Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ከብዲ፡ ጹጉብ ፡ዬለን ጡሙይ!!!

ኣብቲ ብስስዔ  ከቡዱ ዝመለኤ የለን ተጨነቐ፡ ፋሕ ብትን እንተለ፡ ዓዱ ተለቐቐ፡ ካብቲ ዝፈረዬ ስጋብ ዝደቐቐ፡          ኣይንታዩን  ዉጹዕ  ዝወረደ፡ረዶ፡          ውራዩ ኣይኮነን  ተዓዛቢ ማዕዶ፡          ዘሕርር  ዘጽንት ባዕሉ  ዝአጎዶ፡    

ኣብቲ ብስስዔ  ከቡዱ ዝመለኤ የለን ተጨነቐ፡
ፋሕ ብትን እንተለ፡ ዓዱ ተለቐቐ፡ ካብቲ ዝፈረዬ ስጋብ ዝደቐቐ፡
         ኣይንታዩን  ዉጹዕ  ዝወረደ፡ረዶ፡
         ውራዩ ኣይኮነን  ተዓዛቢ ማዕዶ፡
         ዘሕርር  ዘጽንት ባዕሉ  ዝአጎዶ፡
        ዓገብ፡ ዘይሰምዕ፡  መመሊሱ  ገዶ!
      ፡
ኣብ ክንዲ ራህዉኡ  መከሩኡ ጽበ፡
ፉሑሶ   ተንኮላቱ  ማዓት  እንዳዝነበ፡
ኣብ ፍረ  ከይበጽሕ ተኽሊ  ዝዓንበበ፡
         ሕርዃቶ ዘይብላ ትጥሕኖ ትሉንቁጦ፡
         ዝተዘርኤት  ግራት  ዘብላ ሕንጣጦ
         ጉቡላዎ ዬብላ ተሰርሔት ቁሚጦ፡
         ጥሪታ  በሪሶም  ትሸጦ  ትሉዉጦ፡
          ኣውያቶም ንውሽጢ፡  ስቀጦ  ዕበጦ፡
          ተቀበል ኣስገዳድ  ብልዓዮ ወሓጦ፡
  ዝወለደ ከይ ዓረፈ  ጻማ ተሓሪሙ፡
   እቶም ዝዳሓሩ ኣሰር ዝቀደሙ፡
  ሕረስ ንቐል ኮይኑ ጥፍአታዊ ቱልሙ፡
  ጃምላዊ ሂልቂትና ጓኖት ዓዓዲሙ፡
  ታሪኽ ተሰኒዱ ኣሎ ተቐሊሙ፡
  ጻዕዳ ብጻዕዱኡ ጸሊም ብጸሊሙ፡
    ኤርትራ ነቒጻ  ኣካሒዳ ዘመን፡
   ምሕደራ ሸፋቱ  መከራን ሕሰምን፡
  መብጻዓ ካሓድያን ዬቡሉን ዝእመን፡
   ገበል ቢዓቢኡ  ዒንቂሪቢት ተመን፡
ግርህና ዮዋሃት ጊዜ ዝበለዔ፡
ዓይኑ እንዳራያ እዝኑ እንዳሰመዔ፡
ህርፋን ስልጣን ምስናይ ስሰዔ፡
ካብ በረኻ ኣቲዩ ሰባት እንዳ በልዔ፡
     ካብታ  ፋሊማይቱ  ጽባሕ ባአጉኡ፡
     ታኼላ  መርገጹ ቅጺያ መዛኑኡ፡
     ናት ዘይተፈጥሮ፡ ዋላ ወደኑኡ፡
      ናይዘመናት  ሚሲጢሩ  እኔሄ  ኣማሲኡ፡
      ብጃምላ ዬጽንት ዓበይቲ ቆልዑ ግዚኡ ኣኺሉ፡ኢዩ ንሱዩ! ዋኑኡ፡ እሱን መሳሰይቱን ፡ጸዋዒት ዘይ ሰሙዑን
     እንዳራአዬት  ክትጠሚ  ብዉላዳ ክትደሚ፡
    ሂወታ ምስ ርስታ ንግላዊ  ጥቕሚ፡
     ዱያብሎስ ቡቖንዱ ናይ ገሃነብ  ጺልሚ
     ይአክል  ዕንወትና ክትሓይሽ ካብ ዓሚ፡
    ጋህዲ ኣብ ሙዃኑ ሰሰናዩ  ሕልሚ፡
    ፍትሓውያን መዛሙር ድርሰታዊ  ግጥሚ
     ሱጋኡ  ክለብስ ትፍሕቖቛ   ዓጽሚ፡
መከራ ከብቅዕ  ሓሳብ ንሓዋሩ፡
ሰላም ዎ!ፍሳሃ ፊትሒ  እግሪ እግሩ፡
ኣብ ሓደ ገኒዝና ባህሉ መሓዉሩ፡
ተኽሊ ዲሞክራሲ ልዕሊ መቓቡሩ፡
ባይቶ ዓዶቦና ኑቡር  ነጽለሉ፡መሰልና ዙሑሉ፡
ብህዝቢ ዝምረጽ  ቆጽሊ ዘምበረሉ፡
ታራና ንዕቤት  መሬት  ኣብ ምጥላሉ
ጸጋና ክምለስ እቲ ኑቡር ባዕሉ!!!
          ብ/ ዳዊት፡ክፍለዝጊ!!
                   USA,

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Beletse March 20, 2016

    What’s the bank account that we can help radio asena please

Post a Reply to Beletse Cancel Reply