Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ከተማ ስታቫንገር ህግደፍን ሰዓብቱን ኣብ ገዛአ መድረኾም ሓፊሮም

ህግደፍን ሰዓብቱን ናይ ዕግርግር ሓይሊ ኢዮም¨፡፡ እዚ ናይ ራዕድን ሽበራን ኣከያይዳዚ ሎሚ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለምን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን እናተሰዓረ ይኸይድ ኣሎ። ከም መቐጸልታ ናይዚ ዲሞክራሲያዊ ምዕብልናታት ድማ ሰንበት ዕለት 12 ለካቲት 2012 ነዚ መሊሱ

ህግደፍን ሰዓብቱን ናይ ዕግርግር ሓይሊ ኢዮም¨፡፡ እዚ ናይ ራዕድን ሽበራን ኣከያይዳዚ ሎሚ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለምን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን እናተሰዓረ ይኸይድ ኣሎ። ከም መቐጸልታ ናይዚ ዲሞክራሲያዊ ምዕብልናታት ድማ ሰንበት ዕለት 12 ለካቲት 2012 ነዚ መሊሱ ዘረጋግጽ ኣጋጣሚ ተኸሲቱ።
ኣብዚ ዝተጠቕሰ መዓልቲ መበል ሻምናይ ዓመት ማሕበር መንእሰያት ህግደፍ ንምኽባርን፡ ብዛዕባ ምዕባለ ማዕድን ኣብ ኤርትራ ብሓደ ኣማረ መብራህቱ ዝተባህለ ኣገልጋሊኦም መግለጺ ንምሃብን ተባሂሉዩ እቲ ኣኼባ ተጸዊዑ።

ኣብዚ ዝተባህለ ኣኼባ ንዲሞክራስን ፍትሕን ዝቃለሱ ኤርትራውያን ነቲ ኣኼባ ንምክትታልን ርእይትኦም ንምሃብን ኢሎም ኣትዮም። ብመሰረቱ እቲ ኣኼባ ንኹሉ ኤርትራዊ ክፉትዩ ነይሩ። ነቲ ኣኼባ ከምቲ ልሙድ ዝመርሕ ተኽለ ፈዳይ ዝተባህለ ኣቦ መንበር ናይቲ መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነ ማሕበር ኤርትራውያንን ፍሉጥ ሰላይን ናይቶም ብዲሞክራሲ ዝቃለሱ ሰባት ስእሊ ፍቓድ ከይሓተተ ክወስድ ጀሚሩ። እቶም ሰባት ድማ ከይስእሎም ኣጠቂቖሞ። ንሱ ግን ብዘይ ድሌቶም ምስኣል ቀጺሉ። ብዘይካ ከም የማነ ስዩምን ኢሳቕን ሚኪኤልን ዝበሃሉ ኣገልገልቲ ህግደፍ ድማ ብዙሕ ካብቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ሰብ ንተኽለ ተቓዊምዎ። ህግደፋውያን ዓቕሎም ጸቢብዎም ናብዝን ናብትን ደዊሎም ደገፍቶም ከተኣኻኺቡ ፈቲኖም። ክሳብ ገለ ካባታቶም ዘይአርትራውያን ዘረይቲ ከይተረፉ ሒዞም መጺኦም። እዚ ምስራሕ ምስ ኣበዮም ድማ ፖሊስ ክጽውዑ ተገዲዶም! ፖሊስ መጺኦም ድማ ንዕሱ ተኽለ ብዘይ ፍቓድ ስእሊ ክወስድ ከም ዘይክእል ኣጠንቂቖም ነታ ካሜራ ኣሕዲጎም ነቲ ተሳኢሉ ዝነበረ ስእልታት ብሙሉኡ ደምሲሶሞ። ኣብ መወዳእታውን ነቲ ኣኼባ ብሰላም እንተዘይመሪሕዎ ክዓጽውዎ ምኹዋኖም ኣጠንቂቐሞ።

ንሕና እቲ ኣኼባ ክዕጾ ዕላማና ኣይነበረን፣ ድሕርቲ ተረኽቦ እቶም ክቕጽሉ ዘይደለዩ ተቓለስትና ነቲ ኣኼባ ገዲፎሞ ክወጹ እንከለዉ ድማ ዝበዝሑ ድማ ክሳብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ ተኸታቲሎም።

እቲ ዝቐጸለ ክፋል ናይቲ ኣኼባ በቲ ኣማረ መብራህቱ ዝተባህለ «ምሁር» ዝቐረበ ስታቲስቲክ ኢዩ። እቲ እዚ «ምሁር» እዚ ዝተጠቐመሉ ስታቲስቲክ ኤርትራ ንትዮጲያ ሓዊስካ ካብ ኩለን ሃገራት ኣብ ኩሉ መሰረታዊ መዳያት ኣብ የዐርዩ ዝተሓተ ደረጃ ከም ዘላዩ ዘረጋግጽ። ኣማረ ብዘይ ስንኻ ጸጸር ምቑርጣም ይኣክል።

ካብ ማሕበር ኤርትራዉያን-ኖርወጃዉያን ኣብ ኖርወይ
ስታቫንገር
Norsk-eritreiske venneforeninig

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • Mahta April 1, 2012

    well done

  • Senait April 1, 2012

    This picture it was old picture it was taken last yr from the homeless of Europe. Those old timers homeless of Europe got fed-up with the life they have in Europe. I believe they should protest against the Europe Country who isn’t giving them Enough money to surive with out working. I believe old timer homeless of Europe too late for them at this age to work anyway.

    • Semhar April 1, 2012

      Senait,
      Learn from Nizghi Kiflu.
      If you don’t you will be next !

      ኤርትራ ሃገርና ንእሽቶ ኽነሳ ኣብ ዓለም ግን ብዘነውሩን ስንብራት ዝገድፉን ሕማቓት ነገራት ጥራሕ ተፈሊጣ ኣላ፡ ሳላ ስርዓት ኢሰያስ ዝተሳእነ ነገር የለን ።ኣብ ውሽጢ እዘን ዕስራ ዓመታት ብዙሓት ናይ ኽፋእ መዳልያታት ረክብና፡እገዳ ፡ስደት፡እስርቤት፡መቅተልቲ፡ደቒ ሳላሳ ዓመት ሃዲሞም ኢልካ ንደቒ ሰብዓ ዓመት ጋር ኽፈሉና ፡ህዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ ዘሎ መከራ ተጸብጺቡ እውን ኣይውዱእን።ንፉዓት መራሕቲ ንዘላኣለም ተዘኪሩ ዝነብር ሽልማት የምጽኡ መራሒ ህግደፍ ከኣ ካብ ዓለም ዘነጽልን ተሰሚዑ ዘይፈልጥን ብልሽውናታትን ይጛማዳሕ።

      ኣብ መወዳእታ ነብስሄር ናይዝጊ ኽፍሉ መባድልቱ ንሕማቕ ፈሪዶሞ ኩሉ ግዜ ውልቐ መልክቲ እቲ ኽፋእ ብፈተውቶም እዮም ዝጅምርዎ።እቶም ኣብ ጎኒ ኢሰያስ ብፍርሒ ጉንብስብስ ትብሉ ዘለኩም እውን ዘርሞ ዘርሞ ከይትተርፉ ካብ ናይዝጊ ኽፍሉ ክትመሃሩ ይግበኣኩም “ድሕሪ ሞት ኣቦካ ሞት ጊዴኻ ስለዝኾነ”እንተለበምኩምን ህዝብኩም እንተከሓስኩምን ይሕሸኩም። እቲ ኣብ ቤተሰብ ናይዝጊ ኽፍሉ ወሪዱ ዘሎ ሕማቕ ዕጫ ግን ዘሕዝን ኾይኑ፡ ሬሳ ንከይቕበር ምክልካል ግን ዘይሃይማኖታውን፡ ስነምግባራውን ፡ባህላውን ፡ኣነዋርን ስለዝኮነ ህዝቢ ኤርትራ ዓገብን ፎእ ኽብሎን ይግባእ

  • linaelyas99@yahoo.com April 1, 2012

    bravo deki ere shikorrrrr.
    smerrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrr!
    beka! yeakel ! Dictator Isaias worst diplomacy is OVER!

  • Kokhob Selam April 6, 2012

    PFDJ is not powerful than the mass. don’t be in harry to remove PFDJ. first remove the nature of dictator we have in our mind. lets challenge our own self. What is the use of removing PFDJ if still have more criminal people around us. First accept freedom of each ethnic group and make a system to guarantee of well being future otherwise let PFDJ stay there.

POST A COMMENT