Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዱባይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኤምባሲ ስርዓት ኢሳይያስ ምስ ኢትዮጵያውያን ተደሚሮም ናይ ደገፍ ኣኼባ ክገብሩ ንዘቕረበሎም ጻውዒት ተሳታፍነቶም ብምግላል ተቓውሞኦም ገሊጾም።

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዱባይ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ምስ ኢትዮጵያውያን ክግብር ኣብ ዝወጠኖ ናይ ደገፍ ሰልፊ ንኽመጽኡ ብቕንያቱ 500 ማልያ ስእልታት 1ይ ሚኒስተር ኣቢይን ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ዝተለጥፎ ማልእያ ብምሻጥ ኳ ጸቕጢ ወሲኾም እንተዓደሙዎም፡

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዱባይ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ምስ ኢትዮጵያውያን ክግብር ኣብ ዝወጠኖ ናይ ደገፍ ሰልፊ ንኽመጽኡ ብቕንያቱ 500 ማልያ ስእልታት 1ይ ሚኒስተር ኣቢይን ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ዝተለጥፎ ማልእያ ብምሻጥ ኳ ጸቕጢ ወሲኾም እንተዓደሙዎም፡ ተሳታፍነቶም ብምግላል ነቲ ጸቕጢ ዝተሓወሶ ጻውዒት ከምዝነጸጉዎ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣብ ዱባት ስታድዩም ዝተኻየደ ኣጋጣሚ፡ ናይ ቀደም ባንዴራ ኢትዮጵያ ዝሓዙ ዝርከቡዎም ልዕሊ 500 ኢትዮጵያውያን ክርከቡ ከለው፡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ዝበዝሑዎም 50 ኤርትራውያን ጥራይ ብምምጻእ `ዮም ተቓውሞኦም ገሊጾም።

ድሕሪ ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ መዝሙር፡ ሃገራዊ መዝሙር ኤርትራ ዝዝመረሉ ተራ ምስ ኣኸለ፡ ድምጺ ኤርትራውያን ጠፊኡ ዝዝምር ምስ ተሳእነ፡ እቶም ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ሓደ ሓደ ውልቀሰባት ብሕፍረት መእተዊኦም ከምዝጨነቖም `ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Amanuel August 8, 2018

    Sielawi malet video kidah tetigebrula xubuk neru. Alo tekoinu.

  • Amanuel August 8, 2018

    Tedemirna hade kenna chirho bzuh edaga yeblan ab ertra. Wala HGDF baelomwin aygezuwan. Nay iseyas tirah eya koyna terifa. Hiji etom hususat nertra zeykones niseyas tetew ziblu ke eryulu hirdig yiblu alewu hade ena zibeleko hede hizbi kilte adi maletu eyu. Dob yelen ayfelyenan eyu zibelowin hateftef atyom alewu.

  • Amanuel August 8, 2018

    Kalie b TEBAE TEGADALAYN MESFIN HAGOS ziwetse habereta bzaeba zifeshele fetene nay iseyas nibuzuhat HGDF tesewituwom alo.

POST A COMMENT