Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ከባቢ ኣዲስኣበባ ዝተወልዐ ናዕቢ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ኦሮሞን ግጭት ከይውልዕ ስግኣት ፈጢሩ::

ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከባቢ ዓድታት ንምጽንባር ዝወጽአ መደብ ብምቅዋም ዝጀመረ ናዕቢ: ኣብ መንጎ ኣምሓራን ኦሮሞን ግጭት ከም ዝወልዐ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ገሊጹ:: ኣብ ወረዳ ኣመያ  ክልል ኦሮምያ ብታሕሳስ 12 ብዝተኻየደ ግጭት ብዙሓት ከምዝሞቱን

ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከባቢ ዓድታት ንምጽንባር ዝወጽአ መደብ ብምቅዋም ዝጀመረ ናዕቢ: ኣብ መንጎ ኣምሓራን ኦሮሞን ግጭት ከም ዝወልዐ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ገሊጹ:: ኣብ ወረዳ ኣመያ  ክልል ኦሮምያ ብታሕሳስ 12 ብዝተኻየደ ግጭት ብዙሓት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ኣባይቲ ከምተቓጸለን ተፈሊጡ::

ምክትል ሓላፊ ፈደራል ኮንግረስ ኦሮሞ በቀለ ገርባ እቲ ግጭት: መንግስቲ ንተቓውሞ ኦሮም ኣንፈቱ ንምስሓት ዘካየዶ ሸርሒ ከምዝኾነ ጠቒሱ: ብሓይልታት ጸጥታ 40 ሰባት ከም ዝተቐትሉሓቢሩ:: ሚኒስተር መራኸቢታት ጌታቸው ረዳ ድማ እቲ ብሰላም ዝጀመረ ተቓውሞ ብሕሉፋት ኦሮሞ ራዕዲ ንምፍጣር ናብ ግጭት ከም ዘምርሐ ብምምልካት: መንግስቲ ንምህዳኡ ኣድላይ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ::

ኣብቲ ከባቢ ብኔዘርላንድ ዝውነን ክልተ ቦታታት ሕርሻ ከምዝዓነወ ኤምባሲ እታ ሃገር ካብ ኣዲስኣበባ ገሊጹ:: በዚ ሰለስተ ቅነ ሒዙ ዘሎ ናዕቢ ዝሰግኡ ተቐማጦ ከባቢ ምዕራብ  ሸዋ ንብረቶም ጠርኒፎም ይሃድሙ ከምዘለው ምንጭታት ካብ እቲ ከባቢ ኣፍሊጦም::

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Elias December 23, 2015

    Oh,God!!!!!!85% of the comments are against Eritrea,why..Oh..God Assena team left it,and this shows you desperately…Oh GOD.You may hate president but Eritrea,

POST A COMMENT