Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ከተማ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ሰብ ሕልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ መበል 14 ዓመት ማእሰርቲ ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር፣ ሎሚ 18 መስከረም ‘ውን ነቲ ትማሊ ኣብ ቅድሚ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝጀመሩዎ ናይ ዝኽሪ ስነስርዓት ቀጺሎሞ።

ኣብ ከተማ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ሰብ ሕልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ መበል 14 ዓመት ማእሰርቲ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክተኣታቶ ብዘቕረቡዎ ጻውዒት ኣብ ምስጢራዊ ቦታ ተሓይሮም ዝሓቁ ዘለዉ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር፣ ሎሚ

ኣብ ከተማ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ሰብ ሕልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ መበል 14 ዓመት ማእሰርቲ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክተኣታቶ ብዘቕረቡዎ ጻውዒት ኣብ ምስጢራዊ ቦታ ተሓይሮም ዝሓቁ ዘለዉ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር፣ ሎሚ ንጉሆ 18 መስከረም ‘ውን ነቲ ትማሊ ኣብ ቅድሚ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝጀመሩዎ ናይ ዝኽሪ ስነስርዓት ቀጺሎሞ።

London_Demo_18_4

እቶም ከም ትእምርቲ ናይቶም ተመቝሖም ዘለዉ ኤርትራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን ኣእዳዎም ሰንሰለት ተኣሲሮም ኣብቲ ናይ ዝኽሪ ሰልፊ ዝተሳተፉ ግዱሳት፣ ኣብ ፊት እቲ ኤምባሲ ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ መንደቕ ምስልታት ናይቶም እሱራት ፖለቲከኛታት፣ ጋዚጠኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዘርኢ ብብዝሒ ፖስተራት ብምጥቃዕ እዮም ነቲ ናይ ዝኽሪ መደብ ጀሚሮሞ።

እቶም ስለ ናጽነት ኤርትራ ንእስነቶም ዘወፈዩ ጀጋኑ ነጻ ክልቀቑ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ ስልጣን ክምሖ፣ ኣብ ኤርትራ London_Demon_18_2ልዕልና ሕጊ ተረጋጊጹ ፍትሒ ክነግስ ድማ ብጭርሖታትም ጸዊዖም።

ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ እቲ ናይ ዝኽሪ መደብ ክካየድ ምዃኑ ወግዓዊ ብምንባሩ ብንጉሆኡ ኣፍደጊኡ ዝሕሉዉሉ ፖሊስ ኣዋዲዱ ኣርፊዱ።

ነቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝቐጸለ ዝኽሪ ዝወደባ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተወሊደን ዝዓበያ ክልተ ናእሽቱ መንእሰያት፣ “ዋላ ‘ኳ ታሪኾም ብዛንታ ጥራይ ንፈልጦ እንተኾና፣ ጅግንነቶምን ተወፋይነቶምን መታን ከይርሳዕ፣ ነቲ ቅድሜና ዝጸንሐ ናይ ምዝካሮም ያታ ክንቅጽሎ ሓላፍነት ኣለና ክብላ ንድምጺ ኣሰና ቃለን ሂበን። ህዝቢ ኤርትራ ጀጋኑኡ ከኽብር ድማ ጻውዒተን ኣቕሪበን።

London_Demon18_3

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • ogbai September 18, 2015

    Where are those who trying to blame Assenna Website as the messenger of HGDF.”kendaka ZeyAklas bAka ywala” kem zbahal ymesel.Amanuel Eyasu is a hero with heart and gut that his bold Action is a witness itself. Please, you the chicken once come out from your cage, and stand up for the voiceless in our cause. Amanuel, you are the hero with out any fear, and hide with your supporters that you have done very good JOB. Your giant website and followers are rising to humiliating, HGDF and his supporters. The dictator will disappear very soon. Keep the good work! Higi Ynges Mlki Yfress!

  • ኣርዓዶም September 18, 2015

    ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ኣወዳድባ ዝምስገን እኵ እንተዘይነበረ፡ በቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ኣባላት፡ ሕጉሳት ኢና።
    ይኹን ግን ከም`ዚ ዓይነት ኣወዳድባ ንድሕሪ ሕጂ ከይድገምን፡ ነቶም ንቐርቦምን ንኣምኖምን ኢልና ልብና ቐሊዕና ዝተዛረብናዮም ኣባልት እቲ ደሞንስትሬሽን፡ ዘየድሊ መልስን ዘይንቡር ኣዘራርባን ሚዛንን ቐሲምና ተመሊስና። ሓደ ሰብ ኣብታ ዝሞታ ስዓትን ግዜን ጥራይ ኣይኮንካን ከተብዕሎ ዘለካ። እዝም እሱራት የሕዋትና፡ ዋኒን ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም። ናይ ውልቕኻ ገርካ ብምውሳድ፡ ኣብዘይ ግዚኡን ብዘይ ኣፍልጦን ንእትገብሮ ኣኼብታት ይኹን ደሞንስትሬሽን፡ ሕቡእ ኣጀንዳ ዝሐዘ እንተዘይከውን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብ እሱራትቱ ጥራይ ዘይኮነ ብኹሎም ፍትሒ ስ ኢኖም ዝሳቐዩ ደቑ ሕዙን ኢዩ።
    ጅ15 ናይ ህዝቢ እምበር ናይ ሓወይ ሓውኻ ኣይኮኑን፡ ነዚ ተጠቒምካ ፖለቲካዊ መኽሰባት ትኻዕብተሉ ተሃሊኻ/ኪ ግን ሓጥያት ኢዩ፡ሓጥያት ህዝቢ ድማ እንተዘይቐተለስ የዕነኒ ዩ ሞ፡ እቶም ትጥቐምሎም ዘለኹም የሕዋቶም ኣዚኹም የሕዚንኩምኒ።

POST A COMMENT