Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዝኽሪ መስከረም እንስከሞ ከቢድ ሓላፍነት!!

ኣብ ዝኽሪ መስከረም እንስከሞ ከቢድ ሓላፍነት!! ቅድሚ 12 ዓመታት ልክዕ ኣብዛ ወርሒ፡ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ሰውራን ሃገርን ዝመርሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፣ ቓልሲ ሓርነት ህያው ዝገበሩ ገዳይም ካድራትን ድምጺ ህዝቢ ዘቃልሑ ውፉያት ጋዜጠኛታትን፡ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኪትግበር ስለዝጠለቡ

ኣብ ዝኽሪ መስከረም እንስከሞ ከቢድ ሓላፍነት!!

ቅድሚ 12 ዓመታት ልክዕ ኣብዛ ወርሒ፡ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ሰውራን ሃገርን ዝመርሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፣ ቓልሲ ሓርነት ህያው ዝገበሩ ገዳይም ካድራትን ድምጺ ህዝቢ ዘቃልሑ ውፉያት ጋዜጠኛታትን፡ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኪትግበር ስለዝጠለቡ ጥራሕ ብዓመጽ ብሓይሊ ተቐይዶም ኣብዚኣ ኣተዉ ከይተባህሉ ተሰዊሮም ኣለዉ። እዞም ብወረ-ወረ ኣብ ዒላዒሮ እንተዘይኮይኑ ብወግዒ  ኣበይ ከምዘለዉ  ዘይተነግረሎም  ዒላዒሮ  ዊሒጣቶም ዘላ ጀጋኑ ኣርካናት፡ ብዙሓት ካብኦም፡ ኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ ተኣምር ዝሰርሑ፣ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ስልጥንትን ብልጽግትን ዲሞክራሲያዊት ቅዋማዊት ሃገር ኪሃንጹ ዝጸዓቱ፣ ኣብቲ ዘሕዝን ክስተት ጎንጺ ዶባት ኣብ ክንዲ ብኩናትን ሓይልን፡ ብሰላምን ዘተን ኪፍታሕ ዝመኸሩ፣ እቲ ግጭት ምስተኸስተ ከኣ ኣልያን ምሕደራን እቲ ኩናት ኪጸፍፍን ኪውርጽጽን ዝመጎቱን ዝሓተቱን ጀጋኑ ኢዮም።

ምኽንያትን መበገስን ናይቲ ድሕሪ ኩናት ዶባት 2000 ዝነቶገን ዝተዋዓወዐን ሕቶ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ብሰንኪ ድኽመት ኣመራርሓን ኣተኣላልያን መንግስቲ፡ ንነዊሕ እዋን ኪውህለል ዝጸንሐ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብህዝብን ተጋደልትን ሓሓሊፉ ዝስማዕ ዝነበረ ናይ መላእ ህዝቢ ሕቶ እምበር ናይ ውሑዳት ጉጅለ ወይ ምትእኽኻብ ጠለብ ኣይነበረን።

ኣብ ዝተፈላላየ ኣጋጣሚታት፡ ዋላ ኣብ እዋን ቃልሲ እውን እንተኾነ፡ ኣብ በረኻ፡ ንብልሽውናን ብኽነትን ዝእርም፡ ንብቕዓት ኣመራርሓን ተሓታትነትን ዝነቅፍ ደሞክራሲያዊ ሕቶታት ይለዓል ነይሩ ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት ከኣ ህዝቢ ኣብ ዝዕዘቦን ዝርእዮን ክንደይ ኣራሚ ምንቅስቓስ ዘይተላዕለ።  እንተኾነ እቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ንሕግን ሕጋዊ መዳያትን እናጎሰየ ብምልክን ዕብለላን ኪመርሕ ዝጸንሐ ርእሰ-ብሄር ንገሊኡ ብተስፋን ምኽኒትን ንገሊኡ ገኣ ብሓይልን  መግናሕትን ቆጽዩዎ።

ይኹን እምበር እቲ ብግቡእ ዘይተፈወሰ ቑስሊ ምሕደራን ኣልያን፡ ብፍሽለት ኩናት ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ ዳግም ምስ ረኸሰ፡ እቲ ብታሕዎት ቐጸላ ሕብረተሰብ ዝለዓል ዝነበረ ናይ ለውጢ ሕቶ፡ “ድሕሪ ደጊም ይእከል” ኢሎም ናይ ዝተላዕሉ ድምጺ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ተሓዊሱዎ ደሚቚ ምስተቓልሐ፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን እቶም ደለይቲ ለውጥን ናይ ቃላት ኩናት ጀመረ።

እቲ ንነዊሕ እዋን እናተዋህለለ ዝተኾመረ ዘይሕጋውን ዘይሓላፍነታውን በይናዊ ውሳነ ፕረዚደንት ንሃገር ኣብ ሓደጋ ከእትዋ ምስተራእየ ብዙሓት ካብዞም ዳሕራይ ዝተቐየዱ ላዕለዎት ሓለፍቲ  ብጽሑፍን ብኣፍን መኺሮም ምስተቐብጾም ናብ ህዝብን ሰራዊትን ቅሉዕ ደብዳበ ኪጽሕፉ ተገዲዶም።

እተን በብቑሩብ ኪዓብያን ኪዕምብባን ዝጀመራን ባይታ ዘተን ልዝብን ኪኾና ተስፋ ዝተነብረለን ብሕታውያን ጋዜጣታትና ከኣ ንርእይቶን ሓሳባትን እቶም ደለይቲ ለውጢ ብምቅላሕ፡ ህዝቢ፡ ሕቶታቶምን ጠለባቶምን ኪሰምዕን ኪከታተልን ልዑል ኣበርክቶ ገይረን ኢየን። ድሕሪኡ ድማ ብዙሕ ግዱስ ዜጋ በብዓቕሙ፡ ብጽሑፍን ብኣፍን፡ ክልቲኦም ወገናት ጸገንትን ኣኽረርትን፡ ማለት፡ “እቶም “ኣብ ኩሉ ኩነታትና ሕማቕ ስለዘሎና ኣካይዳን ነመሓይሽ።” ዝበሉን፡ እቶም ““እዚ እተቕርቡዎ ዘለኹም ሕቶ ግዜእን እዋኑን ኣይኮነን።” ብምባል ዝሓንገዱን፡ ኣብ መኣዲ ጠረጴዛ ከቢቦም ጉዳዮም ብዘተን ልዝብን ኪፈትሑ ጸዊዑን ተማሕጺኑን።

እንተኾነ  ሕማቕ ኣጋጣሚ ኬይኑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከም መራሒ ሰውራን ሃገርን ኣብ ክንዲ ረጊኡን ሰኺኑን ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ብምቕዳም ነቲ ጉዳይ ብዘተን ልዝብን ዝፈትሖ፡ ሓይልን ዓመጽን ስለዝተጠቕመ እታ ወርሒ ተስፋን መስተርሆትን ዝነበረት መስከረምና ዘሕዝን ታሪኻዊ ስሕታን ኪትስንድ ተገዲዳ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ሃገራዊ ባይቶ ዝተቐበሎን ዘጽደቖን ሕቶ ምእዋጅን ምስግጋር ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ነጺጉ ብሓይሊ ምስጨፍለቖ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝጸንሖ ናይ ዘተን ልዝብን ተስፋ በኒኑ ርእሱ ከድንን ተቐሲቡ። እቶም ለውጥን ጽገናን ዝጠለቡ መራሕትን ካድራትን ጥራሕ ዘይኮኑ፡ እቶም ፕረዚደንት ልቢ ከዕቢን፡ ምስቶም ናይ ዓመታት መቓልስቱ  ንዘለዎ ፍልልያት ኣብ ጠረጴዛ ብዘተን ልዝብን ኪፈትሖን ዝመኸሩ ሽማግለታት እውን ከይተረፉ ኣብ ማሕቡስ ተዳጒኖም። ድሕሪ’ዚ ፍጻሜ’ዚ ከኣ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጨፍላቕን መላኽን ሓይሊ ከምዝወደቐት ጋህዲ ኮነ። እተን ከም ሕሱም ዝተመነናየን ዕለታት ሕድገትን ድሕነትን፣ ዕለታት ዕርቅን ፍትሕን ከኣ ዛጊት ደቢነንን ጸልሚተንን ይርከባ ኣለዋ።

ስርዓት ህግደፍ ነቲ ንነዊሕ እዋን ፈኸም ኪብል ጸኒሑ፡ ኣብ 2001 ዝነቶገ ላዕለዎት መራሕቲ ዝተጸንበሩዎ ሕቶ ለውጢ፡ ከም ኩሎም ቅድሚኡ ዝተራእዩ ምንቅስቓሳት ሓደ ስም ኣጠሚቑ ከነኣእሶን ኪዝልሎን ስለዝደለየ፡ ሓንሳብ ናይ ሓደ ኣውራጃ ምንቅስቓስ ከምስሎ፡ ንሓንሳብ ካብ ሓላፍነት ምስተኣልዩ ናይ ዝኾረዩ ከምስሎ፡ ንሱን ጉጅሉኡን ስረኦም ምስፈትሑን ንሳሕል ከዝልቑ ምስ ወሰኑን ካብ ፍጹም ስዕረትን ዕንወትን ኣድሒኖሙዎ ክነሶም ከም ኣመሉ ነቲ ክብርን ጽቡቕ ስም ኪጨውን ብተሰዓርነት ኪኸስስ፡ ካልእ ሳዕ ብውዲትን ሽርሕን ከጸልሞም ፈቲኑ፡  ሳላ ብሕታውያን ጋዜጣታት ” ሃየ ንጨባበጥ – ኹሉ ጭቢጢ ብጭብጢ ይቕረብ” ተባሂሉ፡ ብኹሉ ምስ ፈሸለን ምስተቐልዐን ኣፎም ኪዓብሶም ምእንቲ ጣቓ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ኒውዮርክ ተጎልቢቡ ብ18-19 መስከረም ዓፊኑ ቐይዱዎም።

ንዘቕረበሎም ክሲ ዝድግፍ ዝኾነ ይኹን ዘተኣማምኖ ጭብጥን መርትዖን ስለዘይብሉ፡ “ደርሆ ጻሕቲራ እትረኽቦ..” ከምዝበሃል ሓሶቱን ጠቐንኡን ርዝነትን  ሚዛንን ስለዘይብሉን፡ ዝኾነ ኣዚሩ ኪሓስብ ዝኽእል ሰብ ብቐሊሉ ኪመምዮን ከለልዮን ስለዝኽእል፡ ንኸምስል እኳ ኣብ ቦታ ሕግን ፍርድን ከየቕረበ ብስዉር ኣብ ጎዳጉዲ ቀይዱዎ ኣሎ።

ኢሳይያስን ጉጅልኡን ኣፎ እዞም ጀጋኑ ስለዝዓበሱ ንኹሉ ነገረ ዘደቀሱ መሲሉዎም ” ኣብ ፈቐዶ ኣኼባታት፡ ንብጾትና ካባና ንላዕሊ ዝሓልየሎም የብሎምን ጽቡቕ ኣለው!” እናበሉ ብሸሓጢ ቓላት ልቢ ግሩሃት ከደናግሩ ፈታቲኖም ኢዮም። ግን ሎሚ ትማሊ ኣይኮነን። ሎሚ ከም ትማሊ ስልጣንን ሓይልና ናይ ዝሓዙ ድምጺ ጥራሕ ኣይኮነን ዝስማዕ። ደሃይን ሃለዋትን እቶም ንፍትሕን ሓርነትን ዝሞጎቱ ጀጋኑና ዋላ  ካብ ሸላታት ዒላዒሮ እውን እንተኾነ ኣይተሓብአናን።

እቶም በብእዋኑ ካብቲ ስርዓት ዘምለጡ ሓለውቶም ዝነበሩ  ዋርድያታት ዝሃቡዎ ናይ ዓይኒ ምስክርነት፡ ከምቲ ሰበይቲ እምበር ኣደ ትብሎ ንኸይከውን እኳ እንተተመነና፡ ካብዚ ጨካን ስርዓት እዚ ፍትሕን ምሕረትን ርህራሀን ሕድገትን እንጽበዮ ኣይኮነን። እትረፍ ኣብቲ ልዕሊ 40 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝበጽሕ ሙቐትን ከቢድ ጸቕጢ ኣየርን ዘለዎ ሰናጭሮ ዒላዒሮ ተቐይድካ፣ ኣብቲ ቦታ ከም ድላይካ እናተንቀሳቐስካን  እናተናፈስካን እውን እንተኾነ ኪሊማ ዒላዒሮ ዝጽወር ኣይኮነን። ስለዝኾነ  ህዝቢ ኤርትራ ነዞም ጀጋኑ እዚኣቶም ዋላ ብህይወት ይሃልዉ ኣይሃልዉ ከም ሰንደቑን ሰማእታቱን ተቐቢሉዎም ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰንኪ’ቲ ፈጺሙ መሰል ዘየፍቅድ ጨፍላቒ  ስርዓት ዋላኳ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ  ድምጹ ከስምዕ ዕድል እንተሰኣነ እዞም ፍትሒ ተነፊጉዎም ኣብ ማኣሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ ጀጋኑኡ ንዘልኣለም ኣብ ልቢ ቦታ ከምዝሃቦም ኣረጋጊጹዎ ኢዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ጉጅለኡን ነዞም ሰባት ኣብ ሸላታት ስለዝዓጸዉዎም ድምጾምን ሕቶኦምን ዝተረሰዐ ይመስሎም ይኸውን፣ ጠቒሮም ጠቓቒሮም ጸለሎ ስለዝቐብኡዎም እቲ ዘቕረቡሎም ናይ ሓሶት ክሲ ዝተኣምነ ኮይኑ ይስመዖም ይኸውን፣ ምናልባት እውን “ወዲ ሰብ ረሳዓይ ኢዩ!” ብዝብል  ብሂል ምስልን ስእልን እዞም ጀጋኑ  ካብ መስኮት ተሌቪዥን ሓኺኾም  ካብ ልብን ቀልብን ህዝብን ዘርሕቖዎ ይመስሎም ይኸውን፡ ግን ልዕሊ ምስሎም ሓሳባኦም ልዕሊ ስእሎም ሕልናኦም ድሮ ኣብ ልቢ ህዝቢ ስለዝሰረተ ዝገበረ እንተገበረ ኪዕወት ኣይከኣልን እዩ።

እዞም ሕቶ ዘልዓሉ ደለይቲ ለውጢ  ቅድሚ መስከረም 2001 ኣብ ዝነበረ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ምስ ፕረዚደንትን፡ ከም  ብጾትን መቓልስትን ኬይኖም ብሓባር ውዑይን ዝሑልን ዘሕለፉ ጀጋኑ ኢዮም። ይኹን እምበር ንሕሉፍ ጀግንነቶምን ተወፋይነቶምን ኪሒድካ ካብ ታሪኽ ኪትሓኮም ምፍታን ድሕረትን ሕስረትን ኢዩ። ምናልባት እውን ራዕድን ሻቕሎትን ዝፈጠሮ ጭንቀት ኪኸውን ይኽእል።

ዝኾነ ይኹን ክስን ክሱስን ኣብ ናጻ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ሓቅነቱ ተመስኪሩ እቲ ክሱስ በዳሊ ኬይኑ ኪሳብ ዝርከብ ብሕጊ ናጻ ኢዩ። ክሲ ብጭብጥታትን መርትዖን ወይ ድማ ብነብሰ- እምነትን ንስሓን ምስተረጋገጸ ጥራሕ ከኣ’ዩ እቲ ክሱስ እንተስ ብተግሳጽን ማዕዳን እንተስ ንዝፈጸሞ በደላት ዝመጣጠን መቕጻዕትን ፍርድን ተዋሂቡዎ ከም ገበነኛ ዝተሓዝ። እንተዘይኮይኑ፡ ድምጹን መልሱን ከይተሰምዐ፡ ንዝቐረበሉ ክስታት ኣብ ቅድሚ ናጻ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ከይሞጎተ፡ እቲ ከሳሲ ብዝበየነሉ ፍርድን መቕጻዕትን ጥራሕ ገበነኛ ኢኻ ተባሂሉ ኣብ ጎዳጉዲ ኪበሊ ፈጺሙ ኣይግባእን ኢዩ። እንተኾነ ካብ መላኽን ዓማጽን ፍትሕን ርትዕን ኪትጽበ ስለዘይከኣል ኣብታ ሞዴል ኣፍሪቃ ኪትከውን ዝተመነናያ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈልናላ ኤርትራና ይረአ እነሆ።

እቲ ፈጺሙ ኣብ ነብሱ ዘይተኣማመን፡ ብዝፈጸሞ ሃገራዊ ክሕደትን ገበንን ወትሩ ኪብህርር ዝነብር ወገን ድማ ኢዩ ንምስልን ስእልን ንስምን ድምጽን ዝኸሓዶም ብጾቱ ኪርኢ ዘይደሊ። ወትሩ፡ ምስ ስእሎምን ምስሎምን እናኽጋጠም እቲ ዝፈጸሞ ገበንን ክሕደትን ስለዝረኣዮ እትረፍ ኣብ ሜድያ ካብ ዝርእዮ ስእሎምን፡ ብሓሳብ ካብ ዝቐርጾ ጽላሎቶም ከይተረፈ እውን ይርዕድን ይስንብድን ኣሎ።

እትረፍ ኣብ ዕለተ ዝኽሮም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት እውን እንተኾነ  ስሞምን ስእሎምን ምዝርጋሕን ምቅላሕን ብሞየኦምን ጀግነቶምን ምዝራብ ንመላኺ ስርዓት ኢሳይያስን ጉጅለኡን ስለዘየቕስኖም ኪንዝክሮምን ከነድምቖምን ኣገዳሲ ኢዩ።

ስለዚ፡- ንኣባላት ማእከላይን ሃገራውን ባይቶ ሚኒስተራትን ጀነራላትን እሱራት ዒላዒሮ

1. ኣቶ መሐመድ ሸሪፎ  ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዞባታት

2. ኣቶ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)  ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን

3. ኣቶ ጴጥሮስ ሰሎሙን ሚኒስተር ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ

4. ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ ሓለቃ ስታፍ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል

5. ሜጀር ጀኔራል ብርሃነ ገብረእግዚእብሄር ሓላፊ ዑቑር ሰራዊት

6. ኣምባሳደር በራኺ ገብረስላሰ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዜና ነበር

7. ኣቶ ሳሊሕ ኬክያ ሚኒስትሪ መጓዓዝያ

8. ብሪጋደር ጀነራል እስጢፋኖስ ስዩም ሓላፊ ፋይናንስ ምክልኻል

9. ኣቶ ጀርማኖ ናቲ  አማሓዳሪ ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ

10. ወ/ሮ አስቴር ፍስሓጽየን ሓላፊት ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዞባ  ዓንሰባ

11. ኣቶ ሓምድ ሑመድ ኣባል ማእከላይ ፈጻሚት ሽማግለ ህግደፍን ሃገራዊ ባይቶን ሚኒስትሪ

 

ንዲሞክራሲያዊ ምስግጋር መንግስትን ምምስራት ቁዋማዊ ስርዓትን ዝደገፉ ኣብ መስከረም 2001 ዝተቐየዱ ገዳይም ተቓለስቲ ሓርነት

12. አቶ ኣልኣዛር መስፍን ኣወሃሃዲ ፕሮጀክትታት ልምዓት ኣብ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር

13. ኣቶ ፎርኦን ወልዱ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትርን

14. አቶ ተስፋይ ጎሞራ ሰራሕተኛ ሚኒስትሪ ወጻኣኢ ጉዳያት

15.  ኣቶ ስራጅ ኢብራሂም ወጻኢ ዝምድናታት

16. ኣቶ ኪዳነ ገብረኣብ ወዲ ቐሺ  ኦዲተር ኣብ ጀነራል ኦዲተር ኦፊስ

17. ወ/ሮ ሚርያም ሓጎስ ሓላፊት ሲነማታት

18. ኣቶ እድሪስ  ኣቡዓረ  ዳይረክተር ጀነራል ኣብ ምኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን

19. ኣቶ ኪሮስ ተስፋሚካኤል ዓወር ዳይረክተር ጀነራል ኣብ ሚኒስትሪ ቱሪዝም

20. ኣቶ ተስፋገርግስ አማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጸሮና

21. ኣሕመድ ሑመድ ሰራሕተኛ ኤምባሲ ኣመሪካ

23. አቶ ዓሊ ሰራሕተኛ ኤምባሲ ኣመሪካ

24. ኣቶ ሳህለ ወዲ ኢታይ ኣኽባሪ ሕጊ

25.  ኣቶ መሓሪ  ኣውቲስታ ( ንግዝይኡ ዝነበሮ ቦታን ጽፍሕን ዘይተፈልጠ)

26.  ኣቶ ኢሳያስ  (ንግዝይኡ ዝነበሮ ቦታን ጽፍሕን ዘይተፈልጠ)

ኣብ መስከረም 2001 ምስ መራሕቲ ሃገርን ግንባርን ሓቢሮም ዝተቐየዱ ጋዜጠኛታት

27. አቶ ስዩም ጸሃየ ሓላፊ ተለቪዥን ኤርትራ ነበር ፍሪላንሰር ሰኣላይን ጸሓፍን

28. ፍስሃየ ዮውሃንስ ጀሽዋ መስራትን ኣዳላውን ጋዜጣ ሰቲት

29. አቶ ዳዊት ኢሳቕ  መስራትን ኣዳላዊ ጋዜጣ ሰቲት

30 ኣቶ ሰይድ ዓብደልቃድር ካብ ጋዜጣ ኣድማስ

31. ኣቶ ዮሱፍ መሓመድ ዓሊ ካብ ጋዜጣ ጽጌናይ

32. ኣቶ ኣማኑኤል ኣስራት ካብ ጋዜጣ ዘመን

33. ኣቶ ተመስገን ገብረየሱስ ካብ ጋዜጣ ቀስተ ደበና

34. ኣቶ ማቴዎስ ሃብተኣብ ካብ ጋዜጣ መቓልሕ

35. ኣቶ ዳዊት ሃብተሚካኤል ካብ መቓልሕ ከምኡውን

36. ኣቶ መድሃኔ ሃይለ ካብ ጋዜጣ ቀስተ ደበናን፡

ካልኦት ቅድምን ድሕርን መስከረም 2001 በብእዋኑ ዝተቐየዱ ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ጋዜጠኛታት ከምኡ እውን ጽልዋን ተሰማዕነትን ኣለዎም ዝበሃሉ ካብ ንቡር ስርሖም ደስኪሎም ኣብ ሓውሲ ሓለዋን ምክትትታልን ዝነብሩ ዘለዉ ዜጋታትና፡ በዛ  ብስም ኤርትራውያን እሱራትና  እንዝክራ ዘሎና ንኹሎም ቅድምን ድሕርን ናጽነት ዲሞክራሲያዊ ሕቶ ለውጢ ስለዘቕረቡ ጥራሕ ዝተቐየዱን ፍትሒ ዝተነፍጉን ዜጋታትና እናዘከርና ኪወግሕ ሙዃኑን ጽባሕ ንግሆ ኣብታ ብሓርነት እተተንፍስ ኤርትራ ብኽብሪ ከምእንራኸብ ኪንገልጸሎም ንፈቱ።

እቶም ኣብዚ ደም’ዚ ተቖማጢዖም ዘለዉ ፕረዚደንትን ውሑዳት ተሓባበርቶምን ከኣ ጽባሕ ንግሆ ብደም ንጹሃት ከምዝሕተቱ ኪፈልጡ ኣለዎም። እዚ ጭውያን ዓፈናን’ዚ ናይ ውሑዳት ተበለጽቲ ናይ ራዕዲ ስጉምቲ እምበር ናይ ባይቶን መንግስትን ጉዳይ እውን ኣይኮነን። ዋላኳ ዳሕራይ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ንዑ ኣተሓጡኡና ብምባል ባይቶ ኣኪቦም ሕጋዊ ከምስሉዎ እንተፈተኑ፡ እዚ ደምዚ ኣብ ውሑዳት ፈጸምቱ ዝጠቓለል ገበን ኢዩ።  ስለዚ  ውዒልካ ሓዲርካ ምጽብጻብ ስለዘይተርፍ፡ እቲ ዓማጺ መላኽን ጉጅልኡን  ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቐሪቦም ብህይወት እዞም ጀጋኑ ኪሕተቱ ኢዮም። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኪዋሳእ ዝሕተት ዘበለ ሰብ ኣቐዲሙ ኪሓስብን ኪመራመርን እንተኺኢሉ ነብሱ ከርሕቕን ከግልልን እንተዘይከኣለ ከኣ ኪጥንቀቕን ኪዕቀብን ንመክርን ንጽውዕን።

ኤርትራውያን ተቓለስቲ ደለይቲ ለውጢ

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና ክብርን ሞገስን ነቶም ምእንቲ ፍትሕን ሃርነትን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉን ዝኸፍሉ ዘለዉ ኣርካናት ዜጋታትና!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • oromay September 19, 2013

    What is wrong with the opposition parties esp the youth be quiet in darkest day( 18 sept) of independence. At least , they could organize demonstrations demanding release of the prisoners.

  • Haben September 20, 2013

    Top ten worst countries (in my opinion):1 being the worst.
    10. Republic of Congo
    9. Zimbabwe
    8. Mozambique
    7. Algeria
    6. Sudan
    5. Tajikistan
    4. Somalia
    3. Afghanistan
    2. North Korea
    1. Eritrea

    Don’t argue with me, if you want just make your own.

    • Suleiman Salim September 22, 2013

      Top ten worst countries (in my opinion):1 being the worst.

      10. Republic of Congo
      9. United States ( High crime rate)
      8.Libya
      7. Iraq
      6.Syria
      5. Tajikistan
      4. Chechnia
      3. Afghanistan
      2. Somalia
      1. Ethiopia

  • Semhar September 22, 2013

    – The Eritrean people are beginning to realize that there is no point in waiting for the regime to reform itself — that it needs to be overthrow.
    This is the moment we must come together to save our land and our people.

    Let freedom ring in Akeleguzay!
    Let freedom ring in Barka!
    Let freedom ring in Denkel!
    Let freedom ring in Hamasien!
    Let freedom ring in Sahil!
    Let freedom ring in Semhar!
    Let freedom ring in Senhit!
    Let freedom ring in Seraye!

    Let freedom ring in ERITREA!

    Let freedom ring allover Eritrea!
    Let’s LIVE FREE OR DIE with dignity.
    Our martyrs did not die to crown the tyrant.
    We must reclaim our flag, our constitution, Highi Indaba, our land (our original provinces), our people,

    • Suleiman Salim September 22, 2013

      Your ideas are old and outdated.

  • Suleiman Salim September 22, 2013

    salasan gelen sebat te’asirom ilka Adi yfres aybehaln ‘yu::

  • Deki adi September 24, 2013

    To Dear Reader concerned Eritrean we have to read out and also think trice for mutual benefits of the population at large.
    The real history of Tigray-Tigrigna, abysinia is clearly indicates we couldn’t hide the real hisory of human being according to novelist writers of the world the development of North Ethioppia specially Tigray tigrigni was locally written as follow ታሪክ ራሱን ይደግማል እንዲሉ ከአፄ ዮውሓንስ ሞት በኋላ ግማሽ አካለችን የሆነው ከምጽዋ እስከ መረብ ያለው አገር ዳግም ላይመለስ ተቆርሶ ሂዷል:: ጣልያኖች እና ምኒሊካውያን ኢትዮጵያን ማሸነፍ የሚቻለው የትግራይን ህዝብ እርስ በራሱ በማጣላት ካለሆነ በጦርንት እንደማይሆንላቸው በማወቃቸው ጥንታዊት ኢትዮጵያን ለሁለት በመገዝገዝ ግማሹን በጣልያን እጅ የተቀረው ደግሞ በሸዋ እጅ እንዲሆን የተሳካ ሴራ ጠንስሰው ኣሳክተዋል:: ከአድዋ ድል በኋልም የድሉ ባለቤቶች የነበሩት ራስ አሉላ አባነጋ: ራስ ሓጐስ ምርጫ (የኢሳያሰ አፈወርቂ ቅድመ ኣያት) እርስበርስ ተባልተው በመሞታቸው እነዲሁም ራስ መንገሻ ዮውሓንስ ወደ ሸዋ ተወስዶ ባልዋለው ውንጀላ በመገደሉ ምክንያት ትግራይ ያለ ተቆረቋሪ ኣባት (በዘይ ኣያ) ቀረታለች:: ይህንንም ተከትሎ በሸዋ ሰዎች አሻሸጭነት ሰራየ እና አካለ ጉዘይ በ 5 ሚሊዮን ሊሬ እንደተቸበቸበ ታሪክ አንብበን እብረዳ:: የሽሬ ኣካል የነበረው የአሁኑ ባርካ: የኣጋመ ኣካል የነበረው ደንከል ከትገራይ ተቆረጠው ወደ ትግራይ የነፍጥ መተላለፍያ ቀዳዳ ለመዝጋት በምስጠራዊ ውል ያለ ትግራይ መሳፍንት እውቅና ለጣልያን እንደተሰጡ እንረዳ:: ወልቃይት: ፀለምቲ: ፀገዴ: ታሕታይ አርማጭሆ: ሰቲተ ሑመራ: ጋሽ ሰቲት: ተሰነይ: ከሰላ ግማሹ ለጣልያን የተቀረው ከተከዜ በስተደቡብ ያለው ምንም ታሪካዊ ትስስረ ወደ ሌለው የቤገምድር ግዛት እንደተጠቃለለ ኣንርሳ:: እንዲሁም ከመስዋእቲ እስከ አለዋህ ያለው የትግራይ መሬት በወሎ ክፍለሃገር ስር እንደተደረገ እናስታውስ:: ውንድማችን የሆነው የዋግ ህዝብ ቋንቋውን እና ብሄራዊ ማንነቱን ትቶ ሳይሆን ኣማራ የሆነበት ሰበብ እናሰተውል:: ልብ እንበል እውነት ለመናገር እኔ ከአሉላ በስተቀር ከላይ የተዘረዘትን የትግራይ መሳፍንት በእኔ እበልጥ ለጠላት ስላጋለጡን ኣልወዳቸውም: ኣለከብራቸወም:: በእርግጠኛነት የምናገርው ግን መንገሻ ዮውሓንስ በህይውት እያለ ወንሞቻቸን የሰራየ እና አካለ ጉዘይ ሰዎች ኣይሸጡም:: ባይሳካ እንኳ ሙሉ በሙሉ በጣልያን እጅ ወድቃ ኣንድነትዋን ጠብቃ ነፃ ትሆን ነበር:: ቀድመው በውጫሌ ውል ኣንቀፅ 3 መሰረት ለጣልያን የተሰጡት ሓማሴኖችም መጨረሻ ይመለሱ ነበር::
    ስለዚህ በኛ መካከል ለሚፈጠር አለመስማማት እዳው አንተም እኔም እንደምንሸከመው አንርሳ:: ስለዚህ ቢቻል የአንድ ሸሕ ዘመን የባርነት ዕዳ ያራገፈልንን ህዝባዊ ተጋድሎ ከንቱ እንዳይቀር ጠንቀቅ መሪዎቻችንን እንምከር:: በመጨረሻ የእስራኤል መሪ ቤነጃሚን ኔትንያሁ ባለፈው ዓመት የዒራን ሐገረ ፋርስ የኒኩሌር ውጥን ኣስመልክቶ በተመድ ጠቅላላ ጉባዔ ያለውን ላስታውሳችሁ “history will not give second chance to the Jew people; this is a chance that we have gotten in 2000 years, therefore we should not let the Iranians possess the devastating weapon” ብተመሳሳሊ ትግራይውን ታረክ ኣብ ሓደ ዘመን (1000 ዓመት) ዝረኸበቶ ዕድል ብከንቱ ከይኣጥፋእና ኣብዙርያ ጥንክርቲን ምዕብልቲን ትግራይ ንሓገረ ኢትዮጵያ ዳግም ንሀድሳ እብል:: ትግራይ ምስትደክም ኢትዮጵያ ሓቢራ ትደኽም: ትግራይ ምስትጥንክር ኢትዮጵያ ብምልእታ ትነቓቓሕ::
    As an Eritrean we have to appreciate the following issues of colony.
    We have to take care on the imported identity and culture
    We have to believe we are genuine or orginal African
    We have to belive we are not originated from sea or rock
    We have to belive the genetical make up of human being whether from dega or Kebessa we are not fabricated in Merengi as a bottle or soap or omo of SAPE. We are not expected to exaggerate ourselves which was spent on the 6 type of colony. We have to believe still we are not getting our identity until We have to know the victim of Colonialism in the World as an EritreanOur appeal to history begins with a powerful simplification. It concerns the social psychology of European colonialism, built largely around stereotypes that have shaped perceptions and conflict for five centuries. One such perception was the idea among Europeans that non-European native people or colonial subjects were “backward,” trapped in their tradition. The experience of colonial rule encouraged this image, as European and non-European cultures compared one another within a relationship in which Europe had a powerful social-psychological advantage rooted in its missionary and military-industrial apparatus. This comparison was interpreted, or misinterpreted, as European cultural superiority. It was easy to take the next step and view the difference as “progress,” something the colonizers could impart to their subjects.
    Colonialism is the subjugation by physical and psychological force of one culture by another—a colonizing power—through military conquest of territory and caricaturing the relation between the two cultures. It predates the era of European expansion (fifteenth to twentieth centuries) and extends to Japanese colonialism in the twentieth century and, most recently, Chinese colonization of Tibet. Colonialism has two forms: colonies of settlement, which often eliminate indigenous people (such as the Spanish destruction of the Aztec and Inca civilizations in the Americas), and colonies of rule, where colonial administrators reorganize existing cultures by imposing new inequalities to facilitate their exploitation.
    Nowadays being an Eritrean becomes shameful due to the colonies Era, they shaped us towards their own bad sentiment and that is way we couldn’t took reliable Evidence on our identity. We are discriminating each other without any objective.
    Wedi Keren
    God Bless Eritrea
    ————————————–ወስብሐት ለእግዚአብሔር

  • embaye_brhane July 2, 2015

    ።ትክክለኛ ታሪክ

POST A COMMENT