Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ከንቱ ሕልሚ እተሰረተ ፖለቲካ (The Politics of Delusion)

ኣማኑኤል ሳህለ   ኣስታት ክልተ ዓመታት ይገብር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክዛወር ከለኹ፡ ኣብቲ ኣብ መገዲ ዚሽየጥ መጻሕፍቲ፡ ሓንቲ ኣርእስታ ዝገረመኒ መጽሓፍ ርእየ፥ '' የኢትዮጵያ ታሪክ፡ ከኖህ እስከ ኢህወደግ'' እትብል እያ። በቲ ናይቲ ደራሲ ኣረኣእያ፡ ኢትዮጵያ ብግዜ ኖህ

ኣማኑኤል ሳህለ

 

ኣስታት ክልተ ዓመታት ይገብር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክዛወር ከለኹ፡ ኣብቲ ኣብ መገዲ ዚሽየጥ መጻሕፍቲ፡ ሓንቲ ኣርእስታ ዝገረመኒ መጽሓፍ ርእየ፥ ” የኢትዮጵያ ታሪክ፡ ከኖህ እስከ ኢህወደግ” እትብል እያ። በቲ ናይቲ ደራሲ ኣረኣእያ፡ ኢትዮጵያ ብግዜ ኖህ ነይራ እያ ማለቱ እዩ። ኖህ ግእዝ ይዛረብ ነይሩ ኢሉ እውን ይኸውን እዩ። ኣነ ነታ መጽሓፍ ዓዲገ ከንብባ ኣይደለኹን፡ ከመይሲ ነቲ ኣርእስቲ ምስ ረኣኹ፡ ሽዑሽዑ ናይቲ ደራሲ ደረጃ ፍልጠት ክግምቶ ክኢለ።

 

ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ኣብ ከንቱ ሕልሚ (delusion) እተመርኮሰ ምዃኑ በቲ ዚደጋገም ናይ ንግስቲ ሳባን ንጉስ ሰሎሙንን ዛንታ፡ በቲ ሓሓሊፉ ምስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዚተሓሓዝ ፍጻመታት፡ ከምኡውን ኣብ ዝሓለፈ ግዜ፡ ንኢትዮጵያ ከም ኣደ ወይ ማማ፡ ንመከረኛ ኤርትራ ድማ ከምታ ጥፍእቲ ጓል (The prodigal daughter) ጌርካ ምውሳድን፡ ንኢትዮጵያ ከም ደሴት ክርስትናን፡ ምንጪ ስልጣኔን፡ ወዘተ ጌርካ ምቕራብን ከምኡውን ብኻልኦት ተመሳሰልቲ ዘይተረጋገጹ ወግዕታትን ያታታትን ኪግምገም ይከኣል። ከምዚ ዝበለ ዓይነት ታሪኻትን ወግዕታን ድማ ኣብቶም ዚፍጠሩ መራሕትን ነገስታትን ውልቀመላኽያንን፡ ኣብ ከንቱ ሕልሚ እተመርኮሰ ፖለቲካዊ ኣካይዳን መንፈሳዊ ኣረኣእያን ኣማዕቢሉ ከም ዝነበረን፡ እቲ ጽልዋኡ ድማ ክሳዕ ለይተሎሚ ከም ዘየቋረጸን ክንግንዘብ ይግበኣና።

 

ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን፡ ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ኣብ ኣኣምሮ ገለ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ እተጠምዘዘን ሕልማውን ራእያትን ብኣኣቶም ዚምራሕ ፖሊሲታትን መደባትን ኪፈጥር ክኢሉ እዩ። እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ቀጻሊ ጎበጣን ጭቆናን ዘይምዕሩይነትን ቅጥፈትን ስርቅን ተንኮላትን ፈጢሩ እዩ።

 

እቲ ናይ ምጕባጥን ምዕብላልን ምስፍሕፋሕን መንፈስ፡ ኣብ ዳርጋ ኩሎም ኣብ ኢትዮጵያ ዚትንስኡ መራሕቲ፡ መሳፍንቲ፡ ነገስታት ብድጉልን ብግሁድን መገዲ ብምኽሳት፡ ኣብ ሃገርናን ኣብቲ መሪሕነትን ጽልዋኡ ዘቋረጸ ኣይመስልን። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ከባቢና ዚረአ ዘሎ ንጥፈታት ድማ ፈጺሙ ሓድሽ ከም ዘይኮነን፡ ኣብቶም ኣብ ከንቱ ሕልምታቶም ተኣሊኾም ዚነጥፉ መራሕቲ ድማ ይገሃድ ከም ዘሎን ከነስተብህለሉ ይግባእ።

 

ብመሰረት ማዕረ-ማዕረ ዩኒቨርስ (parelell or quantum universe) ሓደ ሰብ ኣብዚ ዓለም ከሎ፡ ኣብቲ ነቲ ዝነብረሉ ዓለም ዚመስል ግን ኣብ ካልእ ዩኒቨርስ ዚርከብ ዓለም እውን ኪህሉ ይኽእል እዩ። ንሱ ኣብዛ ዓለም ከሎ ሻሂ ወይ ቡን ንኺመርጽ ዕድል ምስ ዚውሃቦ እሞ ኣብዛ ዓለም ከሎ ሻሂ ምስ ዚመርጽ፡ ኣብታ ማዕረ-ማዕረ ዓለም ግን ቡን እዩ መሪጹ ዘሎ። ይኹንምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዚነብር፡ ነቲ ናይ ሻሂ ምምራጽ ፍጻመ ደኣምበር፡ ነቲ ናይ ቡን ምምራጽ ፍጻመ ኣይፈልጦን እዩ፡ ወይ ድማ ውኖኡ ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚገብሮ ምርጫ እምበር ነቲ ኣብታ ካልእ ዓለም ዚመርጾ ኣይፈልጦን እዩ። ስለዚ ሻሂ እሰቲ ኣሎኹ ይብል። ኣብታ ካልእ ዓለም ግን ቡን እዩ ዚሰቲ ዘሎ፡ ግን ኣይፍለጦን እዩ። እቲ ውኖኡስ ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚካየድ ኩነት ጥራይ እዩ ከም ዘስተብህል ዚገብሮ።

 

ገለ ሰባት ግን ነቲ ነገራት ገላቢጦም ይርእዩ ወይ የስተብሉ እዮም። ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚፍጽሙዎ ነገራት፡ ነቲ ኣብታ ማዕረ-ማዕረ ዓለም ዚገብሩዎ ነገራት ዝያዳ ከስተብህሉሉ ይጅምሩ እሞ፡ ኣብዛ ዓለም ይገብሩዎ ዘለዉ ይመስሎም። ማለት፡ ነቲ ኣብ ጁፒተር ዚፍጽሙዎ ዘለዉ ስራሕ፡ ኣብዛ ዓለም ይፍጽሙዎ ከም ዘለዉ ገይሮም ይሓስቡ። ብሓጺሩ እዞም ከምዚ ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ከንቱ-ሓለምቲ  (delusional) እዮም።

 

ከምዚ ዝበለ ፍጻመ ኣብ ገለ ንሃይማኖት ምስ ፖለቲካ ዚሕውሱ፡ ወይ ናይ ዕቤት ጽላለ ዘለዎም (folie de grandeur, extreme narcissism) ወይ ድማ ኣብቶም ፍሉይ ናይ ኣእምሮ ጸገማት ዘለዎም ሰባት ይረአ እዩ።

 

ከምዚ ዓይነት ጸገማት ዘለዎም ሰባት፡ ብፍላይ መራሕቲ ሃገር ኪኾኑ ከለዉ፡ ነቲ ከንቱ ሕልሞም ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘይገብሩዎን ዘይፈጥሩዎን ነገራት የልቦን። ይኹንምበር፡ ነቲ ከንቱ ሕልምታቶም፡ ንገሊኡ ኣብ ፍርቂ ወይ ኣብ ርብዒ ሽቶኡ ከብጽሑዎ ኸለዉ፡ ንገሊኡ ግን ኣብ ሽቶኡ ከየብጽሑዎ ኸለዉ በቲ ዘልዕሉዎ ውግእን ብርሰትን ይጠፍኡ እዮም። ግን ከኣ ብመሰረት ማዕረ-ማዕረ ዩኒቨርስ (parelell universe) እቲ ከንቱ-ሕልሞምስ ኣብታ ካልእ ዓለም ይፍጸም እዩ። ነዚ ነገራት’ዚ ብእምነታዊ መገዲ ስለ ዚርእዩዎ ኸኣዩ ነቲ ከንቱ ሕልሞም ኣጽኒዖም ብምሓዝ ክሳዕ ዚሞቱ ዚቃለሱ።

 

ኣዶልፍ ሂትለር ሓደ ካብዞም ሰባት እዚኣቶም እዩ ነይሩ። ንሱ ነቲ ከንቱ-ሕልሙ ናብ ጋህዲ ንምልዋጥ፡ ኣብቲ ዕጥቂ ወትሃደራቱ ከይተረፈ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ (Gott mit Uns) ዚብል ኣርማ ገይሩሉ ነይሩ። ንሱ ንጀርመናውያን ከም ጽሩያት ዓሌት ብምቝጻር፡ ንኻልኦ ዓሌታት ድማ ካብ እንስሳታት ከም ዘይሕሹ ገይሩ ብምግምጋም፡ ንሽሕ ዓመታትን ኪንየኡን ዚጸንሕ ናይ ኣርያናውያን (ጀርመን ዝዓሌቶም) ኣህዛብ ብሰላምን ደስታን ዚነብሩሉ መንግስተ-ሰማያት ከም ሽቶ ኣቐሚጡ ነይሩ እዩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን፡ እቲ ትልምታቱ ከም ዓለባ ሳሬት ተበታቲኹ፡ እቲ ሕልማዊ መንግስቱ ድማ ብሓዊ ተሃሚኹ ናብ ሓምዅሽቲ ተቐዪሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ተስፋ ዘይቆረጸ ሂትለር፡ ናብታ ኣብ ማዕረ-ማዕረ ዩኒቨርስ እትርከብ ካልእ ዓለም ንምኻድ ነብሱ ቀቲሉ፡ ኣብታ ናይ ሕልሚ ዓለሙ ድማ ባዕሉ ከም ሕልሚ ኾይኑ ይነብር ኣሎ።

 

ኣብ መንጎ እዛ ኩነታዊት ዓለምናን ሕልማዊት ዓለምናን ዘሎ ፍልልይ ዘይስቆሮም ሰባት፡ ነቲ መደባቶም ንምትግባር፡ ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ኣይቁጠቡን እዮም። ገሊኣቶም ነቲ ከንቱ-ሕልምታቶም ብፖለቲካዊ ርእዮተ-ዓለም ወይ ብእተፈላለየ ፍልስፍናዊ ስነ-ሓሳባትን ኣጉል እምነታትን ህይወት ብምሃብ፡ ነቲ ኪኸውን ዘይክእል ነገራት ኣብ ግብሪ ከውዕሉዎ ብማለት፡ ህዝብን ዓለምን ለኪሞምን ለኻኺሞምን እንተ ኸዱ እውን ጣጣ የብሎምን። ኣብዚ መስርሕ’ዚ፡ እቲ ብሃይማኖታውን ማሪታውን ተመክሮታት ዘኻዕበቱዎ ከንቱ ራእይን፡ ተስፋን፡ እምነትን፥ ፍሉይን ዘይንቡር ድፍረትን ርእሰ-ተኣማንነትን ስለ ዚህቦም፡ ንርእሶም ኣእሚኖም፡ ንኻልኦት ከም ዚስዕቡዎም ንምግባር ፍሉይ መንፈሳዊ መስሕብ (charisma) ይፈጥሩ። ንገዛእ ርእሶምን ነቲ ዚስዕቦምን ሒዞምዎ ናብ ገደል ኪኣትዉ ዘለዎም ተኽእሎ ግን ውሑድ ኣይኮነን።

 

ከምዚኣቶም ዝመሰሉ ሰባት፡ ኣብ ወድሰብ ዘለዎም ኣረኣእያ ጥምዙዝን ዝንቡዕን እዩ። ኣብዛ ዓለም ዚገብሩዎ ኩሉ፡ ነቲ ከንቱ ሕልምታቶም ንምርዋይ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ሒዞምዎ ኪጸድፉ ቀሪቦምዎ ዘለዉ ህዝቢ፡ ወይ ከም ዘይናቶም፡ ወይ ድማ ነቲ ከንቱ ሕልምታቶም ንምዕዋት ከም እተፈጥረ ገይሮም እዮም ዚወስዱዎ። ንሳቶም ነቲ ዘጋግዩዎ ህዝቢ፡ እንተ ሞተ እውን ነባሪ ከም ዝኾነ ኣምሲሎም ብምዝኽኻር፡ ምእንቲ ዕላማኡ ኪስዋእን፡ ንምዕዋት ትልምታቶም ኩሉ ዘለዎ ራሕሪሑ ኪቃለስ ከም ዘለዎ ድማ ወትሩ ካብ ምቕስቃስን ምስባኽን ኣየዕርፉን እዮም። እቲ ጌና ካብ ተመክሮን ካብ ታሪኹን ካብ ናይ ካልኦት ታሪኽን ኪምሃር ዘይደልን ዘይመርጽን ህዝቢ ድማ፡ ኩሉ ግዜ ግዳይ ናይዞም ከንቱ ሓለምትን ኣስዳዕትን ዝኾኑ መራሕቲ ሃገራትን መራሕቲ ሃይማኖትን ብምዃን ንዘበናት ካብ ስቓይን መከራን፡ ካብ ዕንወትን ብርሰትን ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን።

 

እቲ ካብ ኩሉ ዘገርምን ዘስደምምን ዘጕህን ግን ካልእ እዩ። እዚ ድማ፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ ከንቱ ሓለምቲ ኪውድሱን ኪሰግዱን ዚውዕሉ ተምበርከኽቲ ምህላዎም እዩ። እዚኣቶም፡ ነቲ ኣእምሮኦም ምስቲ ኣተሓሳስባ ጎይተቶም ብቕኒት ከም ዚሰማማዕ ብምግባር (fine tuning) ኣብቲ ጎይተቶም ዚነብሩሉ ካልእ ዓለም ብኣእምሮኦምን መንፈሶምን ንምስታፍ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ከም ዘካይዱ ካብቲ ኣካይዳኦምን ኣዘራርባኦምን ካብቲ ሕሱር ተግባራቶምን ተምበርካኽነቶምን ኪፍለጥን ኪረጋገጽን ይከኣል። ምሳና ዘይተጸለለ ካባና ይፈለ ንምባል እዮም ዚፍትኑ። ኩሉ ሰብ ምስ ዚጽለለሎም ድማ፡ እቲ ጥዑይ ከም ጽሉል ዚቝጸረሉ ሃዋህው ኪፍጠር ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ እዩ። ኣብቲ ጽላለን ከንቱ ሕልምን ዝሰፈነሉ ናይ ህግደፋውያን ዓለም፡ እቲ ጥዑይ ከም ጽሉል፡ እቲ ጽሉል ድማ ከም ጥዑይ ስለ ዚውሰድ፡ ንብዙሓት ሰባት ኣብ ናይ ምድንጋርን ናይ ምዕውንዋንን ኩነታት ሸሚሙዎም ይርከብ ኣሎ።

 

ንብዙሕ ዓመታት ኣጽቂጡ ዝነበረ ህግደፍ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ነቲ ናይ ምትላልን ምጥላምን ሜላታቱ ኣብ ግብሪ ዘውዕለሉ ሃዋህውን ብጾትን ረኺቡ ኣሎ። ስለዚ ኸኣዩ፡ እቲ ውልቀመላኺ፡ ካብቲ ኣብ ግዜ ናጽነት ኤርትራ ዘርኣዮ ናይ ሓጎስን ፈንጠዝያን ስምዒታት በቲ ምስቲ ንኸስሕቶን ንኺጻወተሉን ናብ ኣስመራ ዝዓደሞ ጋሻ ምስ ተራኸበ ዘርኣዮ ሱር-ነቀል ፈኾስኮስ ኪዕብለል ዝኸኣለ። ክልተ ሓለምቲ ሓምዅሽቲ ስንቆም!!

 

ሓድሽ ጽልኢ መወድእ ኣጽዋርን መሳርያታትን ከም ዝኾነ ንኣምን እንተ ዄንና፡ ሓድሽ ፍቕሪ ድማ መወድእ ኩርዓትን ርዝነትን መበገስ ሕልማዊ ዕንደራን ፋሉልነትን ኪኸውን ከም ዚኽእል ክንግንዘብ ይግባእ። እዚ ውልቀመላኺዚ ምስቲ ኣብ ናይ ምትላልን ጥልመትን ዓለም ከም በዓል ኪዳኑ ገይሩ መዲቡዎ ዘሎ ተመክሮ ዘይብሉ መራሒ ብምዃን ኪፍጽሞ ዝደለየ ሕቡእ ኣጀንዳ ከም ዘሎ፡ ብዘይካ ነቲ ዳንደን ተምበርካኽን ተበላጽን፡ ንኹሉ ዘስተውዕል ሰብ ብሩህን ግሁድን እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ናይ ምትላልን ናይ ጥልመትን ሜላታት፡ ኣብቲ ናይ ከንቱ ሕልሚ ዓለሙ ኣትዩ ንምውሳእ ዚግልገለሉ ፍቱን መሳርያን መጋበርያን ከም ዝኾነ ድማ ንኹሉ ንጹር ኪኸውን ይግባእ።

 

ናይ ውልቀመላኺ ከንቱ ሕልምን፡ ምስቲ ናይታ ናይ ምጕባጥን ምውራርን ኣመላት ዘለዋ ሃገር ፖለቲካውን ምምሕዳራውን  ፖሊሲታትን ምስ ዚተሓዋወስ፡ ከምቲ ናይትሮ ግሊሰሪን ምስ ኒትሪክ ኣሲድ ምስ ተሓወሰ ብዓቢ ሂምታ ዚነትጕን ዚባራዕን፡ ነዛ መከረኛ ኤርትራና ለኻኺሙ ንምሉእ ዞባና ከዕኑ ዚህሉ ተኽእሎታቱ ቀሊል ኪኸውን ከም ዘይክእል ብኣጋኡ ከነስተውዕለሉ ዘሎና ሓደገኛ ኩነታት እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde August 13, 2018

    Like I jotted down a few months ago, the temperature and moisture in a society such as ours is conducive as a breeding ground for thousands of characters like memhir described above.They can flourish like a blooming red algae suffocating the ecosystem in the process. Memhir nobody can dissect the psych of his follow man better than you.The golden pen is on its way to your desk.

  • Haqu August 13, 2018

    መምህረይ ይብሉ፥
    “ብጉያን ብስምዒትን ሕልማዊ ተስፋን (delusion) ሰንኮፍ ራእይን ዚትግበር ዝኾነ ይኹን መስርሕ ግን ኣብ መወዳእታ ስቓይን ጓህን ጣዕሳን ጥራይ እዩ ዘኸተል።”
    ታሪኽ ወይ ድማ ጽዉጽዋይ ናይ ንግስቲ ሳባ ቀደም ብዘመን እኒ እኒ እተነግረ እዩ። ካብ ናይ ጉዳይ ስነ ጥንቲ ወጺእና እቲ ጽዋጽዋይ ወለዶኹም “ተማሂርና ኢና” ኢሉ ዝፈጠሮ ሕንቅልሕንቅሊተይ እንተ እተጽዉዩና ምሓሸ ፡ ንሱ እዩ ኣብዚ ኩሉ ዕግርግርን ውርደትን ዝወተፈና።
    ኣንቱም መምህር ፈሪህኩም ዲኹም? እዚ ደኣ ንኣቶ ኢሳያስን ህግደፍን ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። እዚ ነቲ ናታትኩም መማህርትን መታዕቢትን ወለዶ ዝፈጠሮ ፡ “ብጉያን ብስምዒትን ሕልማዊ ተስፋን (delusion) ሰንኮፍ ራእይን ዚትግበር …” ሓንሳብ ገድሊ ወይ ኣል ሳውራ እትብልዎ “ሕልማዊ ተስፋ” እንዶ ኣይኮነን፧
    ሓንሳብ ንቻይናን ሕበረት ሶቭየትን ዝበዝሔ ድማ ነቶም ድሑራትን ብባርነትን ፋሽሽትነትን ዝምርሑ በዓዝያውያን ኣል ጃማሂራውያን ፡ ወረ ገሊእምሲ ስጋብ ሕጂ ዘይበለየሎም ነቶም ጀሃዳውያን ናይ በዓል ስዑዲ ክመስሉ መንነቶም ታሪኾም ቋንቋታቶም ዝጽልኡን ዝነዓቑን “ሕልማዊ ተስፋን (delusion) ሰንኮፍ ራእይን” እንዶ ኣይኮነን?
    እዛ ኤርትራና ደኣ ኣብ ምድማር ወይ ዘይምድማር ከይብጽሔት ብዓንተቡ በቲ ናይቶም ተማሂርና ኢና ኢልኩም ታሪኽኩም ኣቦታትኩም እኖታትኩም መበቆልኩም ቋንቋታትኩም ዝነዓቕኩም እንድያ ተረሚሳ። ንሕና ተደሚርና ወይ ኣይተደሚርና እነምጽኦ ለውጢ የልቦን። ንሕና ኣሽንኳይ ክንድመር ኩሉ ዓለም ዝፈንፈነና ፡ እዞም ሰሓብቲ ገመል ደናቑር ናይ ዓረብ ራሻይዳ በደዊን ፈቐድኡ ዝሸጡናን ዝልውጡናን ፡ ኮላሊትና መዝሒቖም ዝጉሕፉና ፡ ኣዋልድናን ኣንስትናን ካብ ኢድና መንጢሎም ዝጻወቱለን ፡ ንዓና እውን ከም ኣጣል ዝሸጡና ተደሚርና እነምጽኦ ነገር የልቦን።
    መምህረይ ፡ ሓቂ ብዘይ ሽፍንፍን ዓቕምና ብቕዓትና ፈሊጥና ምዝራብ ይሕሸና ። እንድዒ ንስኹም ኣበየናይ ዓለም ከምእትነብሩ እምበር እዛ ገድልና ሰውራና መስሪትዋ እትበሃል ኤርትራ ፡ ምድማርን ምጉዳልን ይትረፍ ፡ ነታ ካብ ኩሉ ዝዓቕብናያ ሂወትና እውን መዕቆቢ ስኢናላ ከርተት ኢና ንብል ዘለና። ሓንሳብ ከም ኣጣል በድዊን ዓረብ ይኽብኩቡና ፡ ሓንሳብ ይጻወቱልና ፡ ነዛ መቐመጫና ውን ምሕላዋ ዝጨነቐና ህዝቢ ኴና ኣሎና።

  • ደደ August 24, 2018

    እብቲ መጽሃፍ ዝረኽብካዮ ጌጋታት አንተሃሊዩ ግዳ ዘይትጽሕፍ/ዘይትእርም ካብ ናይ ጓሶት ዝይሕሽ ወረ ትጽሕፍ

POST A COMMENT