Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ብዘይፍርዲ ንነዊሕ እዋን ተኣሲሮም ዘለው ዜጋታት፡ ብሕማም፡ ጥሜትን ጭንቀትን ይሳቀዩ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ናብራ መሪርዎምን ናጽነት ዝተሓረሙን ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ፍትሒ ክነግስ ዝጠለቡ፡ ዶብ ክሰግሩ ዝተታሕዙ፡ ህግደፍ ዘይፈትዎ ሃይማኖት ስለዝኣመኑን ርእይቶ ስለዝሃቡን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብዘይፍርዲ ኣብ ሰናጭሮ፡ ጎዳጉድን ኣጻምእን ንዓመታት ተኣሲሮም ካብ

ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ናብራ መሪርዎምን ናጽነት ዝተሓረሙን ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ፍትሒ ክነግስ ዝጠለቡ፡ ዶብ ክሰግሩ ዝተታሕዙ፡ ህግደፍ ዘይፈትዎ ሃይማኖት ስለዝኣመኑን ርእይቶ ስለዝሃቡን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብዘይፍርዲ ኣብ ሰናጭሮ፡ ጎዳጉድን ኣጻምእን ንዓመታት ተኣሲሮም ካብ ዘለው ኣሽሓት ዜጋታት፡ ብኣራሰንቲ ሕማማት፡ ተቅማጥን፡ ብጉድለት መኣዛዊ መግብን ጽሬትን ዝስዕቡ ሕማማት ከም፡ ዓበቕ፡ ተቕማጥን ዓሶን፡ ጥሜትን ጭንቀት ኣእምሮን ይሳቀዩ ከምዘለው፡ ካብ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ብጽሞናን ብርሃን ጸሓይ ከይርኣዩን፡ ንዓመታት ብህይወቶም እንከለዉ ኣብ ትሕቲ መሬት ተቐቢሮም ዘለዉ ዜጋታት፡ ግቡእ ክንክን ሕክምና ስለዘይረኽቡ፡ ብሕማም ቆርበት፡ ሽኮር፡ ብዝሒ ደም፡ ምልማስ መሓውርን ዑረትን ይማስኑ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ኣብቲ መባእታዊ መሳለጥያ ዘይብሉ ቤት ማእሰርቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ናጽላ ደቀንን ትሕቲ ዕድመ መንእሰያትን ተኣሲሮም ከምዘለዉን ዝበዝሓ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ሰብኡተን ኣብ ስደት ዘለውን፡ ካብ ማእሰርቲ ንኽወጻ ናብ ጁባታት ውልቀሰባት ዝኣቱ ዓሰርተታት ኣሽሓት ናቅፋ ክኸፍላ ዓቅሚ ዘይብለን ኢየን። ኣብ ልዕሊ’ተን ሰብ ሓዳርን ትሕቲ ዕድመን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሓለፍቲ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ጾታዊ ዓመጽን ጥንስን ከምዘጋጥመንን ንሓለፍቲ መግቢ ክኽሽናን ክዳውንቲ ክሓጽባን ከምዝግደዳ’ውን ተፈሊጡ።

እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ፡ እቶም እሱራት፡ ሓለፍቲ ቤት ማእሰርትን ካልኦት ላዕለዎት ሰብመዝን ዝውንንዎ ኣባይቲ ክሃንጹ፡ ኣብ ሕርሻን ጀራዲንን ብኣስሓይታን ጸሓይን ብዘይ ክፍሊት ክሰርሑ ይግደዱ። ብዙሓት ካብቶም ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ተዓፊኖም ዝተወስዱን ስድራቤቶም ርእዮም ዘይፈልጡን ዜጋታት፡ ልዕሊ ናቶም ምእሳር ናይቶም ጠወርቲ ዘይብሎም ወለዶምን ደቆምን ከምዘሻቅሎምን ከምዘጨንቆምን ገሊጾም። ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ፡ እሱራት መታን ብወለዶምን መቅርቦምን ክይብጽሑ፡ ደገፍ ከይረኽቡን ክሳቀዩን፡ ኣብ ርሑቅን ዝተነጸለን ከባቢታት ኣብ ኣጻምእ ምዕጥር፡ ገልዓሎ ሰናጭሮ ናቕፋ፡ ዒራዒሮ፡ ከባቢ ሓጋዝ ዝኣመሰለ ቦታታት ብምድጓን’ዩ መሰል ንጹሃት ዜጋታት ዝግህስን ህይወቶም ዘሕልፍን ዘሎ።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ብዘይፍርዲ ተኣሲሮም ዘለው ዜጋታት፡ ምስ ግሉጽነት ዝጎደሎን ህዝቢ ኤርትራ ዘይተዋሳኣሉን መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ፡ ክፍትሑ ተስፋ’ኳ እንተነበሮም፡ ብተግባር ግን ናብ ማእሰርቲ ዝኣቱን ዝስደድን ኤርትራዊ እምበር ካብ ማእሰርቲ ዝፍታሕን ካብ ስደት ናብ ሃገሩ ዝኣቱን ሰብ ዘይምህላው፡ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዝተሓሳስብን’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ብፖለቲካ ብእምነት፡ ሃይማኖት፡ ብስግረ ዶብ፡ ብኣብያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብዘይ ዝኾነ ምኽንያትን፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ኤርትራውያን ብዘይፍርዲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ጉድጓድ፡ ሓደገኛ ኩነታት ኣየር፡ ብዘይ ዝኾነ ክሲ፡ ጠበቃ፡ መሳለጥያ፡ ሰብኣዊ መሰልን ተኣሲሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ። ውልቀመላኺ ኢሳያስ እዚ ኣቦጉድር’ዚ እንከለዎ ኢዩ ድማ ከም ተጣባቂ ሰላምን ደላይ ፍትሕን ሽልማት ኖቤል ክቅበል ጭንን ዝብል ዘሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራ፡ ወዲ ዓዲ ናብ ስደት ዝበታተነላ፡ ዝፈርሓላን ዝእሰረላን፡ ብኣንጻሩ ጓና ወዲ ዓዲ ዝኾነላን ዝኸብረላን ሃገር ኮይና ምህላዋ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ተስፋ ኣቁሪጽዎም ኣሎ። ይኹን እምበር በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ ከምዝብሃል፡ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝለምለመሉን፡ ተቀጥቂጡን ደቁን ንብረቱ ተዘሚቱ ብሒም ስለዘይበለን፡ ንውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣሻዲንዎ ካብ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት’ዩ። ሕጂ’ውን ክምብል በለ’ምበር ኣይተኻዕወን ከምዝብሃል፡ እዛ ናብ ጎደና ጥፍኣት ትጓዓዝ ዘላ ሃገርናን ስርዓት ህግደፍ ኣደብ ክገብር እንተኾይኑ፡ ናትና ጽንዓትን ተባዕ ስጉምትን’ዩ ዝሓትት። ንኹሉ እከይ ተግባራት ህግደፍ ብስቕታ እንተሓሊፍናዮ ግን፡ ህግደፍ ከምቲ ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ብምባል ዝኽተሎ ዘሎ ሜላ ጥፍኣት ብዝለዓለ ክቕጽሎ ምዃኑ ተግባራቱ ኣብ ባይታ ዝምስክሮ ዘሎ ሓቂ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Sol September 29, 2018

    ኣብ ፈስቡክ ብሃራዊ ድሕነት ዝፍለጥ 03 ኣብ ኣኸባ ካቢነ ምኒስተራትውልቀ መላኺ አሰያስ ካልእ ሃገራዊ ጉዳያት ቀዳምነት ሂብና/ወጢጡና ንሰርሕ ስለ ዝጸናሕ ገለ ገለ ሰበ ስልጣናት ስልጣኖም ተጠቂሞም ክሰርቁን ሰብ ክብድሉን ጸኒሖም ናይ ምጽብጻብ ሰዓት ሰለዝበጻሕና ዋጋ ናይቲ ዝፈጸምዎበደል ክኸፍሉ እዮም ክብል ተዛሪቡ ይብል

POST A COMMENT