ ዘበልካን ቅያ ዝፈጸምካን ክንስኻ፡ ነቲ ናብ መጻኢ ወለዶ ከተረክቦ ዝግባእ ቅያን ታሪኽን ክመራሳሕን ነበር ክኸውንን እንከሎ፡ ብስቅታ ክትሓልፎ ኣይግባእን’ዩ። ኣደራዕ ስርዓት ህግደፍ ዝወርዶን ኣብ ስደት ተበታቲኑ ዘሎን ኤርትራዊ፡ መንዳዓት ህዝብና ክትጸርግ ሕጂ’ውን ብዓቢ ተስፋን ብሃንቀውታን’ዩ ዝጽንበየካ ዘሎ። ኣንቱም ኣብ ክሊ ኢሳያስ ዓሲልኩም እንተ ብጥቅሚ እንተስ ሓሞትኩም ፈሲሱ፡ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ህዝብኹም ተንብዑ፡ ሃገርኩም እናባደመት ብስቅታ ትዕዘቡን ቃላት ህግደፍ ትደግሙ ዘለኹምን ኣስሓኮ ግበሩን ምስ ነብስኹም ተመራመሩን። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንዘልኣለም ዝነብር ኣይኮነን። ነበር ምስኮነ፡ መታርፍትኹም ህዝቢ ኤርትራን ሓመድ ዓድኹምን እምበር ምስቲ ጥሑን ስንቁን ሃብቲ ኤርትራ ዘሚቱን ዘሎ ኢሳያስ ከምዘይከውን ፍሉጥ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ከም ርኳን ኣብ ዝኾነ እዋን ከምዝጉሕፈኩም ተረድኡ። ምስኮነ “ዋይ ኣነ” ኢልካ ምጥዓስ ናይ ሰነፍን በለጽን እምበር ናይ ተባዓትን ሓላይ ሃገርን ኣይኮነን።

ህዝብና፡ ብስደትን ማእሰርትን ክጸንት እንከሎ፡ ጓኖት ግን በጻሕቲ ሃገር፡ ነጋዶ፡ ክኢላታትን ሰብ ሞያን እናተባህሉ፡ መሬትና፡ ክብርናን ሃብትናን ክውንንዎ’ዮም። ኤርትራዊ ድማ ዘኽታምን ጽግዕተኛን ክኸውን፡ ብወጻእተኛታት ሰጥ ለበጥ በል ክበሃልን’ዩ። እዚ ጉዳይ’ዚ ሱር ከይሰደደ ንሕና ባዕልና ብህጹጽ መግትኢ እንተዘይገርናሉ፡ ኤርትራውያን ብህይወትና እንከሎና ከምዝተቀበርና ኢና ንቆጸር። እዞም ሕጂ “ዋላ ትንፈር እምበር ጤል’ያ” ኢልኩም ህግደፍ ወይ ሞት ትብሉ ዘለኹም የዋሃት ኤርትራውያን፡ ዝበዝሐ ወገንኩም ሃገሩ እንተገዲፉን ርስቲ ዓደቦኹም ንወጻእተኛታት እንተተሸይጡን ኣብ ኢድ ውሑዳት እንተወዲቁን፡ ንስኹም’ውን ብዘይ መሬት ቀሲንኩም ትሓድሩ ከይመስለኩም። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕርን ምድረበዳ ሳህራን ዝተራእየ ዘስካሕክሕ ስቃይን ህልቂትን ኤርትራውያን ከይኣክል፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሓምለ 2018፡ ግሉጽነት ዝጎደሎ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ምፍራሙ፡ ኣብ ሊብያ፡ ዝሕረድ፡ ኣብ ሃልሃልታ ሓዊ ዝልብለብን ከም ጥሪት ዝሽየጥን፡ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታትን ፎቆዶ ጽርግያን ናብ ለማናይ ተቀይሩ ቋሕመም ዝብል ዘሎ ወገንኩም ክትድንግጹሉን ኣያ ክትኮንዎን ይግብኣኩም። ሎሚ ምስዚ ሃገርን ህዝብን ዘዕኑ ዘሎን ምቅባሩ ዘይተርፎን ስርዓት ህግደፍ ምውጋን ክልተ ገበን’ዩ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ “መሬትና ብኢትዮጵያ ተጎቢጡ ስለዘሎ፡ ዶብና ስለዘይተሓንጸጸን እገዳ ከይተላዕለን” ብዝብል ምስምስ፡ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዘይ ውዓል ሕደር ክፍጸምን ክተኣታቶን ዝግብኦ፡ ጉዳይ ልዕልና ሕጊ፡ መሰል ብናጻ ሓሳብካ ምግላጽን እምነትን፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል፡ ምምስራት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ምስፋን ሰላምን ዕርቅን፡ ክትንክፎ ኣይደለየን። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ከምቲ፡ “ጸርፊ’ሞ ዝገደፍና የብልናን እንተ እተን ኣሓ’ሞ ተዘሚተን’የን” ዝተባህለ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ መንነትናን ልኡላውነትናን እንታይ ዓይነት ዕንወትን ጥልመትን ይፍጽም ኣሎ፡ ምዝርዛርን ምልፍላፍን ኣየድልየናን’ዩ። ካብ ተግባር ዘይሓልፍ መረረናን ጓሂናን፡ ንኣዕናዊ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ጠጠው ከብሎ ኣይክኣለን። ኤርትራ ርኢና ከይንስእናን ህዝባ ዓራርቦ ጸሓይ ከየርክቦን፡ ናይ ምድሓና ሓላፍነት ክንወስድ ኣለና። ብግርህናን ዕዉር እምነትናን፡ ንመንሽሮ ሕብረተሰብን ክብርና ቀንጢጥዎ ዘሎን ቀዳማይ ጸላኢ ህዝብናን ንሒፍናዮ ክንመውት ኣይግባእን። ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኣብ ስደት፡ ኣብ ስቃይ ዝነብርን ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ተዓፊኒ ዘሎ ህዝብናን፡ ረዳኢ ክረክብ ዓው ኢሉ ኣውያቱ የስምዕ ኣሎ። ኣውያቱ ድማ ድሕነት ሃገርን መስተርሆትን ክረክብ እምበር፡ መርድእ ሞት ወይ ብህግደፍ ክቅበር ኣይኮነን። ኤርትራውያን ኣብ ዝሃለና ንሃሉ፡ ፍልልያትና ኣጽቢብናን ሰሚርናን፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘካይዶ ዘሎ ዘይእዉጅ ኩናት ንምግታእን ሃገር ንምድሓንን፡ ቀዳምነትና ይኹን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 30 ጥቅምቲ 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde October 31, 2018

    The wailing is so deafening it is keeping us awake all night,something is got to give.If we can’t come together at this critical point and time to save our people and nation,we have nothing in common,period!! Thanks Tsilal for your relentless effort.

  • Wedi Hagher October 31, 2018

    “ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ሃገርና ከድሕን ዓቢ ተስፋ ተነቢሩሉ ዘሎ፡ እቲ ተሰካሚ ሕሰምን ድኽነትን ኮይኑ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ’ዩ። ተራ ወተሃደር ግን ብዘይ ጠርናፊ ቁምነገር ክሰርሕ ኣይክእልን’ዩ። ኣዘዝቲ ሰራዊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ሰብ መዚ ጸጥታን ምሁራትን ኤርትራ፡ ልዕሊ ዝኾነ ተራ ኤርትራዊ ዕድመን ስልጣንን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምሕጻርን ቃንዛ ህዝብና ንኸብቅዕ መሪሕ ተራ ምጽዋትን፡ ሞራላዊ ሓላፍነት ኣለዎም።”

    —–

    1. ኣዘዝቲ ሰራዊ
    2. ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ
    3. ሰብ መዚ ጸጥታን …

    These three groups above are led by people who have no interest in any change.
    They have killed a lot of people, looted the country and enslaved an entire young generation …
    They will do everything to remain in power, to avoid accountability and loosing privileges they enjoy under Higdef.
    Any change led by these people is not going to be genuine. It may lead to more complicated problems.

  • JOMMY November 1, 2018

    Really SAD ! SAD! ONE INDIVIDUAL non Eritrean blood sucker Ethiopia spy single handedly has destroyed killed imprisoned tortured and now is Giving the country in silver plate, and still there are some Eritreans who support this spy. ERITREA AND ITS PEOPLE are in the brick of extinction and there are some people who cant see that we are being destroyed as people .SAD!SAD!SAD!

Post a Reply to JOMMY Cancel Reply