Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዱባይ ስልጠና ሓይሊ ኣየር ክወስዱ ዝጸንሑ 3 ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ወጻኢ ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም።

ኣብ ዱባይ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ስልጠና ሓይሊ ኣየር ክወስዱ ካብ ዝጸንሑ 15 ኤርትራውያን መንእሰያት፣ እቶም ሰለስተ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምርሕራሕ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም ከምዘለዉ ተፈሊጡ። እቶም ንሰለስተ ዓመት ዝተዋህቦም ስልጠና ገዲፎም ዑቕባ ሓቲቶም ዘለዉ

ኣብ ዱባይ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ስልጠና ሓይሊ ኣየር ክወስዱ ካብ ዝጸንሑ 15 ኤርትራውያን መንእሰያት፣ እቶም ሰለስተ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምርሕራሕ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

እቶም ንሰለስተ ዓመት ዝተዋህቦም ስልጠና ገዲፎም ዑቕባ ሓቲቶም ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ሲራክ ቴድሮስ፣ ኣቤል ገብሪሂወት፣ ኣማን ዝብሃሉ ልዕሊ 22 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት እዮም።

እቶም 15 መንእሰያት፣ ኣብ ትምህርቲ ብዘመዝገቡዎ ልዑል ነጥቢ ተሓርዮም ‘ዮም ንሞያዊ ስልጠና ሓይሊ ኣየር ናብ ዶባይ ተላኢኾም።

ይኹን’ምበር እቲ መጻኢ ዕድል መንእሰያት ዘይዓጦ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ እቶም መንእሰያት ናይ ሓይሊ ኣየር ስልጠናኦም ንሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምክትታል ናይ መኮንናት ምዓርግ ተቐቢሎም ስልጠናኦም ንምፍጻም ኣብ ዝተቐራረቡሉ እዋን፣ ንፍርቆም፣ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ወግዓዊ ምግለጺ መደብ ስልጠናኦም ናብ ሓይሊ ባሕሪ ክቕይሩ ከምዘገደዶም ተፈሊጡ።

ብሰንኪ ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ኢስይያስ፣ ነባራትን ሓደስትን ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ገለ ነፈርቲ ሒዞም ገሊኦም ድማ በብዝገሹዎ ነቲ ስርዓት እናራሕርሑዎ ብምኻዶም፣ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ሞያዊ ዓቕሙ ተጸንቂቑ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ወዲቑ ኣሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • ኣርዓዶም September 16, 2015

    ብርሃኑ ነጋ ልዕሊ ፍርቒ ሚልዮን ዶላር ሒዙ ኣብ ኤርትራ ኣሎ፡ እዚ ገንዘብ ዝተረኽበሉ ምኽንያት ክኣ፡ እቶም ን ኢሳይያስ ኢንተርቪው ዝገበርሉ ጋዜጠኛታት ምስ ኣባልት ሰራዊት ደምሒት ተሳ ኢሎም ንኸምስሉ ኩሉ ስእልታት ወሲዶም ኣብ ኣመሪካ ክንድዚ ሰራዊት ኣለና ስለዝበሉ` ብህዝቢ ት ኣማንነት የሕዲሮም፡ ኣሽሓት ገንዘብ ተ ኣኪቡ ን ኣቦ መንበር ብርሃኑ ነጋ ተረኪቡ፡ ሒዝዎ ናብ ኤርትራ እትው እንተበለስ፡ ኣርበኞች ዝብሃሉ ኣባላቱ ካብ 50 ዘይሓልፉ ኮይኖም ረኺብዎም። ገንዘብ ንሰራዊኢት ደምሒት ከየማቐለ ሒዝዎ።
    እዞም ናትና ብፍላይ ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ዝገብርዎ ተመሳሳሊ ኢዩ፡ ኣሳእል ሰራዊት ናብ ፌስቡክ እንዳጠቓዕካ፡ ገንዘብ ህዝቢ ግሒጥኻ ኣብ እንዳስዋን ኣመናዝርን ግዜኻ ምሕላፍ። ንዝቓለሱ መንእሰያት ምዅላፍን ከም ጸላእቲ ናብ ወያነ ከሲስካ ምእሳር፡ ኢዩ ስርሖም። ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦም ኣለዎ። እዞም ካብ ኣርበኞች ዝኸፍኡ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ንዓመታት ብምጥፍፋእ ዝነብሩ መራሕቲ ግምባር ሃገራዊ ድሕነት፡ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሶም ኢዮም ቖልዒጾሞን ዝቑልዕጽዎን ዘለዉ። ስለዚ ኩሉ ደላይ ሰላም ፍትሒ፡ ኣንጻር ህግደፍ ይቃለስ ኢየ ዝብል፡ ነዞም መደናገርቲ ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ክጥንቐቐሎምን ኣብ`ቲ ቕኑዕ ኢዩ ዝብሎ ቓልሲ ኣትዮ፡ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ክሰምርን ይላቦ።

    • fthawi September 16, 2015

      Aradom ezi tblo zeleka hasibkalu ktkewen tesfa ygebr.kem megletsika delay fthi tmesl gen nay delay fthi akayda yeblkan. kemaka medanegerti gzom halyom tegalitsom eyom emo nska wen kemtom geberti ekey key segomka tefelitka eika dehan bzerebaka ztalel delay fthi khlu kem zey hlu keregagtselka yfetu. nskan dewi nskan nzey feletkum ketetalulu tftnu emo key segomkum dma nfeltekum ina.enqfat qalsi fthawyan ktkonu mftankum gen key geremeni i terefen. nkorakur HGDEF kemhu ilkum qeshshwom eikum.ezi wedehanka.

      • AHMED SALEH !!!. September 16, 2015

        Aradom
        Most of the time politicians at leadership
        position like to take credit from behind
        the scene . I take your advice to keep our
        eyes on those who hold responsibility .
        We learned hard way from past experience not
        give unreserved promotion without proved
        convictions . But the problem of our current
        national politics is dominated with secrecy
        hidden from public knowledge .
        Our fighters fell victims because they ignored
        suspicious signs of threat that might bring
        failure .
        Right now , I can’t comment in regard these
        individuals subjected in our discussion except
        to express my concern at general level .

    • tesfay September 16, 2015

      ዝኸበርካ ወሃቢ ሪኢቶ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ፡ ካብ ናይ ኤርትራ ተቃዋሚ ደንደንበ እቲ ዝሓየለን ብኹሉ መዳያዊ ቃልሲ ዝገጥም ዘሎ ዉድብ ኢዩ።ብዙሓት ኣመንዙራታት ፖለቲካን መደናገርትን ጸላኢኦ ህግደፍ ዘይኮነስ ግሃድኤ ሕድሪ ምኻኑ፡ ፍሉጥ ኢዩ።ደጊም ፖለቲካዊ ምንዝርና ኣብቂዑ ኢዩ። ንየማን እንተተመለስካ ይሓይሽ።ወድሓንካ

    • SAVING YOUNG ERITREANS September 16, 2015

      ኣርዓዶም ,

      እቲ ጉዳይ ኣዕሚቘ ስለ ዘይፈልጦ እኳ ሓቅኻ ክብል እንተዘይበልኩ ፣ናይ ተቓወምቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ኩነታት ብዙሕ ጊዜ ሰሚዔ ኣለኹ።ኢትዮጵያ ድማ ኣተሓሳስብኡን ጽልኡን ካብ ናይ ህግደፍ ዝገድድ ተቓዋማይ ክዕወት ትደልዮ እያ ኣይብልን።ኣብ No fara paltalk ስማዕ እሞ እቶም ብኢትዮጵያ ጌሮም ናብ ወጻኢ ዝኣተዉ እዞም ዓጋመ እዚኦም ኣይእመኑን እዮም ክብሃል ክትሰምዕ ይገርመካ። ኣነ ወያነ እንተዝኸውን እዚ ህዝቢ ኣብ ናይ ባዕሉ መረቕ ክጥጠቕ ምገደፍክዎ።ግን ህዝበይ ስለ ዝኾነ ድማ የሕዝነኒ።ዓሻስ ስኣን ልቡ ይጸድቕ ዶ ኾን ይገብሮ ???

  • berihu kidane September 16, 2015

    ኣርዓዶም ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ብኩሉ መዳያቱ ዝሓየለን ንህግደፍ ድማ ኣብ ቀምሽ ኣዲኡ ዘሽኖ ዘሎን ውድብ ዩ መርኣያ ናቱ ድማ መጥቃዕቲ ህግደፍ ባኣኻን ብከማኻን ዝበሉ ናብኡ ይውሕዝ ኣሎ በንጻሩ ካኣ ደላይፍትሒ ከማይ ይዛርዮ ኣሎ ስለዚ ፍርሕኻ ክትሓብእ ኣይትፈትን ንፍትሒ ምስ ዝቃለሱ ኣሕዋትካ ተጸንበር ወደሓንካ

  • Berhe Tenesea September 16, 2015

    The Tembein regime has done a big mistake by sending tese Woyane and Agames for trainong.
    The regime must have sent the few Demhit insiders,who are related by blood with him.

  • Eri101 September 18, 2015

    Eritrea’s future as a state is questionable if not in the near future in the medium!!!

POST A COMMENT