Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝራሕርሖ 1ይ ጸሓፊ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኢማራት ዓረብ ነበር ኣልኣሚን ናፍዕ ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ራሕሪሑ ከምዝተሸርበ ብመርበብ ሓበሬታ demo.archive.assenna.com ተጠቒሱ ዝነበረ 1ይ ጸሓፊ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኢማራት ዓረብ ነበር ኣልኣሚን ናፍዕ ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንጭታት ሓቢሮም። ነቲ ሓበሬታ ኣብ ኣውስትራልያ ዝመደበራ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ራሕሪሑ ከምዝተሸርበ ብመርበብ ሓበሬታ demo.archive.assenna.com ተጠቒሱ ዝነበረ 1ይ ጸሓፊ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኢማራት ዓረብ ነበር ኣልኣሚን ናፍዕ ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንጭታት ሓቢሮም።

ነቲ ሓበሬታ ኣብ ኣውስትራልያ ዝመደበራ መርበብ ሓበሬታ farajat.net ‘ውን ኣረጋጊጻቶ።

ኣቶ ኣልኣሚን ናፍዕ፣ “ እቲ ስርዓት ንክብርታት ሕብረተሰብ ኤርትራ የዕንዎ ስለዘሎ ክገድፎ ከምዝተገደደ” ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ (Anadolu Agency) ንመግለጺኡ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ብኣጋጣሚ ኣብ ኣስመራ ዝጸንሐ ኣምባሳደር ኢማራት ዓረብ ዑስማን መሓመድ ዑመር ኩነታት ኣልኣሚን ክሳብ ዝጻረ ናብ ምዱብ ናይ ስራሕ ቦትኡ ናብ ኢማራት ዓረብ ከይምለስ ኣዳናጕዩዎ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ጽባሕ ናብ ቦትኡ ክምለስ ትጽቢት ከምዝግበረሉ ምንጭታት ካብ ኣቡዛቢ ሓቢሮም።

ንሳቶም፣ ኣልኣሚን ኣብቲ ቦታ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ጽቡቕ ምትሕግጋዝ ይገብረሎምን ኣብቲ ስርዓት ዘለዎ ቅሬታ ይገልጸሎምን ብምንባሩ፣ ናብ ኤርትራ እንተተመሊሱ ዕድሉ ማእሰርቲ ጥራይ ክኸውን እዩ ኢሎም ተሻቒሎም ከምዝነበሩ ብምጥቃስ፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ምርሕርሑ ብዓቢኡ ምስኡ ‘ውን ነብሱ ምድሓኑ ከምዘሐጎሶም የገንዝቡ።

ቤትጽሕፈት ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣምባሳደሩ ኣብ ኤርትራ ተዓጊቱ፣ 1ይ ጸሓፊኡ ድማ ዑቕባ ሓቲቱ፣ ክሳብ ሎሚ ብዘይ ላዕለዎት ሓለፍቲ በረውረው ክብል ከምዝቐነየ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Naji August 1, 2015

    Subuq agathami lomi zikone seb segie HGDF kikewin yeblun
    inte kielu ansar HGDF yiqalas inte zeykoynu edun afun miekab temarasi iyu

  • Naji August 1, 2015

    Inte izom abseg-e HGDF konkum tethaqiu zelokum gin Ed hizbi Eritrea newah iya Kalay gize nigage kaymeslekum kemti qedem ab godni DERg kon kum hizbi athfiekum titerfu kay meslekum

  • Ti August 2, 2015

    tsbuq wsane.

  • Simon G. August 2, 2015

    Hi Assenna team,
    I just realized my questions to Ato Fetsum and Our Voice disappeared and I was wondering which Assenna’s guideline was violated. I thought it was short and respectful comment.

    • Simon G. August 2, 2015

      Oops, wrong article to post my question. Sorry, you can delete this.

  • Ibrahim August 3, 2015

    ኣብቲ ስርዓት ዘለዎ ቅሬታ ይገልጸሎምን ብምንባሩ፣
    Yes, Mr Alamin was doing so long time ago, I am wondering how he survived till now?

  • Hagerawi August 6, 2015

    Kulu dilayika misgeberkas hadimka zereba..eza australia mehbit serekti koyna iko..

    1)Ali Abdu
    2)Mehari Weldeselassi Trade Attache sinebere ab Dubai hiji kea izi seb ezi.

    dehan abu koynkumis dilayykum diserekumo nay hizi eritra genzebin newatin hade mealti kithetetu ikom zewesedkumen seldi..Ezi seb ezi entay hasibu dea australia keydu ??mis Meahri weledeselassi koynu neten ditesereka seldi kimakelen diu?? serekti.Eti Mehari ke entay koynu iu suk ilu zelo tehabiu ab australia????sereketi kiluom foooooo

Post a Reply to Hagerawi Cancel Reply