Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ደምበ-ተዋሕዶና ሕጂኸኣ “ብዕራይ-ወለደ” ዝዓይነቱ ተዋስኦ -?!

ንኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና ብዝምልከት፥ ብሃንደበት ሓድሽ-ንፋስ ክነፍስ ይስማዕ ኣሎ። እዚ ካብ ኣሥመራ ዝብገስ ዘሎኣውሎ ንፋስ’ዚ፥ ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዘሎ ህልው-ኩነታት ዘየንጸባርቕ ብምዃኑ፥ ክቕበሎ ዘይኮነስ ክሰምዖ ዝደሊ’ውን፥ ክርከብዝኽእል ኣይመስለናን። ከመይሲ “እዚ መንገድን ትኽ ኢሉ፥ እዚ ሰብኣይን

ንኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና ብዝምልከት፥ ብሃንደበት ሓድሽ-ንፋስ ክነፍስ ይስማዕ ኣሎ። እዚ ካብ ኣሥመራ ዝብገስ ዘሎኣውሎ ንፋስ’ዚ፥ ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዘሎ ህልው-ኩነታት ዘየንጸባርቕ ብምዃኑ፥ ክቕበሎ ዘይኮነስ ክሰምዖ ዝደሊ’ውን፥ ክርከብዝኽእል ኣይመስለናን። ከመይሲ “እዚ መንገድን ትኽ ኢሉ፥ እዚ ሰብኣይን ኣበይ ኣቢሉ” ከምዝበሃል፥ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅን፥ እቲዝወሃብ ዘሎ መግለጽን ዘይራኸብ ብምዃኑ እዩ።

ብዝተረፈ “ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ” ከም-ዝበሃል፥ እቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ፥ ካብ ዝሓለፈ ዓሠርተ-ዓመት ጀሚሩ፥ ብውግዘት ተኣሲሩዝርከብ ዘሎ ሲኖዶስ፥ በደሉ ኣሚኑ ይቕሬታ ሓታቲ ኮይኑ ኣብ ክንዲ ዝርከብ፥ ነቶም ንዓሠርተ-ዓመት መመላእታ፥ ኣብ ትሕቲ ማሕዩርኣእትዩዎም ዝጸንሐ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ይቕሬታ ሓታቲ ኮይኖም ከም-ዝቐረቡ ንምምሳል፥ ዝግበር ዘሎ ተዋስኦ ንኣዳም ገረሞዘብል’ዩ። ከምዚ ምስ-ተረኽበ ከኣ’ዮም ዓደቦና “-ጭጉራፍሲ ሃሪማ ተእዊ” ዝበሉ።

ይኹን እምበር እቲ ኩሉ ግዜ፥ ተደፊኡን ተሳሒቡን ዝንቀሳቐስ ሲኖዶስ፥ ካብዚ ዝሐሸ ካልእ ነገር ክገብር ትጽቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን።እቶም ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ዝጻወቱ ዘለዉ ፈርዖናት፥ እንታዎት ምዃኖም ስለ-ዝፍለጥ ግና፥ ከምቲ “-ካብ ዕኮትዶ መዓር ይርከብ-”ዝበሃል፥ ካብኣቶም’ውን ሠናይ ነገር ዝጽበ ሰብ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ። ስለዚ በዚ ሕጂ ዘውጽኡዎ ዘለዉ መግለጺ፥ ክደናገር ዝኽእል ሕዝቢኣሎ ኣይንብልን።

ንኹሉ ግልጺ ኮይኑ ክፍለጥ ከም-ዝግባእ፥ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ይቕሬታ ሓቲቶም ብምባል፥ ካብ ኣሥመራ ዝመሓላለፍ ዘሎ መግለጺ።“ብዕራይ-ወለደ” ተባሂሉ ካብ ዝንገር ጽውጽዋይ ተፈልዩ ክርአ ዝኽእል ከም ዘይኮነ፥ ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ክፈልጥዎ ዘለዎምሓቂ’ዩ። ከመይሲ እቲ ካብ 1991 (1983 ዓ/ም) ጀሚሩ፥ ኣብ ክሳድ ቤተ-ክርስቲያንና፥ ተጻዒኑ ዝርከብ ናይ ፖለቲካ-ኣርዑት ከይተላዕለ፥ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ እትቕበሎ ዝኾነ ይኹን ዕርቂ ከም-ዘየልቦ፥ ብኹሉን ኣብ ኩሉን ግልጺ ኮይኑ ክፍለጥ ይግባእ።

ብዝተረፈ እቶም ልጓሙ ከም-ዝበተኸ ፈረስ ኮይኖም፥ ኣብ መድረኽ ቤተ-ከስቲያን ክዕንድሩ ዝጸንሑ ኣባ-ሉቃስ፥ ቅድሚ ቅሩብ ኣዋርሕንካይሮ ከይዶም ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፥ ብመራሕቲ ቤተ-ክርስቲያን ግብጺ ንዝቐረበሎም ናይ ዕርቂ ሓሳብ፥ ኣይንቕበሎን ኢና ብምባል ረጊጾሞከም-ዝኸዱ ዘይፈልጦ ኣሎ ኣይንብልን። ቃል ንቓሉ “ናብ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኣቢልና ኢና ንጥምት እምበር፥ ናብ ሣልሳይ-ፓትርያርክንምለሰሉ ምኽንያት የብልናን” በሃሊ ኮይኖም ከም-እተረኽቡ፥ ኣብ ምርሳዕ ዘይበጽሐ ናይ ትማሊ ታሪኽ’ዩ። እሞ ሕጂ ደኣ እንታይ ተኣምርስለ-ዝተፈጥረ’ዩ፥ ናብቶም ሣልሳይ-ፓትርያርክ ኣቢልካ ምምላስ ተደልዩ ዘሎ-?!

ይኹን እምበር ብወገን ኣሥመራ ዝተባህለ ይበሃል ብዘየገድስ፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣብቲ ዝበሃል ዘሎ መኣዲ፥ ኢዳ ክትሕውስንረብሓኣ ከም-ዘይኮነ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ይጠፍኦ’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ብዝተረፈ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ንደቂ-ተዋሕዶእምበር፥ ንማንም ካልእ ዝምልከቶ ስለ-ዘይኮነ፥ እቶም ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም፥ ጸወትኦም ክቕጽሉ ዝደልዩ ሰብ ፖለቲካ፥ ድሕሪ ደጊምሕዝቢ-ተዋሕዶ ተጻዊሩዎም ክኸይድ ዝደሊ ከም-ዘይኮነ፥ ቁርጹ ክፈልጡ ዝኽእልሉ ሰዓት ከም-ዝበጽሐ እንተ-ዝፈልጡ ጽቡቕ’ዩ።

ሕጂ ከም ሕጂ ድማ፥ ኢዶም ኣልዒሎም ካብታ ቤተ-ክርስቲያን ክወጹ ደኣምበር፥ እቶም ፓትርያርክ “በደሎም ኣሚኖም ይቕሬታ ሓቲቶም”ዝብል ተዋስኦ ብምምሃዝ፥ ክገብሩዎ ኣብ ዝደልዩ ሓድሽ ጸወታ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ክሕወሶ ወይ ክጽንበሮ ዝደሊ ኣይኮነን። ስለዚ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ይኣክል’ያ-!! ትብል ዘላ። ብዝተረፈ ነቲ ኣብ ኩሉ ኣሎ ዘይበሃል ሲኖዶስ፥ ከም መጋበሪ ብምጥቃም ክግበር ዝድለ ዘሎጸወታ፥ ካብ ብሎኮ-ጎዳይፍ ሪሒቑ ክኸይድ ዝኽእል መሓውር ከም-ዘይብሉ፥ ክርድኡዎ ዘይ-ምኽኣሎም ብጣዕሚ ዘገርም’ዩ።

ብዝተረፈ “-ነዓይ ነንጭዋዶ ኣብ ሎቖታ-”  ከም-ዝበሃል፥ እቲ ኣብዚ ዝሓለፈ 25- ዓመት፥ ብዕድል ቤተ-ክርስቲያን ክግበር ዝጸንሐ ጸወታምእካል ኣብዩዎም፥ ሕጂ ድማ ከም-እንደገና ሓዲሽ-ተዋስኦ ብምምሃዝ፥ ብመዓር ዝተጠቕለለ ዕረ ከነውሕጠኩምሲ ሃህ በሉልና እንተበሉ፥እቲ ደምበ ተዋሕዶና ደጊምሲ ክዕሸወሎም ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ’ውን ንፓትርያርክ ብዝምልከት ዝኾነ ክለዓል ዝኽእል ሕቶ፥ በዓል ኣባ-ሉቃስ ክጭነቑሉ ዝድለ ጉዳይ ከም-ዘይኮነ፥ ጸላእን ፈታውን ክፈልጦ ኣገዳሲ እዩ።

ብዝኾነ እዚ ኣዋጅ ተባሂሉ ካብ ኣሥመራ ዝተፈነወ መግለጺ። እቶም ገና ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ዝበሉዎ ቃልከም-ዘይኮነ’ዮም፥ እቶም ምንጭታት ቤተ-ክርስቲያን ዘረጋግጹ ዘለዉ። እቲ ተባሂሉ ዝበሃል ዘሎ ኩሉ’ውን፥ ነቶም በሃልቱ ደኣምበር፥ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝምልከቶም ነገር ከም-ዘየሎ’ዩ ዝንገር ዘሎ። እቲ ነቶም ፓትርያርክ ኣብ ማሕዩር ሒዙዎም ዝርከብ ዘሎ፥ፖለቲካዊ-ኃይሊ እቲ ነገር ስለ-ዝኸበዶ ግና፥ መውጽኢ ዝኾኖ ነቓዕ እንተረከበ ተባሂሉ’ዩ፥ ብዕራይ-ወለደ ዝዓይነቱ ተዋስኦ ክምህዝኣገዲዱዎ ዝርከብ ዘሎ።

እዚ ኩሉ’ዚ ድማ፥ መሬት ክወግሕ ቀሪቡ ምህላዉ ዘመልክት ስለ-ዝኾነ፥ “ንቁም በበህላዌነ” ኣብ ዝበሃለሉ ሰዓት ንርከብ ምህላውናክንፈልጥ ይግባእ። ኣብቲ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ዓቃቤ-መንበር ብምዃን፥ ዝመርሑዎ ዘለዉ ሓዋርታዊ-ሰንሰለት ዝሓለወ መንበርወጺእና ከኣ፥ የማነ ጸጋም እንብለሉ ምኽንያት ኣሎ ኣይንብልን።

ካህን ተክለማርያም ምርካጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

http://tewahdo.org/

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde August 10, 2016

    BORTHODOX KAL IMNET TEWAHDOKA,KAB DINGIL ZTEWERSE ITI KUDUS SGAKA,BA’ELKA MERHAYO MENFESKA BIFIKADKA,NPAULOS ZIWEREDE BRHAN KAL ZERGIHKA.AB KERANYO,AB KERANYO BIMSKAL AB GOLGOTA TEKEBERKA,AMEN! The Lord will keep his sanctuary pristine.

  • ame August 11, 2016

    ዎ ኣምላኽና ካብ’ቅንዕቲ እምነት ኣቦታትና ኣይትፍለየና እንተ ዞም ሓንሳብ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ሓንሳብ ናይ እምነት መራሕቲ ኮይኖም ንህዝቢ ሓቢሩ ናብ ኣምላኹ ጸሎቱ ከየዕርግ ዕንቅፋት ዝኾኑ ዘለዉ ግን ፍዳ ናይቲ ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ክረኽቡ ምዃኖም እሙን ዩ።

POST A COMMENT