Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ መሰል ዑቕባኦም ክሕለወሎም ዝጠልብ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ሮማ ኣካይዶም።

ካብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2015 ኣትሒዞም ክሳብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ‘ዚ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ዓዲ ጥልያን ዝኣተዉ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ በቲ ሕብረት ኤውሮጳን መንግስቲ ጥልያንን ዝኣተወሎም መብጽዓምሰረት ምሰል ዑቕባኦም ክሕለወሎም ዝጠልብ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ

ካብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2015 ኣትሒዞም ክሳብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ‘ዚ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ዓዲ ጥልያን ዝኣተዉ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ በቲ ሕብረት ኤውሮጳን መንግስቲ ጥልያንን ዝኣተወሎም መብጽዓምሰረት ምሰል ዑቕባኦም ክሕለወሎም ዝጠልብ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ትማሊ 8 ሓምለ ኣብ ሮማ ኣካይዶም።

እቶም ምልካዊ መግዛእቲ ስርዓት ኢሳይያስ መሪሩዎም ካብ ኤርትራ ክስደዱ ዝተገደዱ፣ ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ፣ ሊብያን ማእከላይ ባሕርን በቶም ዘይሕጋውያን መሰጋገርትን ባህርያዊ ተጻብኦን ጽንኩር ጉዕዞ ዘሕለፉ ኣደ ቆልዑ ዝርክባኦም ኤርትራያን ስደተኛታት፣ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ኤርትራን ተመሳሳሊ ጸገም ዘለወን ኣብ ቅውላው ዝርከባ ካልኦት ሒደት ሃገራትን ዝመጹ ስደተኛታት መሰል ዑቕባኦም ሕሉው ምዃኑ ኣሚኑ ጉዳዮም ኣብ ሓጺር እዋን ከሳልጠሎም መምርሒ ኳ እንተውጽአ እቲ መብጽዓ ኣይተኸብረን ብምባል እዮም ኣብ ጎደናታት ሮማ ወጺኦም ተሰሊፎም።

ንሳቶም፣ ኣብቲ ተዓቝቦምሉ ዘለዉ መጽንሒ መዓስከር ኩነታት መነባብሮኦም ኣዝዩ ዝኸፍአ ምዃኑ ብምጥቃስ ዝግበረሎም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምዘየልቦ ኣብቲ እዋን ሰላማዊ ሰልፊ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ዝርርብ ኣገንዚቦም።

ንሳቶም ጥራይ ዘይኮኑ፣ ብዙሓት ካልኦት ኤርትራውያን ኣብ ካልኦት ዝተፈላለየ መዓስከራት ዓዲ ጥልያን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሰንፈላል ኩነታት ከምዝርከቡ ብምጥቃስ ድማ፣  ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ሕብረት ኤውሮጳ ህጹጽ ፍታሕ ክገብረሎም ኣተሓሳሲቦም። ግዱሳት ኤርትራውያን ጸገሞም ኣብ ምፍታሕ ክተሓባበሩዎም ‘ውን ኣዘኻኺሮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde July 12, 2016

    The EU funds and infuses life to the tyrant,the victims of this unholy collision ask resolution to their woes from the very conspirators of their demise,It doesn’t add up.It is a murky political landscape,the people who are suffering is glaringly obvious.Somebody knows exactly what they are doing,but nobody has the kuzba to stop them.So I leave it up to the almighty Lord to unleash his wrath and incinerate the powerful and their crystal dwellings,that was built by the blood and flesh of the oppressed.It happened before and it will happen again.The recent tsunami that rocked the globe from the tip of Indochina to the coast of Somalia is grim reminder..

  • zeray July 12, 2016

    The Eritrean embassy in Roma – Italy is the worst mafia and corrupt office inthe world. And the worst korakur employee of the corrupt Eritrean embassy are the Eritrean women who are the most unrelyable and liars in Italia. The poor young and new Eritreans in Italia lack a committed and trustworthy leader to unite and help them with their so many major problems. The Italian authorities are as bad as the cruel corrupt Eritrean embassy and staffs.

Post a Reply to zeray Cancel Reply