Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዓበይቲ ጎደናታት ሲያትል ዋሽንግተን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ።

ኣብ ዓበይቲ ጎደናታት ሲያትል ዋሽንግተን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ። እቲ ንሰላማዊ ሰልፊ ኣስመራ ደጊፉ ብህዝቢ ሲይትልን ከባቢኣን ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ሲያትል ሓድነታዊ ስኒት ኤርትራውያን ዝተንጸባረቐሉ ፣ ባህጊ ሓድነት ዝደመቅሉ ባህ ዘብል ዕለት’ዩ ነይሩ ። ኩሎም ተሳተፍቲ

ኣብ ዓበይቲ ጎደናታት ሲያትል ዋሽንግተን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ።

እቲ ንሰላማዊ ሰልፊ ኣስመራ ደጊፉ ብህዝቢ ሲይትልን ከባቢኣን ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ሲያትል ሓድነታዊ ስኒት ኤርትራውያን ዝተንጸባረቐሉ ፣ ባህጊ ሓድነት ዝደመቅሉ ባህ ዘብል ዕለት’ዩ ነይሩ ። ኩሎም ተሳተፍቲ ሰልፊ ነፍሲ-ወከፎም ባህጊ ኩሉ ኤርትራዊ ጭርሖ ሒዞም እዮም ወፊሮምን ኣቃሊሖምን ። ኣብቲ ዕለት ካብቶም ብተደጋጋሚ ክቃላሕ ዝውዓላ ጭርሖታት ሕቶ መሰል እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።

“ ንሕና ምስ ህዝብና ፣ ህዝብና ምሳና “ , እሱራትን ይፈትሑ , ቃል ሓጂ ሙሳ ፣ ሕቶ መሰል ኩልና ፣ ዲሞክራሲ ሕጂ ,…ይርከብዎም

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበረሰብ ኮሚኒቲ ኤርትራ እዩ ተበጊሱ ። ብቀንድን ዓበይትን ጎደናታት ሲያትል ድማ መሪሹ ። ብፖሊስ ትርፊክ ተዓጂቡ ክኣ ኣብቲ ቤት ጽሕፈታት ፊደራል/ማእከላይ መንግስቲ የዕሪፉ። እቶም ወከልቲ ህዝቢ ሲይትል ክኣ ንዝምልከቶም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣሜርካ ብጽሑፍ ዝቀረበ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ንሰላማዊ ሰልፊ ኣስመራን ተቃውሞ ክኣ ነቲ ብሰበስልጣን ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ገበናትን ዘብርህ ጽሑፍ ኣረኪቦም።

ህግደፍ ብምኽንያት ፍጻመ 31 ጥቅምቲ በጺሕዎ ዘሎ መጻብቦ መተንፈሲ ንምርካብ ብኣባላት ጸጥታን ወተሃደራዊ ሓይሊን ክፈትሖ ፈቲኑ ስለዘይሰለጦ ፣ ከም ዘይሰልጦን ብምግንዛብ ሕሱር ፈላላይ ሜላ ሃሰው ኣብ ምባል ይርከብ ሰለ ዘሎ ፣ ዝኾነ ዝወሃብ ጠቀነ ግን ንግብርን መንፈስን እቲ ሰላማዊ ሰልፍን ዘይውክል ጻዕዳ ሓሶት ምኾኑ ማንም ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ ዝፈልጦ ምኾን ብተደጋጋዊ ተሳተፍቲ ኣዘኻኪሮም ።

ህግደፍ ኣብ ዕርበቱ ፡ ኣብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ብደለቲ መሰል ዘጋጥሞ ዘሎ መኸተ እንዳ ዓበየን ናብ ናይ ውድቀቱ መወዳታ እንዳ ኣሰጋገሮ እዩ ዝረከብ ዘሎ።ሓይልታት ጸጥታን ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ምስቲ ተቃውሞ ምትእስሳር ኔርዎም ኢሎም ዝጠርጠርዎም ሰባት ዝወስድዎ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ይቅጽል ስለ ዘሎ ፣ በዚ ኣጋጣሚ ነዚ ምልዕዓል ንምቕሃም ተመዚዝኩም ዘሎኹም ኩሉኹም ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት፡ መሓውራት ስለያ፡ ፖሊስን ተራ ኣባላት ምክልኻል ሓይልታትን፡ እዚ ተጨቚኑ ዘሎ ህዝቢ ህዝብኹም፡ ሓውኹም ሓፍትኹም ካብ ብርኩ ዝወጻእኩም ወላዲኹምን ምዃኑ ኣስተውዒልኩም፡ ኣብ ጎድኑ ደው ክትብሉ፡ ሃገራዊን ሞራላውን ሓላፍነት ከምዘለዎምን ናብ ብርሃን ዘይወጽእ ገበን ድማ ከምዘይሎ ኣዘኻኺሮም።

ኣብቲ ዕለት እቲ ብዙሕ ተሳታፋይ ናይቲ ሰልፊ ኣብ ሓድነትና ዘተኮረ መደረታት ኣስሚዖምን ንሑሱር ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ኣቃሊዓምን ። ኣብ መዛዘሚ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ፣ ብምኽንያት ፍጻመ ሰላማዊ ሰልፊ ኣስመራ ዝተዳለወ ጽሑፋት ንኤርትራውይንን ወጻእተኛታትን ተዓዲሉ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !

ኣንጻር ምልኪ ዝግበር ቃልሲ ክዕወት’ዩ።

ደለይቲ ፍትሒ ሲያትልን ከባቢኣን

ሲያትል – ዋሺንግተን 11-09-2017

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • ተስፎም November 13, 2017

    ኣንቱም ህዝቢ ትሓልሙ ዲኹም ዘለኹም ዋላ ካብ ገለ ፕላነት መጺእኩም ንመጀመርያ ግዝየ ትግርኛ ትዛረቡ ዘለኹም ትጥዕሙ። በሉ ኽነግረኩም ህግደፍ ኣይኮነንዶ ኣብወጻኢ ኸንኩም ከተዉድቑዎ ኩሉኹም እዞም ኣብ ደገ ዘለኹም ተቛመርቲ ዓጢቕኩም ስጋብ ኣፍንጫኹም እንተዝኸድዎ ኣብ ውሽጢ ፬፭ ደቒቕ ምተመሳሓኩም ኔሩ። ህዝባዊ ግንባር ዓሚቕ ተመኩሮ ዉግእ ሕድሕድ ዘለዎ ብምዕራብን ብምስራቕን ዝድገፍ ናይ ደርጊ ገዚፍ ሓይሊ ኣብ ኣፍሪቓ ዝበሃል ሲዒሩ ሃገር ዘዉሓሰ ምንቅስቃስ እዃ እዩ። ብዘይ ናይ ደገ ሓገዝ ጸላኢ ብብረቱን ብጥዩቱን ኢሎም እኮ እዮም ኣብዚ በጺሖም። ኣብዚ እዋን ድማ ናይ ዉግእ መራኽቦም ባዕሎም ከም ዝሰርሑ ትፈልጡዶ። ሕጂ ኽብለኩም ዝደሊ እንተሎ፣ ሻዕብያ እታ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ምቑጽጻሮም እያ ዘላ። ንስኻትኩም ድማ ትቓወሙ ኣይኮንኩምን ዘለኹም፣ ነንሕድሕድኩም ክትናኸሱ ኢኹም ትዉዕሉ ዘለኹም። ኽሉ በጃኹም ገገዛኹም ኺዱ። ናብራኹም ግበር።

    • Alula November 13, 2017

      Tesfom,
      BizuH Ajewjow ayitebiziH, what medications are drugs are you hooked on?
      Your Hizbawi Ginbar (EPLF) would have taken additional 30 yrs hidden and fighting in/from Sahel trenches to liberate Eritrea. It was the bravery and the military strength tactic of the TPLF that first defeated Dergu inside Ethiopia followed by joint EPLF/TPLF forces across Eritrea.
      Don’t forget if it was not for TPLF insistence and refusal NOT to make a deal or compromise with Mengistu/Dergue, your Esayas and EPLF almost were ready and happy to sign and accept a deal (keeping Eritrea within Ethiopia). Your other fabricated lie or propaganda is about Higdefs making/producing their own warships!! Which planet are you from????

  • AHMED SALEH !!! November 13, 2017

    Tesfom
    We Eritreans are Shaebia – Jebha products and we
    will continue to fight for our country against internal
    and external enemies . So if you don’t support justice
    seekers political movement , you better step aside or
    join HGDF sponsored sites that welcome your alike presence .

  • Tesfom November 13, 2017

    Alula
    ካብቲ ኣዛራርባኻን ሽምካን ትግራዋይ ትመስል። ብዛዕባ ናይ ወያነ ወታሃደራዊ ኩነት ዘይምፍላጥካ ብዕድመ ትሕት ዝበልካ ትመስል። ብዛዕባ ወያነ ዝገጠመን ዉግኣት ምስ ደርጊ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸራ ምኻነን ክገልጸልካ እፈቱ። እተን ኣብ ገለ ካብተን ዉግኣት፣ዝገጠመን ድማ ሽረ ኔሩ። ናይ ወያነ ሰራዊት 75% ተኸቢቡ ብደርጊ ኢዱ ክህብ እናተቓራረበ ኾሎ ህዝባዊ ግምባር ብዉሑድ ሓይሊ ሰብ ካብ ከበባ ከምዝወጸም፣ታሪኽ ዝምስኩሮ ሓቒ እዩ። ካብኡ ድማ ህዝባዊ ግንባር ብወታሃደራዊ ንወያነ እና ኣለየ ኣዲስ ኣበባ የእቲዎ። እቲ ቤተመንግስቲ ናይ ዜናዊ ድማ ብሓንቲ ናይ ህዝባዊ ግንባር ብርጌድ ይሕሎ ኔሩ። ደሓር እውን እታ ብርጌድ ንኣስመራ ምስተበገሰት ወያነ ከምዚ ኣዲኡ ዝገደፈቶ ህጻን እዩ ኾይንዎም።እንተ ብዛዕባ ናይ ኤርትራዉያን ተባላሒትነት ንዓኻ ዝምልት ኣይኮነን።

  • Tesfom November 13, 2017

    AHMED

    እቲ ዝበልካዮ ሓቒ እዩ። ኣብ ናይ ተቛመርቲ Site ዘእቱ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ካብ ንፋኛትራ ደኒንካ ምሽታት ስለ ዘይፍለ።

    • Simon G November 15, 2017

      ተስፊት ነብሲ:
      እት ዝዓበየ ፋኛቱራ ደኣ ህግድፍ ኳ ‘ዩ።
      ህግደፍ ሻዕብያ ዘይኮነ: ንሻዕብያ ዝጠለም ናይ ሰብ በጋሚዶ እኽብካብ ምኻኑ ዝረሳዕካ ትመስል።

Post a Reply to Alula Cancel Reply