Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ከተማ ለንደን ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣመንቲ ካቶሊክ፡ ብምኽንያት ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝካየዳ ኣገልግሎታት ጥዕና ዝወሰዶ ጅምላዊ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ሓቅታት ንምብራህ ዝዓደሙዎ ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ።

ኣብ ከተማ ለንደን ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣመንቲ ካቶሊክ፡ ብምኽንያት ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ 22 ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝካየዳ ኣገልግሎታት ጥዕና ዝወሰዶ ጅምላዊ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ሓቅታት ንምብራህ ዝዓደሙዎ ህዝባዊ ኣኼባ ትማሊ ሰንበት 30 ሰነ

ኣብ ከተማ ለንደን ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣመንቲ ካቶሊክ፡ ብምኽንያት ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ 22 ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝካየዳ ኣገልግሎታት ጥዕና ዝወሰዶ ጅምላዊ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ሓቅታት ንምብራህ ዝዓደሙዎ ህዝባዊ ኣኼባ ትማሊ ሰንበት 30 ሰነ 2019 ኣጋ ምሸት ተኻይዱ።

ኣብቲ፡ `ንሓቂ ብፍቕሪ ክንምስክር ኢና` ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ፡ ካብ ዝተፈላለያ እምነታት ኤርትራ፡ ክርስትያን ምስ ኣስላም ኤርትራውያን ዝተሳተፉዎ ኣኼባ፡ ዶር ክብርኣብ ይስሓቕ፡ ብዛዕባ እንታይነት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሰፊሕ መብርሂ ክህብ ከሎ፡ ኣቶ ኣእምሮ ኢያሱ ድማ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ትካላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብፍላይ ድማ ብዛዕባተን ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተዓጽየን ዘለዋ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ዝርግሐአንን ኣገልግሎተንን ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ተጠቀምቲ ናይተን ብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝካየዳ ዝነበራ ትካላት ጥዕና ይኹን ኣብያተ ትምህርቲ ዝኾኑ መሰኻኸር፡ እተን ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተዓጽየን ዘለዋ ኣብያተ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ንኣመንቲ ካቶሊክ ብፍላይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኹሉ ኣብ ከባቢአን ዝርከብ ኤርትራዊ ብዘይኣፈላላይ ዘገልግላ ሃገራዊ ትካላት ምንባረን ብምሕባር፡ ኩሉ ኤርትራዊ ከም ናቱ ደው ኢሉ ክጣበቐለን ኣተሓሳሲቦም።

እቲ `ንሓቂ ብፍቕሪ ክንምስክር ኢና` ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብግዱሳት ዝተወደበ ኣኼባ ጽቡቕ ተሳታፍነት ኩሎም ኤርትራውያን ወገናት ዝነበሮ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝርከቡ ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብትብዓት ኣብ ቅድሚ ኣመንቲ ደው ኢሎም ሓቂ እናመስከሩ፡ ኣብ ወጻኢኣብ ለንደን ዝርከቡ መራሕቲ ካቶሊክ ዝኾኑ ኣቕሽሽቲ ኣብቲ ኣኼባ ዘይምርካቦም ተሳተፍቲ ብዝተፈላለየ መልክዕ ቅሬታኦም ካብ ምግላጽ ኣይተቖጠቡን።

ብኻልእ ወገን፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ `ተን ብካሎትሊካዊት ቤተክርስትያን ዝካየዳ ኣገልግሎታት ጥዕና ዝወሰዶ ዘይምኽኑይ ዓማጺ ስጉምቲ ብምቅዋም፡ ብሓድነት ኤርትራውያን ንምፍትሒ ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ ን13 ሓምለ ኣብ ለንደን ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፡ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝቐረበ መግለጺታት፡ ምስክርነትን ርእይቶን ኣብ ቴለቭዥን ኣሰና ከነቕርበልኩም ኢና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Hagherawi July 1, 2019

    ኣብ መወዳእታ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ተጠቀምቲ ናይተን ብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝካየዳ ዝነበራ ትካላት ጥዕና ይኹን ኣብያተ ትምህርቲ ዝኾኑ መሰኻኸር፡ እተን ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተዓጽየን ዘለዋ ኣብያተ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ንኣመንቲ ካቶሊክ ብፍላይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኹሉ ኣብ ከባቢአን ዝርከብ ኤርትራዊ ብዘይኣፈላላይ ዘገልግላ ሃገራዊ ትካላት ምንባረን ብምሕባር፡ ኩሉ ኤርትራዊ ከም ናቱ ደው ኢሉ ክጣበቐለን ኣተሓሳሲቦም።
    ‐————–
    ዝበልኩምዎ ሓቂ እዩ። ኣገልግሎት ናይተን ክሊንካት ዝምስገን እዩ።
    ኣብዚ ኩላትና ከነስተብህለሉ ዝግባእ ጉዳይ እንተሊዩ ፥ ፈላሊኻ ግዛእ ፥ ፈላሊኻ ጭፍሊቅ ፥ እንታ እንኮ ነባሪት ሜላ እሰያስን ደገፍቱን ከንሳ ፥ በብእብረ ንህሰ እንዳሃለና ፥ ካልኦት ዝረኽቡዎ ግፍዒ ፥ ናባና ከይበጸሐ ከሎ ዓገብ ምባል ይኽብደና ምህላዉ እዩ።
    እዚ ኣረመናዊ ስርዓት “ናተይ እዮም” እሉ ዝንሕፎም የለዉን። እቶም “ናትና እዪ” እሎም ፥ ኣብ ነብሰ-ምትላል ዝነብሩ ፥ ኣማሲዩኡ ከም ህዝቦም ፥ ጅምላዊ ጥፍኣት ይጽበዮም ከም ዘሎ ትንቢት ዘድሊዮ ጉዳይ ኣይኮነን ፥ ናይ 50 ዓመት ዝኾውን ታሪኽ ገበናት ጉጂለ እሰያስ ዘረጋግጾ እዩ ።

  • Sebhat Araya July 1, 2019

    Thank you very much for letting the people know the truth. This regime is antichrist movement possessed by demonic entity.

  • Dawit Tekali July 1, 2019

    ብልክዕ እዚ በዚ ሽፍታ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኳቶሊካውያን ማሕበራት ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት ሕክምና ፡ ቤት ትምህርቲ ዝገብሮ ዘሎ ኢሰብኣዊ ግህሰት ይኹንን። ኣገልግሎት ትካላት ጥዕና ይኹን ትምህርቲ ናይ ሰብኣውነት እንበር ናይ እምነት ኣይኮነን ፡ ናይ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ እንበር ናይ ዝተወሰነ ኣይኮነን ።

  • Dad Wer July 2, 2019

    ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ኣብ ዛግር ንዝነበራ 8 ዝኾና ደናግል፡ ናብ ገዝኤን ብሓይሊ ብምእታው፡ ኩሉ ንብረተን፡ ክዳውንተን ከይተረፈ ናብ ደገ ከምዝደርበይዎን፡ ቦርስኤን ጠርኒፈን ክኸዳ ከምዘገደድወንን ዝበጽሓኒ ጭቡጥ ሓበሬታ የመልክት። እዚ ኩሉ እንክግበር ድማ እቲ ዘገልግልኦ ዝነብራ ህዝቢ ዛግርን ከባቢኡን ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ስቅ ኢሉ ካብ ምዕዛብ ሓሊፉ ዋላ ሓንቲ ከምዘይበለ ኣረጋጊጸ። ናይ ብሓቂ ዘሕዝን ተግባር።

Post a Reply to Dawit Tekali Cancel Reply