Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ካናዳ ዑቕባ ተዋሂቦም ዝነበሩ ስደተኛታት ብሕቡእ ትውልዲ ዓዶም በጺሖም ብምምላሶም ረኺቦሞ ዝጸንሑ ሕጋዊ ነባርነት ክሕደጉ ምዃኖም ካብ መርበብ ሓበሬታ Metro Canada ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ኣብ ትውልዲ ሃገሮም ብዘሎ ስርዓት ተገፊዕና ኢሎም ብዘቕረቡዎ ሕቶ ዑቕባ መሰረት ኣብ ካናዳ ናይ ዑቕባ መሰል ተዋሂቦም ዝነበሩ ስደተኛታት፣ ዓዲ በጺሖም ብምምላሶም ረኺቦሞ ዝጸንሑ ሕጋዊ ነባርነት መንግስቲ ካናዳ ከሕድጎም ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ መርበብ ሓበሬታ Metro

ኣብ ትውልዲ ሃገሮም ብዘሎ ስርዓት ተገፊዕና ኢሎም ብዘቕረቡዎ ሕቶ ዑቕባ መሰረት ኣብ ካናዳ ናይ ዑቕባ መሰል ተዋሂቦም ዝነበሩ ስደተኛታት፣ ዓዲ በጺሖም ብምምላሶም ረኺቦሞ ዝጸንሑ ሕጋዊ ነባርነት መንግስቲ ካናዳ ከሕድጎም ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ መርበብ ሓበሬታ Metro Canada ብ 17 ለካቲት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ምስቲ ብ 2012 ምስ ኣብ ሕጊ ኢሚግሬሽን ዝተኣታተወ ለውጢ ተተሓሒዙ ዝመጽአ ሓድሽ ስልጣን፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ካናዳ፣ ” ምዕጻው ናይ ዑቕባ ሕቶታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መምርሒ ነቶም ፋይላት እንደገና እናረኣየ ኩነታቶም ዝተቐየረ ደለይቲ ዑቕባ ካናዳ ለቒቖም ክወጹ ንምስግዳዶም ብንጥፈት ይዓየሉ ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ሓደ ውሽጣዊ ሰነድ ከምዘመልከቶ፣ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዓቃባዊ መንግስቲ ዓመታዊ 875 ጠለባት ዑቕባ ከም ስደተኛታት ተዋሂቡዎም ዝነበረ ፍቓድ ክስረዝ ከም ታርጌት ሒዙዎ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ ወሲዱዎ ዘሎ ተበግሶ፣ ኣብቶም ዝተኻእሉ ስድርኦም ንምርኣይ ወይ ከኣ ናይታ ሃገር ኩነታት ድሕሪ ምምሕያሹ ንነዊሕ ግዜ ናብ ትውልዲ ዓዶም ዝገሹ ስደተኛታት ፍርሕን ሻቕሎትን ኣሕዲሩ ምህላዉ፣ ተጣበቕቲ ይዛረቡ ምህላዎም ‘ውን እቲ ካብ Metro Canada ዝተረኽበ ሓበሬታ ይጠቅስ።

እቶም ብስርዓት ህግደፍ ተገፊዕና ኢሎም ኣብ ካናዳ ዑቕባ ዝሓተቱ ‘ሞ ካብ መንግስቲ ካናዳ ተሓቢኦም ናብ ኤርትራ ዝመላለሱ ኣብታ ሃገር ዝቕመጡ ኤርትራውያን በዚ ስጉምቲ ‘ዚ ብቐጥታ ክጽለዉ ከምዝኽእሉ ይእመት።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • Jura February 18, 2015

    The Eritreans who had legally provided signed documents of human rights violations, the long and endless national “slavery” and lack of justice and rule of law in Eritrea under the Issaias Afewerki regime, however went back to visit Eritrea under the repressive Issaias Afewerki, despite the legal asylum document they had earlier presented to the Canadian and other governments to receive asylum and refugee status in Canada, USA, Sweden, Germany, United Kingdom, Australia, Norway … need to worry big time because they will soon be deported to the Hgdef land you have just visited.
    Most of these individuals have paid the 2% illegal Eritrean tax to visit the land of Issaias Afewerki that they legally had signed was a repressive and an outlaw regime.
    By the way, every Eritrean should refrain from getting the new Eritrean Identity cards. Not only are the people who get the new ID Cards renewing their relations to the regime they said was repressive but also paying the illegal 2% taxes on the houses and property they own and on their business and employment incomes.
    What should the Eritrean civic associations do? The Eritrean civic associations in USA, Canada, Sweden, Germany, Great Britain, Holland … need to educate their respective governments to take severe actions on the Eritreans that are violating the national and international sanctions by collaborating with the Issaias Afewerki regime.

  • wedi Toronto February 18, 2015

    Almost all of them are PFDJ supporters, and by supporters, I mean ardent “niHna nsu, nsu niHna” type!

    These are hypocrites who live a comfortable life here (ome have even built houses in Eritrea using Canada’s welfare money), and yet they are the first ones to blame the west, including Canada, for siding with the oppressed Eritrean people.

    No one is going to shed tears for these selfish people when they are forcefully removed from Canada.
    Since they love ‘nsu’ so much, they can have him 24 hours in Eritrea!

  • Mike February 18, 2015

    I think it is only fair for Canada to take such action. Not that it is anything to go and celebrate but this will serve as a lesson to all who claim falsely of a prosecution and abuse a system. Not only are these people abusing the system but giving those who are fleeing Eritrea a following their foot steps, a false sense of hope that the road out of Eritrea as if it is cake walk. Sadly, however, these people who are playing both sides of the world (seeking refuge for false claims and going back to the same place they fled from) are making a bad case to those who are really seeking a refuge in Canada and other countries for their own safety.
    Waiting to see what comes out of this….. Peace to all

  • Berhe Tensea February 18, 2015

    These is good news and others must be deported to their beloved Tembenay.

  • AHMED SALEH !!! February 18, 2015

    Stone headed people don’t think properly and choose to learn a lesson the hard way . I hope
    others get the message or look for same fate .
    The sad part , their actions might effect the
    reputation of Eritrean refugees in general who seek resettlement .

  • fthawi February 19, 2015

    አሕመድ ሳልሕ
    ግደፎም ባዓለዲኦም እፍለጡ እዚኦም ኒፋጦም ዝሉሕሱ ሕሱራት ናይ ዘመና እዮም ዝገርመካ ዝበዝሑ ተዛርቦም አነ ፖሎቲክስ ክዛረብ አይደልን እየ እብሉካ:
    እንታይ ድዩ እዝኩሉ ሽግርን መከራን ዝሐለፍካ ፓሎቲካ ዶ አይኮነን ትብሎም አነ ግዜይ ከጥፍእ አይደልን እየ እብሉካ ጻዕዳ ወረቀት ጌሮም ነስመረኦም ወረግ ገሊኢምሲ ብሃገር ክትዛረብ ከለካ የባጭውልካ ሕምም እየ ዝብል አነ ነዚ ህዝቢ እዚ እጥዓሞ ኢለ ንምንታይ እሐምም ኢለ ምስ ነብሰይ እባአስ መልሲ ተለካ አረዳአኒ ብዝተረፈ ሰሰናዩ ንዓካ ኩቡር ሐው።

    • awet nihafash February 19, 2015

      ፍትሓዊ ሓወይ እታ ሕቶ ን ሓውና ኣሕመድ ሳልሕ ኢያ ግን ኣነ ውን ተመሳሳሊ ስለ ዝረኣኹ ክምልስ ኣፍቅደለይ።
      እዞም ትብሎም ዘለኻ ሰባት ጠፊእዎም ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ሕልና ቀቲሎም ምስ ጥቕሚ ስለ ዝወገኑ ኢዩ። ምስ ዝመጸ መንግስቲ ተመሳሲልና ክነብር ንኽእል ኢና ዝብል ድኹም ርእሰ ተኣማንነት ዝጎደሎ ኣተሓሳስባ ስለ ዘለዎም ኢዩ። ከምቲ ዝበልካዮ ንፋጦም ዝልሕሱ ኢዮም፣ ገለ ንኽትጥቀም ኢልካ ነቲ ክብርኻ ትሕቲ ባይታ ንዘውደቖ ስርዓት ክትውድስን ከተጣቕዕን ከም ብልሕን ምዕባለን ዝርእይዎ ብዙሓት ኢዮም።
      ነዚኦም ንምእማን ኢልካ ብዙሕ ኣይትሕመም፣ ፈሊጡ ዝደቀሰስ ***። እታ ኽትገብራ ዘለካ ምስቶም ከም ናትካ ርድኢት ዘለዎም ሰባት፣ ድምጺ ውጹዓት ክኾኑ ዝመረጹ ደቂ ሃገር ሰብ ሕልና ከም ዚ ከማኻ ኮይንካ ዝከኣለካ ምግባር ኣይትቆጠብ።
      እንተ እቶም ሰብ ኣልቦ ሕልና ግን፣ እቲ ጅግንነት ምስራሕ ኣመሉ ዝኾነ ህዝብና ነዚ መላኺ ስርዓት ምስ ኣለዮ ኣበይ ከም ዝኣትው ክንዕዘብ ኢና።
      ኣብ ቀጻሊ ፍትሓዊ ሓወይ፣ ክሳብ ሽዑ በዛ ናይ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ጥቕሲ ክፍለየካ
      ከብዲ እንተዓንገለት
      ነብሲ ውን እንተጽለለት
      ኣይትበቅዕን ቅሳነት
      ሕልና ከይዓበየት።

    • AHMED SALEH !!! February 19, 2015

      Kubur fithawi
      Your reaction normally is out frustration like everybody else when you see weak , careless ,
      selfish and hypocrite people even from family
      members . They are the bad apples of these young
      generation , at same time hard to condemn them
      because they are our brothers and sisters .
      ABOTATNA YIBLU ” SIGA SI HAMED HIZA TITES’E “.

  • Gebray February 19, 2015

    Assena where did u get the news…. I could not find it. Besides going back home doesn’t mean you support the regime. People go there for different reasons. I don’t think Canada can do that, if they do they have to be fair.. there are lots of refugees from Ethiopia, south Sudan, and other similar countries should affect them too. If you are pushing to do this, this is going nowhere stop nonsense politics.

  • Tekle Haile February 19, 2015

    ኤርትራዊ ሎሚ አይኮነን ክስደድ ጀሚሩ፡ ብግዜ ሃይለስላሴ፡ ብግዜ ደርግ እዩ። ናይ ሽዑ ዝነበረ ሓልዮት ኤርትራውነት ሎሚ ብተበለጽቲ ብመደናገርቲ ተበሊሉ። ሎሚ ክትሓስቦ እንከለኻ መንግስቲ ካናዳ ጽቡቕ ገበረ ኢኻ ትብል። አብ ሃገረይ ተኣሲረ ተጨፍጪፈ ተጋፊዔ እልካ ክተብቅዕ ፡ አደናጊርካ ናብ ኤርትራ ናፊቐ ኢልካ ትገይሽ ትማላለስ ። ዘገርም ተርእዮ ኢዩ ። ዝይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ….እዩ ነገሩ ። ሕጂ ምስ ተጋለጽካ ምድሪ ትጸበካ ደሊኻዮ ንይብለካ ። ከም ሰብካ ስጋብ ዝወግሕ አብ ዘለኻዮ ዘይትጽበ ? ካብ መን ኢኻ ለቢምካ፡ ጎሪሕካ ? እዚ ኩሉ መዓትን መከራን ሓሊፍካ መጺኻ አብ አሜሪካ ኤውሮፓ ምስ በጻሕካ 2 % ከፊልካ ንሃገር ትምለስ ሕጂዶ ይሕሸካ ?
    ዓወት ንተቓለስቲ ኤርትራውያን ሰብ ሕልና ። ህግደፋውያን እውን ሰብ ሕልና ይብሉ እዮም ብየሕዋቶም ኤርትራውያን እናሸቀጡን እናነገዱን ይነብሩ አለዉ
    የቐንየለይ

    • awet nihafash February 19, 2015

      ተኽለ ሃይለ
      እንጀራ እዝጊ ብላዕ። ካብ መን ኢኻ ለቢምካ፣ ካብ መን ኢኻ ጎሪሕካ ዝበልካዮ መልሲ ዘድልዮ ኢዩ ናይ ብሓቂ። ኣነ ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ ኣይደልይን ኢየ ክብሉ ከለው ከመይ ደመይ ይፈልሓኒ መስለካ፣ ሽሮ ናይ ኣዴኻ እንዳበላዕካ ተመስገን ኢልካ ከይትነብር ዘየኽኣለካ ምኽንያት እንታይ ድዩ፧ ለባም መራሒ ዝሰኣነ ፖለቲካ ሃገርና ዶ ኣይኮነን። ብዝኾነ እቲ ዝበሃል ኩሉ ኢልካዮ ኢኻ፣ ዓወት ን ሰብ ሕልና!

  • ለባም February 19, 2015

    ኣየ ኤርትራውያን ክሳብ መዓስ ኢኹም ኣብ በዓቲ ምስሉይነት ትሓቢእኩም ክትነብሩ ኩላትኩም እዞም ርእይቶ ጽሒፍኩም ዘለኹም ንነብስኹም ኣይትፈልጥዋን ዲኹም ኮንኩም ዋላስ ኣብ ኲናት ዘይወዓለ……..እዩ ነገሩ “ዝጨነቖ ጥንስቲ ይምርዖ” ክበሃል ሰሚዕኩም ዶ ትፈልጡ፧ ዝበዝሑ ካብዞም ከይዶም ዘለዉ ምኽንያት መኸዲኦም ቅቡል እዩ ንሰብ ድማ ከማይ ሕሰብ ወይ ከማይ ኩን ኢልካ ምግዳድ ጽቡቕ ኣይኮነን። ክሳብ ኣብ ገበን ኢዱ ዘይሓወሰ መሰሉ እዩ ዝደለዮ ክገብር። ንኣብነት ስድራ ኣሪጎም እንተኸይዶም ኣይምለሱን እዮም ወይ ካልእ ንዕኡ ዝመስል ዘይስገር ነገር እንተጓኒፍዎም ዕረ እንዳጠዓሞም ክኸዱ ክግደዱ እዮም። ክኸዱ እንተኾይኖም ድማ ግድነት ዘዋጽኦም ክገብሩ ናቶም ምርጫ እዩ። ከምቲ የማነ ማንኪ፣ ሓጎስ ክሻ ወ.ዘ.ተ ኣብቲ ዘለኹሞ ዓዲ መጺኦም ድላዮም እንዳገበሩ ከይትእሰሩ ፈሪሕኩም ካብ ምልፍላፍ ሓሊፍኩም ምንም ዘይገብረኩም ፣ንሶም ድማ ዓዲ ኸይዶም ብሰላም ከይተኣሰሩ ክምለሱ እንተኾይኖም ከይፈተዉ ንሃገር ዘይምዃኑ እንዳፈለጡ 2% ክኸፍሉ እዮም። ከምቲ ህግደፍ ጸላእትኹም ምዃኖም እንዳፈለጥኩም ኣብ ዲያፖራ መጺኦም ተሓምበለ እንዳበሉ ምንም ዘይገበርኩሞም። ንኣብነት ኣነ ናብ ኤርትራ ብዘይካ ክዛወር ዘኽይድ ምኽንያት የብለይን ንዝሮት ድማ ዘሎ ህሉው ኩነታት ኣየብህገንን ስለዚ ኣይትኺዱ ወይ ንዝኸዱ ናብ ዓዶም ክጥረዙ ኣለዎም ምባል ቅኑዕ ድዩ፧ ኣይፋሉን፣ ስለዚ የሕዋት ክሳብ መዓስ ኢኹም ንነብስኹም እናዐሸኹም ናይ ብርዒ ተቓለስቲ ክትኮኑ ፧

  • Hail soura February 19, 2015

    this a good decision i ever read,

POST A COMMENT