Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ከተማ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ፣ መበል 14 ዓመት ምሕዩር ናይ ፖለቲካ እሱራትን ጋዜጠኛታትን ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ምኽንያት ብምግባር ሃንደበት ኣብ ማዕጾን መናድቕን ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ስእልታት ግዳያት ብምጥቃዕ፣ እቶም ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ከተማ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ስእልታት እሱራት ፖለቲካን ጋዜጠኛታትን ኤርትራ ዝተለጠፎ ማልያ ዝወደዩ ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ፣ ሎሚ ንጉሆ 16 መስከረም፣ ንመበል 14 ዓመት ምሕዩር ግዳያት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ምኽንያት ብምግባር ሃንደበት ኣብ ማዕጾን መናድቕን

ኣብ ከተማ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ስእልታት እሱራት ፖለቲካን ጋዜጠኛታትን ኤርትራ ዝተለጠፎ ማልያ ዝወደዩ ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ፣ ሎሚ ንጉሆ 16 መስከረም፣ ንመበል 14 ዓመት ምሕዩር ግዳያት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ምኽንያት ብምግባር ሃንደበት ኣብ ማዕጾን መናድቕን ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ስእልታት ግዳያት ብምጥቃዕ እቶም ናይ ፖለቲካ እሱራትን ጋዜጠኛታትን ክፍትሑ ጻውዒቶም ብዓውታ ኣቕሪቦም።

እቶም ኣስታት 10 ዝኾኑ ብምስጢር ዝተወዳደቡ ደለይቲ ፍትሒ፣ ቀንዲ ዕላምኦም ኣብ ውሽጢ ኤምባሲ ስርዓት ኢሳይያስ ኣቲኻ ስእሊ ናይቶም ግዳያት ብምጥቃዕ፣ እቶም እሱራት ክፍትሑ ምጽዋዕ ‘ኳ እንተነበረ፣ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ዝተኻየደ፣ ኣብ ውሽጢ ቤትጽሕፈቶም  ዝተሰቕለ ስእሊ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዝተሰብረሉ ውርደት ዘሰክሞም ተመሳሳሊ ፍጻሜ መጠንቀቕታ ኮይኑዎም ስለዝጸንሐ ሰራሕተኛታት እቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ እቶም ማዕጾ ንከኽፍቱ ዝመርሑ ክልተ መንእሰያት ጥራይ ንውሽጢ ምስ ኣተዉ ብመፍትሕ ስለዝዓጸዉዎ እቲ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ጉጅለ ብምሉኡ ክኣቱ ኣይከኣለን።

ብድሕሪ ‘ዚ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ማዕጾን ፍኒስትራን ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ስእልታት ናይቶም ግዳያት ብምጥቃዕ፣ እቲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ነቶም ብዘይፍርዲ ን14 ዓመት መመላእታ ዝኣሰሮም እሱራት ፖለቲካን ኩሎም ብዘይ ፍርዲ ተሓይሮም ደሃዮም ኣጥፊኦም ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን እሱራትን ነጻ ክልቀቑ ብጭርሖታት ጻውዒቶም ኣቕሪቦም።

London_embassy_3ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ብኡ ንብኡ ናብቲ ቦታ ብምምጻእ ጸጥታ ከኽብሩ ‘ኳ እንተተንቀሳቐሱ፣ ነቲ ብሰላምን ልዙበነትን ዝካየድ ዝነበረ ዝኽርን ጻውዒትን ብህድኣት ካብ ምክትታል ዝሓልፍ ስራሕ ኣይነበሮምን።

ብዘይካ እቶም ኣብ ቤትጽሕፈቶም ዘጽቀጡ ኣምባሳደርን ሰራሕተኛታትን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ኣብያተ ጽሕፈት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ናብ ጎደና ብምውጻእ ነቲ ምንቅስቓስ ተዓዚቦሞ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቶም ሓርበኛታት መራሕትን ጋዜጠኛታትን ካብ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ከረስዖም ‘ኳ ኣብ ምስጢራዊ ማሕዩር ዳጕኑ የሕቅቖም እንተሎ፣ ወደብቲ ናይቲ ንምዝካሮም ዝተኻየደ ፍጻሜ፣ ኣብ ወጻኢ ተወሊደን ዝዓበያ ሰብ ሕልና ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ ‘ውን ደቂ ተባዕትዮ መንእሰያት ምዃኖም፣ ብኣንጻር ሕልሚ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ጀጋኑና ዘይምርስኦምን፣ ዝኽሮም ናብ ሓዱሽ ወለዶ ምትሕልላፉን ዘሐብን እዩ።

London_embassy_2London_embassy_letterብሕልፊ ኣብ ለንደንን ካልኦት ከተማታት ዓዲ እንግሊዝን እትርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ከም መቐጸልታ ናይዚ ሎሚ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ ፍጻሜ፣ ጽባሕ ዓርቢ 18 መስከረም ‘ውን ኣብ ፊት ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብኡ ዝሰፍሐ ግሁድ ሰልፊ ክካየድ ስለዝኾነ፣ ሰዓት 9፣00 ንጉሆ ኣብቲ ኣብ ከተማ ለንደን Angle ዝርከብ ቤትጽሕፈት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተረኺብኩም ነቶም ግዳያት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ክትዝክሩ ነተሓሳስብ።

ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዝርከበን ካልኦት ሃገራት እትርከቡ እትርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ተመሳሳሊ ምንቅስቓስ ብምግባር ነቶም ግዳያት ክትዝክሩ ድምጺ ክትኮኑዎምን ‘ውን ነዘኻኽር።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • k.tewolde September 16, 2015

    Tecle, I will personally vandalize your ass if you don’t leave this platform. Anjal. People like you are prolonging the life of the bipolar schizophrenic back home.I expect you to come back to your senses before you become a collateral damage soon, because I care about you.

  • k.tewolde September 16, 2015

    Forobiya, this ain’t beauty contest, moron, if you looking for one ,I will send you a copy of ALLURE magazine.These are real people fighting for real cause, no photo shopping.Now, go to forovia and play soccer with late brother Gedil, love that men RIP.

  • ertra n ertrawyan September 16, 2015

    waw abi sirihit, Shekuakur jeganu deki erey you did good job, go on and let other people who are in other countries follow the same job. Amanuel dimtsi wutsuat ajoka ab godnika eyu hizbi.

  • Simon G. September 17, 2015

    We are proud of you ladies and gentlemen. Kudos to you!

  • kilkul September 17, 2015

    You guys kem dnsti ab computer kof elna nragemn ntsarefin
    Ember Mola Asgedom nay General mearig tewahibu nab Eritrea kiwerir kmexie eyu.
    nskin nskum anen dima hateftef tserfi kem kedemna

    Bulshiw weledo eyu ezi
    Amlak naytom 65,000 Swiat jeganu fre tsama yhalwelna b teamir ember kabanas terifa eya adi.

    • Eden Tekeste September 17, 2015

      well said kilkul. With so many useless behind screen specialists and empty sharp oppositions
      that’s why it is taking so long for poor Eritrea to get out of the mess and out of DIA’s rule.
      The brave men and women of other nations freed their oppressed people by REAL ACTION on the fields
      where it really matters but with Eritreans sadly it is always gurra/bragging and hateftefs on the computer.
      Sometimes you just wonder if their are all just in a competition of who write best and who writes long boring hatewqetow/kolotiTiko.

  • rezan andemeskel September 17, 2015

    Excellent job I’m absolutely quit sour that heroes young Eritreans are out there I’m proud of you God bless you and your parents

    xeba astekumna sesenu sesenu shehen waltan kunu

  • fthawi September 17, 2015

    Anabs deqi Eri deleyti fthi zehegus sgumti eu. ab kale bota kemhu nkgber tesfa ygebr.ngdayatna lsan bmukankum zgeberkmo srah zehbnn zekuren srah nay teqalasay srah eikum serihkum qetslwo i thmequ kalhot dma aserom nsab dmtsna nesmalom n zegatatna. AWET MENTI WTSUAT NZQALESU TEQALESTI EU EMO AMLAK DMTSKUM YSMAE

POST A COMMENT