Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Updated: ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፍ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ከደ ማእሰርቲ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ኣንጸላልዩዎ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፍ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ከደ ማእሰርቲ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ኣንጸላልዩዎ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ሎሚ ሃንደበት ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ጋዜጣ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ። ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንምስታፍ ደቡብ ኣፍሪቃ

ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፍ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ከደ ማእሰርቲ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ኣንጸላልዩዎ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ሎሚ ሃንደበት ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ጋዜጣ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንምስታፍ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተወ፣ ኣብ ዳርፉር ፈጺሙዎ ብዝብሃል ገበናት ጃምላዊ ህልቂት ብኣህጉራዊ ገበናዊ ቤትፍርዲ ዝድለ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ክሳተፍ ጁሃንስበርግ ድሕሪ ምእታዉ፣ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃር ከይወጽእ ብላዕለዋይ ቤትፍርዲ ናይታ ሃገር ተኣጊዱ ክምዝነበረ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ፣ በሽር ንኽእሰር ንሰበስልጣን ናይታ ሃገር ዘስገድድ ትእዛዝ ክሳብ ኣብ መጋብኣያ ዝስማዕ፣ ነዚ ግዝያዊ ሕጋዊ ትእዛዝ ዝ ከምሓላልፍ ከሎ፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ ሰላት ‘ውን፣ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ሄግ ዝመደበሩ ውድብ ሓቡራት ሃገራት ዝድገደፍ ኣህጉራዊ ገበናዊ ቤትፍርዲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ከኽብሮ ኣጥቢቖም ጸዊዖም።

ይኹን’ አምበር፣ እቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ደቡብ ኣፍሪቃ ANC እቲ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ነቲ ዝተመስረተሉ ናይ መጀምርያ ዕላማታት ዘገልግል ብቕዓት የብሉን ክብል፣ ንምርካብ በሽር ከምዘይድግፍ ኣሚቱ ነይሩ።

እቲ ኣህጉራዊ ገበናዊ ቤትፍርዲ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ከቢሩ በሽር ኣብ ፍርዲ እንተዘይቀሪቡ ሚዛን ናይቲ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

በሸር፣ ትእዛዝ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ኣብ ዝባኑ እናሃለወ፣ ኣብ ሓያለ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ነጻ ኮይኑ ክንቀሳቀስ ድሕሪ ምጽንሑ፣ እቲ ቤትፍርዲ ምትሕብባር ይረክብ ከምዘየሎ ብምጥቃስ ነቲ ጉዳይ ሸለል ክብሎ ምዃኑ ኣንፈታት ሂቡ ምንባሩ ይዝከር።

 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ እቲ ቤትፍርዲ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘለዉ ፖለቲካውያን መራሕቲ እንተዘይኮይኑ ነቶም ኣብ ከም ማእከላይ ምብራቕ ዘለዉ ገበነኛታት መራሕቲ ግዲ ከምዘይገብረሎም ይኸሳ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • ኣርዓዶም June 15, 2015

    ዘሕዝን ኢዩ፡ ቢቢስ ከም ዝጠቐሶ ግን ባሽር ብሕቡእ ካብ ኣኼባ ሃዲሙ፡ ንዓዱ ሱዳን ንምኻድ ኣብ ሰማያት ይበርር ከም ዘሎ ኢና ዝነበብና። ሳዓት 18፡15 ክ ኣቱ ኢዩ`ውን ይብል እቲ ሪፖርታጅ። ስለዚ እዚ ናይ ሕጂ ዜናኩም ምስ ዝድሓረ ፍጻሜታት ኣይተኣሳሰረን። ደቡብ ኣፍሪቓ ፈንዮሞ ኢዮም ኢዩ ዘስምዕ እቲ ዜና ቢቢሲ፡ በሽርን ኢሳያስን ግን ክትሓዙ ዘለዎም 2 ዓዋሉ ቐርኒ ኣፍሪቓ ኢዮም።

  • Daniel Tewelde June 15, 2015

    He is already in Khartoum at 15.30 local time.

  • semere 2 June 15, 2015

    Yes he is already in Khartoum. It shows the weakness of the ICC. It barks but does not bite the real criminals.

  • Semhar June 15, 2015

    Shame to South Africa for letting free the Sudan’s president from South Africa. K

  • semie belay June 15, 2015

    meles zenawin elsa churmn eyom ab ICC kikerbu zelewom mis Obama hawiska

    • Harmaz June 17, 2015

      ata kemey zbeluka resi akat eika …..

  • hadnet June 15, 2015

    Semie belay, you need to see a doctor for mental evaluation.

  • ERITRAWIT June 15, 2015

    I hope this day will come to Isaias Gebele he swallowed many Eritreans,
    our beloved country he changed it to hell!!!!

  • AHMED SALEH June 15, 2015

    Let the people clean their own houses without
    any intervention because most of the time foreign influenced solution doesn’t last long .
    Either in Sudan or Eritrea leave the task to their
    nationals find ways how to resolve problematic
    political issues .
    Iraq , Libya , Syria , Afghanistan are few countries to give us an example to learn from
    outside involvements .

POST A COMMENT