Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

BREAKING NEWS: ኣብ ዱባይ ስልጠና ሓይሊ ኣየር ወሲዶም ዝተመረቑ 4 ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ወጻኢ ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም።

ኣብ ዱባይ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ስልጠና ሓይሊ ኣየር ብምውሳድ ካብ ዝተመረቑ 12 ኤርትራውያን መንእሰያት፣ እቶም ኣርባዕተ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምርሕራሕ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም ከምዘለዉ ተፈሊጡ። እቶም፣ ናይ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ስልጠና ፈጺሞም ድሕሪ ምምራቖም

ኣብ ዱባይ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ስልጠና ሓይሊ ኣየር ብምውሳድ ካብ ዝተመረቑ 12 ኤርትራውያን መንእሰያት፣ እቶም ኣርባዕተ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምርሕራሕ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

እቶም፣ ናይ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ስልጠና ፈጺሞም ድሕሪ ምምራቖም ነቲ ምልካዊ ስርዓት ራሕሪሖም ዑቕባ ሓቲቶም ዘለዉ መንእሰያት ካብ 19 ክሳብ 22 ዝዕድሚኦም፣ ሄኖክ ተስፋጋብር፣ ዓወት ሙልጌታ፣ መሓመድ ስሌማን ከምኡ ‘ውን ዳንኤል በረኸት እዮም።

ኣብ ድምጺ ኣሰና ፈለማ ብዜና ቀጺልና ድማ ብቓለመጠየቕ ኣቕሪብናዮ ከምዝነበርና፣ 3 ካብቶም ሰልጠቲ ሓይሊ ኣየር ኣቐድም ኣቢሎም ዑቕባ ሓቲቶም እዮም። ካብቶም ጠቕላላ 15 ሰልጠንቲ፣ ነዞም ናይ ሎሚ ሓዊስካ ብድምር 7 ኤርትራውያን መንእሰያት ነቲ ምልካዊ  ስርዓት ብምቅዋም ዑቕባ ሓቲቶም ኣለዉ።

እቶም 15 መንእሰያት፣ ኣብ ትምህርቲ ብዘመዝገቡዎ ልዑል ነጥቢ ተሓርዮም ‘ዮም ንሞያዊ ስልጠና ሓይሊ ኣየር ናብ ዶባይ ተላኢኾም ነይሮም።

ይኹን’ምበር እቲ መጻኢ ዕድል መንእሰያት ዘይዓጦ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ እቶም መንእሰያት ናይ ሓይሊ ኣየር ስልጠናኦም ንሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምክትታል ናይ መኮንናት ምዓርግ ተቐቢሎም ስልጠናኦም ንምፍጻም ኣብ ዝተቐራረቡሉ እዋን፣ ንፍርቆም፣ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ወግዓዊ ምግለጺ መደብ ስልጠናኦም ናብ ሓይሊ ባሕሪ ክቕይሩ ከምዘገደዶም ተፈሊጡ።

ብሰንኪ ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ኢስይያስ፣ ነባራትን ሓደስትን ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ገለ ነፈርቲ ሒዞም ገሊኦም ድማ በብዝገሹዎ ነቲ ስርዓት እናራሕርሑዎ ብምኻዶም፣ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ሞያዊ ዓቕሙ ተጸንቂቑ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ወዲቑ ኣሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • halefom January 7, 2016

    If the training takes three years, the ones with the age of 19 must have started at the age of 16. Is it a right statement?

  • Menghesha January 7, 2016

    Eritrean usually do not take their date of birth seriously, you have always to give+ or- 5 years…..age does not matter it is the action and the statement that matters most I guess

    • Meb January 9, 2016

      Toumay be right but the Etitreans who are born after 1991 the know exactly their birth date so this news is a little credible.

  • Aziz Tewil January 8, 2016

    It is not the age of these highly trained Eritreans that matters. But the demise of the country!

  • berie haqi January 9, 2016

    ኣየ ኣማኑኤል ጠራራይ : ወረ ረኺበ ኢልካስ ነዚ ኣፍካ ክሳብ ዝጅላሕ ከተገማድሕ : ከብዲ እንተዘይኮይኑ ልቢ ስለዘይብልካ : ማዕዳና ናብ ቀዳድ ሳንኬሎ እዩ : እምበር እቶ ቅድሚ 13 ዓመት ኣቢሎም ንሃገሮም ራሕሪሖም ዑቕባ ዝሓተቱ ኣበያናይ ውርደትን ሓሳረመከራን ይርከቡ ከምዘለዉ ባዕላቶም ዝነግሩና ጣዕሳ ዘርዚርካ ኣይውዳእን : ጠንቁ ከኣ ብዓል ንስኻን ዝኸማኻን ከም ግሐ ኣብ ፈቐዶ መናክዕ ተሸጒጥኩም ተጋግዩ ምህላውኩም ኮይኑ : ሓንቲ መዓልቲ ግን ኣላ ንተሓሳሰበላ : ድቃስ ጥራይ ኣይነብዝሕ : ሓለንጊ ሓፋሽ ሓጺር ስለዘይኮነ :
    ብርዒ :

    • Merhawi January 9, 2016

      Berie hagi u are good example for us ,how you are a killer and your beloved isayas king of demons also dictatorship.

    • Berhane January 11, 2016

      Nezia melsi zesehafe woy Essayas, Kisha eti ginay Yemane Monkey woy dema Sofia Tesfamariam ezia bejeka tekma kale deyeraya seb kemzekonet terter aytegberu Eritraweian kegaguyna bezuh shim eyom zekeyru!!!

  • Berhe Tensea January 10, 2016

    Welcome to freedom, Good for them, working under dictator is a curse. These people will be enjoying life free of fear for the first time.
    I wish them happiness and success.

Post a Reply to Berhe Tensea Cancel Reply