Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ እስራኤል ዝርክቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ስነጥበባውያን ክካየድ ተመዲቡ ንዝነበረ ምርኢት ደው ከምዘበሉዎ ገሊጾም።

ኣብ እስራኤል ዝርክቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብጉልባብ ‘ቢዝነስ’ ብደገፍቲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ስነጥበባውያን፡ ኣኽሊሉ ፎቶ (ተፈኖን) ሙልጌታ በይን (ወዲ ዛግርን) ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓስ ኣካይድካ፡ ነቲ ገስጋስ ከርኢ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መንእሰያት ንምግታእ ክካየድ ተመዲቡ ንዝነበረ

ኣብ እስራኤል ዝርክቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብጉልባብ ‘ቢዝነስ’ ብደገፍቲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ስነጥበባውያን፡ ኣኽሊሉ ፎቶ (ተፈኖን) ሙልጌታ በይን (ወዲ ዛግርን) ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓስ ኣካይድካ፡ ነቲ ገስጋስ ከርኢ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መንእሰያት ንምግታእ ክካየድ ተመዲቡ ንዝነበረ ባህላዊ ምርኢት ብተቓውሞን ምክትታልን ደው ከምዘበሉዎ ገሊጾም።
እቶም ካብ ሰሜን ኣመሪካ ብህግደፍ ተዓዲሞም ናብ እስራኤል ዝኸዱ ስነጥበባውያን፡ ሎሚ 30 ታሕሳስ ካብ ሰዓት 8 ምሸት ጀሚሮም ኣብ ተልኣቪቭ ምርኢት ከቕርቡ ኳ መደብ እንተሓዙ፡ ኣስታት 130 ተቓወምቲ መንእሰያት ቲኬት ብምግዛእ፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ኣፍደገ ናይ’ቲ ዝተኻረዩዎ ኣፍደገ ባይታ ሒዞም ክሳብ ሰዓት 10፡30 ብምክትታል፡ እቲ መደብ ኣብቲ ተሓሲቡሉ ዝነበረ ቦታ ካብ ምክያድ ከምዝዓገቱዎ ኣረዲኦም።
ንሳቶም፡ ኣብዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣሕዋቶምን መዛኑኦምን ቀቢሮም፡ ሞት ሰጊሮም ዝበጽሑዎ ሃገር ዑቕባ፡ ልኡኻት ናይቲ ካብ ኤርትራ ዘባረሮም ጨካን ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም ከሳዕስዑዎም ምህቃኖም ንዕቀት ኤርትራዊ ህይወትን ደምን ምዃኑ፡ ነቶም ብቕንያቱ ክከታተሉዎም ዝቐነዩ ደረፍቲ ኣቐዲሞም መልእኽቲ ከምዘብጽሑሎም፡ ነዚ ቃል’ዚ ሰጊሮም ትእዛዝ ናይቲ ስርዓት ዝፍጽሙ እንተኾይኖም ግን፡ ተሰከምቲ ሓላፍነት ዝወርዶም ሳዕቤናት ንሳቶም እቶም ደረፍቲ ባዕላቶም ምዃኖም ከምዘጠንቀቑዎም ‘ውን ኣገንዚቦም።
እቶም ‘ከምዚ ዝዓይነቱ ፕሮፖጋንዳዊ ዳንኬራ ህግደፍ ክካየድ ኣይነፍቅድን ኢና’ ኢሎም ብሓባር ዝተላዕሉ መንእሰያት ገሊኦም 60-70 ኪሎሜተር ተጓዒዞም ናብ ቴልኣቪቭ ከምዝመጽኡ እቶም ምንጭታት ኣብሪሆም።
ብዙሓት ካብቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብውዕዉዕ ሰልፍታትን ዝተፈላለየ ካልእ መንገድታትን ብግህዶ ክቃወሙዎ ዝተዓዘበን ዝሰምበደን ስርዓት ህግደፍ፡ ነቶም መንእሰያት ብብደርፍን ሳዕስዒትን ስሒቡን ከፋፊሉን፡ ንፖለቲካዊ ምንቅስቓሶም ከዳኽም ከም ሜላ ሒዙ ክሰርሓሉ ከምዝወረሐ እቶም መንእሰያት ብተወሳኺ የገንዝቡ።
ነዚ እኩይ ዕላማ’ዚ ንምስልሳል፡ ፈለማ ዳዊት ሽለን ዝተባህለ ደራፋይ ካብ ኤርትራ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ፡ ነቶም ድሕሪ ኽንደይ ዕጥይጥይ ናብቲ ስርዓት ዝተምበርከኹ ወዲ ዛግርን ተፈኖን ብዝተፈላለየ ጉልባባት ናብ እስራኤል ከምዝዓደሙዎም፡ ኣብ ዝመጽእ ቅነ ‘ውን ጠዓመ ዝተባህለ ደራፋይ ከምጽኡ መዲቦም ከምዘለዉ ‘ውን ይሕብሩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • ተዓዛቢ December 30, 2011

    ጠዓመ ኣይጥዕመንን ኢልካ ገዛኻ ኮፍ በል ደኣ አዚ ሓወይ፤፤ ወረ ገና!

  • GHEZAI December 30, 2011

    Good good many more like this meneseyat ahwat unity is the answer for our feedom to democracy

  • GHEZAI December 30, 2011

    Good good many more like this meneseyat ahwat unity is the answer for our freedom to democracy smerrrrrrrrrrr

  • MEHRETU HABTE December 30, 2011

    ኣምሓርኛ ኣብ ኤርትራ ተኸልኪሉ ከሎ፣ ደገፍቲ/ሙታንታ ህግደፍ ፣ ምልክታ ብኣምሓርኛ ምልጣፎም ድኣ “ተወልጄ” ዶ ኣየብሎምን ???????????!!!ተወልጄ ነውሪ እዩ ማለት ኣይኮነን፣ ከም ዓስራይ ብሄር ክኽበር ዝግብኦ እዩ ። I am being silly.Because PFDJ does elementary stuff,to fool us, as it regards us ,as retarded cows. Apparently the new Eritrean generation is smart & wise ,unlike their father`s generation.

  • yasin December 30, 2011

    Thumbs Up brothers. Keep d good work.

  • Mike December 30, 2011

    Thank you Assena for the news. But there is more detail news is coming from Israel. Some of the supporters of Higdef and including the two – Singers ( wedi Zager and Tefeno ) have been beaten by some brave Eritreans before the event. Stay tuned …..

    Great Job Eritreans living in Israel !!

  • Amanuel ; birmingham December 31, 2011

    Assenna.

    you better find………… intervew them…………

    Thank you Assena for the news. But there is more detail news is coming from Israel. Some of the supporters of Higdef and including the two – Singers ( wedi Zager and Tefeno ) have been beaten by some brave Eritreans before the event. Stay tuned …..

  • Yemane Johar December 31, 2011

    Ab Israel zrkebu Meneseiat mestenkr hasare mekeran kulu aynet megrefte siq’ayn nay mdrebda Sinay halifom….Tefenon/Wedizagr ab ti gena zeyhaweye quslom chew higdef knsnuslom wq’yanos segirom bnq’et nab Israel …..Eti nedri zmeleleyu gbre-melsi dma ayegermenan!

  • Freeprisoners December 31, 2011

    እቲ ዘስሕቕን ግን ክኣ ዘጸይን ናይ ህግደፍ ንድፊ፤ እቲ ብ ኣምሓርኛ ዝወጸ ምልክታ ኢዩ። እንተውሓደ ኣብ እስራኤል ስለዘለው ቛንቋ እስራኤል እንተዝጥቐሙ ከማን መምሓረሎም።

    ኣምሓርኛስ እንታይ ኣምጽኦ፤ እዋይ እዋይ ኣብ ክንድኦም ሓፊረ። በቲ ኢትዮፕያ ከም’ዚ ገይራትና እንዳበልኩም መስሓቕ ኢትዮፕያውያንን ዓለማትን ገይርኩምና ክነስኹም፤ እቲ ቛንቋ ትግሪኛን ካልኦት ቕንቋታት ኤርትራን’ከ ናበይ ኣቢሉ በታ ቐታሊትና፤ ኢልኩም ትዝምሩላ ዘለኹም ናይ ኢትዮፕያ ቛንቋ ትጽሕፉን ትደርፉን ዘለኹም። ኣይትጽሓፉን ኣይትድረፉን ማለተይ ኣይኮንን፤ ግን ጸላኢትና ኢያ ኢልኩም ዘይኮንኩምን ትጉስጉሱ ዘለኩም፧ ዶስ ናብ ኢትዮፕያውያን ኢኹም ትደርፉ ዘለኹም፤ ንሕና ቕንቋ ኣምሓርኛ ኣይንሰምዕን ኢና!

  • Freeprisoners December 31, 2011

    ብኻልእ ጀጋኑ ኤርትራውያን ኣብ እስራእል ስምረት እቲ እንኮ ናይ ዓወት መስመር ኢዩ’ሞ ኣጆኹም፤ ሽግርና ብቓልሲናን ጽንዓትናን’ዩ ዝፍታሕ። ስለዝኾነ ክሳብ ናብ ልቦም ዝምለሱ ኣብ ኩሉ መዳያት ብትብዓት ክንገጥሞም ኣለና። ሰላም’ውን ቐሪቡ’ዩ። ኣጆኹም!

1 2 3

POST A COMMENT